ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w25 መስከረም ገጽ 20-25
  • “ዘንቀዱ” ነቲ መልእኽቲ ኪቕበልዎ እዮም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • “ዘንቀዱ” ነቲ መልእኽቲ ኪቕበልዎ እዮም
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2025
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ሰባት ነቲ መልእኽቲ ንምቕባል ድሉዋት ምስ ዚዀኑ
  • መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ምስ ተጀመረ
  • ሓደስቲ ኣብ ኣኼባታት ኪእከቡ ምስ ጀመሩ
  • መልሲ እዚ ሕቶታት እዚ ድለ
    መደብ ኣኼባ ወረዳ 2025-2026—ምስ ሓላው ወረዳ
  • ካብ ኣገልግሎት ብኸመይ ዝያዳ ሓጐስ ትረክብ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2024
  • ኣብ የሆዋ ኸም እንውከል ዜርኢ ውሳነታት
    ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2023
  • ዘይንፈልጦ ነገራት ከም ዘሎ ብትሕትና ኣሚንና ንቀበል
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2025
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2025
w25 መስከረም ገጽ 20-25

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 39

መዝሙር 54 “እታ መገዲ እዚኣ እያ”

“ዘንቀዱ” ነቲ መልእኽቲ ኪቕበልዎ እዮም

“ኵሎም እቶም ናብ ናይ ዘለኣለም ህይወት ዘንቀዱ ድማ ኣመኑ።”—ግብ. 13:48።

ኣትኵሮ

ንሰባት መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኪገብሩ መዓስ ሕቶ ኸም እነቕርበሎም፡ ናብ ኣኼባታት እውን መዓስ ከም እንዕድሞም።

1. ሰባት ንብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ብኸመይ እዮም እተፈላለየ ምላሽ ዚህቡ፧ (ግብሪ ሃዋርያት 13:47, 48፣ 16:14, 15)

ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ብዙሓት ሰባት፡ ብዛዕባ ክርስትያናዊ መልእኽቲ ምስ ሰምዑ፡ ብኡብኡ ሓቂ ተቐቢሎም እዮም። (ግብሪ ሃዋርያት 13:47, 48፣ 16:14, 15 ኣንብብ።) ሎሚ እውን ብተመሳሳሊ፡ ገሊኦም ሰባት ንፈለማ ግዜ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ምስ ሰምዑ ይሕጐሱ እዮም። ኣብ መጀመርታ፡ ብዛዕባ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ተገዳስነት ዘይነበሮም ሰባት እኳ፡ ጸኒሖም ልቦም ከፊቶም ኪቕበልዎ ይኽእሉ እዮም። እሞ ደኣ ኣብ ኣገልግሎትና ናብ ናይ ዘለኣለም ህይወት “ዘንቀዱ” ሰባት ክንረክብ ከለና፡ እንታይ ኢና ኽንገብር ዘሎና፧

2. ደቀ መዛሙርቲ ናይ ምግባር ዕዮና ምስቲ ሓደ ኣታኽልተኛ ዚዓይዮ ዕዮ ዚመሳሰል ብኸመይ እዩ፧

2 ሓደ ምሳሌ እስከ ንርአ። ደቀ መዛሙርቲ ናይ ምግባር ዕዮና ምስቲ ሓደ ኣታኽልተኛ ዚዓይዮ ዕዮ ኺመሳሰል ይኽእል እዩ። እቲ ኣታኽልተኛ እናዘርአ ወይ እናተኸለ ኸሎ፡ ብሱል ፍረታት እንተ ርእዩ፡ ነቲ ፍረታት ይእክቦ እዩ። ብተመሳሳሊ፡ ንመልእኽትና ንምቕባል ድሉው ዝዀነ ሰብ እንተ ኣጓኒፉና፡ ብእተኻእለ መጠን ብቕልጡፍ ወደ መዝሙር ክርስቶስ ምእንቲ ኪኸውን ክንሕግዞ ንደሊ ኢና። ጐድኒ ጐድኒ እዚ ድማ፡ ነቶም ንኣገዳስነት እቲ ዚንገሮም መልእኽቲ ገና ዘይተረድኡ ሰባት፡ ተገዳስነቶም ኬማዕብሉ ኽንሕግዞም ንደሊ ኢና። (ዮሃ. 4:35, 36) ንሰማዕትና ዝሓሸ ኣቀራርባ ኣየናዩ ምዃኑ ንምውሳን፡ ምስትውዓል ኪሕግዘና ይኽእል እዩ። ሕጂ እምበኣር፡ ኣብቲ ናይ መጀመርታ ምብጻሕ ንመልእኽትና ንምቕባል ድሉዋት ንዚዀኑ ሰባት ንምሕጋዝ፡ እንታይ ክንገብር ከም እንኽእል ክንምርምር ኢና። ብቐጻሊ ዕቤት ምእንቲ ኺገብሩ ብኸመይ ክንሕግዞም ከም እንኽእል እውን ክንርኢ ኢና።

ሰባት ነቲ መልእኽቲ ንምቕባል ድሉዋት ምስ ዚዀኑ

3. ኣብ ኣገልግሎት ግዱሳት ኬጋጥሙና ኸለዉ፡ እንታይ ኢና ኽንገብር ዘሎና፧ (1 ቈረንቶስ 9:26)

3 ኣብ ኣገልግሎት ግዱሳት ሰባት ምስ ረኸብና፡ ብኡብኡ ኣብ መገዲ ህይወት ምምልላስ ምእንቲ ኺጅምሩ ኽንሕግዞም ኢና እንደሊ። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት ኣብቲ ናይ መጀመርታ ምይይጥና መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኪጅምሩ ሕቶ ንምቕራብ፡ ከምኡ ድማ ናብ ኣኼባታትና ኺመጹ ንምዕዳም ክንስከፍ የብልናን።—1 ቈረንቶስ 9:26 ኣንብብ።

4. ንመጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ድልውቲ ብዛዕባ ዝዀነት ሰብ ዚገልጽ ተመክሮ ኣዘንቱ።

4 መጽናዕቲ ኺጅምሩ ምሕታት። ገሊኦም እነዛርቦም ሰባት ብኡብኡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንምጅማር ድሉዋት እዮም። ንኣብነት፡ ሓንቲ ኣብ ካናዳ እትነብር መንእሰይ፡ ሓሙስ መዓልቲ ናብ ዓረብያ ጽሑፋት ቀሪባ ንዘለኣለም ብህይወት ንበር! ዘርእስታ ብሮሹር ወሰደት። እታ ጥቓ እታ ዓረብያ ዝነበረት ሓብቲ ድማ፡ በታ ብሮሹር እቲኣ ገይራ ብናጻ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክትገብር ከም እትኽእል ገለጸትላ። እታ መንእሰይ ተገዳስነት ስለ ዘሕደረት፡ ቍጽሪ ተሌፎና ነታ ሓብቲ ሃበታ። በታ መዓልቲ እቲኣ ግና፡ እታ መንእሰይ ነታ ሓብቲ ብዛዕባ እቲ መጽናዕቲ ተክስት ገበረትላ። እታ ሓብቲ ቐዳመ ሰንበት ኪራኸባ ኸም ዚኽእላ ሓሳብ ምስ ኣቕረበት፡ እታ መንእሰይ “ጽባሕ ዘይንገብሮ፧ ኣነ ናጻ እየ” ኢላ ሓተተታ። ኣብታ ዓርቢ እቲኣ ድማ መጽናዕቲ ጀመራ። ኣብ መወዳእታ እታ ሰሙን ከኣ፡ እታ መንእሰይ ንመጀመርታ ግዜኣ ኣብ ኣኼባ ተኣከበት፡ ቅልጡፍ ዕቤት እውን ትገብር ኣላ።

5. መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንምጅማር ሕቶ ኸነቕርብ ከለና ብኸመይ ኢና ኸነስተውዕል እንኽእል፧ (ስእልታት እውን ርአ።)

5 ልክዕ እዩ፡ ንመልእኽትና ዚሰምዑ ዘበሉ ዅሎም ከምታ መንእሰይ እቲኣ ህንጡያት ኪዀኑ ኣይንጽበን ኢና። ገሊኦም ሰባት ተገዳስነት ንምምዕባል ግዜ የድልዮም እዩ። ኣብ ፈለማ፡ ነቲ ሰብ ብዛዕባ ዜገድሶ ጕዳያት ዝርርብ ክንጅምር የድልየና ይኸውን። ኰይኑ ግና፡ ኣወንታዊ ኣረኣእያ እንሕዝ፡ ንሰባት ድማ ብሕታዊ ተገዳስነት እነርኢ እንተ ዄንና፡ ኣብ ሓጺር ግዜ መጽናዕቲ ኸነጀምር ንኽእል ንኸውን። እሞ ደኣ መጽናዕቲ ንምጅማር ክንሓትቶም ከለና፡ እንታይ ኢና ኽንብል እንኽእል፧ እዛ ሕቶ እዚኣ፡ መጽናዕትታት መጽሓፍ ቅዱስ ብምጅማር ውጽኢታውያን ንዝዀኑ ሓያሎ ኣሕዋትን ኣሓትን ኣቕሪብናሎም ኢና።

ስእልታት፦ 1. ክልተ ኣሕዋት፡ ኣብ ገበላ ቤቱ ኾፍ ንዝበለ ብዕድመ ዝደፍአ ሰብኣይ ይዛረብዎ። 2. ክልተ ኣሓት ንሓንቲ ኣብ ኣፓርታማ እትነብር ኣደ፡ “ንዘለኣለም ብህይወት ንበር!” ዘርእስታ ብሮሹር የበርክታላ። እታ ኣደ ብሓደ ኢዳ ንወዳ ሓቚፋቶ ኣላ፣ እቲ ሓደ ወዳ ኸኣ ኣብ ጥቓአን ደው ኢሉ ኣሎ።

እዞም ሰባት እዚኦም መጽናዕቲ ምእንቲ ኺጅምሩ፡ እንታይ ኢኻ ኽትብል እትኽእል፧ (ሕጡብ ጽሑፍ 5 ርአ)a


6. ምስ ሓደ ግዱስ ሰብ እንገብሮ ዝርርብ ንምቕጻል፡ እንታይ ክንብል ንኽእል፧

6 ብዛዕባ ምጅማር መጽናዕትታት ሕቶ ዝቐረበሎም ኣስፋሕትን ፈለምትን፡ ኣብ ገሊኡ ዓድታት ብዛዕባ መጽናዕቲ ኽትዛረብ ከለኻ፡ “መጽናዕቲ፡” “ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ፡” ወይ “ክምህረካ” ዚብልዎ ቓላት እንተ ዘይተጠቐምና ኸም ዚሓይሽ ገሊጾም ኣለዉ። ኣብ ክንዳኡስ፡ “ክንዛራረብ፡” “ክንመያየጥ፡” ወይ “ንመጽሓፍ ቅዱስካ ኽትፈልጦ” ዚብል ቃላት እንተ ተጠቐምና ኸም ዚሓይሽ ሓቢሮም ኣለዉ። ነቲ ዝርርብኩም ንምቕጻል፡ “ኣብ ህይወት ዚልዓል ኣገዳሲ ሕቶታት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ መልሲ ኺርከበሉ ይከኣል እዩ፡” ወይ “መጽሓፍ ቅዱስ ናይ ሃይማኖት መጽሓፍ ጥራይ ኣይኰነን፡ ኣብ ህይወትና እውን ናይ ብሓቂ ይሕግዘና እዩ” ኽትብል ትኽእል ኢኻ። ኣስዕብ ኣቢልካ እውን፡ “ብዙሕ ግዜ ዚወስድ ኣይኰነን፣ ኣብ ውሽጢ 10 ወይ 15 ደቒቕ ጠቓሚ ነገር ኪርከብ ይከኣል እዩ” ኽትብል ትኽእል ኢኻ። ብዘይካዚ፡ ግዴታ ኸም ዚስምዖም ዚገብር፡ “ቈጸራ፡” ወይ “ሰሙን ሰሙን” ዚብል ቃላት ከየውሳእካ ኸምኡ ኽትገብር ትኽእል ኢኻ።

7. ገሊኦም ንሓቂ መጽሓፍ ቅዱስ ንመጀመርታ ግዜ ዜለልይዎ መዓስ እዮም፧ (1 ቈረንቶስ 14:23-25)

7 ናብ ኣኼባ ዓድሞም። ብግዜ ሃዋርያ ጳውሎስ፡ ገሊኦም ሰባት ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባ ምስ ተኣከቡ፡ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ሓቂ ኼለልዩ ኽኢሎም እዮም። (1 ቈረንቶስ 14:23-25 ኣንብብ።) ሎሚ እውን ብዙሕ ሳዕ ከምኡ የጋጥም እዩ። ብዙሓት ሓደስቲ ሰባት ኣብ ኣኼባታትና ኺእከቡ ምስ ጀመሩ፡ ቅልጡፍ ዕቤት ይገብሩ እዮም። እሞ መዓስ ኢና ናብ ኣኼባታትና ኽንዕድሞም ዘሎና፧ ኣብታ ንዘለኣለም ብህይወት ንበር! ዘርእስታ መጽሓፍ፡ ኣብ ትምህርቲ 10 እዩ እዚ ዕድመ እዚ ዘሎ፣ እንተዀነ ግና፡ ኣብኡ ኽሳዕ እትበጽሕ ከይዓደምካዮ ኽትጸንሕ ኣሎካ ማለት ኣይኰነን። ካብ ናይ መጀመርታ ዝርርብኩም ኣትሒዝካ ናብቲ ኣብ ቀዳመ ሰንበት ዚግበር ኣኼባ ኽትዕድም ትኽእል ኢኻ። ከምኡ ኽትገብር ከለኻ ድማ፡ ምናልባት ኣርእስቲ ህዝባዊ መደረ ወይ ኣብቲ ሰሙን ካብ ዚጽናዕ መጽናዕቲ ግምቢ ዘብዐኛ ሓደ ነጥቢ ኽትጠቅስ ትኽእል ኢኻ።

8. ንሓደ ሰብ ናብ ኣኼባታትና ኽንዕድሞ ኸለና፡ ኣብ ምንታይ ኢና ኸነተኵረሉ እንኽእል፧ (ኢሳይያስ 54:13)

8 ንሓደ ግዱስ ክትዕድሞ ከለኻ፡ ኣኼባታትና ኻብቲ ንሱ ዝለመዶ ሃይማኖታዊ ኣገልግሎታት ብኸመይ ከም ዚፍለ ግለጸሉ። ሓንቲ ተምሃሪት መጽሓፍ ቅዱስ ንፈለማ ግዜ ኣብ መጽናዕቲ ግምቢ ዘብዐኛ ምስ ተኣከበት፡ ንመምህራ፡ “እቲ ዚመርሕ ሰብ ንዅሎም ሰባት ድዩ በብስሞም ዚፈልጦም፧” ኢላ ሓተተታ። እታ ሓብቲ ድማ፡ ከምቲ ንስማት ኣባላት ስድራ ቤትና እንፈልጥ፡ ስማት ኵሎም እቶም ኣብ ጉባኤ ዘለዉ እውን ክንፈልጥ ከም እንጽዕር ነገረታ። እታ ተምሃሪት፡ እዚ ኻብ ቤተ ክርስትያና ኣመና እተፈልየ እዩ ዀይንዋ። ብተወሳኺ፡ ዕላማ ኣኼባታትና እውን ንብዙሓት ይሕድሶም እዩ። (ኢሳይያስ 54:13 ኣንብብ።) ንየሆዋ ንምምላኽ፡ ካብኡ ትምህርቲ ንምቕሳም፡ ንሓድሕድና እውን ንምትብባዕ ኢና ኣብ ኣኼባታት እንእከብ። (እብ. 2:12፣ 10:24, 25) በዚ ምኽንያት እዚ፡ ኣኼባታትና ንትምህርቲ ተባሂሉ ብስርዓት እተወደበ ደኣ እዩ እምበር፡ ኣብ ሃይማኖታዊ ጽምብላት ዘተኰረ ኣይኰነን። (1 ቈረ. 14:40) ክንምሃር ኢልና ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ስለ እንእከብ እውን፡ ኣዳራሻትና እኹል ብርሃን ኣለዎ። ካብ ፖለቲካዊ ጕዳያት ገለልተኛታት ስለ ዝዀንና ኸኣ፡ ንሓደ ፖለቲካዊ ሰልፊ ኣይንድግፍን ኢና። ብዘይካዚ፡ ኣብ ኣኼባታትና ጭድርታ ወይ ቈየቛ የልቦን። ስለዚ፡ ነቲ ተምሃራይ ኣቐዲምና፡ ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ እዩ ዚግበር፧ ዘርእስታ ቪድዮ ኸነርእዮ ንኽእል ኢና። በዚ ኸምዚ፡ ካብ ኣኼባታትና እንታይ ከም ዚጽበ ኺፈልጥ ይኽእል።

9-10. ንሓደ ግዱስ ናብ ኣኼባ ኽንዕድሞ ኸለና፡ ኣባል ሃይማኖትና ኪኸውን ወይ ኣብ ኣኼባና ኺሳተፍ ጸቕጢ ኸም ዘይንገብረሉ ብኸመይ ከነረጋግጸሉ ንኽእል፧ (ስእሊ እውን ርአ።)

9 ገሊኦም ሰባት “ኣባል ቤተ ክርስትያንና ኹን” ዚብል ሕቶ ኸይቀርበሎም ስለ ዚፈርሁ፡ ናብ ኣኼባ ኺመጹ ኣይደልዩን እዮም። ስለዚ ነቲ ግዱስ ተሓጒስና ኣጋይሽ ከም እንቕበል፡ ኣባል ሃይማኖትና ኪኸውን ወይ ኣብቲ ኣኼባ ኺሳተፍ እውን ጸቕጢ ኸም ዘይንገብረሉ ኣረጋግጸሉ። ስድራ ቤታት እውን ምስ ደቆም ናብ ኣኼባታትና ኺመጹ ይኽእሉ እዮም። ኣብ ኣኼባታትና ቘልዑ ንበይኖም ኣይኰኑን ዚምሃሩ። ኣብ ክንዳኡስ፡ ወለድን ውሉዳትን ብሓባር ኮፍ ኢሎም እዮም ዚምሃሩ። በዚ ኸምዚ ድማ፡ ውሉዳት ኣበይ ከም ዘለዉን እንታይ ይምሃሩ ኸም ዘለዉን ወለዶም ኪፈልጡ ይኽእሉ። (ዘዳ. 31:12) ኣብ ኣኼባታትና እናዞርና ገንዘብ ኣይንእክብን፡ ወይ ወፈያ ዚእከበሉ ጶስጣ ኣይነዝውርን ኢና። ኣብ ክንዳኡስ፡ ነቲ የሱስ፡ “ብናጻ ተቐቢልኩም ኢኹም እሞ፡ ብናጻ ሃቡ” ኢሉ ዝሃቦ ትእዛዝ ኢና እንስዕብ። (ማቴ. 10:8) ብዘይካዚ፡ ነቲ ግዱስ ኣብ ኣኼባታትና ንምእካብ፡ ክቡር ክዳውንቲ ኸም ዘየድልዮ ኽትጠቕሰሉ ትኽእል ኢኻ። ኣምላኽ ትርኢት ሰብ ዘይኰነስ፡ ልቢ እዩ ዚርኢ።—1 ሳሙ. 16:7።

10 እቲ ግዱስ ናብ ኣኼባ እንተ መጺኡ፡ ጽቡቕ ጌርካ ተቐበሎ። ምስ ሽማግለታትን ምስ ካልኦት ኣስፋሕትን ኣላልዮ። እንተ ዘይተጋዪሹ፡ ተመሊሱ ንምምጻእ ዘለዎ ዕድል ኪሰፍሕ እዩ። ኣብ ኣኼባ፡ ዚከታተለሉ መጽሓፍ ቅዱስ እንተ ዘይብሉ፡ ናትካ መጽሓፍ ቅዱስ ሃቦ። ካብ ተዛራባይ ወይ ካብ መጽናዕቲ ዚውሃብ ትምህርቲ ብኸመይ ከም እንከታተል እውን ኣርእዮ።

እታ ኣብ ዝቐደመት ስእሊ ዝነበረት ኣደ ናብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ምስ ከደት፡ ኣሕዋትን ኣሓትን ብጽቡቕ ይቕበልዋ። ነቲ ንእሽቶ ወዳ ሓቚፋቶ ኣላ፣ እቲ ዓብዪ ወዳ ኸኣ ምስ ካልእ ቈልዓ ይዛረብ ኣሎ።

ሓደ ሰብ ብእተኻእለ መጠን ብቕልጡፍ ናብ ኣኼባ ኺመጽእ እንተ ጀሚሩ፡ ብቕልጡፍ እዩ ኺጥቀም ዚጅምር (ሕጡብ ጽሑፍ 9-10 ርአ)


መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ምስ ተጀመረ

11. ንሰማዒኻ ሰዓቱን መደቡን ከም እተኽብረሉ ብኸመይ ከተርኢ ትኽእል፧

11 መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክንገብር ከለናኸ እንታይ ነጥብታት ኢና ኽንዝክር ዘሎና፧ ነቲ ብዓል ቤት ሰዓቱን መደቡን ኣኽብረሉ። ንኣብነት፡ ኣብ ዓድኻ ሰዓት ብዛዕባ ምሕላው ዘሎ ልምዲ ብዘየገድስ፡ ቈጸራ እንተ ጌርካ፡ ሰዓትካ ሓሉ። ብተወሳኺ፡ ነቲ ናይ መጀመርታ መጽናዕቲ ኣሕጽር እንተ ኣበልካዮ ይሓይሽ። ገሊኦም ምኩራት ኣስፋሕቲ፡ ዋላ እውን እቲ ሰብ ዝያዳ ኺፈልጥ እንተ ደለየ፡ ብኣጋኡ እንተ ወዳእካ ኸም ዚሓይሽ እዮም ሓሳብ ዚህቡ። ዘረባ እውን ኣይተብዝሕ። ነቲ ብዓል ቤት ሓሳቡ ኺገልጽ ዕድል ሃቦ።—ምሳ. 10:19።

12. መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ካብ እነጀምር ኣትሒዝና እንታይ ሸቶ ኢና ኽንገብር ዘሎና፧

12 ካብ መጀመርታ ኣትሒዝካ፡ ሰማዕትኻ ንየሆዋን ንየሱስን ኪፈልጥዎም፡ ንዓታቶም እውን ፍቕሪ ኼማዕብሉ ሸቶ ግበር። ከምኡ ንምግባር፡ ኣብ ገዛእ ርእስኻን ኣብ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ፍልጠትካን ዘይኰነስ፡ ኣብ ቃል ኣምላኽ ከም ዜተኵሩ ግበር። (ግብ. 10:25, 26) ሃዋርያ ጳውሎስ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ የሱስ ክርስቶስ ኣተኲሩ እዩ ዚምህር ነይሩ፣ ስለምንታይሲ፡ ንየሆዋ ምእንቲ ኽንፈልጦን ከነፍቅሮን ተባሂሉ እዩ የሱስ ካብ ኣቦኡ ተላኢኹ። (1 ቈረ. 2:1, 2) ብዘይካዚ ድማ ጳውሎስ፡ ንሓደስቲ ደቀ መዛሙርቲ ኸም ወርቅን ብሩርን ክቡር እምንን ዝኣመሰለ ሰናይ ባህርያት ኬማዕብሉ ምሕጋዝ ክሳዕ ክንደይ ኣገዳሲ ኸም ዝዀነ ንጹር ገይሩ ኣሎ። (1 ቈረ. 3:11-15) ገለ ኻብዚ ኣገዳሲ ባህርያት እዚ፡ እምነትን ጥበብን ምስትውዓልን ፍርሃት የሆዋን ኪጥቀስ ይከኣል እዩ። (መዝ. 19:9, 10፣ ምሳ. 3:13-15፣ 1 ጴጥ. 1:7) እምበኣር፡ ንተምሃሮኻ ድልዱል እምነት ኬማዕብሉን ምስቲ ፈቃር ሰማያዊ ኣቦኦም ብሕታዊ ርክብ ኪምስርቱን ብምሕጋዝ፡ ነቲ ጳውሎስ እተጠቕመሉ ኣመሃህራ ኽትስዕብ ትኽእል ኢኻ።—2 ቈረ. 1:24።

13. ንግዱሳት ክንሕግዞም ከለና፡ ብኸመይ ኢና ዕጉሳትን ሚዛናውያንን ክንከውን እንኽእል፧ (2 ቈረንቶስ 10:4, 5) (ስእሊ እውን ርአ።)

13 ሕጉስን ሚዛናውን ብምዃን ነቲ የሱስ እተጠቕመሉ ኣመሃህራ ስዓብ። ንሓደ ግዱስ ከም ዚሽቝረር ዚገብሮ ሕቶታት ኣይትሕተት። እንተ ኣድልዩ፡ ነቲ ዚኸብዶ ነጥብታት ሕለፎ፣ ካልእ ግዜ ኽትምለሶ ትኽእል ኢኻ። ንሱ ድሉው ቅድሚ ምዃኑ ንሓደ ትምህርቲ ኪቕበል ኣብ ክንዲ እተገድዶ፡ ሓቂ ኣብ ልቡ ሱር ኪሰድድ ግዜ ሃቦ። (ዮሃ. 16:12፣ ቈሎ. 2:6, 7) ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ናይ ሓሶት ትምህርትታት ምስ “ጽኑዕ ዕርድታት” ተመሳሲሉ ኣሎ፣ ነዚ ‘ኸነፍርሶ’ ኸም ዚግባእ እውን ተሓቢሩ ኣሎ። (2 ቈረንቶስ 10:4, 5 ኣንብብ።) እምበኣር፡ ንናይ ተምሃራይካ ዕርድታት ኣብ ልዕሊኡ ኣብ ክንዲ እተፍርሶ፡ ንየሆዋ መዕቈቢኡ ኺገብሮ ሓግዞ።—መዝ. 91:9።

እቲ ኣብ ዝቐደመት ስእሊ ዝነበረ ብዕድመ ዝደፍአ ሰብኣይ በታ “ንዘለኣለም ብህይወት ንበር!” ዘርእስታ መጽሓፍ ገይሩ ምስቶም ክልተ ኣሕዋት የጽንዕ። ኣብቲ ኣብ ጥቓኦም ዘሎ ኸብሒ፡ ወተሃደራዊ መዳልያ ኣሎ።

ሓቂ ኣብ ልቢ ተምሃራይካ ሱር ኪሰድድ ግዜ ሃቦ (ሕጡብ ጽሑፍ 13 ርአ)


ሓደስቲ ኣብ ኣኼባታት ኪእከቡ ምስ ጀመሩ

14. ናብ ኣኼባታትና ንዚመጹ ሓደስቲ ሰባት፡ ብኸመይ ኢና ኽንሕዞም ዘሎና፧

14 የሆዋ ንሓደስቲ ሰባት፡ ባህሎም፡ ማሕበራዊ ደረጃኦም፡ ወይ ዓሌቶም ብዘየገድስ፡ ብዘይ ኣድልዎ ኽንሕዞም እዩ ዚጽበየና። (ያእ. 2:1-4, 9) እሞ ደኣ ናብ ኣኼባታትና ንዚመጹ ሰባት ብኸመይ ኢና ፍቕሪ ኸነርእዮም እንኽእል፧

15-16. ሓደስቲ ሰባት ኣብ ኣኼባታትና ጽቡቕ ምእንቲ ኺስምዖም፡ እንታይ ክንገብር ንኽእል፧

15 ገሊኦም ሰባት ናብ ኣኼባታትና ዚመጹ፡ ንምፍላጥ ካብ ዘለዎም ሃንቀውታ ተለዓዒሎም፡ ወይ ኣብ ካልእ ቦታ ዚነብር ሰብ ስለ ዝደፋፍኦም ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። ስለዚ፡ ንኸምዚኦም ዝኣመሰሉ ናብ መአከቢና ዚመጹ ሰባት፡ ቀሪብና ንምዝርራብ ክንስከፍ የብልናን። እምበኣር፡ ጽቡቕ ጌርካ ተቐበሎም። እንተዀነ ግና፡ ከም ገለ ኽሳዕ ዚስምዖም እምብዛ ውዕዉዕ ኣቀባብላ ኣይትግበር። ኣብ ጥቓኻ ኾፍ ኪብሉ ኸም ዚኽእሉ ግለጸሎም። ካብ መጽሓፍ ቅዱስካ ወይ ካብቲ ዚጽናዕ ጽሑፋት ኣርእዮም፡ ወይ ከኣ ናታቶም ቅዳሕ ሃቦም። ኣብ ርእሲ እዚ፡ ንስምዒቶም ሕለ። ሓደ ናብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ዝመጸ ሰብኣይ፡ ነቲ እተቐበሎ ሓው በቲ ተራ ኣከዳድናኡ ኸም እተሰከፈ ገለጸሉ። እቲ ሓውና ድማ፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተራ ሰባት ምዃኖም ብምግላጽ ከም ዚቐልሎ ገበረ። እቲ ኣብ መወዳእታኡ ናብ ጥምቀት ዝበጽሐ ሰብኣይ፡ ነቲ እቲ ሓው ዝሃቦ ምላሽ ፈጺሙ ኣይረስዖን። እንተዀነ ግና፡ ቅድሚ ኣኼባ ዀነ ድሕሪ ኣኼባ ምስ በጻሕቲ ኽንዛራረብ ከለና፡ ብሕታዊ ተገዳስነት ከነርኢ ኽንብል ኣብ ብሕታዊ ጕዳያቶም ጣልቃ ኸይንኣቱ ኽንጥንቀቕ ኣሎና።—1 ጴጥ. 4:15።

16 ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብዛዕባ ዘይኰኑ ሰባት ወይ ብዛዕባ እምነቶም ጠቒስና ኽንዛራረብ ከለና፡ ሓሳብ ክንህብ ከለና፡ ከምኡ እውን ኣብ ኣኼባ ኽፍሊ ኸነቕርብ ከለና፡ ብኣኽብሮት ብምዝራብ ንበጻሕትና ኸም ዘይሽቝረሩ ኽንገብር ንኽእል ኢና። ስለዚ፡ ኪዕንቅፎም ዚኽእል ወይ ከም ጸርፊ ጌርካ ኺርአ ዚኽእል ቃላት ኣይንዛረብ። (ቲቶ. 2:8፣ 3:2) ንኣብነት፡ ንእምነቶም ዜስተናዕቕ ዘረባ ኽንዛረብ የብልናን። (2 ቈረ. 6:3) ምናዳ ህዝባዊ መደረ ዜቕርቡ ኣሕዋት ፍሉይ ጥንቃቐ ኺገብሩ ኣለዎም። ነቲ ንህዝቢ ብሓፈሻ ርዱእ ዘይኰነ ቓላት ወይ ሓሳባት ብምብራህ፡ ነቶም ናብቲ ኣኼባ ዚመጹ ሓደስቲ ዘይኰኑ ሰባት ኣብ ግምት ከም ዜእትውዎም ኬርእዩ ይኽእሉ እዮም።

17. ኣብ ኣገልግሎት “ዘንቀዱ” ሰባት ምስ እንረክብ፡ እንታይ ሸቶ እዩ ዘሎና፧

17 መዓልቲ ሓሊፋ ብመዓልቲ ኽትትካእ ከላ፡ ደቀ መዛሙርቲ ናይ ምግባር ዕዮና ብዝያዳ እዩ ህጹጽ ዚኸውን፣ “ናብ ናይ ዘለኣለም ህይወት ዘንቀዱ” ሰባት ከኣ ንረክብ ኣለና። (ግብ. 13:48) ምስ ረኸብናዮም፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኪገብሩ ንምሕታት፡ ወይ ናብ ኣኼባታትና ንምዕዳም ክንስከፍ የብልናን። በዚ ኸምዚ ኸኣ፡ ኣብታ ‘ናብ ህይወት እትወስድ መገዲ’ ናይ መጀመርታ ስጕምትታቶም ምእንቲ ኺስጕሙ ኽንሕግዞም ንኽእል ኢና።—ማቴ. 7:14።

እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧

  • ን“ዘንቀዱ” ሰባት ኣብ ናይ መጀመርታ ዝርርብና ብኸመይ ክንሕግዞም ንኽእል፧

  • መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ምስ ኣጀመርና፡ እንታይ ሓሳባት ኢና ኽንትግብር እንኽእል፧

  • ሓደስቲ ሰባት ናብ ኣኼባታትና ምስ መጹ፡ ብኸመይ ኢና ጽቡቕ ከም ዚስምዖም ክንገብር እንኽእል፧

መዝሙር 64 ኣብ ቀውዒ ብሓጐስ ንሳተፍ

a መግለጺ ስእሊ፦ ክልተ ኣሕዋት፡ ኣብ ገበላ ቤቱ ኾፍ ኢሉ ንዚዛነ ጡረተኛ ወተሃደር ይዛረብዎ፣ ክልተ ኣሓት ንሓንቲ ስራሕ ዝበዝሓ ኣደ ሓጺር ምስክርነት ይህባኣ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ