ክርስትያናዊ ህይወት
ንጽህናናን ሓሳባትናን
ንጽህና ብእንብሎን ብእንገብሮን ጥራይ ዘይኰነስ፡ ብእንሓስቦ እውን ይግለጽ እዩ። (መዝ 19:14) ስለዚ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ሓቂ ዘበለ፡ ርዝነት ዘለዎ ዘበለ፡ ጽድቂ ዘበለ፡ ንጹህ ዘበለ፡ ተፈታዊ ዘበለ፡ ጽቡቕ ዚዝረበሉ ዘበለ፡ ሕያውነት ዘበለ፡ ዚንኣድ ዘበለ ኽንሓስብ ይምሕጸነና እዩ። (ፊል 4:8) ሓቂ እዩ፡ ናብ ኣእምሮና ዚኣቱ ጌጋ ሓሳባት ወትሩ ኽንከላኸሎ ኣይንኽእልን ኢና። ይኹን እምበር፡ ርእሰ ግትኣት፡ ሕማቕ ሓሳባት ኣውጺእና ብጽቡቕ ክንትክኦ ይሕግዘና እዩ። ንጽህና ሓሳባት ምሕላው፡ ንጽህና ተግባራት ንምሕላው ይሕግዝ እዩ።—ማር 7:21-23።
ኣብ ትሕቲ እቲ ስዒቡ ዘሎ ጥቕስታት ከነወግዶ ዘሎና ሓሳባት ጽሓፍ፦