ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w25 ግንቦት ገጽ 8-13
  • ካብ የሆዋ ምጽንናዕ ርኸብ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ካብ የሆዋ ምጽንናዕ ርኸብ
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2025
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • የሆዋ ብምሕረቱ ይቕረ ይብለልና
  • የሆዋ ተስፋ ይህበና
  • የሆዋ ኻብ ፍርህና የደዓዕሰና
  • የሆዋ “ልቦም ንእተሰብሩ የሕውዮም”
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2024
  • ዘይንፈልጦ ነገራት ከም ዘሎ ብትሕትና ኣሚንና ንቀበል
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2025
  • ከቶ በይንና ኣይኰንናን
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2025
  • መልሲ እዚ ሕቶታት እዚ ድለ
    መደብ ኣኼባ ወረዳ 2025-2026—ምስ ሓላው ወረዳ
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2025
w25 ግንቦት ገጽ 8-13

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 20

መዝሙር 7 የሆዋ እዩ ሓይልና

ካብ የሆዋ ምጽንናዕ ርኸብ

“እቲ ኣቦ ርሕራሐን ኣምላኽ ኵሉ ምጽንናዕን . . . ይወደስ።”—2 ቈረ. 1:3።

ኣትኵሮ

ካብቲ የሆዋ ነቶም ምሩኻት ዝነበሩ ኣይሁድ ዘጸናንዓሉ መገዲ እንረኽቦ ትምህርቲ።

1. ምሩኻት ኣይሁድ ኣብ ምንታይ ኵነታት ከም ዝነበሩ ግለጽ።

እቶም ናብ ባቢሎን ተማሪኾም ዝኸዱ ኣይሁድ ከመይ ከም እተሰምዖም እሞ ብኣእምሮኻ ስኣሎ። ዓዶም ክትድምሰስ ርእዮም እዮም። ብሰሪ ሓጢኣቶምን ብሰሪ ሓጢኣት ኣቦታቶምን ካብ ዓዶም ናብ ዓዲ ጓና እዮም ተወሲዶም። (2 ዜና 36:15, 16, 20, 21) ልክዕ እዩ፡ ኣብ ባቢሎን መዓልታዊ ንጥፈታቶም ንምግባር እተወሰነ ናጽነት ነይርዎም እዩ። (ኤር. 29:4-7) እንተዀነ ግና፡ ህይወት ቀሊል ኣይነበረን፣ ነቲ ህይወት እቲ እውን ኣይምመረጽዎን ነይሮም። እሞ ደኣ ብዛዕባ ዅነታቶም እንታይ ተሰሚዕዎም፧ ሓደ ኻብቶም ምሩኻት፡ “ኣብ ጥቓ ኣፍላግ ባቢሎን ተቐመጥና። ንጽዮን ምስ ዘከርና በኸና” ብምባል ስምዒቱ ገሊጹ ኣሎ። (መዝ. 137:1) እቶም ጕህዮም ዝነበሩ ምሩኻት ምጽንናዕ ኣድልይዎም ነበረ። ኰይኑ ግና፡ ካበይ እዮም ምጽንናዕ ረኺቦም፧

2-3. (ሀ) የሆዋ ንምሩኻት ኣይሁድ እንታይ እዩ ገይሩሎም፧ (ለ) ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ ብዛዕባ እንታይ ኢና ኽንመያየጥ፧

2 የሆዋ፡ “ኣምላኽ ኵሉ ምጽንናዕ” እዩ። (2 ቈረ. 1:3) ፈቃር ኣምላኽ ስለ ዝዀነ ነቶም ናብኡ ዚቐርቡ ምጽንናዕ ባህ ይብሎ እዩ። ገሊኦም ካብቶም ምሩኻት ነቲ እተዋህቦም ተግሳጽ ተቐቢሎም ናብኡ ኸም ዚምለሱ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። (ኢሳ. 59:20) ስለዚ፡ ካብቲ ምርኮ ልዕሊ 100 ዓመት ኣቐዲሙ ንነብዪ ኢሳይያስ ብስሙ እትጽዋዕ መጽሓፍ ኪጽሕፍ ብመንፈሱ ደረኾ። እታ መጽሓፍከ ንምንታይ ዕላማ እያ ተጻሒፋ፧ ኢሳይያስ ነዚ ኺገልጽ ከሎ፡ “‘ኣጸናንዑ፡ ንህዝበይ ኣጸናንዕዎ’ ይብል ኣምላኽኩም” ኢሉ ጽሒፉ ኣሎ። (ኢሳ. 40:1) እወ፡ የሆዋ በታ መጽሓፍ እቲኣ ኣቢሉ ነቶም ምሩኻት ኣይሁድ ዜድልዮም ምጽንናዕ ሂብዎም እዩ።

3 ንሕና እውን ከምቶም ምሩኻት ኣይሁድ በብግዜኡ ምጽንናዕ የድልየና እዩ። ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ የሆዋ ነቶም ምሩኻት ዘጸናንዓሉ ሰለስተ መገድታት ክንምርምር ኢና። እዚ ድማ፡ (1) ነቶም እተነስሑ ይቕረ ኸም ዚብለሎም ቃል ኣትዩሎም፡ (2) ንህዝቡ ተስፋ ሂብዎም፡ (3) ካብ ፍርሆም ኣደዓዒስዎም እዩ። ነዚ ነጥብታት እዚ ኽንመያየጠሉ ኸለና ኻብቲ ዜጸናንዕ ቃላት የሆዋ ብኸመይ ክንጥቀም ከም እንኽእል ንርአ።

የሆዋ ብምሕረቱ ይቕረ ይብለልና

4. የሆዋ መሓሪ ኣምላኽ ምዃኑ ብኸመይ እዩ ኣርእዩ፧ (ኢሳይያስ 55:7)

4 የሆዋ “ኣቦ ርሕራሐ” እዩ። (2 ቈረ. 1:3) ነቶም ዚንስሑ ምሩኻት ይቕረ ኸም ዚብለሎም ቃል ኪኣቱ ኸሎ፡ እዛ ባህርይ እዚኣ ኣርእዩ እዩ። (ኢሳይያስ 55:7 ኣንብብ።) “በቲ ዘለኣለማዊ ዝዀነ ብተኣማንነት ዚርአ ፍቕሪ . . . ኽምሕረኪ እየ” ኢሉ ቓል ኣትዩሎም እዩ። (ኢሳ. 54:8) እሞ ደኣ የሆዋ ብኸመይ እዩ ምሕረቱ ኣርእዩ፧ ኣይሁድ ብደረጃ ህዝቢ ሳዕቤናት ተግባራቶም እኳ እንተ ዓጸዱ፡ የሆዋ ግና ኣብ ባቢሎን ንሓዋሩ ኸም ዘይነብሩ ቓል ኣተወሎም። ኣብ ምርኮ ንእተወሰነ ግዜ ጥራይ ከም ዚነብሩ እውን ሓበሮም። (ኢሳ. 40:2) እዚ ቓላት እዚ ነቶም ዚንስሑ ዘበሉ ኣጸናኒዕዎምን ኣበርቲዕዎምን ኪኸውን ኣለዎ።

5. የሆዋ ንሓጢኣትና ይቕረ ኸም ዚብለልና ኻብቶም ምሩኻት ኣይሁድ ንላዕሊ ርግጸኛታት እንኸውን ስለምንታይ ኢና፧

5 እንታይ ንምሃር፧ የሆዋ ንኣገልገልቱ ብዙሕ ይቕረ ንምባል ፍቓደኛ እዩ። ሎሚ እውን ከምኡ ኸም ዚገብረልና ኻብቶም ምሩኻት ኣይሁድ ንላዕሊ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና። ብኸመይ፧ መሰረት ይቕረታኡ ንፈልጦ ኢና። ካብቲ ኢሳይያስ እተነበየሉ እዋን ኣማእታት ዓመታት ምስ ሓለፈ የሆዋ ንፍቑር ወዱ ምእንቲ ዅሎም ዚንስሑ ሓጥኣን በጃ ኪኸውን ኢሉ ናብ ምድሪ ለኣኾ። ሳላ እቲ መስዋእቲ እቲ ድማ፡ ሓጢኣትና ‘ኺድምሰሰልና’ ወይ ምሉእ ብምሉእ ኪስረዘልና እዩ። (ግብ. 3:19፣ ኢሳ. 1:18፣ ኤፌ. 1:7) ከመይ ዝበለ መሓሪ ኣምላኽ ኰን እዩ ዘሎና!

6. ኣብ ምሕረት የሆዋ እንተ ኣተኲርና፡ ብኸመይ ኢና እንጥቀም፧ (ስእሊ እውን ርአ።)

6 ናይ በደለኛነት ስምዒት ይደቝሰና እንተ ኣልዩ፡ እቲ ኣብ ኢሳይያስ 55:7 ዚርከብ የሆዋ ኸም ዚጸሓፍ ዝገበሮ ቓላት ኬጸናንዓና ይኽእል እዩ። ገሌና ግና ድሕሪ ምንሳሕና እኳ፡ ብሰንኪ ሕሉፍ ጌጋና፡ ናይ በደለኛነት ስምዒት ብቐጻሊ የሳቕየና ይኸውን። ምናዳ ሳዕቤናት እቲ ዝገበርናዮ ጌጋ ንዓጽድ እንተ ኣሊና ኸምኡ ኺስምዓና ይኽእል እዩ። እንተዀነ ግና፡ ሓጢኣትና እንተ ተናዚዝና፡ መገድና እውን እንተ ኣሪምና፡ የሆዋ ይቕረ ኸም ዚብለልና ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና። የሆዋ ይቕረ እንተ ኢሉልና ኸኣ፡ ንሓጢኣትና ኣይዝክሮን እዩ። (ምስ ኤርምያስ 31:34 ኣረኣኢ።) ስለዚ፡ የሆዋ ብዛዕባ ሕሉፍ ሓጢኣትና ዘይሓስብ ካብ ኰነ፡ ንሕና እውን ከምኡ ኽንገብር የብልናን። ንየሆዋ ዜገድሶ ነገር ኣብ ሕሉፍ ዝገበርናዮ ጌጋታት ዘይኰነስ፡ ሕጂ እንገብሮ ዘለና ተግባራት እዩ። (ህዝ. 33:14-16) ኣብ ቀረባ ግዜ ድማ እቲ ርሕሩሕ ኣቦና ኻብ ሳዕቤናት ጌጋታትና ንሓዋሩ ሓራ ኺገብረና እዩ።

ሓደ ሓው ብርእሰ ምትእምማን ይኸይድ። ስእልታት፦ ቅድሚ ሕጂ ዚገብሮ ዝነበረ ምስቲ ሕጂ ዚገብሮ ዘሎ ዜነጻጽር ትርኢታት። ኣብ ሕሉፍ ዝገበሮ ጌጋታት፦ 1. ዓመጻ ዘለዎ ጸወታታት ቪድዮ ይጻወት። 2. ብዙሕ ይሰትን ሽጋራ የትክኽን። 3. ዘይግቡእ ትሕዝቶ ዘለዎ ነገራት ብኮምፕዩተሩ ይርኢ። ሕጂ ዚገብሮ ዘሎ፦ 1. ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ የጽሪ። 2. ምስ ሓንቲ ብዕድመ ዝደፍአት ሓብቲ ይዛራረብ። 3. ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ይሳተፍ

ንየሆዋ ዜገድሶ፡ ኣብ ሕሉፍ ዝገበርናዮ ጌጋታት ዘይኰነስ፡ ሕጂ እንገብሮ ዘለና ተግባራት እዩ (ሕጡብ ጽሑፍ 6 ርአ)


7. ሓጢኣትና ሓቢእና ንመላለስ እንተ ኣሊና፡ ሓገዝ ንምድላይ ኬለዓዕለና ዚኽእል እንታይ እዩ፧

7 ከቢድ ሓጢኣት ብምሕባእና ሕልናና የሳቕየና እንተ ኣልዩ፡ እንታይ ኢና ኽንገብር ዘሎና፧ መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ሽማግለታት ሓገዝ ክንሓትት እዩ ዜተባብዓና። (ያእ. 5:14, 15) ይኹን እምበር፡ ጌጋና ምንዛዝ ይኸብደና ይኸውን። ግናኸ፡ ካብ ሓጢኣትና እንተ ተነሲሕና፡ የሆዋን እቶም ንሱ ዝሸሞም ሰብኡትን ከኣ ፈቃራትን መሓርትን ምዃኖም እንተ ዘኪርና፡ ናብዞም እሙናት ሰብኡት ክንቀርብ ንለዓዓል ኢና። ንኣብነት፡ ኣርተርa ዝስሙ ሓው ብምሕረት የሆዋ ብኸመይ ከም እተጸናንዐ እስከ ንርአ። እዚ ሓው እዚ ሕልናኡ ኣመና ረቢሽዎ ነበረ። እንታይ ከም ዝረበሾ ኺገልጽ ከሎ ኸኣ ከምዚ ይብል፦ “ንሓደ ዓመት ዚኸውን ስእለ ጽዩፍ እርኢ ነይረ። ብዛዕባ ሕልና መደረ ምስ ሰማዕኩ ግና፡ ሓጢኣተይ ንሰበይተይን ንሽማግለታትን ተናዚዘ። ድሕርዚ፡ እፎይታ እኳ እንተ ተሰምዓኒ እቲ ዝገበርክዎ ግና ጾር ኰይኑኒ ነይሩ እዩ። ስለዚ፡ እቶም ሽማግለታት የሆዋ ኸም ዘይደርበየኒ ኣዘኻኸሩኒ። ስለ ዜፍቅረና እዩ ዚግስጸና። እቲ ቓላቶም ንልበይ ተንክይዎ፣ ኣተሓሳስባይ ከዐሪ እውን ሓጊዙኒ።” ሎሚ ኣርተር ፈላምን ኣገልጋሊ ጉባኤን ኰይኑ የገልግል ኣሎ። እወ፡ እንተ ተነሲሕና፡ የሆዋ ኸም ዚምሕረና ምፍላጥና ብሓቂ የጸናንዓና እዩ።

የሆዋ ተስፋ ይህበና

8. (ሀ) የሆዋ ነቶም ምሩኻት እንታይ ተስፋ እዩ ሂብዎም፧ (ለ) ብመሰረት ኢሳይያስ 40:29-31፡ ተስፋ ኣብቶም ዚንስሑ ኣይሁድ እንታይ ጽልዋ እዩ ኣሕዲሩ፧

8 ብዓይኒ ሰብ ኪርአ ኸሎ፡ እቶም ምሩኻት ኣይሁድ ተስፋ ዚብሃል ኣይነበሮምን። ምኽንያቱ፡ እታ ሓይሊ ዓለም ዝነበረት ባቢሎን ንምሩኻታ ናጻ ኣይተውጽእን እያ ነይራ። (ኢሳ. 14:17) የሆዋ ግና ንህዝቡ ተስፋ ሃቦም። ናጻ ኸም ዜውጽኦም ቃል ኣተወሎም፣ ንዕኡ ኺዓግቶ ዚኽእል ድማ የልቦን። (ኢሳ. 44:26፣ 55:12) ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ፡ ባቢሎን ከም ደሮና እያ ነይራ። (ኢሳ. 40:15) ኡፍ እንተ ኢልዋ እትጠፍእ ደሮና እያ ነይራ። እሞ ደኣ እቲ ተስፋ እቲ ኣብቶም ምሩኻት እንታይ ጽልዋ እዩ ኣሕዲሩ፧ እቲ ተስፋ እቲ ኣጸናኒዕዎም ጥራይ ዘይኰነስ፡ ተወሳኺ ነገር እውን ገይሩሎም እዩ። ኢሳይያስ፡ “እቶም ብየሆዋ ተስፋ ዚገብሩ ግና ሓይሎም ይሕደስ” ኢሉ ብምጽሓፍ ነቲ ዝረኸብዎ ነገር ገሊጽዎ ኣሎ። (ኢሳይያስ 40:29-31 ኣንብብ።) እወ፡ ተስፋ ንሓይሎም ሓዲሱሎም እዩ። ስለዚ ድማ፡ ብዛዕባኦም፡ “ከም ንስሪ ብኣኽናፍ ይድይቡ” ኺብሃል ተኻኢሉ እዩ።

9. እቶም ምሩኻት ኣብቲ የሆዋ ዘተስፈዎም ተስፋታት ንምእማን ዜኽእል እንታይ ምኽንያት ነይርዎም፧

9 የሆዋ ነቶም ምሩኻት ኣብቲ ዘተስፈዎም ተስፋታት ኪኣምኑ ዜኽእሎም ምኽንያት እውን ሂብዎም እዩ። ብኸመይ፧ ብዛዕባ እቲ ሽዑ ተፈጺሙ ዝነበረ ትንቢታት እሞ ንሕሰብ። ኣሶር ንሰሜናዊት መንግስቲ እስራኤል ከም ዝወረረታ፡ ነቶም ህዝቢ ድማ ናብ ምርኮ ኸም ዝወሰደቶም እቶም ምሩኻት ኣይሁድ ይፈልጡ ነይሮም እዮም። (ኢሳ. 8:4) ባቢሎናውያን ንየሩሳሌም ኪድምስስዋ ኸለዉን ንነበርታ ናብ ምርኮ ኺወስድዎም ከለዉን ርእዮም እዮም። (ኢሳ. 39:5-7) ንንጉስ ጼዴቅያስ ኬዑርዎን ናብ ባቢሎን ኪወስድዎን ከለዉ እውን ርእዮም እዮም። (ኤር. 39:7፣ ህዝ. 12:12, 13) ኵሉ እቲ የሆዋ እተነበዮ ተፈጺሙ እዩ። (ኢሳ. 42:9፣ 46:10) ስለዚ፡ እዚ ዅሉ ምስ ረኣዩ፡ እቲ የሆዋ ሓራ ኸም ዚዀኑ ዘተስፈዎም ተስፋ ኸም ዚፍጸም እምነቶም ደልዲሉ ኪኸውን ኣለዎ።

10. ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት ትስፉዋት ኴንና ምእንቲ ኽንመላለስ እንታይ ኪሕግዘና ይኽእል፧

10 እንታይ ንምሃር፧ ክንጕሂ ኸለና ተስፋ ኼጸናንዓናን ንሓይልና ኺሕድሶን ይኽእል እዩ። ሎሚ፡ ኣብ ጽንኩር እዋን ኢና እንነብር ዘለና፣ ሓያላት ጸላእቲ እውን ኣለዉና። ኰይኑ ግና፡ ተስፋ ኽንቀብጽ የብልናን። የሆዋ ዜደንቕ ተስፋ ሂቡና ኣሎ፣ ናይ ሓቂ ሰላምን ደሓንን ዚሰፍነሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ከም እንረክብ ኣተስፍዩና ኣሎ። እቲ ተስፋ እቲ ኣብ ኣእምሮናን ልብናን ብሩህ ኪኸውን ኣለዎ። እንተ ዘይኰነ፡ ተስፋና ኸምቲ ብረሳሕ መስኰት ኣቢልካ እትርእዮ ውቁብ ትርኢት፡ ደባን ኪኸውን ይኽእል እዩ። እሞ ደኣ ከመይ ጌርና ኢና “ነቲ መስኰት ከነጽርዮ፡” ማለት ንተስፋና ብሩህ ክንገብሮ እንኽእል፧ በብእዋኑ ግዜ ወሲድና ብዛዕባ እቲ ኣብ ሓዳስ ዓለም ዚህልወና ዜደንቕ ህይወት ከነስተንትን ኣሎና። ብዛዕባ ተስፋና ዚገልጽ ዓንቀጻት ከነንብብ፡ ቪድዮታት ክንርኢ፡ መዝሙራት እውን ክንሰምዕ ንኽእል ኢና። ብዛዕባ እቲ ብሃንቀውታ እንጽበዮ ተስፋታት ንየሆዋ ብጸሎት ክንነግሮ ንኽእል ኢና።

11. ንሓንቲ ሕዱር ሕማም ዘለዋ ሓብቲ እንታይ እዩ ሓጊዝዋ፧

11 ንኣብነት፡ ሓንቲ ጆይ ዝስማ ሕዱር ሕማም ዘለዋ ሓብቲ፡ ካብ ተስፋ ኸመይ ገይራ ምጽንናዕን ብርታዐን ከም ዝረኸበት እስከ ንርአ። ንሳ ኸምዚ ትብል፦ “ዝገብሮ ምስ ጠፍኣኒ ውሽጣዊ ስምዒተይ ንየሆዋ ነጊረዮ። ስለምንታይሲ፡ ንሱ ኸም ዚርድኣለይ እፈልጥ እየ። የሆዋ ድማ፡ ‘ካብ ንቡር ዝሓለፈ ሓይሊ’ ሂቡኒ።” (2 ቈረ. 4:7) ጆይ ገዛእ ርእሳ ኣብ ሓዳስ ዓለም ኣእትያ ብኣእምሮኣ ትስእል እያ፣ ነቲ፡ “ካብቶም ነበርቲ ሓደ እኳ፡ ‘ሓሚመ’ ኣይኪብልን እዩ” ዚብል ተስፋ ተስተንትነሉ እያ። (ኢሳ. 33:24) ንሕና እውን ልብና ናብ የሆዋ እንተ ኣፍሲስና፡ ኣብ ተስፋና እውን እንተ ኣተኲርና ሓይልና ኺሕደስ እዩ።

12. ኣብቲ የሆዋ ዘተስፈዎ ተስፋታት እምነት ከነሕድር ዜኽእለና እንታይ ምኽንያታት ኣሎና፧ (ስእሊ እውን ርአ።)

12 የሆዋ ኸምቲ ነቶም ምሩኻት ዝገበረሎም፡ ንዓና እውን ኣብቲ ዘተስፈዎ ተስፋታት ክንኣምን ዜኽእለና ብዙሕ ምኽንያታት ሂቡና ኣሎ። ብዛዕባ እቲ ኺፍጸም ዝረኣናዮ ትንቢታት እሞ ንሕሰብ። ንኣብነት፡ “ገሊኣ ብርትዕቲ፡ ገሊኣ ድማ ተሰባሪት” ዝዀነት ሓይሊ ዓለም ንርኢ ኣለና። (ዳን. 2:42, 43) ብተወሳኺ፡ “ኣብ በቦታኡ . . . ምንቅጥቃጥ ምድሪ” ኪኸውን ንሰምዕ ኣለና። ኣብቲ ንምስክር “ኵሎም ኣህዛብ” ዚግበር ዕዮ ስብከት እውን ንሳተፍ ኣለና። (ማቴ. 24:7, 14) እዝን ካልእ ብዙሕ ትንቢታትን ነቲ የሆዋ ኣብ ዘተስፈዎ ዜጸናንዕ ተስፋታት ዘሎና እምነት የደልድለልና እዩ።

ሓንቲ ሓብቲ ንትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስ ተንብቦን ተስተንትነሉን። ስእልታት፦ 1. ሰብኣይን ሰበይትን ኣብ ጥቓ ዓረብያ ጽሑፋት ደው ኢሎም ምስ ሓደ ሰብኣይ ይዛራረቡ። 2. ኣቦን ወድን ድሕሪ ባህርያዊ ሓደጋ ነቲ ዝዓነወ ፍርስራሳት ይርእዩ። 3. ሓንቲ እምኒ ንእግሪ እቲ ኣብ ዳንኤል ምዕራፍ 2 ዚርከብ ነቡካድነጻር ዝሓለሞ ምስሊ ትወቕዖ። 4. ሰባት ኣብታ ገነት እትኸውን ምድሪ ብሓጐስ ይነብሩ።

እቲ ሎሚ ኺፍጸም እንርእዮ ዘለና ትንቢታት፡ ነቲ የሆዋ ኣብ ዘተስፈዎ ተስፋታት ዘሎና እምነት የደልድለልና (ሕጡብ ጽሑፍ 12 ርአ)


የሆዋ ኻብ ፍርህና የደዓዕሰና

13. (ሀ) ኣይሁድ ኣብቲ ሓራ ዝወጹሉ እዋን እንታይ ጸገማት እዩ ዘጋጠሞም፧ (ለ) ከምቲ ኣብ ኢሳይያስ 41:10-13 ተገሊጹ ዘሎ፡ የሆዋ ነቶም ምሩኻት ኣይሁድ ብኸመይ እዩ ኣጸናኒዕዎም፧

13 የሆዋ ነቶም ምሩኻት ብዜደንቕ ተስፋ እኳ እንተ ኣጸናንዖም፡ ሓራ ኣብ ዝወጹሉ እዋን ጸገማት ከም ዜጋጥሞም ግና ይፈልጥ ነበረ። ኣብ ኣጋ መወዳእታ ምርኮ ባቢሎን፡ ሓደ ወራሪ ንጉስ ነቶም ኣብቲ ኸባቢ ዝነበሩ ኣህዛብ ከም ዜጥቅዖም፡ ንባቢሎን እውን ከም ዚግልብጣ ተነብዩ ነበረ። (ኢሳ. 41:2-5) እሞ ደኣ ኣይሁድ በዚ ኺጭነቑ ነይርዎምዶ፧ የሆዋ ንህዝቡ፡ “ኣነ ምሳኻ እየ እሞ፡ ኣይትፍራህ። ኣነ ኣምላኽካ እየ እሞ፡ ኣይትጨነቕ” ብምባል ኣቐዲሙ ምጽንናዕ ሂብዎም ነበረ። (ኢሳይያስ 41:10-13 ኣንብብ።) “ኣነ ኣምላኽካ እየ” ኺብሎም ከሎ ግና፡ እንታይ ማለቱ እዩ ነይሩ፧ ኬምልኽዎ ኣይኰነን ዜዘኻኽሮም ነይሩ። ነዚ ይፈልጥዎ ነይሮም እዮም። ኣብ ክንዳኡስ፡ ንሱ ኣብ ጐድኖም ከም ዝዀነ እዩ ዜዘኻኽሮም ነይሩ።—መዝ. 118:6።

14. የሆዋ ነቶም ምሩኻት ብኸመይ እዩ ኻብ ፍርሆም ኣደዓዒስዎም፧

14 ብተወሳኺ፡ የሆዋ ነቶም ምሩኻት፡ ደረት ኣልቦ ሓይልን ፍልጠትን ከም ዘለዎ ብምዝኽኻር ካብ ፍርሆም ኣደዓዓሶም። ናብቲ ኸዋኽብቲ ዝመልኦ ሰማያት ኪጥምቱ ጻውዒት ኣቕረበሎም። ነቶም ከዋኽብቲ ኣብ ርእሲ ምፍጣሩ፡ ንዅሎም በብስሞም ከም ዚጽውዖም እውን ሓበሮም። (ኢሳ. 40:25-28) ንኸዋኽብቲ በብስሞም ዚፈልጦም ካብ ኰነ፡ ንኣገልገልቱ ግዳ ኸመይ በብስሞም ዘይፈልጦም! ንኸዋኽብቲ ንምፍጣር ዜኽእል ሓይሊ ኻብ ሃለዎ ኸኣ፡ ብርግጽ ንህዝቡ ንምሕጋዝ ዜኽእል ሓይሊ ኣለዎ። እወ፡ እቶም ምሩኻት ኣይሁድ ዜጨንቕ ወይ ዜፍርህ ዋላ ሓንቲ ኣይነበሮምን።

15. ኣምላኽ ንምሩኻት ኣይሁድ ነቲ ዚመጽእ ነገራት ዘዳለዎም ብኸመይ እዩ፧

15 ብዘይካዚ፡ የሆዋ ንህዝቡ ነቲ ዚመጽእ ነገር ኣዳለዎም። ኣብ ዝቐደመ ኽፋል መጽሓፍ ኢሳይያስ ንህዝቡ፡ “ናብ ውሽጣዊ ኽፍልታትኩም እተዉ፡ ማዕጾኹም እውን ብድሕሬኹም ዕጸዉ። ቍጥዓ ኽሳዕ ዚሓልፍ፡ ንሓጺር ህሞት ተሓብኡ” ኢልዎም ነይሩ እዩ። (ኢሳ. 26:20) እዚ ኽፋል እዚ ኣብቲ ቂሮስ ንባቢሎን ዝወረረሉ እዋን ናይ መጀመርታ ፍጻመኡ ረኺቡ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ሓደ ጸሓፊ ናይ ጥንቲ ግሪኽ ከም ዝገለጾ፡ ንጉስ ቂሮስ ናብ ባቢሎን ኪኣቱ ኸሎ ንወተሃደራቱ፡ “ኣብ ግዳም ንዝረኸብዎ ዘበለ ኪቕንጽሉ ትእዛዝ ሂብዎም ነይሩ እዩ።” ኣብቲ ግዜ እቲ ነበርቲ ባቢሎን ክሳዕ ክንደይ ፈሪሆም ከም ዝነበሩ እሞ ብኣእምሮኻ ስኣሎ። እቶም ምሩኻት ኣይሁድ ግና፡ ነቲ የሆዋ ዝሃቦም መምርሒ ስለ ዝሰዓቡ፡ ካብ ጥፍኣት ተሰቲሮም ኪዀኑ ኣለዎም።

16. ብዛዕባ መጻኢ እምብዛ ኽንጭነቕ ዘይብልና ስለምንታይ ኢና፧ (ስእሊ እውን ርአ።)

16 እንታይ ንምሃር፧ ኣብ ቀረባ ግዜ ኣብ ታሪኽ ወዲ ሰብ ካብ ኵሉ ዝዓበየ ጸበባ ኼጋጥመና እዩ። እቲ ጸበባ እቲ ምስ ጀመረ ሰባት ኪደናገሩን ኪፈርሁን እዮም። ህዝቢ የሆዋ ግና ኪሃድኡ እዮም። ስለምንታይሲ፡ የሆዋ ኣምላኽና ምዃኑ ንፈልጥ ኢና። ‘ድሕነትና ኸም ዝቐረበ’ ስለ እንፈልጥ እውን፡ ቅንዕ ክንብል ኢና። (ሉቃ. 21:28) ሽዑ ዚሰምሩ ኣህዛብ ኣብ ልዕሌና መጥቃዕቲ ምስ ፈነዉ እኳ ጸኒዕና ኽንቀውም ኢና። የሆዋ ብመላእኽቱ ገይሩ ኼዕቍበና፡ ንህይወትና ዜድሕን መምርሒታት እውን ኪህበና እዩ። እቲ መምርሒታት እቲኸ ብኸመይ እዩ ናባና ዚበጽሕ፧ ነዚ ሕጂ ኣይንፈልጦን ኢና። ኰይኑ ግና፡ ብጉባኤታት ኣቢሉ ኸይኰነ ኣይተርፍን እዩ። ብኻልእ ኣበሃህላ፡ ጉባኤታት ከምቲ ዕቝባ እንረኽበሉ “ውሽጣዊ ኽፍልታት” ኪዀናልና እየን። እሞ ደኣ ነቲ ሽዑ ዚመጽእ ነገር ከመይ ጌርና ኽንዳሎ ንኽእል፧ ሕጂ ምስ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ብዝያዳ ኽንቃራረብ፡ ቲኦክራስያዊ መምርሒ ንምስዓብ ፍቓደኛታት ክንከውን፡ የሆዋ ንውድቡ ይመርሓ ኸም ዘሎ እውን እምነትና ኸነደልድል ኣሎና።—እብ. 10:24, 25፣ 13:17።

ኣብቲ ብርቱዕ ጸበባ፡ ኣሕዋትን ኣሓትን ኣብ ሓንቲ ኽፍሊ ብሓደ ዀይኖም መጽሓፍ ቅዱስ የንብቡ። ኵሎም ብመስኰት ይጥምቱ፡ ሓደ ኻብቶም ኣሕዋት ከኣ ናብቲ መስዩ ዝነበረ ሰማይ የመልክት።

ኣብቲ ብርቱዕ ጸበባ፡ ነቲ የሆዋ ንዓና ንምድሓን ዘለዎ ሓይልን ክእለትን እንተ ዘኪርና፡ እምብዛ ኣይክንጭነቕን ኢና (ሕጡብ ጽሑፍ 16 ርአ)b


17. ካብ የሆዋ ምጽንናዕ ክትረክብ እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧

17 እቶም ምሩኻት ኣይሁድ ኣብ ኣጸጋሚ ዅነታት እኳ እንተ ነበሩ፡ የሆዋ ዜድልዮም መጸናንዒ ሂብዎም እዩ። ንዓና እውን ከምኡ ኺገብረልና እዩ። ስለዚ፡ ጽባሕ ዝመጸ እኳ እንተ መጸ፡ ወትሩ ኻብ የሆዋ ምጽንናዕ ርኸብ። እወ፡ በቲ ዓብዪ ምሕረቱ ተኣመን። ንተስፋኻ ህያው ግበራ። የሆዋ ኣምላኽካ ምዃኑ እውን ዘክር፣ ስለዚ፡ ዋላ ሓንቲ ዜፍርህ ነገር የብልካን።

ካብዚ ዚስዕብ ጥቕስታት ብኸመይ ምጽንናዕ ክትረክብ ትኽእል፧

  • ኢሳይያስ 55:7

  • ኢሳይያስ 40:29-31

  • ኢሳይያስ 41:10-13

መዝሙር 3 ሓይልና፡ ተስፋና፡ እምንቶና

a ገሊኡ ስማት ተቐዪሩ እዩ።

b መግለጺ ስእሊ፦ ሒደት ኣሕዋትን ኣሓትን ብሓደ ይእከቡ። የሆዋ ንህዝቡ ኣብ ዝሃለዉ ይሃልዉ ኼዕቍቦም ሓይልን ክእለትን ከም ዘለዎ ኸኣ ይተኣማመኑ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ