ዓንቀጽ መጽናዕቲ 13
መዝሙር 4 “የሆዋ ጓሳይየይ እዩ”
ኢድ የሆዋ ሓጻር ኣይኰነትን
“ኢድ የሆዋዶ ሓጻር እያ፧”—ዘሁ. 11:23።
ኣትኵሮ
የሆዋ ብስጋዊ ዜድልየና ዘበለ ኸም ዜማልኣልና እምንቶ ንምሕዳርን ነቲ ድሮ ዘሎና እምንቶ ብዝያዳ ንምድልዳልን።
1. ሙሴ ንእስራኤላውያን ካብ ግብጺ መሪሑ ኣብ ዘውጽኣሉ እዋን ኣብ የሆዋ እምንቶ ኸም ዘለዎ ብኸመይ እዩ ኣርእዩ፧
ሓደ ኻብቶም ኣብ መጽሓፍ እብራውያን ተጠቒሶም ዘለዉ ሰብ እምነት፡ ሙሴ ኺጥቀስ ይከኣል እዩ። (እብ. 3:2-5፣ 11:23-25) ንሱ ንእስራኤላውያን መሪሑ ኻብ ግብጺ ምስ ኣውጽኦም፡ እምነቱ ኣርኣየ። ብፈርኦንን ብሰራዊቱን ኣይተዳህለን። ኣብ የሆዋ ተወኪሉ ድማ ነቶም ህዝቢ ንቐይሕ ባሕሪ ኣሳገሮም፡ ድሕሪኡ ኸኣ ኣብ በረኻ መርሖም። (እብ. 11:27-29) መብዛሕትኦም እስራኤላውያን ኣብቲ የሆዋ ኸም ዚከናኸኖም ዘለዎም እምንቶ እኳ እንተ ኣጥፍኡ፡ ሙሴ ግና ኣብ ኣምላኹ ዝነበሮ እምንቶ ኣየጥፍአን። ኣምላኽ ነቶም ህዝቢ ኣብቲ ዝባደመ በረኻ ዜድልዮም ዘበለ ምግብን ማይን ስለ ዝሃቦም፡ እቲ ሙሴ ዝነበሮ እምነት ንኸንቱ ኣይነበረን።a—ዘጸ. 15:22-25፣ መዝ. 78:23-25።
2. ኣምላኽ ንሙሴ፡ “ኢድ የሆዋዶ ሓጻር እያ፧” ኢሉ ዝሓተቶ ስለምንታይ እዩ፧ (ዘሁልቍ 11:21-23)
2 ሙሴ ድልድልቲ እምነት እኳ እንተ ነበረቶ፡ ካብቲ እስራኤላውያን ብተኣምራዊ መገዲ ዝወጹሉ ድሕሪ ዓመት ኣቢሉ የሆዋ ንህዝቡ ስጋ ኸም ዚህቦም ምስ ተዛረበ፡ ሙሴ ነዚ ኣብ ሕቶ ኣእተዎ። ነቶም ኣብቲ ዝባደመ በረኻ ዝነበሩ ሚልዮናት ህዝቢ፡ የሆዋ ኸመይ ገይሩ ስጋ ኸም ዚህቦም ኪርድኦ ኣይከኣለን። የሆዋ ንሙሴ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ ከኣ፡ “ኢድ የሆዋዶ ሓጻር እያ፧” ዚብል ሕቶ ኣቕረበሉ። (ዘሁልቍ 11:21-23 ኣንብብ።) ኣብዚ “ኢድ የሆዋ” ኺብሃል ከሎ ነቲ ናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ ወይ ነቲ ንጡፍ ሓይሉ እዩ ዜመልክት። ብኻልእ ኣበሃህላ የሆዋ ንሙሴ፡ ‘ክገብሮ እየ ዝበልክዎ ነገር ምግባሩ ዚጨንቀኒዶ ይመስለካ፧’ ኢሉ እዩ ዚሓትቶ ነይሩ።
3. ብዛዕባ እቲ ሙሴን እስራኤላውያንን ዘሕለፍዎ ተመክሮ እንግደስ ስለምንታይ ኢና፧
3 የሆዋ ንዓኻ ዀነ ንስድራ ቤትካ ብስጋዊ መዳይ ዜድልየኩም ዘበለ ኸም ዜማልእ እተጠራጠርካሉ እዋንዶ ኣሎ፧ ዝዀነ ዀይኑ፡ ሙሴን እስራኤላውያንን ዘሕለፍዎ ተመክሮ እስከ ንመርምር። ንሳቶም ኣብቲ ኣምላኽ ዜድልዮም ዘበለ ኼማልኣሎም ከም ዚኽእል ዝነበሮም እምንቶ ጐዲሉ ነይሩ እዩ። ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ እንርእዮ ቕዱስ ጽሑፋዊ ስርዓታት ከኣ፡ ኢድ የሆዋ ሓጻር ከም ዘይኰነት እምንቶና ኺሃንጸልና እዩ።
ካብ ሙሴን ካብ እስራኤላውያንን ተምሃር
4. እቶም ህዝቢ ነቲ የሆዋ ብስጋዊ መዳይ ዜድልዮም ዘበለ ንምምላእ ዘለዎ ኽእለት ኣብ ሕቶ ዘእተውዎ ስለምንታይ እዮም፧
4 ነቲ ዅነታት እሞ ብኣእምሮና ንስኣሎ። ህዝቢ እስራኤልን እቶም ምሳታቶም ዝወጹ “ብዙሕ ሕውስዋስ ህዝብን፡” ካብ ግብጺ በቲ ዓብዪ በረኻ ኣቢሎም ናብ ምድሪ ተስፋ ኺጓዓዙ ኻብ ዚጅምሩ እተወሰነ ግዜ ኣሕሊፎም ነበሩ። (ዘጸ. 12:38፣ ዘዳ. 8:15) እቶም ሕውስዋስ ህዝቢ ነቲ ማና መነውዎ፣ ብዙሓት እስራኤላውያን እውን ከም ናታቶም ዓይነት ስምዒት ስለ ዝነበሮም፡ ምሳታቶም ሓቢሮም ኣጕረምረሙ። (ዘሁ. 11:4-6) ስለዚ፡ እቶም ህዝቢ ነቲ ኣብ ግብጺ ዚረኽብዎ ዝነበሩ ምግቢ ኺምነዩ ጀመሩ። ሙሴ ድማ እቲ ኻብቲ ህዝቢ ዝወረዶ ጸቕጢ ስለ ዝኸበዶ፡ ንሱ ባዕሉ ኬቕርበሎም ዘለዎ ዀይኑ ተሰምዖ።—ዘሁ. 11:13, 14።
5-6. ካብቲ እቶም ሕውስዋስ ህዝቢ ኣብ ልዕሊ እስራኤላውያን ዘሕደርዎ ጽልዋ እንታይ ንምሃር፧
5 እስራኤላውያን በቲ እቶም ሕውስዋስ ህዝቢ ዝነበሮም ናይ ዘይምምሳው መንፈስ ተጸልዮም እዮም። ንሕና እውን በቲ ኻልኦት ዘለዎም ናይ ዘይምምስጋን መንፈስ ክንጽሎ እሞ በቲ የሆዋ ዝሃበና ነገራት ዕግበት ክንስእን ንኽእል ኢና። ነቲ ቐደም ዝነበረና ነገራት እንናፍቕ ወይ በቲ ኻልኦት ዘለዎም ነገራት እንቐንእ እንተ ዄንና፡ ከምኡ ኼጋጥመና ይኽእል እዩ። ኣብ ትሕቲ ዝዀነ ይኹን ኵነታት ዕጉባት ንኸውን እንተ ዄንና ግና፡ ዝያዳ ሓጐስ ክንረክብ ኢና።
6 እስራኤላውያን ነቲ ኣብ ሓድሽ ዓዶም ምስ ኣተዉ እኹል ስጋዊ ነገራት ከም ዚህልዎም ኣምላኽ ዝሃቦም መረጋገጺ ኺዝክሩ ነይርዎም። እቲ ተስፋ እቲ ኣብ በረኻ እናተጓዕዙ ኸለዉ ዘይኰነስ፡ ኣብታ ምድሪ ተስፋ ምስ ኣተዉ እዩ ዚፍጸም። ንሕና እውን ብተመሳሳሊ ኣብቲ ኣብዚ ስርዓት እዚ ዚጐድለና ነገራት ኣብ ክንዲ ምትኳር፡ ብዛዕባ እቲ የሆዋ ኣብ ሓዳስ ዓለም ኪህበና ዘተስፈወና ነገር ከነስተንትን ኣሎና። ነቲ ኣብ የሆዋ ዘሎና እምነት ከነደልድል ዚሕግዘና ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ እውን ከነስተንትነሉ ንኽእል ኢና።
7. ኢድ የሆዋ ሓጻር ከም ዘይኰነት ክንተኣማመን እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧
7 ኰይኑ ግና፡ ኣምላኽ ንሙሴ፡ “ኢድ የሆዋዶ ሓጻር እያ፧” ኢሉ ስለምንታይ ከም ዝሓተቶ ትሓስብ ትኸውን። የሆዋ ንሙሴ ብዛዕባ ብርታዐ ሓይሉ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኢዱ ኽሳብ ኣበይ ከም እተርክብ እውን እዩ ዚገልጸሉ ነይሩ። ዋላ እኳ እስራኤላውያን ኣብ ርሑቕ በረኻ እንተ ነበሩ፡ ኣኺሉ ዚተርፍ ስጋ ሂብዎም እዩ። “ብሓያል ኢድን ብዝርግሕቲ ቕልጽምን” ሓይሉ ኣርእዩ እዩ። (መዝ. 136:11, 12) ስለዚ፡ ኣብ ትሕቲ ፈተና ኽንከውን ከለና፡ ኢድ የሆዋ ንነፍሲ ወከፍና ኸተርክበና ኸም ዘይትኽእል ጌርና ኽንሓስብ የብልናን።—መዝ. 138:6, 7።
8. ከምቲ እቶም ኣብ በረኻ ዝነበሩ ህዝቢ ዝገበርዎ ዓይነት ጌጋ ኻብ ምግባር ብኸመይ ኢና ኽንቍጠብ እንኽእል፧ (ስእሊ እውን ርአ።)
8 ድሕርዚ፡ የሆዋ ስጋ ሃቦም፣ ናብቶም ህዝቢ ኣዝየን ብዙሓት ብርኒጎታት ኣምጽአ። ንሳቶም ግና ስለቲ ዝገበረሎም ተኣምር ኣየመስገንዎን። ኣብ ክንዳኡስ፡ እምብዛ ሰስዑ። በታ መዓልቲ እቲኣን በታ ለይቲ እቲኣን ከኣ ኣዝየን ብዙሓት ብርኒጎታት ኣከቡ። የሆዋ በቶም “ህርፋኖም ዝገለጹ” ህዝቢ ተቘጥዐ፡ ስለዚ ድማ ቀጽዖም። (ዘሁ. 11:31-34) ካብዚ መለበሚ ኽንረክብ ንኽእል ኢና። ስሱዓት ምእንቲ ኸይንኸውን ክንጥንቀቕ ኣሎና። ሃብታማት ንኹን ወይ ድኻታት ብዘየገድስ፡ ብቐዳምነት ምስ የሆዋን ምስ የሱስን ናይ ቀረባ ዕርክነት ብምህናጽ “ኣብ ሰማይ መዛግብቲ” ኽንእክብ ኣሎና። (ማቴ. 6:19, 20፣ ሉቃ. 16:9) ከምኡ እንተ ጌርና፡ የሆዋ ዜድልየና ዘበለ ኸም ዜማልኣልና ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና።
ኣብ በረኻ፡ ብዙሓት እንታይ መንፈስ እዮም ዘርኣዩ፧ ካብቲ ኣጋጣሚ እቲኸ እንታይ መለበሚ ኢና እንረክብ፧ (ሕጡብ ጽሑፍ 8 ርአ)
9. ምስ ደገፍ ኣምላኽ ብዚተሓሓዝ ብዛዕባ እንታይ ኢና ርግጸኛታት ክንከውን እንኽእል፧
9 ሎሚ የሆዋ ንህዝቡ ንምሕጋዝ ኢዱ ይዝርግሕ እዩ። ከምዚ ኺብሃል ከሎ ግና፡ ስጋዊ ነገራት ኣይጐድለናን ወይ ፈጺምና ኣይንጠምን ማለት ኣይኰነን።b እንተዀነ ግና፡ የሆዋ ኣይሓድገናን እዩ። ኣብ ትሕቲ በበይኑ ፈተናታት ይድግፈና እዩ። የሆዋ ኢዱ ዘርጊሑ ብስጋ ዜድልየና ነገራት ከም ዜማልኣልና እምነትና እነርእየሉ ኽልተ መገድታት ብምምርማር ናይዚ ሓቅነት ክንርኢ ንኽእል ኢና። እዚ ድማ፡ (1) ገንዘባዊ ጸገማት ኬጋጥመና ኸሎ፡ (2) ኣብ መጻኢ ንዜድልየና ስጋዊ ነገራት መደብ ክንገብር ከለና እዩ።
ገንዘባዊ ጸገማት ኬጋጥመና ኸሎ
10. እንታይ ገንዘባዊ ጸገማት እዩ ኼጋጥመና ዚኽእል፧
10 እዚ ስርዓት እዚ ናብ መወዳእታኡ እናቐረበ ምስ ከደ፡ ቍጠባዊ ዅነታት እናኸፍአ ኪኸይድ ትጽቢት ንገብር ኢና። ፖለቲካዊ ነውጺ፡ ኣብ መንጎ ዕጡቓት ዚግበር ግጭት፡ ባህርያዊ ሓደጋታት፡ ወይ ሓደስቲ ለበዳታት፡ ዘይተጸበናዮ ወጻኢታት ከም እነውጽእ፡ ስራሕና ኸም እንስእን፡ ወይ ጥሪትና ዀነ ቤትና ኸም እንስእን ኪገብረና ይኽእል እዩ። ንስድራ ቤትና ንምዕንጋል ኣብቲ እንነብረሉ ዓዲ ሓድሽ ስራሕ ክንረክብ፡ ወይ ናብ ካልእ ዓዲ ኽንስደድ ንግደድ ንኸውን። እሞ ደኣ ኣብ ኢድ የሆዋ እምነት ከም ዘሎና ዜርኢ ውሳነታት ንምግባር እንታይ ኪሕግዘና ይኽእል፧
11. ንገንዘባዊ ጸገም ንምስጋር እንታይ ኪሕግዘካ ይኽእል፧ (ሉቃስ 12:29-31)
11 ብቐዳምነት ክትወስዶ ዘሎካ ውጽኢታዊ ስጕምቲ፡ ጭንቀትካ ናብ የሆዋ ምውሳድ እዩ። (ምሳ. 16:3) ጽቡቕ ውሳነታት ንምግባር ዜኽእለካ ጥበብን ብዛዕባ ዅነታትካ ‘ኸይትጭነቕ’ ዚሕግዘካ ህዱእ ልብን ኪህበካ ለምኖ። (ሉቃስ 12:29-31 ኣንብብ።) ንህይወት ብዜድልየካ መሰረታዊ ነገራት ዕጉብ ምእንቲ ኽትከውን ካብኡ ሓገዝ ለምን። (1 ጢሞ. 6:7, 8) ንገንዘባዊ ጸገማት ብኸመይ ከም እትሰግሮ ሓበሬታ ንምርካብ ኣብ ጽሑፋትና ምርምር ግበር። ብዙሓት ሰባት ካብቲ ኣብ jw.org ዚርከብ ንቝጠባዊ ጸገማት ንምስጋር ዚሕግዝ ሓበሬታ ተጠቒሞም እዮም።
12. ሓደ ክርስትያን ንስድራ ቤቱ ዚጠቅም ውሳነ ንምውሳን እንታይ ሕቶታት ኪሕግዞ ይኽእል፧
12 ገሊኦም ስራሕ ንምርካብ፡ ንስድራ ቤቶም ሓዲጎም ናብ ካልእ ዓዲ ግዒዞም እዮም። እዚ ጥበባዊ ውሳነ ዘይምዃኑ ግና ብዙሕ ግዜ ተራእዩ እዩ። እምበኣር፡ ሓድሽ ስራሕ ቅድሚ ምሓዝካ፡ ብዛዕባ እቲ ኻብኡ እትረኽቦ ኣታዊ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ብዛዕባ እቲ ብመንፈሳዊ መዳይ ዜኽፍለካ ነገር እውን ሕሰብ። (ሉቃ. 14:28) ከምዚ ኢልካ ገዛእ ርእስኻ ሕተት፦ ‘ካብ መጻምድተይ ተፈልየ እንተ ኸይደ፡ ሓዳረይ ብኸመይ ይጽሎ፧ ኣብ ኵሉ ኣኼባታት ክእከብ፡ ናብ ኣገልግሎት ክወፍር፡ ምስ ኣሕዋተይን ኣሓተይን እውን ክቀራረብ እኽእልዶ፧’ ውሉዳት እንተ ኣልዮምኻ ኸኣ፡ ‘ካብ ደቀይ ተፈልየ እንተ ኸይደ፡ ከመይ ገይረ እየ “ብተግሳጽን ብምዕዶን የሆዋ” ዘዕብዮም፧’ ኢልካ ገዛእ ርእስኻ ሕተት። (ኤፌ. 6:4) በቶም ንቕዱሳት ጽሑፋት ኣኽብሮት ዘይብሎም ቤተ ሰብካ ወይ ፈተውትኻ ዘይኰነስ፡ ብኣተሓሳስባ ኣምላኽ ተመራሕ።c ኣብ ምዕራባዊ እስያ ዚነብር ቶኒ ናብ ካልእ ዓዲ ኸይዱ ኺሰርሕ ፈታኒ ኣጋጣሚታት ተኸፍተሉ። ብዛዕባ እቲ ነገር ድሕሪ ምጽላዩን ምስ ሰበይቱ ድሕሪ ምምይያጡን ግና፡ ነቲ ዝቐረበሉ ኣጋጣሚታት ንዘይምቕባል፡ ኣብ ክንዳኡስ ናይ ስድራ ቤት ወጻኢታቶም ንምንካይ ወሰነ። ብዛዕባ እቲ ነገር እቲ ምልስ ኢሉ ኺሓስብ ከሎ ድማ፡ ከምዚ ይብል፦ “ንእተፈላለዩ ሰባት ንየሆዋ ኺፈልጥዎ ኽሕግዝ ክኢለ እየ። ደቅና ድማ ብዛዕባ ሓቂ ዉዕዉዕ ስምዒት እዩ ዘለዎም። ብመሰረት እቲ ኣብ ማቴዎስ 6:33 ዚርከብ ቃላት ክሳዕ እተመላለስና፡ የሆዋ ዜድልየና ዘበለ ኸም ዜማልኣልና ንስድራ ቤትና ትምህርቲ ዀይኑና እዩ።”
ኣብ መጻኢ ንዜድልየና ስጋዊ ነገራት መደብ ክንገብር ከለና
13. ብዕድመ ምስ ደፋእና ዜድልየና ስጋዊ ነገራት ምእንቲ ኺማልኣልና፡ ሕጂ እንታይ ግቡእ ስጕምትታት ኢና ኽንወስድ እንኽእል፧
13 ብዕድመ ምስ ደፋእና ብዛዕባ ዚህሉ ዅነታት ክንሓስብ ከለና እውን፡ ኣብ ኢድ የሆዋ ዘሎና እምነት ኪፍተን ይኽእል እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ መጻኢ ንዜድልየና ስጋዊ ነገራት ምእንቲ ኸነዋህልል ብትግሃት ክንዓዪ የተባብዓና እዩ። (ምሳ. 6:6-11) ዓቕምና ኸም ዜፍቅደልና፡ እተወሰነ ገንዘብ ኣዋህሊልና ኸነቐምጥ ንኽእል ኢና። ምኽንያቱ ገንዘብ ብመጠኑ ዕቝባ ኪዀነና ይኽእል እዩ። (መክ. 7:12) ኰይኑ ግና፡ ህይወትና ስጋዊ ነገራት ኣብ ምጥራይ ከም ዜተኵር ክንገብሮ የብልናን።
14. ብዛዕባ እቲ ኣብ መጻኢ ዜድልየና ስጋዊ ነገራት መደብ ክንገብር ከለና፡ ንእብራውያን 13:5 ኣብ ግምት ከነእቱ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧
14 ሓደ ሰብ ገንዘብ እናኣዋህለለ “ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ግና ሃብታም” እንተ ዘይኰይኑ፡ እዚ ተግባሩ ዕሽነት ከም ዝዀነ የሱስ ሓቢሩ እዩ። (ሉቃ. 12:16-21) ጽባሕ እንታይ ሒዛ ኸም እትመጽእ ዋላ ሓደ ዚፈልጥ የልቦን። (ምሳ. 23:4, 5፣ ያእ. 4:13-15) ሰዓብቲ ክርስቶስ ስለ ዝዀንና ድማ፡ ተወሳኺ ጸገማት የጋጥመና እዩ። የሱስ ደቀ መዛሙርቱ ኽንከውን ከለና፡ ኵሉ ንብረትና ‘ንምቕባጽ’ ድሉዋት ክንከውን ከም ዘሎና ሓቢሩ እዩ። (ሉቃ. 14:33) ንኣብነት፡ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ኣብ ይሁዳ ዝነበሩ ክርስትያናት፡ ንምዝማት ንብረቶም ብሓጐስ ተቐቢሎምዎ እዮም። (እብ. 10:34) ኣብዚ ግዜና እውን ብዙሓት ኣሕዋት ንፖለቲካዊ ስርዓት ብዘይ ምድጋፎም ጥሪቶም ስኢኖም እዮም። (ራእ. 13:16, 17) ከምኡ ንምግባር ዝሓገዞም እንታይ እዩ፧ ኣብቲ የሆዋ፡ “ከቶ ኣይክሓድገካን፡ ከቶ እውን ኣይክጥንጥነካን እየ” ኢሉ እተዛረቦ ቓል ምሉእ እምንቶ ኣለዎም። (እብራውያን 13:5 ኣንብብ።) እምበኣር፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ መጻኢ ዜድልየና ነገር ብመደብ ንምንቅስቓስ ዚከኣለና ንገብር ኢና። እንተዀነ ግና፡ ዘይተጸበናዮ ነገር ኬጋጥመና ኸሎ፡ የሆዋ ኸም ዚድግፈና ንተኣማመን ኢና።
15. ክርስትያን ወለዲ ብዛዕባ ውሉዳቶም እንታይ ሚዛናዊ ኣረኣእያ እዩ ኺህልዎም ዚግባእ፧ (ስእሊ እውን ርአ።)
15 ኣብ ገሊኡ ዓድታት፡ ሰባት ውሉዳት ዚወልዱ፡ ብዕድመ ምስ ደፍኡ ደቆም ምእንቲ ኺጥውርዎም ኢሎም እዮም። መጽሓፍ ቅዱስ ግና ወለዲ ንውሉዳቶም ዜድልዮም ዘበለ ኼማልኡሎም ከም ዚግባእ ይገልጽ እዩ። (2 ቈረ. 12:14) ልክዕ እዩ፡ ወለዲ ብዕድመ ምስ ደፍኡ፡ ካብ ውሉዳቶም እተወሰነ ሓገዝ የድልዮም ይኸውን። ብዙሓት ውሉዳት ድማ ተሓጒሶም ንወለዶም ይድግፍዎም እዮም። (1 ጢሞ. 5:4) ይኹን እምበር፡ ክርስትያን ወለዲ ደሓር ዚጥውሮም ምእንቲ ኺረኽቡ ኢሎም ኣይኰኑን ውሉዳት ዚወልዱ። የግዳስ፡ ንውሉዳቶም ኣገልገልቲ የሆዋ ኪዀኑ ብምሕጋዝ እዮም ዓብዪ ሓጐስ ዚረኽቡ።—3 ዮሃ. 4።
ውፉያት ክርስትያናት ሰብ ሓዳር ብዛዕባ መጻኢ ውሳነታት ኪገብሩ ኸለዉ፡ ንስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ግምት የእትዉ (ሕጡብ ጽሑፍ 15 ርአ)d
16. ወለዲ ንውሉዳቶም ብስጋዊ መዳይ ርእሶም ኪኽእሉ ዚድግፍዎም ብኸመይ እዮም፧ (ኤፌሶን 4:28)
16 ንውሉዳትካ ገዛእ ርእሶም ክኢሎም ኪናበሩ ኸተዳልዎም ከለኻ፡ ኣብ የሆዋ ምእንቲ ኺውከሉ ንስኻ ኣብነት ኩኖም። ካብ ንእስነቶም ኣትሒዝካ ብትግሃት ምዕያይ ዘለዎ ዋጋ ኣርእዮም። (ምሳ. 29:21፣ ኤፌሶን 4:28 ኣንብብ።) እናዓበዩ ምስ ከዱ፡ ኣብ ቤት ትምህርቲ ዚከኣሎም ኪገብሩ ሓግዞም። ክርስትያን ወለዲ ንደቆም ንምሕጋዝ ምርምር ኪገብሩን ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኪትግብሩን ኣለዎም። በዚ ኸምዚ ድማ፡ ውሉዳት በቲ ኣብ ትምህርቲ ዚረኽብዎ ስልጠናታት ተጠቒሞም ገዛእ ርእሶም ኪኽእሉን ኣብ ክርስትያናዊ ኣገልግሎት ምሉእ ብምሉእ ኪሳተፉን ይኽእሉ እዮም።
17. ብዛዕባ እንታይ ኢና ርግጸኛታት ክንከውን እንኽእል፧
17 እሙናት ኣገልገልቲ የሆዋ ኣብቲ ንሱ ብስጋዊ ዜድልዮም ነገራት ንምምላእ ዘለዎ ኽእለትን ድሌትን ኪተኣማመኑ ይኽእሉ እዮም። ናብ መወዳእታ እዚ ስርዓት እዚ እናቐረብና ብዝኸድና መጠን፡ እዚ እምንቶና እዚ ኺፍተን ትጽቢት ንገብር ኢና። ዘጋጠመ እኳ እንተ ኣጋጠመ ግና፡ የሆዋ ብሓይሉ ተጠቒሙ ዜድልየና ዘበለ ዅሉ ኸም ዜማልኣልና ጽኑዕ እምነት ነሕድር። እወ፡ እታ ሓያል ኢዱን እታ ዝርግሕቲ ቕልጽሙን ሓጻር ከም ዘይኰነት ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና።
መዝሙር 150 ክትድሕኑ እንተ ደሊኹም፡ ንየሆዋ ድለይዎ
a ኣብ ናይ ጥቅምቲ 2023 ግምቢ ዘብዐኛ ዝወጸት “ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ” ርአ።
b ኣብ ናይ 15 መስከረም 2014 ግምቢ ዘብዐኛ ዝወጸት “ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ” ርአ።
c ኣብ ናይ 15 ሚያዝያ 2014 ግምቢ ዘብዐኛ ዝወጸት፡ “ንኽልተ ጐይተት ኪግዛእ ዚኽእል ሓደ እኳ የልቦን” ዘርእስታ ዓንቀጽ ርአ።
d መግለጺ ስእሊ፦ ውፉያት ክርስትያናት ሰብ ሓዳር ነታ ምስ ሰብኣያ ኣብ ህንጸት ኣዳራሽ መንግስቲ እተገልግል ጓሎም ይድውሉላ።