ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w26 ጥሪ ገጽ 2-7
  • ወትሩ ‘መንፈሳዊ ህርፋንካ’ ኸተርዊ ጽዓር

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ወትሩ ‘መንፈሳዊ ህርፋንካ’ ኸተርዊ ጽዓር
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2026
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ኣብነት ትሕትናን ጽንዓትን እምነትን
  • ከም ጴጥሮስ፡ ካብ መንፈሳዊ ምግቢ ኣጸቢቕካ ተጠቐም
  • ከም ጳውሎስ፡ ካብ መንፈሳዊ ኽዳን ኣጸቢቕካ ተጠቐም
  • ከም ዳዊት፡ ካብ መንፈሳዊ መጽለሊ ኣጸቢቕካ ተጠቐም
  • ወትሩ ‘መንፈሳዊ ህርፋንካ’ ኸተርዊ ጽዓር
  • ዘይንፈልጦ ነገራት ከም ዘሎ ብትሕትና ኣሚንና ንቀበል
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2025
  • ብኣተሓሳስባኻ ንየሆዋን ንየሱስን ምሰሎም
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2025
  • ኣብ የሆዋ ኸም እንውከል ዜርኢ ውሳነታት
    ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2023
  • መልሲ እዚ ሕቶታት እዚ ድለ
    መደብ ኣኼባ ወረዳ 2025-2026—ምስ ሓላው ወረዳ
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2026
w26 ጥሪ ገጽ 2-7

2-8 መጋቢት 2026

መዝሙር 97 ሰብ ብቓል ኣምላኽ እዩ ዚነብር

ወትሩ ‘መንፈሳዊ ህርፋንካ’ ኸተርዊ ጽዓር

ጥቕሲ ዓመት 2026፦ “መንፈሳዊ ነገራት ዚሃርፉ፡ . . . ሕጉሳት እዮም።”—ማቴ. 5:3።

ኣትኵሮ

ካብቲ የሆዋ ዘዳለዎ መንፈሳዊ ምግብን ክዳንን መጽለልን ብኸመይ ወትሩ ኸም እንጥቀም።

1. እንታይ መሰረታዊ ነገራት እዩ ዜድልየና፧ (ማቴዎስ 5:3)

የሆዋ ኸም ምግብን ክዳንን መጽለልን ዝኣመሰለ መሰረታዊ ነገራት ከም ዜድልየና ይፈልጥ እዩ። ካብዚ መሰረታዊ ነገራት እዚ ንእተወሰነ እዋን እኳ ሓዲኡ እንተ ጐዲሉና፡ ብህይወት ንምንባር ንጽገም ኢና። ብዘይካ እቲ ብስጋ ዜድልየና ነገራት ግና፡ መንፈሳዊ ነገራት ክንሃርፍ ከም እንኽእል ገይሩ እዩ ፈጢሩና። (ማቴዎስ 5:3 ኣንብብ።) ብሓቂ ሕጉሳት ክንከውን ንደሊ እንተ ዄንና፡ ንመንፈሳዊ ነገራት ህርፋን ከነሕድር፡ ንዕኡ ንምርዋይ እውን ወትሩ ጻዕሪ ኽንገብር ኣሎና።

2. “መንፈሳዊ ነገራት ዚሃርፉ” ንዚብል ሓሳብ ብምሳሌ ኣብርህ።

2 “መንፈሳዊ ነገራት ዚሃርፉ” ኺብሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧ እዚ ቓላት እዚ ኣብቲ በዅሪ ቛንቋ፡ “መንፈስ ዚልምኑ” ዚብል ሓሳብ እዩ ዜመሓላልፍ። እዚ ኸኣ ኣብ ኣእምሮና ሓያል ስእሊ ይፈጥር እዩ። ንኣብነት፡ ኣብ ኵርናዕ ሓደ ጐድና ተዀርምዩ ዘሎ ወጀብጀብ ዝበለ ለማኒ ብኣእምሮና ኽንስእል ንኽእል ኢና። ብጥሜት እናማሰነ፡ ቀትሪ ብጸሓይ እናሓረረ፡ ለይቲ እውን ብኣስሓይታ እናኸርደደ እዩ ዚነብር። ብሰንኪ ትርኢቱ እውን ሰብ ዚብሃል ኣይቀርቦን እዩ። ህይወቱ ምእንቲ ኺመሓየሽ፡ ሓገዝ ከም ዜድልዮ ኣጸቢቑ ይፈልጥ እዩ። ብተመሳሳሊ፡ መንፈሳዊ ነገራት ዚሃርፍ ሰብ፡ ወይ መንፈስ ዚልምን ሰብ፡ ኵነታቱ ምእንቲ ኺመሓየሽ ሓገዝ ከም ዜድልዮ ይፈልጥ እዩ። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ፡ ካብቲ የሆዋ ንዜፍቅርዎ ዘበሉ ዘዳለዎ ኣኺሉ ዚተርፍ መንፈሳዊ መሰናድዎታት ኪጥቀም ይጽዕር እዩ።

3. ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ ብዛዕባ እንታይ ኢና ኽንመያየጥ፧

3 ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ፈለማ ኻብታ ኻብ የሱስ ሓገዝ ዝለመነት ፊንቄኣዊት ሰበይቲ እንታይ ከም እንምሃር ክንርኢ ኢና። ኣብቲ ዛንታኣ፡ መንፈሳዊ ነገራት ዚሃርፉ ሰባት ኬማዕብልዎ ዚግባእ ሰለስተ ባህርያት ጐሊሑ ኣሎ። ድሕሪኡ ኸኣ፡ ካብቶም መንፈሳውያን ሰባት ዝነበሩ ሃዋርያ ጴጥሮስን ሃዋርያ ጳውሎስን ንጉስ ዳዊትን እንታይ ከም እንምሃር ክንመያየጥ ኢና።

ኣብነት ትሕትናን ጽንዓትን እምነትን

4. ሓንቲ ፊንቄኣዊት ሰበይቲ ኻብ የሱስ እንታይ እያ ዝለመነት፧

4 ሓደ እዋን፡ ሓንቲ ፊንቄኣዊት ሰበይቲ ናብ የሱስ ቀረበት። ንጓላ “ጋኔን ብኽፉእ ሒዝዋ” ስለ ዝነበረ፡ ተምበርኪኻ ኻብ የሱስ ሓገዝ ለመነት። (ማቴ. 15:21-28) እዛ ሰበይቲ እዚኣ ናብ የሱስ ኣብ ዝቐረበትሉ እዋን፡ ጽቡቕ ባህርያት ከም ዝነበራ ኣርኣየት። ገለ ኻብቲ ባህርያታ እስከ ንመርምር።

5. እታ ሰበይቲ እንታይ ባህርያት እያ ዘርኣየት፧ የሱስከ እንታይ እዩ ገይሩላ፧ (ስእሊ እውን ርአ።)

5 እታ ፊንቄኣዊት ሰበይቲ ናይ ሓቂ ትሕትና ኣርእያ እያ። ስለምንታይ ኢና ኸምኡ እንብል፧ ምኽንያቱ፡ በቲ የሱስ ዝሃባ ምላሽ ቅር ኣይበላን። የሱስ ንዓኣ ምስቶም ኣብ እንዳ ኣህዛብ ከም ናይ ቤት እንስሳ ጌርካ ዚትሓዙ ዝነበሩ ዀራኹር እዩ ኣመሳሲልዋ። እዚ ምላሽ እዚ ንዓኻ እንተ ዚውሃበካ እንታይ ምገበርካ፧ ካብ ቅሬታ ተላዒልካ ሓገዙ ምልማን ምሓደግካዮዶ፧ እታ ፊንቄኣዊት ሰበይቲ ግና ከምኡ ኣይገበረትን። በዚ ኸምዚ ድማ፡ ትሕትና ጥራይ ዘይኰነስ፡ ጽንዓት እውን ኣርኣየት። ንየሱስ ከይተሓለለት ብቐጻሊ ለመነቶ። ካብ ምንታይ ተላዒላ እያ ኸምኡ ገይራ፧ ኣብ የሱስ እምነት ስለ ዝነበራ እያ ኸምኡ ገይራ። እምነት እታ ሰበይቲ ዓባይ ስለ ዝነበረት ከኣ፡ የሱስ መስተንክር ነገር ንምግባር ተደረኸ። ኣብ ፈለማ፡ “ናብተን ጥፉኣት ኣባጊዕ ቤት እስራኤል” ጥራይ ከም እተላእከ እኳ እንተ ተዛረበ፡ ነቲ ርኹስ መንፈስ ካብ ጓላ ኣውጽኦ።

ሓንቲ ፊንቄኣዊት ሰበይቲ ተምበርኪኻ ኻብ የሱስ ሓገዝ ትልምን። የሱስን ሰለስተ ደቀ መዛሙርቱን ኣብ መኣዲ ተቐሚጦም ይሰምዕዋ።

እታ ፊንቄኣዊት ሰበይቲ ሓገዝ ንምርካብ፡ ትሕትናን ጽንዓትን እምነትን ኣድለያ (ሕጡብ ጽሑፍ 5 ርአ)


6. ካብ ዛንታ እታ ፊንቄኣዊት ሰበይቲ እንታይ ንምሃር፧

6 ንሕና እውን መንፈሳዊ ህርፋንና ንምርዋይ፡ ተመሳሳሊ ባህርያት ከነማዕብል ኣሎና። ትሕትናን ጽንዓትን ሓያል እምነትን ከነማዕብል ኣሎና። ትሑት ሰብ ጥራይ እዩ ብጽንዓት ካብ ኣምላኽ ሓገዝ ዚልምን። ኣብ ክርስቶስ የሱስ ድልዱል እምነት ከነሕድር፡ ነቶም ንደቀ መዛሙርቱ ንምምራሕ ዚጥቀመሎም ዘሎ ኸኣ ክንኣምኖም ኣሎና። (ማቴ. 24:45-47) የሆዋን ወዱን ነቶም እዚ ባህርያት እዚ ዘለዎም ሰባት ብመንፈሳዊ መዳይ ዜድልዮም ነገራት ተሓጒሶም የማልኡሎም እዮም። (ምስ ያእቆብ 1:5-7 ኣረኣኢ።) ሕጂ እምበኣር፡ የሆዋ ብኸመይ መንፈሳዊ ምግብን ክዳንን መጽለልን ከም ዚህበና ንመርምር። ሃዋርያ ጴጥሮስን ሃዋርያ ጳውሎስን ንጉስ ዳዊትን ዝሓደግዎ ኣብነታት ብምምርማር ከኣ፡ ነዚ መንፈሳዊ ነገራት እዚ ንምርካብ እንታይ ክንገብር ከም ዘሎና ንርአ።

ከም ጴጥሮስ፡ ካብ መንፈሳዊ ምግቢ ኣጸቢቕካ ተጠቐም

7. ንጴጥሮስ እንታይ ሓላፍነት እዩ እተዋህቦ፧ ግናኸ እንታይ እዩ ኺገብር ዝነበሮ፧ ግለጽ። (እብራውያን 5:14–6:1)

7 ሃዋርያ ጴጥሮስ ዝሓደጎ ኣብነት እሞ ንርአ። ሓደ ኻብቶም ንመሲሕነት የሱስ ዘለለዩ ቐዳሞት ኣይሁድ እዩ ነይሩ። እወ፡ የሆዋ ንህዝቡ “ናይ ዘለኣለማዊ ህይወት ቃል” ንምምጋብ ብየሱስ ከም ዚጥቀም ጴጥሮስ ተረዲእዎ ነይሩ እዩ። (ዮሃ. 6:66-68) የሱስ ናብ ሰማይ ቅድሚ ምዕራጉ፡ ንጴጥሮስ፡ “ኣባጊዐይ ኣብልዕ” ኢሉ ተላበዎ። (ዮሃ. 21:17) ጴጥሮስ ነዚ ሓላፍነት እዚ ብተኣማንነት እዩ ተሰኪምዎ፣ የሆዋ እውን ክፍሊ መጽሓፍ ቅዱስ ዝዀነ ኽልተ ደብዳበታት ንምጽሓፍ ተጠቕመሉ። ኰይኑ ግና፡ ጴጥሮስ ንገዛእ ርእሱ ብመንፈሳዊ ምግቢ ኺዕንግል ነይርዎ። ንኣብነት፡ ነቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ኣቐዲሙ ብድራኸ መንፈስ ዝጸሓፎ ደብዳበታት ኣጽንዐ። ገለ ኻብቲ ጳውሎስ ዝጸሓፎ ነገር “ንምርዳኡ ዜሸግር” ምዃኑ ኸኣ ተኣመነ። (2 ጴጥ. 3:15, 16) ኰይኑ ግና፡ ጴጥሮስ ኣይተሓለለን፣ ነቲ ጳውሎስ ብመንፈስ ኣምላኽ ተደሪኹ ኣብ ደብዳበታቱ ዘስፈሮ “ዕጹም ብልዒ” ምእንቲ ኺርድኦን ምእንቲ ኺትግብሮን ካብ የሆዋ ሓገዝ ከም ዚረክብ ይኣምን ነበረ።—እብራውያን 5:14–6:1 ኣንብብ።

8. ጴጥሮስ ካብ የሆዋ ሓድሽ ብርሃን ምስ በርሃሉ እንታይ እዩ ዝገበረ፧

8 ጴጥሮስ ንዚውሃቦ መምርሒ እዙዝ ብምዃን ኣብ የሆዋ እምነት ከም ዘለዎ ኣርእዩ እዩ። ንኣብነት፡ ኣብ ወደባዊት ከተማ ዮጴ፡ ብመሰረት ሕጊ ሙሴ ርኹሳት ዝዀኑ እንስሳታት ሓሪዱ ኺበልዕ ብራእይ ትእዛዝ ተዋህቦ። እዚ ትእዛዝ እዚ፡ ንዝዀነ ኣይሁዳዊ ዜሰምብድ እዩ ነይሩ። ኣብ ፈለማ ኸኣ፡ ጴጥሮስ፡ “ጐይታይ፡ ርኹስን ዘይንጹህን ዘበለ ኸቶ በሊዐ ስለ ዘይፈልጥ፡ ኣይከውንን እዩ” ዚብል ምላሽ እዩ ሂቡ። ድሕሪኡ ግና፡ “ነቲ ኣምላኽ ዘንጽሆ፡ ደጊም ንስኻ ርኹስ ኣይትበሎ” ተባሂሉ ተነግሮ። (ግብ. 10:9-15) ሽዑ፡ እቲ ኺመሓላለፍ ተደልዩ ዝነበረ ነጥቢ ንጹር ኰነሉ። ከመይ ጌርና ንፈልጥ፧ ነዚ ራእይ እዚ ድሕሪ ምርኣዩ ነዊሕ ከይጸንሐ፡ ካብ ቆርኔሌዎስ እተላእኩ ሰለስተ ሰባት ናብ ጴጥሮስ መጺኦም ምሳታቶም ከይዱ ንጐይታኦም ኬዛርቦ ሓተትዎ። ቆርኔሌዎስ ካብ ኣህዛብ እዩ ነይሩ። ጴጥሮስ ነቲ ራእይ ቅድሚ ምርኣዩ፡ ናብ እንዳ ኣህዛብ ንምእታው ፍቓደኛ ኣይምዀነን ነይሩ። ምኽንያቱ፡ ኣይሁድ ንኣህዛብ ከም ርኹሳት ገይሮም እዮም ዚርእይዎም ነይሮም። (ግብ. 10:28, 29) እንተዀነ ግና፡ ጴጥሮስ ነቲ የሆዋ ዝገለጸሉ ሓድሽ ብርሃን ብኡብኡ ተቐበሎ። (ምሳ. 4:18) ስለዚ፡ ንቆርኔሌዎስን ንቤተ ሰቡን ሰበኸሎም። ንሳቶም ሓቂ ኪቕበሉ፡ መንፈስ ቅዱስ ኪውሃቦም፡ ከምኡ እውን ኪጥመቑ ብምርኣዩ እውን ተሓጐሰ።—ግብ. 10:44-48።

9. ንመንፈሳዊ ዕጹም ብልዒ ጽቡቕ ሸውሃት እንተ ኣልዩና፡ ብምንታይ ክልተ መገድታት ኢና እንጥቀም፧

9 ንሕና እውን ከም ጴጥሮስ፡ ነቲ ብጸባ እተመሰለ መሰረታዊ ሓቅታት ቃል ኣምላኽ ኣዘውቲርና ኽንምገብ ኣሎና። ነቲ ብዕጹም ብልዒ እተመሰለ ንምርዳኡ ዜሸግር ሓቅታት እውን ጽቡቕ ሸውሃት ኪህልወና ይግባእ። ዓሚቝ ፍልጠት ቃል ኣምላኽ ንምጥራይ ግዜ ኽንምድብ፡ ጻዕሪ ንምግባር እውን ፍቓደኛታት ክንከውን ኣሎና። እዚ ኸኣ ይኽሕሰና እዩ። ብኸመይ፧ እንተ ወሓደ ብኽልተ መገድታት ንጥቀም ኢና፦ ሓደ፡ ንየሆዋ ዘሎና ፍቕርን ኣኽብሮትን ዜዕምቘልና ነገራት ንምሃር ኢና፣ ክልተ፡ ብዛዕባ እቲ ዜደንቕ ሰማያዊ ኣቦና ንኻልኦት ንምንጋር ብዝያዳ ንለዓዓል ኢና። (ሮሜ 11:33፣ ራእ. 4:11) ብዘይካዚ፡ ካብ ጴጥሮስ ካልእ ትምህርቲ ንረክብ ኢና፦ ኣብቲ ብዛዕባ ቓል ኣምላኽ ዘሎና ርድኢት ምትዕርራይ ኪግበር ከሎ፡ ቀልጢፍና ኣተሓሳስባናን ተግባራትናን ከነዐሪ ኣሎና። ከምኡ እንተ ጌርና ጥራይ ኢና ብመንፈሳዊ መዳይ ኣጸቢቕና እንምገብ፡ ንየሆዋ እውን ብተኣማንነት ከነገልግሎ እንኽእል።

ከም ጳውሎስ፡ ካብ መንፈሳዊ ኽዳን ኣጸቢቕካ ተጠቐም

10. ብመንፈሳዊ መዳይ ጽቡቕ ንኽደን ኪብሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧ (ቈሎሴ 3:8-10)

10 ንየሆዋ ባህ ከነብሎ እንተ ዄንና፡ ካብቲ ንሱ ዝገበረልና ኻልእ መሰናድዎ፡ ማለት ካብ መንፈሳዊ ኽዳን፡ ኣጸቢቕና ኽንጥቀም ኣሎና። እዚ እንታይ ማለት እዩ፧ ሃዋርያ ጳውሎስ፡ ‘ነቲ ኣረጊት ስብእና ቐንጢጥና፡ ነቲ ሓድሽ ስብእና ኽንለብስ’ ከም ዘሎና ጽሒፉ ኣሎ። (ቈሎሴ 3:8-10 ኣንብብ።) ነዚ ኽዳን እዚ ምልባስ ቀጻሊ ጻዕሪ ይሓትት እዩ። ንኣብነት፡ ብዛዕባ ጳውሎስ እስከ ንርአ። ካብ ንእስነቱ ኣትሒዙ፡ ሞገስ ኣምላኽ ንምርካብ ይጽዕር ነይሩ እዩ። (ገላ. 1:14፣ ፊል. 3:4, 5) ብዛዕባ ዕላማ ኣምላኽ ግና ልክዕ ፍልጠት ኣይነበሮን፣ በዚ ምኽንያት እዚ እውን፡ ኣብ ሕማቕ መንፈሳዊ ዅነታት እዩ ነይሩ። ትምህርትታት ክርስቶስ ዘይምፍላጡ ምስ ትዕቢት ተደሚሩ ኸኣ፡ ሕማቕ ስብእና ዝለበሰ “ነቓጽ” ሰብ ከም ዚኸውን እዩ ገይርዎ።—1 ጢሞ. 1:13።

11. ጳውሎስ ምስ እንታይ ጕድለቱ እዩ ዚቃለስ ነይሩ፧ ግለጽ።

11 ጳውሎስ ክርስትያን ቅድሚ ምዃኑ፡ ብቐሊሉ እዩ ዚቝጣዕ ነይሩ። ካብቲ ኣብ ልዕሊ ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ዝነበሮ ቝጥዓ እተላዕለ ‘ይጥልቐሎምን ከም ዚቐትሎም ይፍክርን’ ከም ዝነበረ ኣብ ግብሪ ሃዋርያት ተመዝጊቡ ኣሎ። (ግብ. 9:1) ስለዚ፡ ክርስትያን ድሕሪ ምዃኑ፡ ነዚ ኣረጊት ስብእናኡ እዚ ንምቕንጣጥ ብዙሕ ጽዒሩ ኪኸውን ኣለዎ። (ኤፌ. 4:22, 31) ይኹን እምበር፡ ምስ በርናባስ ኣብ ዘይተሰማምዓሉ እዋን፡ ኣብ መንጎኦም “ቈየቛ” ተላዕለ። (ግብ. 15:37-39) ኣብቲ እዋን እቲ ንጳውሎስ ናይ ቀደም ኣመሉ ደገሶ፣ እንተዀነ ግና፡ በዚ ኣይተሓለለን። ሞገስ የሆዋ ንምርካብ፡ ‘ንሰብነቱ የጕስጦ፡’ ማለት ምስ ዘይፍጽምናኡ ይቃለስ ነበረ።—1 ቈረ. 9:27።

12. ጳውሎስ ነቲ ሕማቕ ጠባያቱ ኪቕንጥጥ ዝኸኣለ ብኸመይ እዩ፧

12 ጳውሎስ ኣብ ሓይሉ ስለ ዘይተወከለ፡ ነቲ ሕማቕ ጠባያቱ ቐንጢጡ ሓድሽ ስብእና ኺለብስ ከኣለ። (ፊል. 4:13) ከም ጴጥሮስ ድማ፡ ኣብቲ “ኣምላኽ ዝሃቦ ሓይሊ” ተወከለ። (1 ጴጥ. 4:11) ኰይኑ ግና፡ ሓድሓደ ግዜ ጌጋታት ይገብር ብምንባሩ፡ ሕማቕ ይስምዖ ነበረ። ኣብቲ እዋን እቲ ግና፡ እቲ ሰማያዊ ኣቦኡ ብዛዕባ ዝገበረሉ ሰናይ ይሓስብ እሞ፡ እዚ እውን ምእንቲ ኸይሕለል ብርታዐ ይዀኖ ነበረ።—ሮሜ 7:21-25።

13. ንጳውሎስ ክንመስሎ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

13 ንሕና እውን ዋላ እኳ ንየሆዋ ምግልጋል ካብ እንጅምር ነዊሕ ዓመታት ዝገበርና እንተ ዀንና፡ ብቐጻሊ ነቲ ኣረጊት ስብእና ቐንጢጥና ነቲ ኣምላኽ ዚህበና መንፈሳዊ ኽዳን ዝዀነ ሓድሽ ስብእና ብምልባስ ንጳውሎስ ክንመስሎ ንኽእል ኢና። ሕማቕ ኣመልና እንተ ደጊሱና ኸኣ፡ ንኣብነት ቍጥዓና ምቍጽጻር እንተ ስኢንና ወይ ሕማቕ ዘረባ እንተ ተዛሪብና፡ ተስፋ ኸም ዘይብልና ጌርና ኽንሓስብ የብልናን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ንኣተሓሳስባናን ንተግባራትናን ንምቕያር ቀጻሊ ጻዕሪ ኽንገብር ኣሎና። (ሮሜ 12:1, 2፣ ኤፌ. 4:24) ከምኡ ኽንገብር ከለና ግና ሓደ ኣገዳሲ ነጥቢ ኽንርስዕ የብልናን። እቲ የሆዋ ዚህበና መንፈሳዊ ኽዳን ከምቲ ማዕቀንካ ምእንቲ ኪኸውን ተባሂሉ ኸተጽብቦ ወይ ከተግፍሖ እትኽእል ክዳን ኣይኰነን፣ የግዳስ፡ ነቲ መንፈሳዊ ኽዳን ንምልባስ፡ ንሕና ኢና ምትዕርራይ ክንገብር ዘሎና። ብኻልእ ኣበሃህላ፡ ነቲ ኣምላኽ ዝሰርዖ ብቕዓታት ንምምላእ፡ ንሕና ኢና ለውጢ ኽንገብር ዘሎና።

ከም ዳዊት፡ ካብ መንፈሳዊ መጽለሊ ኣጸቢቕካ ተጠቐም

14-15. የሆዋ ንህዝቡ መንፈሳዊ መጽለሊ ዚህቦም ብኸመይ እዩ፧ (መዝሙር 27:5) (ስእሊ እውን ርአ።)

14 እንተዀነ ግና፡ ናይ ሓቂ ሓጐስ ንምርካብ፡ መንፈሳዊ ምግብን መንፈሳዊ ኽዳንን ጥራይ ኣይኰነን ዜድልየና። መንፈሳዊ መጽለሊ እውን የድልየና እዩ። እዚኸ እንታይ እዩ፧ ኣብ ትሕቲ እቲ መጽለሊ እቲ ኸም ዝዀንናኸ ብኸመይ ኢና ርግጸኛታት ክንከውን እንኽእል፧

15 ንጉስ ዳዊት ብዛዕባ እቲ የሆዋ ዘዳለዎ መንፈሳዊ መጽለሊ ተዛሪቡ ኣሎ። (መዝሙር 27:5 ኣንብብ።) የሆዋ ንህዝቡ፡ ካብ ኵሉ እቲ ኣብኡ ንዘለዎም እምነት ነባሪ ጕድኣት ኬምጽእ ዚኽእል ዘበለ የዕቍቦም እዩ። እሞ ደኣ የሆዋ ንኣገልገልቱ ብኸመይ እዩ ኻብ ደጋዊ ሓደጋ ዜዕቍቦም፧ ኵሉ እቲ ኣንጻሮም እተሰርሐ ኣጽዋር ከም ዘይጠቅም ቃል ኣትዩ ኣሎ። (መዝ. 34:7፣ ኢሳ. 54:17) ሰይጣንን ወኪላቱን ሓያላት እኳ እንተ ዀኑ፡ ነባሪ ጕድኣት ግና ኬውርዱልና ኣይክእሉን እዮም። ዋላ እኳ እንተ ቐተሉና፡ የሆዋ ኼተንስኣና ይኽእል እዩ። (1 ቈረ. 15:55-57፣ ራእ. 21:3, 4) ብዘይካዚ፡ የሆዋ ነቲ ነባሪ ጕድኣት ኬስዕበልና ዚኽእል ውሽጣዊ ጭንቀትና ኽንጻወር ይሕግዘና እዩ። (ምሳ. 12:25፣ ማቴ. 6:27-29) እዚ ፈቃር ኣቦና እዚ፡ ዚድግፉና ኣሕዋትን ኣሓትን፡ ከምኡ እውን ዚጓስዩና ሽማግለታት ሂቡና ኣሎ። (ኢሳ. 32:1, 2) ኣብ ኣኼባታት ክንእከብ ከለና፡ ካብቲ የሆዋ ዘዳለዎ ዕቝባ ኽንጥቀም ብዛዕባ እንኽእለሉ መገድታት ንምሃር ኢና።—እብ. 10:24, 25።

ሓንቲ ሓብቲ ኣብ መጽናዕቲ “ግምቢ ዘብዐኛ” ሓሳብ ንምሃብ ኢዳ ተልዕል። ካልኦት ኣሕዋትን ኣሓትን እውን ኢዶም የልዕሉ።

ሓንቲ ሓብቲ ምስ ኣሕዋትን ኣሓትን ኣብ ኣኼባ ጉባኤ ብምእካብ፡ መንፈሳዊ ሓገዝ ክትረክብ ትጽዕር (ሕጡብ ጽሑፍ 14-15 ርአ)


16. የሆዋ ንዳዊት ዘዕቈቦ ብኸመይ እዩ፧

16 ዳዊት ንየሆዋ እዙዝ ኰይኑ ይመላለስ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ የሆዋ ንዳዊት ጽቡቕ ውሳነታት ኪገብር ይሕግዞ ነበረ፣ በዚ ኸምዚ ኸኣ፡ የዕቍቦ ነበረ። (ምስ ምሳሌ 5:1, 2 ኣረኣኢ።) ዳዊት ንመለክዒታት የሆዋ ዕሽሽ ይብል ኣብ ዝነበረሉ እዋን ግና፡ የሆዋ ንዳዊት ካብቲ ተግባራቱ ዜስዕበሉ ሳዕቤናት ኣየዕቈቦን። (2 ሳሙ. 12:9, 10) ይኹን እምበር፡ ዳዊት ብሰንኪ ኻልኦት መከራ ዝጸገበሉ ግዜያት ነይሩ እዩ። ኣብቲ እዋን እቲ፡ ልቡ ብጸሎት ናብ የሆዋ ኣፍሰሰ። የሆዋ ኸኣ ከም ዜፍቅሮን ከም ዚሓልየሉን መረጋገጺ ብምሃብ፡ ንጭንቀቱ ኣፍኰሰሉ።—መዝ. 23:1-6።

17. ንዳዊት ክንመስሎ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

17 ንሕና እውን ውሳነታት ክንገብር ከለና ኻብ የሆዋ ምኽሪ ብምድላይ፡ ንዳዊት ክንመስሎ ንኽእል ኢና። ሓድሓደ ግዜ፡ መከራ እንጸግብ፡ የሆዋ ስለ ዘየዕቈበና ዘይኰነስ፡ ብሰንኪ ሕማቕ ውሳነታትና ኸም ዝዀነ እውን ኣይንስሕቶን ኢና። (ገላ. 6:7, 8) ብሰንኪ ኻልኦት መከራ ኽንጸግብ ከለና ኸኣ፡ የሆዋ ንልብናን ንሓሳባትናን ከም ዚሕልዎ ብምትእምማን፡ ልብና ብጸሎት ናብኡ ነፍስስ ኢና።—ፊል. 4:6, 7።

ወትሩ ‘መንፈሳዊ ህርፋንካ’ ኸተርዊ ጽዓር

18. ኣብዚ ግዜና፡ እንታይ ጸገም እዩ ዜጋጥመና፧ ወትሩ መንፈሳዊ ህርፋንና ኸነርዊ እንኽእልከ ብኸመይ ኢና፧ (ስእልታት እውን ርአ።)

18 ጥቕሲ ዓመት 2026፡ “መንፈሳዊ ነገራት ዚሃርፉ፡ . . . ሕጉሳት እዮም” ትብል። ምናዳ ሎሚ እዛ ጥቕሲ እዚኣ ኣገዳሲት እያ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ፡ መንፈሳዊ ነገራት ብዘይሃርፉ፡ ወይ ድማ ነቲ ህርፋኖም ብናይ ሓሶት ሃይማኖት ወይ ብሰብኣዊ ፍልስፍና ኼርውዩ ብዚፍትኑ ዘይሕጉሳት ሰባት ኢና ተኸቢብና ዘለና። እምበኣር፡ ኣረኣእያኦም ምእንቲ ኸይጸልወና ኽንጥንቀቕ ኣሎና። ብኸመይ ኢና ኸምኡ እንገብር፧ ከምኡ ንምግባር፡ ነቲ የሆዋ ዚህበና መንፈሳዊ ምግቢ ኽንምገብ፡ ነቲ ሓድሽ ስብእና ኽንለብስ፡ ኣብቲ ንሱ ዘዳለዎ ዕቝባ ኸኣ ከነጽልል ኣሎና።

ስእልታት፦ እታ ኣብ ዝቐደመት ስእሊ ዝነበረት ሓብቲ መንፈሳዊ ህርፋና ተርዊ። 1. ዓንቀጽ መጽናዕቲ “ግምቢ ዘብዐኛ” ተጽንዕ። 2. ንሰብ ሓዳር ምግቢ ትወስደሎም። እቲ ሰብኣይ ርእሱ ብፋሻ ተዘኒኑ፡ ኣብ ኢዱ እውን ኢንፍዩዥን ተገይሩሉ ኣብ መንበር ኮፍ ኢሉ ኣሎ። 3. ክልተ ኣሕዋት ጕስነታዊ ምብጻሕ ይገብሩላ።

ወትሩ ኻብ መንፈሳዊ ምግብን ክዳንን መጽለልን ንምጥቃም ክንጽዕር ኣሎና (ሕጡብ ጽሑፍ 18 ርአ)a

ካብቲ የሆዋ ዘዳለዎ ስዒቡ ዘሎ መንፈሳዊ መሰናድዎ ብኸመይ ኢና ኽንጥቀም እንኽእል፧

  • ምግቢ

  • ክዳን

  • መጽለሊ

መዝሙር 162 መንፈሳዊ ህርፋነይ

a መግለጺ ስእሊ ፦ እታ ኣብ ዝቐደመት ስእሊ ዝነበረት ሓብቲ፡ ብመጽናዕቲ ግምቢ ዘብዐኛ ኣቢላ መንፈሳዊ ምግቢ ትምገብ፡ ንኻልኦት ሰናይ ብምግባር ከኣ ሓድሽ ስብእና ትለብስ፡ ብፍቕሪ ኻብ ዚጓስይዋ ሽማግለታት እውን ሓገዝ ትረክብ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ