ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w24 ጥቅምቲ ገጽ 24-29
  • ንጥርጣረታትካ ብኸመይ ከተሰንፎ ትኽእል፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ንጥርጣረታትካ ብኸመይ ከተሰንፎ ትኽእል፧
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2024
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ንጥርጣረታትካ ብኸመይ ትሰግሮ
  • የሆዋ ኸም ዚግደሰልካ ምስ እትጠራጠር
  • ሕሉፍ ውሳነታትካ ቕኑዕ እንተ ነይሩ ምስ እትጠራጠር
  • ኣብ ቅድሚ የሆዋ ዋጋ ዘሎካ እንተ ዀይኑ ምስ እትጠራጠር
  • ኣብ የሆዋ ኸም እንውከል ዜርኢ ውሳነታት
    ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2023
  • የሆዋ “ህያው ኣምላኽ” ምዃኑ ዘክር
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2024
  • ዘይንፈልጦ ነገራት ከም ዘሎ ብትሕትና ኣሚንና ንቀበል
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2025
  • የሆዋ “ልቦም ንእተሰብሩ የሕውዮም”
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2024
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2024
w24 ጥቅምቲ ገጽ 24-29

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 43

መዝሙር 90 ንሓድሕድና ንተባባዕ

ንጥርጣረታትካ ብኸመይ ከተሰንፎ ትኽእል፧

“ንዅሉ መርምርዎ።”—1 ተሰ. 5:21።

ኣትኵሮ

ነቲ ንየሆዋ እተቕርበሉ ኣገልግሎት ዚጸሉ ጥርጣረታት እንተ ኣልዩካ፡ ነዚ ብኸመይ ከም እትፈትሖ።

1-2. (ሀ) ገለ ኻብቲ ንኣገልገልቲ የሆዋ ዚስምዖም ጥርጣረታት እንታይ እዩ፧ (ለ) ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ እንታይ ኢና ኽንምርምር፧

ኣብ ኵሉ ኽሊ ዕድመ ዚርከቡ ሰባት ሓድሓደ ግዜ ጥርጣረታትa ይህልዎም እዩ። ንኣብነት፡ ‘የሆዋ ይግደሰለይ ድዩ፧’ ኢሉ ዚጠራጠር መንእሰይ ሓው እሞ ብኣእምሮኻ ስኣል። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ ኪጥመቕ እንተ ኣልይዎ ይጠራጠር። ንረብሓታት መንግስቲ ኣምላኽ ኬቐድም ኢሉ ዓለማዊ ስራሕ ብዛዕባ ዝሓደገ ኣብ ማእከላይ ዕድመ ዚርከብ ሓው እሞ ሕሰብ። ሕጂ ናይ ስድራ ቤቱ ባጀት እናወሓደ ምስ ከደ፡ ብዛዕባ እቲ ዝገበሮ ውሳነ ኺጠራጠር ይጅምር። ሓንቲ ብዕድመ ዝደፍአት ውሱን ዓቕሚ ዘለዋ ሓብቲ እውን ብኣእምሮኻ ስኣል። ከምቲ ቐደም እትገብሮ ዝነበረት ሕጂ ኽትገብር ስለ ዘይትኽእል ተስፋ ትቘርጽ። ንስኻኸ ንርእስኻ ኸምዚ ኢልካ ሓቲትካ ትፈልጥዶ፦ ‘የሆዋ ብሓቂ የስተብህለለይ ድዩ፧ እቲ ንየሆዋ ዝገበርክዎ መስዋእቲ ቕኑዕ ድዩ ነይሩ፧ ሕጂ እውን ኣብ ቅድሚ የሆዋ ዋጋ ኣሎኒ ድዩ፧’

2 ከምዚ ዝኣመሰለ ዘይተመለሰ ሕቶታት እንተ ኣልዩና፡ ንኣምልኾና ብኣሉታ ኺጸልዎ ይኽእል እዩ። ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ (1) የሆዋ ይግደሰልና እንተ ዀይኑ፡ (2) ሕሉፍ ውሳነታትና ቕኑዕ እንተ ነይሩ፡ ወይ (3) ኣብ ቅድሚ የሆዋ ዋጋ እንተ ኣልዩና ንጠራጠር እንተ ዄንና፡ ኣብ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ምትኳር ብኸመይ ከም ዚሕግዘና ኽንምርምር ኢና።

ንጥርጣረታትካ ብኸመይ ትሰግሮ

3. ጥርጣረታትና ኽንሰግር ዚሕግዘና ሓደ መገዲ እንታይ እዩ፧

3 ጥርጣረታትና ኽንሰግር እንኽእለሉ ሓደ መገዲ፡ ንሕቶታትና ዚኸውን መልሲ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ ንምርካብ ጻዕሪ ምግባር እዩ። ከምኡ እንተ ጌርና፡ ክንበራታዕን ብመንፈሳዊ መዳይ ክንዓብን ‘ኣብ እምነት ንምጽናዕ’ ብዝያዳ ኽንዕጠቕን ኢና።—1 ቈረ. 16:13።

4. ‘ንዅሉ ኽንምርምር’ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ (1 ተሰሎንቄ 5:21)

4 1 ተሰሎንቄ 5:21 ኣንብብ። መጽሓፍ ቅዱስ “ንዅሉ መርምርዎ” ኺብለና ኸሎ፡ መርሚርና ነቲ ቕኑዕ ነገር ከነረጋግጽ እዩ ዜተባብዓና ዘሎ። ነዚ ብኸመይ ንገብሮ፧ ነቲ እንኣምነሉ ነገራት ምስቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚብሎ ብምንጽጻር ኢና ኸምኡ እንገብር። ንኣብነት፡ የሆዋ ይግደሰሉ እንተ ዀይኑ ብዛዕባ ዚጠራጠር መንእሰይ እሞ ንርአ። እዚ መንእሰይ እዚ ነዚ ሓሳብ ስቕ ኢሉ ድዩ ኪቕበሎ ዚግባእ፧ ኣይፋልን። የሆዋ ብዛዕባ እዚ ነገር እዚ እንታይ ከም ዚሓስብ ንምፍላጥ ‘ንዅሉ ኺምርምር’ ኣለዎ።

5. የሆዋ ንሕቶታትና ዚህቦ መልሲ ብኸመይ ‘ክንሰምዖ’ ንኽእል፧

5 ቃል ኣምላኽ ከነንብብ ከለና፡ የሆዋ ኺዛረበና ኸሎ ኢና ‘እንሰምዕ።’ ብዛዕባ እቲ ንዓና ዜተሓሳስበና ዘሎ ሕቶ፡ የሆዋ እንታይ ከም ዚስምዖ ኽንፈልጥ እንተ ደሊና ግና ፍልይ ዝበለ ጻዕሪ ኽንገብር ኣሎና። ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ንባብና ኣብቲ ዜተሓሳስበና ዘሎ ጕዳይ ኬተኵር ይግባእ። በቲ ውድብ የሆዋ ዘዳለወትልና ሰፊሕ ናውቲ መጽናዕቲ ጌርና ምርምር ክንገብር ንኽእል ኢና። (ምሳ. 2:3-6) ኣብ ምርምርና መምርሒ የሆዋ ንምርካብን ንሕቶና ዚምልከት ሓሳቡ ንምፍላጥን ብጸሎት ክንልምኖ ንኽእል ኢና። ድሕርዚ፡ ንዅነታትና ዚምልከት ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስን ግብራዊ ሓበሬታን ከነናዲ ንኽእል ኢና። ብተወሳኺ፡ ኣብ ግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበሩ ተመሳሳሊ ጸገም ናይ ዘሕለፉ ሰባት ዛንታታት ምንባብ እውን ኪጠቕመና ይኽእል እዩ።

6. ጥርጣረታትና ንምስናፍ ኣኼባታት ብኸመይ ይሕግዘና፧

6 ኣብ ኣኼባታትና እውን የሆዋ ኺዛረበና ኸሎ “ንሰምዖ” ኢና። ብቐጻሊ ኣብ ኣኼባታት ንእከብ እንተ ዄንና፡ መደረ ኪቐርብ ከሎ ወይ ሓደ ኻብቶም ተኣከብቲ ሓሳብ ኪህብ ከሎ፡ ንጥርጣረታትና ኽንሰግሮ ዚሕግዘና ነጥቢ ኽንሰምዕ ንኽእል ኢና። (ምሳ. 27:17) ሕጂ እምበኣር ንገለ ጥርጣረታት ፈሊና ብኸመይ ከም እንሰግሮ ንርአ።

የሆዋ ኸም ዚግደሰልካ ምስ እትጠራጠር

7. ገሊኦም እንታይ ኢሎም እዮም ዚሓትቱ፧

7 ‘የሆዋስ የስተብህለለይ ድዩ፧’ ኢልካ ሓሲብካዶ ትፈልጥ፧ ዘይትረብሕ ኰይኑ ዚስምዓካ እንተ ዀይኑ፡ እቲ ዓርኪ ኣምላኽ ምዃን ዚብል ሓሳብ እሞ ኸኣ ፍጹም ዘይከውን ነገር ጌርካ ኢኻ ትሓስቦ ትኸውን። ንጉስ ዳዊት እውን ሓደ እዋን ከምዚ ተሰሚዕዎ ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ። ምኽንያቱ፡ የሆዋ ብደቂ ሰብ ዚግደስ ምዃኑ ስለ ዝገረሞ፡ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ፦ “ኦ የሆዋ፡ ንስኻ እተስተብህለሉስ ሰብ እንታይ እዩ፧ እተቕልበሉኸ መዋቲ ሰብ እንታይ እዩ፧” (መዝ. 144:3) እምበኣር፡ መልሲ እዚ ሕቶ እዚ ኣበይ ኢኻ እትረክብ፧

8. ብመሰረት 1 ሳሙኤል 16:6, 7, 10-12፡ የሆዋ ኣብ ሰባት እንታይ እዩ ዜስተብህል፧

8 የሆዋ ነቶም ብዓይኒ ኻልኦት ዘይረብሑ ዚመስሉ ኸም ዜስተብህለሎም መጽሓፍ ቅዱስ ይምህረና እዩ። ንኣብነት፡ የሆዋ ንሳሙኤል፡ ነቲ ኣብ መጻኢ ንጉስ እስራኤል ዚኸውን ምእንቲ ኪቐብኦ ናብ ቤት እሴይ ለኣኾ። እሴይ ከኣ ንሸውዓተ ኻብቶም ሸሞንተ ደቁ ናብ ሳሙኤል ኣምጽኦም፣ ነቲ ኻብ ኵሎም ዝነኣሰ ዳዊት ግና ኣየምጽኦን።b ይኹን እምበር፡ የሆዋ ንዳዊት እዩ ሓርይዎ ነይሩ። (1 ሳሙኤል 16:6, 7, 10-12 ኣንብብ።) ስለምንታይሲ፡ የሆዋ ንውሽጣዊ እንታይነት ዳዊት፡ ማለት ንመንፈሳዊ ነገራት ኣኽቢሩ ዚርኢ ምዃኑ ስለ ዝፈለጠ እዩ።

9. የሆዋ ኸም ዚግደሰልካ ብኸመይ ርግጸኛ ኽትከውን ትኽእል፧ (ስእሊ እውን ርአ።)

9 የሆዋ ኸም ዜስተብህለልካ ዘርኣየሉ መገድታት እስከ ሕሰብ። ንዓኻ ዚኸውን ምኽሪ ኣዳልዩልካ ኣሎ። (መዝ. 32:8) ኣጸቢቑ እንተ ዘይፈልጠካ ነይሩ፡ ከምኡ ኣይምገበረን ነይሩ። (መዝ. 139:1) ምኽሪ የሆዋ ኣብ ተግባር ምስ ኣውዓልካ፡ ክሳዕ ክንደይ ከም እተጠቐምካ ኸኣ ምስ ረኣኻ፡ የሆዋ ኸም ዚግደሰልካ ኽትተኣማመን ኢኻ። (1 ዜና 28:9፣ ግብ. 17:26, 27) የሆዋ ንጻዕርታትካ እውን የስተብህለሉ እዩ። ንውሽጣዊ ባህርያትካ ይርእዮን ኪቐርበካ ይደልን እዩ። (ኤር. 17:10) ዓርኩ ኽትከውን እዩ ዚደልየካ።—1 ዮሃ. 4:19።

ሓንቲ መንእሰይ ሓብቲ ብሕታዊ መጽናዕቲ ትገብር። መጽሓፍ ቅዱሳ ገንጺላ ኣላ፡ ኣብ ታብለታ ድማ ቪድዮ ስእሊ ሰሌዳ ትርኢ ኣላ።

“[ንየሆዋ] እንተ ደሊኻዮ፡ ኪርከበልካ እዩ።” —1 ዜና 28:9። (ሕጡብ ጽሑፍ 9 ርአ)c


ሕሉፍ ውሳነታትካ ቕኑዕ እንተ ነይሩ ምስ እትጠራጠር

10. ኣብ ሕሉፍ ዝገበርናዮ ውሳነታት ክንዝክር ከለና፡ እንታይ ዓይነት ሕቶታት ኪልዓለና ይኽእል፧

10 ገሊኦም ብዛዕባ እቲ ኣብ ሕሉፍ ዝገበርዎ ውሳነታት ምልስ ኢሎም ኪሓስቡ ኸለዉ፡ ውሳነታቶም ቅኑዕ እንተ ነይሩ ይጠራጠሩ እዮም። ንየሆዋ ብዝያዳ ምእንቲ ኼገልግልዎ ኢሎም፡ ብዙሕ ኣታዊ ዚርከበሉ ስራሕ ወይ ዕዉት ንግዲ ሓዲጎም ይዀኑ። ሕጂ ዓመታት ምስ ሓለፈ ግና፡ ካልኦት ሰባት ዓለማዊ ነገራት ብምስዓቦም ምሾት ዘለዎ ህይወት ዚነብሩ ዘለዉ መሲሉ ይረኣዮም ይኸውን። ስለዚ፡ ‘እቲ ምእንቲ የሆዋ ኢለ ዝኸፈልክዎ መስዋእትታትሲ ኣድላዪ ድዩ ነይሩ፡ ወይስ ጽቡቕ ኣጋጣሚታት እዩ ሓሊፉኒ፧’ ኢሎም ኪጠራጠሩ ይጅምሩ።

11. ንጸሓፊ መዝሙር 73 ዘሸገሮ እንታይ እዩ፧

11 ተመሳሳሊ ሕቶታት ዚርብሸካ እንተ ዀይኑ፡ ጸሓፊ መዝሙር 73 እንታይ ተሰሚዕዎ ኸም ዝነበረ ርአ። እዚ ጸሓፊ እዚ፡ ጥዕናን ሃብትን ዘለዎ፡ ጭንቀት ኣልቦ ህይወት ዚነብሩ ሰባት ረኣየ። (መዝ. 73:3-5, 12) ኣነባብራኦምን ሃብቶምን ምስ ረኣየ፡ ንየሆዋ ንምግልጋል ዚገብሮ ዝነበረ ጻዕርታት ከንቱ ዀይኑ ተሰምዖ። በዚ ተስፋ ዜቝርጽ ሓሳብ ከኣ ‘ምሉእ መዓልቲ ተሸገረ።’ (መዝ. 73:13, 14) እሞ ደኣ እንታይ ገበረ፧

12. ብመሰረት መዝሙር 73:16-18፡ እቲ ጸሓፊ ነቲ ዜተሓሳስቦ ዝነበረ ነገር መዕለቢ ዝገበረሉ ብኸመይ እዩ፧

12 መዝሙር 73:16-18 ኣንብብ። እቲ ዘማሪ ናብቲ ሰላም ዝሰፈኖ መቕደስ የሆዋ ኸደ። ኣብኡ ብግቡእ ኪሓስብ ከኣለ። ህይወት ገሊኦም ሰባት ቀሊል እኳ እንተ መሰለ፡ መጻኢኦም ግና ዘይተረጋገጸ ኸም ዝዀነ ኣስተውዓለ። እዚ ምስትውዓል እዚ ኸኣ ኣእምሮኣዊ ሰላም ኪረክብን መንፈሳዊ ነገራት ምስዓብ ብሉጽ ውሳነ ምዃኑ ኺርዳእን ሓገዞ። ከም ውጽኢቱ ኸኣ ንየሆዋ ንምግልጋል ዝገበሮ ቘራጽነት ኣሐደሰ።—መዝ. 73:23-28።

13. ብዛዕባ ሕሉፍ ውሳነታትካ ትጠራጠር እንተ ዄንካ፡ ናይ ኣእምሮ ሰላም ክትረክብ እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧ (ስእሊ እውን ርአ።)

13 ንስኻ እውን ብሓገዝ ቃል ኣምላኽ ተመሳሳሊ ናይ ኣእምሮ ሰላም ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። ብኸመይ፧ ዋጋ እቲ ንስኻ እትውንኖ ነገር እሞ ሕሰብ ኣብሎ፣ ንስኻ ኣብ ሰማይ መዝገብ ኣሎካ፡ ንሳቶም ግና ዓስቦም እቲ እዛ ዓለም እዚኣ እትህቦ ነገር ጥራይ እዩ። ንሳቶም ናይ መጻኢ ተስፋ ስለ ዘይብሎም፡ ምሉእ ብምሉእ ኣብቲ ኣብዚ ህይወት እዚ ዚረኽብዎ ዓወታት ዘተኰሩ ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። ንዓኻ ግና፡ ካብቲ ኽትግምቶ እትኽእል ንላዕሊ በረኸት ከም ዜፍስሰልካ የሆዋ ቓል ኣትዩልካ ኣሎ። (መዝ. 145:16) ብተወሳኺ ኸኣ፡ ካልእ ውሳነታት ጌርና ኔርና እንተ ንኸውን ህይወትና ኸመይ ከም ዚኸውን ብርግጽ ክንፈልጥ ንኽእል ዲና፧ ብዛዕባ ሓደ ነገር ግና ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና፦ እቶም ንኣምላኽን ንብጻዮምን ብዘላቶም ፍቕሪ ተደሪኾም ውሳነ ዚገብሩ ሰባት ጽቡቕ ዘበለ ኣየምልጦምን እዩ።

ሓደ ሓው መስኰት እናኣጽረየ፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ ገነት ዚዀነሉ እዋን ብኣእምሮኡ ይስእል። ንሱ ብፍረታት ዝመልአት ዓረብያ እናደፍአ ምስ ሰበይቱ ኪኸይድ፡ ኣብ ጥቓኦም ከኣ እራብ ኪበልዓ ኸለዋ ብኣእምሮኡ ይስእል።

ናብቲ የሆዋ ዘተስፈዎ በረኸት ኣተኵር (ሕጡብ ጽሑፍ 13 ርአ)d


ኣብ ቅድሚ የሆዋ ዋጋ ዘሎካ እንተ ዀይኑ ምስ እትጠራጠር

14. ስለምንታይ እዮም ገሊኦም ርእሰ ተኣማንነት ዜጥፍኡ፧ እንታይ ዚብል ሕቶ እዩኸ ዚርብሾም፧

14 ገሊኦም ኣገልገልቲ የሆዋ፡ ዕድመ ምድፋእ፡ ጥዕና ምስኣን፡ ወይ ስንክልና ምስ ዜምጽኦ ጸገም ይቃለሱ ኣለዉ። እዚ ኸኣ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ ዋጋ እንተ ኣለዎም ከም ዚጠራጠሩ ይገብሮም እዩ። ‘ኣብ ቅድሚ የሆዋስ ዋጋ ኣሎኒ ድዩ፧’ ኢሎም ከኣ ይሓትቱ።

15. ጸሓፊ መዝሙር 71 እንታይ እዩ ተረዲኡ፧

15 ጸሓፊ መዝሙር 71 እውን ተመሳሳሊ ስግኣት ዝነበሮ እዩ ዚመስል። “ሓይለይ ምስ ጠለመኒ ኸኣ ኣይትሕደገኒ” ብምባል ጸልዩ ኣሎ። (መዝ. 71:9, 18) ይኹን እምበር፡ ንኣምላኹ ብተኣማንነት ምግልጋል እንተ ቐጺሉ፡ የሆዋ ኸም ዚመርሖን ከም ዚድግፎን ርግጸኛ እዩ ነይሩ። እቲ ዘማሪ ድሒሩ ኸም እተረድኦ፡ የሆዋ በቶም ዓቕሞም ድሩት ክነሱ ዚከኣሎም ዚገብሩ ሰባት ይሕጐስ እዩ።—መዝ. 37:23-25።

16. ብዕድመ ዝደፍኡ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ዋጋ ዘለዎም በየናይ መገድታት እዮም፧ (መዝሙር 92:12-15)

16 ኣቱም ብዕድመ ዝደፋእኩም፡ ንርእስኹም ከምቲ የሆዋ ዝርእየኩም ጌርኩም ርኣይዋ። ብኣካላዊ መዳይ እኳ እንተ ደኸምኩም፡ ብመንፈሳዊ መዳይ ግና ምእንቲ ኽትለምዑ የሆዋ ኺሕግዘኩም እዩ። (መዝሙር 92:12-15 ኣንብብ።) ኣብቲ ደጊም ክትገብርዎ ዘይትኽእሉ ዘይኰነስ፡ ኣብቲ ኽትገብርዎ እትኽእሉ ኣተኵሩ። ንኣብነት፡ ተኣማንነትኩምን ንሰባት እተርእይዎ ተገዳስነትኩምን ንኻልኦት ኬበርትዖም ይኽእል እዩ። የሆዋ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ብኸመይ ከም ዝደገፈኩም ከተዘንትዉ፡ ተስፋታቱ ኸም ዚፍጸም ዘላትኩም ድልድልቲ እምነት ከኣ ከተካፍሉ ትኽእሉ ኢኹም። እቲ ምእንቲ ኻልኦት እተቕርብዎ ልባዊ ጸሎት ከኣ ክሳዕ ክንደይ ከም ዜስልጥ ዕሽሽ ኣይትበልዎ። (1 ጴጥ. 3:12) ኵነታትና ብዘየገድስ ኵላትና ንየሆዋን ንኻልኦትን ዓቕምና ኽንገብር ንኽእል ኢና።

17. ርእስና ምስ ካልኦት ከነወዳድር ዘይብልና ስለምንታይ ኢና፧

17 ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ብዙሕ ክትገብር ብዘይ ምኽኣልካ እኳ እንተ ተጨነቕካ፡ የሆዋ ግና ነቲ ብዓቕምኻ እትገብሮ ነገር ኣኽቢሩ ኸም ዚርእዮ ኣይትጠራጠር። ምስቲ ኻልኦት ዚገብርዎ ዘለዉ ኽትወዳደር ትፍተን ትኸውን፡ ከምኡ ኺስምዓካ ግና የብሉን። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ የሆዋ ኣየወዳድርን እዩ። (ገላ. 6:4) ንኣብነት፡ ማርያም ንየሱስ ክቡር ቅዱይ ቅብኢ ኣምጽኣትሉ። (ዮሃ. 12:3-5) ብኣንጻሩ ግና እታ ድኻ መበለት ነታ ቤተ መቕደስ፡ ዚረብሕ ዋጋ ዘይብለን ክልተ ሰናቲም እያ ሂባ። (ሉቃ. 21:1-4) የሱስ ግና ንኽልቲኡ ህያብ፡ መግለጺ እምነት ገይሩ እዩ ርእይዎ። ኣቦኡ የሆዋ ድማ ነቲ ንዓኻ ንእሽቶ መሲሉ ዚርኣየካ ግናኸ በቲ ንዕኡ ዘሎካ ተወፋይነትን ፍቕርን ተደሪኽካ እትገብሮ ዝዀነ ይኹን ነገር ኣኽቢሩ እዩ ዚርእዮ።

18. ጥርጣረታትና ኸነወግድ ዚሕግዘና እንታይ እዩ፧ (“ቃል የሆዋ ጥርጣረታትካ ንምስናፍ ኪሕግዘካ ይኽእል እዩ” ዘርእስታ ሳጹን እውን ርአ።)

18 ኵላትና ኣብ ገለ እዋን ንጠራጠር ኢና። ከምዚ ዝረኣናዮ ግና እቲ ኻብ ኣምላኽ እተዋህበና ዜተኣማምን ቃል ሓቂ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ነዚ ጥርጣረታት እዚ ኸነወግዶ ይሕግዘና እዩ። ስለዚ ጥርጣረታትካ ንምስናፍ ጽዓር፡ ንፍርህኻ ኸኣ ብርእሰ ተኣማንነት ተክኣዮ። የሆዋ ንዓኻ ብውልቂ የስተብህለልካ እዩ። ንመስዋእትታትካ ኣኽቢሩ እዩ ዚርእዮ፡ ዓስብኻ ኺህበካ ኸኣ ቃል ኣትዩ እዩ። የሆዋ ንዅሎም እሙናት ኣገልገልቱ ኸም ዜፍቅሮምን ከም ዚሓልየሎምን ርግጸኛ ኹን።

ቃል የሆዋ ጥርጣረታትካ ንምስናፍ ኪሕግዘካ ይኽእል እዩ

  • የሆዋ ይግደሰልካ እዩ

    “ኣነ ምሳኻ እየ እሞ፡ ኣይትፍራህ። ኣነ ኣምላኽካ እየ እሞ፡ ኣይትጨነቕ። ከጽንዓካ፡ እወ፡ ክረድኣካ፡ ብናይ ጽድቂ የማነይቲ ኢደይ እውን ክሕዘካ እየ።”—ኢሳ. 41:10።

    “እቲ ዚጠቕመካ ዚምህረካ፡ በታ ኽትከደላ ዚግብኣካ መገዲ ዚመርሓካ፡ ኣነ የሆዋ ኣምላኽካ እየ።”—ኢሳ. 48:17።

  • የሆዋ ነቲ ንዕኡ ንምግልጋል ዝገበርካዮ ውሳነ ኣኽቢሩ እዩ ዚርእዮ

    “ወደየ፡ ልብኻ ጥበበኛ እንተ ዀይኑ፡ ኣነ እውን ልበይ ይሕጐስ።”—ምሳ. 23:15።

    “ንሱ፡ ‘ከቶ ኣይክሓድገካን፡ ከቶ እውን ኣይክጥንጥነካን እየ’ ኢሉ እዩ እሞ፡ ናብራኹም ብዘይ ፍቕሪ ገንዘብ ይኹን፣ በቲ ዘሎኩም እውን ዕገቡ።”—እብ. 13:5።

  • የሆዋ ነቲ ንዕኡ ኢልካ እትገብሮ ዝዀነ ይኹን ነገር የማስወሉ እዩ

    “ነፍሲ ወከፍ ዜምጽኦ መባእ፡ ከምቲ የሆዋ ኣምላኽ ዝሃበካ በረኸት ይኹን።”—ዘዳ. 16:17።

    “ኣምላኽሲ ግብርኹም ኰነ ንስሙ ዘርኣኹምዎ ፍቕሪ፡ ማለት ነቲ ነቶም ቅዱሳት ዘገልገልኩምዎምን እተገልግልዎም ዘለኹምን ዚርስዕ ዓማጺ ኣይኰነን።”—እብ. 6:10።

እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧

  • የሆዋ ብኣና ኸም ዚግደስ ብኸመይ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል፧

  • ብዛዕባ ሕሉፍ ውሳነታትና ንዚልዓለና ጥርጣረታት ብኸመይ ከነወግዶ ንኽእል፧

  • ብዛዕባ እቲ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ዘሎና ዋጋ ንጠራጠር እንተ ዄንና እንታይ ኢና ኽንገብር እንኽእል፧

መዝሙር 111 መሐጐሲና

a መግለጺ ቓላት፦ ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ዋጋ እንተ ኣልዩና ወይ ቅድሚ ሕጂ ዝገበርናዮ ውሳነታት ቅኑዕ እንተ ነይሩ ብዛዕባ ዚልዓለና ጥርጣረታት ኢና እንምርምር ዘለና። እዚ ኸኣ ምስቲ ኣብ የሆዋን ኣብ ተስፋታቱን ዘሎና እምነት ከም ዝጐደለ ዚሕብር ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሱ ዚርከብ ዓይነት ጥርጣረታት ሕደ ኣይኰነን።

b የሆዋ ንዳዊት ኪሓርዮ ኸሎ፡ ዳዊት ልክዕ ወዲ ኽንደይ ዓመት ከም ዝነበረ መጽሓፍ ቅዱስ ዘይሕብረና እኳ እንተ ዀነ፡ ምናልባት ገና ዀተቴ ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ።—ኣብ ናይ 1 መስከረም 2011፡ ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ፡ ገጽ 29፡ ሕ.ጽ. 2 ርአ።

c መግለጺ ስእሊ፦ ሓንቲ መንእሰይ ክርስትያን ምኽሪ ደልያ ንቕዱሳት ጽሑፋት ብምምርማር ንየሆዋ ተናድዮ ኣላ።

d መግለጺ ስእሊ፦ ሓደ ሓው ንስድራ ቤቱ ምእንቲ ኺድግፍ ኢሉ ናይ ጕልበት ስራሕ ይሰርሕ፡ ብኣእምሮኡ ግና ናብታ እትመጽእ ገነት የተኵር።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ