30 መጋቢት–5 ሚያዝያ 2026
መዝሙር 76 የሐጕሰካዶ፧
ብጥዑም ቃላት ጌርካ ሓቂ ተዛረብ
“የሆዋ፡ ኣምላኽ ሓቂ።”—መዝ. 31:5።
ኣትኵሮ
ንሰባት ኣጸቢቑ ብዚጠቅም መገዲ ብኸመይ ሓቂ ኸም እትዛረብ።
1. ክፍሊ ስድራ ቤት የሆዋ ንምዃን እንታይ ኢና ኽንገብር ዘሎና፧
ምስ ክርስትያናት ብጾትና ንፈለማ ግዜ ኽንራኸብ ከለና፡ መብዛሕትኡ ግዜ “ሓቂ ብኸመይ ፈሊጥካ፧” ኢልና ንተሓታተት ኢና። ገሊኦም፡ “ኣብ ሓቂ እየ ዓብየ” ኢሎም ይምልሱ እዮም። ገሊኦም ከኣ፡ ኣብ ቀረባ ግዜ “ናብ ሓቂ ኸም ዝመጹ” ይገልጹ እዮም። ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ ሓቂ ንምሉእ ህይወትና ስለ ዚጸልዎ ኢና ኸምኡ ኢልና እንምልስ። ግናኸ ስለምንታይ እዩ ሓቂ ዚጸልወና፧ ምኽንያቱ፡ ሓቂ እንፈቱን ብሓቂ እንመላለስን እንተ ዘይኴንና፡ ክፍሊ ስድራ ቤት የሆዋ ኽንከውን ከም ዘይንኽእል ንፈልጥ ኢና። ሓደ ኻብቲ ብሓቂ እንመላለሰሉ መገዲ ኸኣ፡ ኣብ ዘረባና ዀነ ኣብ ተግባራትና ሓቀኛታት ብምዃን እዩ።—መዝ. 15:1-3።
2. (ሀ) የሱስ እንታይ ዓይነት ስም ነይርዎ፧ (ለ) እቲ የሱስ ዝመሃሮ ሓቂ ኣብ ሰባት እንታይ ጽልዋ እዩ ኣሕዲሩ፧
2 የሱስ ወትሩ ሓቂ እዩ ዚዛረብ ነይሩ። ዘረባኡ ብሰብ ኣብ ዘይፍተወሉ እዋን እኳ ሓቀኛ ኸም ዝዀነ ጸላእቱ ተኣሚኖም እዮም። (ማቴ. 22:16) እቲ ንሱ ዚምህሮ ሓቂ ኣብ ሰባት እንታይ ጽልዋ ኸም ዜሕድር ኪገልጽ ከሎ ኸኣ፡ “ወዲ ኻብ ኣቦኡ፡ ጓል ካብ ኣዲኣ፡ ሰበይቲ ወዲ ኻብ ሓማታ ኽፈላሊ እየ መጺአ” ኢሉ ተዛሪቡ እዩ። (ማቴ. 10:35) ሰባት ነቲ ንሱን ሰዓብቱን ዚሰብክዎ መልእኽቲ ኣሉታዊ ምላሽ ኪህቡ እኳ እንተ ዘይደለየ፡ እንታይ ኪኸውን ከም ዚኽእል ግና ኣይሰሓቶን። (ማቴ. 23:37) መልእኽቱ ንደቂ ሰብ ኣብ ክልተ ኸም ዚኸፍሎም፡ ማለት ገሊኦም ንመጽሓፍ ቅዱሳዊ ሓቂ ዚፈትዉ፡ ገሊኦም ከኣ ዘይፈትዉ ኸም ዚዀኑ ይፈልጥ ነይሩ እዩ።—2 ተሰ. 2:9-11።
3. ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ ብዛዕባ እንታይ ኢና ኽንመያየጥ፧
3 ንሕና እውን ዘረባና ኣብ ዘይፍተወሉ እዋን እኳ፡ ከም የሱስ ወትሩ ሓቂ ኽንዛረብ ኢና እንጽዕር። ገሊኦም በቲ እንብሎ ዚቝጥዑ እኳ እንተ ዀኑ፡ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ሓቂ ንሰብኽን ንምህርን ኢና። ከምዚ ኺብሃል ከሎ ግና፡ ሓቂ ኽንዛረብ ከለና ብኸመይን መዓስን ከም እንዛረብ ግዲ የብልናን ማለት ድዩ፧ ኣይፋልን! ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ፈለማ ‘ኣበይ ኢና ሓቂ ኽንረክብ እንኽእል፧’ ንእትብል ሕቶ መልሲ ኽንረኽበላ ኢና። ድሕሪኡ፡ ‘ስለምንታይን ብኸመይን መዓስን ኢና ሓቂ ኽንዛረብ ዘሎና፧’ ንእትብል ሕቶ ኽንምርምራ ኢና። መልሲ እዚ ሕቶታት እዚ፡ ነቲ ጥዑም ብዝዀነ ቓላት ሓቂ ንምዝራብ ዘሎና ኽእለት፡ ማለት ነቲ ብሜላን ኣብ ግቡእ ግዜን ሓቂ ንምዝራብ ዘሎና ኽእለት ኬመሓይሾ እዩ።
ኣበይ ኢና ሓቂ ኽንረክብ እንኽእል፧
4. የሆዋ ምንጪ ሓቂ እዩ ኽንብል እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧
4 የሆዋ ምንጪ ሓቂ እዩ። ኵሉ እቲ ንሱ ዚብሎ ሓቂ እዩ። ንኣብነት፡ እቲ ብዛዕባ ቕኑዕን ጌጋን እተዛረቦ ነገር ሓቂ እዩ። (መዝ. 19:9፣ 119:142, 151) ኵሉ እቲ ብዛዕባ መጻኢ ዚዛረቦ ቓል እውን ይፍጸም እዩ። (ኢሳ. 55:10, 11) ቃሉ ኸኣ ዓጺፉ ኣይፈልጥን እዩ። (ዘሁ. 23:19) ከም ሓቂ እኳ ደኣስ፡ ኣምላኽ ኪሕሱ ኣይክእልን እዩ! (እብ. 6:18) ስለዚ ድማ እዩ “ኣምላኽ ሓቂ” ተባሂሉ ዘሎ።—መዝ. 31:5።
5. ን“ኣምላኽ ሓቂ” ምርካቡ ኣጸጋሚ ዘይኰነ ስለምንታይ እዩ፧ ግለጽ። (ግብሪ ሃዋርያት 17:27)
5 ገሊኦም ሰባት ነቲ “ኣምላኽ ሓቂ” ዝዀነ የሆዋ ምርካቡ ኣጸጋሚ ኸም ዝዀነ ገይሮም ዚሓስቡ እኳ እንተ ዀኑ፡ እዚ ግና ልክዕ ኣይኰነን። ንህልውናኡ ዜረጋግጽ መርትዖ ኣብ ዙርያና ኽንረክብ ንኽእል ኢና። (ሮሜ 1:20) ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብ ኣቴና ምስ ዝነበሩ ገሊኦም ሊቃውንቲ ግሪኽ ኺዛራረብ ከሎ፡ ኣምላኽ ንዕኡ ‘ኽንረኽቦ’ ኸም ዚደልየና፡ ‘ካብ ነፍሲ ወከፍና እውን ዘይረሓቐ ኸም ዝዀነ’ ገሊጹ ኣሎ። (ግብሪ ሃዋርያት 17:27 ኣንብብ።) እወ፡ የሆዋ ነቶም ንሓቂ ዚደልይዋ ትሑታት ሰባት ናብኡ ይስሕቦም እዩ።—ዮሃ. 6:44።
6. ገለ ኻብቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ሓቅታት እንታይ እዩ፧ ነዚ ሓቅታት እዚ ብምፍላጥካ እተመስግንከ ስለምንታይ ኢኻ፧
6 ሓደ ኻብቲ ንየሆዋ ኽንረኽበሉ እንኽእል መገድታት፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብምጽናዕ እዩ። እቶም ነዚ መጽሓፍ እዚ ዝጸሓፉ ሰባት፡ ብናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ ተደሪኾም እዮም ጽሒፎም። (2 ጴጥ. 1:20, 21) ስለዚ፡ ኵሉ እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተመዝጊቡ ዘሎ ሓበሬታ፡ ሓቅን እሙንን እዩ። ንኣብነት፡ ነቲ ብዛዕባ መበቈል ዩኒቨርስን ምድራዊ ህይወትን ዚነግረና ነገር ክንኣምኖ ንኽእል ኢና። (ዘፍ. 1:1, 26) ነቲ ዅላትና ስለምንታይ ከም ዝሓጣእናን መከራን ሞትን ስለምንታይ ከም ዝበዝሐን ዚህቦ ትምህርቲ እውን ክንኣምኖ ንኽእል ኢና። (ሮሜ 5:12፣ 6:23) የሆዋ ብወዱ ኣቢሉ ንዅሉ እቲ “ኣቦ ሓሶት” ዝዀነ ሰይጣን ዘምጸኦ ጕድኣት ከም ዜዐርዮ ኺነግረና ኸሎ እውን ምሉእ ብምሉእ ክንኣምኖ ንኽእል ኢና። (ዮሃ. 8:44፣ ሮሜ 16:20) ብዘይካዚ፡ ነቲ የሱስ ንእኩያት ከም ዜጥፍኦም፡ ንምዉታት ከም ዜተንስኦም፡ ንምድሪ ገነት ከም ዚገብራ፡ ናብ ፍጽምና ኽንበጽሕ እውን ከም ዚሕግዘና ዚገልጽ ተስፋታት መጽሓፍ ቅዱስ ክንኣምኖ ንኽእል ኢና። (ዮሃ. 11:25, 26፣ 1 ዮሃ. 3:8) እወ፡ የሆዋ ብሓቂ ፍሉይ መሰል እዩ ሂቡና! ሓቂ ምሂሩና እዩ፣ ንሰባት ሓቂ ኽንምህር እውን ኣጋጣሚ ኸፊቱልና ኣሎ።—ማቴ. 28:19, 20።
ስለምንታይ ሓቂ ኸም እንዛረብ
7-8. ሓቂ እንዛረበሉ ምኽንያት የገድስ ድዩ፧ ኣብነት ሃብ። (ማርቆስ 3:11, 12) (ስእልታት እውን ርአ።)
7 ኣቐዲሙ ኸም እተጠቕሰ፡ ክፍሊ ስድራ ቤት የሆዋ ኽንከውን እንተ ደሊና፡ ሓቂ ኽንዛረብ ኣሎና። ኰይኑ ግና፡ ንየሆዋ ባህ ምእንቲ ኸነብሎ፡ ሓቂ ኻብ ምዝራብ ንላዕሊ ኽንገብር ኣሎና። ሓቂ እንዛረበሉ ምኽንያት እውን ንየሆዋ የገድሶ እዩ። እዚ ምእንቲ ኺርድኣና፡ ኣብ ምድራዊ ኣገልግሎት የሱስ ዘጋጠመ ነገር እስከ ንርአ። (ማርቆስ 3:11, 12 ኣንብብ።) የሱስ ኣብ ጥቓ ባሕሪ ገሊላ እናሰበኸ ኸሎ፡ ብዙሕ ህዝቢ ናብኡ ተኣከበ። ኣብ መንጎ እቲ ህዝቢ ዝነበሩ ኣጋንንቲ ዝሓደርዎም ሰባት ከኣ ኣብ ቅድሚ የሱስ ተደፊኦም፡ “ንስኻ ወዲ ኣምላኽ ኢኻ” እናበሉ ጨደሩ። እቶም ኣጋንንቲ ብዛዕባ የሱስ ሓቂ እተዛረቡ ስለምንታይ እዮም፧ ምናልባት በቶም ዚሰምዕዎም ዝነበሩ ሰባት ምእንቲ ኺእመኑ እሞ፡ ድሕሪኡ ንዓታቶም ካብ የሆዋ ምእንቲ ኼርሕቕዎም ኢሎም ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። እቲ ዝበልዎ ሓቂ እኳ እንተ ነበረ፡ ኪብለጹ ደልዮም እዮም ከምኡ ኢሎም ተዛሪቦም። የሱስ ብኣታቶም ኣይተታለለን፡ ወይ እውን ኣይተሓጐሰን። ከም ሓቂ እኳ ደኣስ፡ ብዛዕባኡ ኸይሰብኩ ኣዘዞም።
8 ካብዚ ዛንታ እዚ እንታይ ንምሃር፧ ሓቂ እንዛረበሉ ምኽንያት ንየሆዋ የገድሶ እዩ። ስለዚ፡ ሓቂ እንዛረበሉ ውሽጣዊ ድራኸ ንጹህ ኪኸውን ይግባእ፣ ብዘረባና ዚውሃበና ዝዀነ ይኹን ክብሪ ድማ ንየሆዋ ደኣ ኢና ኽንህቦ ዘሎና እምበር፡ ንርእስና ኽንቅበል የብልናን።—ማቴ. 5:16፣ ምስ ግብሪ ሃዋርያት 14:12-15 ኣረኣኢ።
ሓቂ ኽንዛረብ ከለና፡ ናብ መን ከም ዚትኰር ኢና እንገብር፧ (ሕጡብ ጽሑፍ 7-8 ርአ)
9. እንታይ ካብ ምግባር ኢና ኽንቍጠብ ዘሎና፧ ስለምንታይከ፧
9 ንርእስና ኽብሪ ኻብ ምድላይ ክንቍጠበሉ ዚግባእ ካልእ ኵነታት እስከ ንርአ። ሓላፍነት ዘለዎ ሓው ምስጢራዊ ሓበሬታ ነጊሩና ንበል። ንሕና ድማ ነዚ ሓበሬታ እዚ ንኻልኦት ነጊርናዮም። ድሕርዚ፡ ሓቅና ምንባርና ምስ ፈለጡ፡ በቲ እንፈልጦ ነገር ኪድነቑ፡ ብዙሕ ምስጢራዊ ሓበሬታ ኸም እንፈልጥ ገይሮም እውን ኪሓስቡ ይኽእሉ እዮም። እዚ ኸኣ ብዛዕባና ልዑል ግምት ከም ዜሕድሩ ኺገብሮም ይኽእል እዩ፣ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ ኣምላኽ ግና ክብ ኣየብለናን እዩ። (ምሳ. 11:13) ስለምንታይ፧ ቅድም ቀዳድም፡ ምስጢራዊ ሓበሬታ ኢና ቐሊዕና። ብዘይካዚ ድማ፡ እቲ እተዛረብናዮ ሓቂ እኳ እንተ ዀነ፡ ብዘይግቡእ ምኽንያት ተደሪኽና ኢና ተዛሪብናዮ።
ብኸመይ ሓቂ ኸም እንዛረብ
10. “ጥዑም” ዘረባ ብኸመይ ምገለጽካዮ፧ (ቈሎሴ 4:6)
10 ቈሎሴ 4:6 ኣንብብ። ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብ ቈሎሴ ንዝነበሩ ክርስትያናት ብዛዕባ ዘረባኦም፡ “ኵሉ ሳዕ ጥዑም ይኹን” ዚብል መዘኻኸሪ ሂብዎም እዩ። እዚ እንታይ ማለት እዩ፧ እቲ ኣብ በዅሪ ቛንቋ ዚርከብ ቃላት፡ ዘረባና ጠቓሚ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ልኡምን ማራኽን እውን ኪኸውን ከም ዚግባእ የመልክት።
11-12. ሓቂ ኽንምህር ከለና፡ ብሓልዮት ክንምህር ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧ ብምሳሌ ኣረድእ። (ስእልታት እውን ርአ።)
11 ነቲ ጳውሎስ ብዛዕባ ጥዑም ዘረባ ዝሃቦ ምኽሪ፡ ንሰባት ሓቂ ኽንምህር ከለና እውን ክንጥቀመሉ ኣሎና። መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ ሒዝዎ ዘሎ ሓቅታት፡ ንነፍስን ንመንፈስን ምስ ዚስንጥቕ በሊሕ ሰይፊ ኣመሳሲልዎ ኣሎ። ብኻልእ ኣበሃህላ፡ ናይ ሓቂ ውሽጣዊ ስምዒታትናን ድራኸታትናን ኬቃልዕ ይኽእል እዩ። (እብ. 4:12) ንመጽሓፍ ቅዱስ ብሜላ እንተ ዘይተጠቒምናሉ ግና፡ ብዘየድሊ ንሰባት ከነጕሂ ወይ ምሳታቶም ክንጋጮ ንኽእል ኢና። እዚ ብኸመይ ኪኸውን ይኽእል፧
12 ነዚ እሞ ብኣእምሮና ንስኣሎ። ኣብ ኣገልግሎት፡ ምስ ሓደ ኣዘውቲሩ ናብ ምስልታት ዚጽሊ፡ ምስ ቤተ ሰቡ እውን ልደተ ክርስቶስን በዓል ትንሳኤን ምብዓል ዚፈቱ ቅኑዕ ሰብ ተራኺብና ንበል። ህይወት ናብ ዘይብሎም ምስልታት ምጽላይ ዕሽነት ከም ዝዀነ፡ ልደተ ክርስቶስን በዓል ትንሳኤን ከኣ ኣረማዊ ዝመበቈሉ በዓላት ከም ዝዀነ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ ከነርእዮ ንኽእል ኢና። (ኢሳ. 44:14-20፣ 2 ቈረ. 6:14-17) ኣብ ናይ ፈለማ ዝርርብና ኸምኡ ምስ እንገብር፡ ሓቂ እኳ እንተ ተዛረብና፡ ንቓል ኣምላኽ ግና ብሜላ ኣይኰንናን እንጥቀመሉ ዘለና።
ከመይ ጌርና ኢና ሓቂ ብሜላ ኽንምህር እንኽእል፧ (ሕጡብ ጽሑፍ 11-12 ርአ)a
13. ከመይ ጌርና ኢና ንዘረባና ብጨው እተቓመመ ኽንገብሮ እንኽእል፧
13 ጳውሎስ፡ ዘረባና ብጨው እተቓመመ ኪኸውን ከም ዚግባእ እውን ምዒዱ እዩ። ከምኡ ኺብል ከሎ፡ ሓቂ ኽንሸፋፍን ወይ ክንሓባብእ ኣሎና ማለቱ ኣይኰነን። የግዳስ፡ “ንመቐረት” ሰማዕትና ብዚሰማማዕ መገዲ ብዛዕባ ሓቂ ምእንቲ ኽንነግር፡ “እተቓመመ” ዘረባ ኽንዛረብ እዩ ዚምሕጸነና ነይሩ። (እዮ. 12:11) ከምኡ ምግባር ቀሊል ኣይኰነን። ቃል ብቓሉ ምግቢ ኸነዳሉ ኸለና፡ ካልእ ሰብ ንናትና መቐረት ዚፈትዎ እዩ ዚመስለና። ብተመሳሳሊ ኸኣ፡ ኣዘራርባና ንዅሉ ሰብ ማራኺ ኸም ዝዀነ ኺመስለና ይኽእል እዩ። ከምኡ ግና ኣይኰነን። ንኣብነት፡ ኣብ ገሊኡ ባህልታት፡ ዋላ እውን ካባታቶም ንዚዓቢ ሰብ ርእይቶኦም ብቐጥታ ናይ ምግላጽ ልማድ ኣለዎም። ኣብ ገሊኡ ባህልታት ግና፡ ንኸምዚ ዓይነት ኣዘራርባ ኸም ዘይቅቡል ወይ ከም ነውሪ ገይሮም ኪርእይዎ ይኽእሉ እዮም። ጳውሎስ ‘ንነፍሲ ወከፍ ከመይ ጌርና ኽንምልስ ከም ዚግብኣና ኽንፈልጥ’ ከም ዘሎና ምዒዱና ኣሎ። ስለዚ፡ ንዘረባና ብናትና መቐረት ወይ ብናትና ባህሊ ዘይኰነስ፡ ብናይቲ ሰማዒና መቐረት ከነቃምሞ ኣሎና።
መዓስ ሓቂ ኸም እንዛረብ
14. የሱስ ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ኵሉ እቲ ዚፈልጦ ድዩ ንደቀ መዛሙርቱ ምሂርዎም፧ ግለጽ።
14 የሱስ ንሰዓብቱ ወትሩ ጥዑም ዘረባ እዩ ዚዛረቦም ነይሩ፣ ብለውሃት እውን ብዙሕ ምሂርዎም እዩ። (ማር. 6:34) ይኹን እምበር፡ ገና ብዙሕ ዘይፈልጥዎ ነገራት ነይርዎም እዩ። የሱስ ኵሉ እቲ ዚፈልጦ ኣይኰነን ኪምህሮም ጽዒሩ። ዓቕሞም ድሩት ምዃኑ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። ገሊኡ ሓቅታት ኪፈልጡሉ ዚግባእ ግዜ ኸም ዘይኣኸለ ተረዲእዎ ነይሩ እዩ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ እዩ ነቲ ሓቅታት እቲ ኺጾርዎ ኸም ዘይክእሉ እተዛረበ። (ዮሃ. 16:12) እሞ ደኣ ኻብዚ እንታይ ንምሃር፧
15. ንተምሃሮና ዅሉ እቲ እንፈልጦ ነገራት ብሓንሳእ ክንነግሮምሲ ግቡእ ድዩ፧ ግለጽ። (ምሳሌ 25:11) (ስእሊ እውን ርአ።)
15 ሓቂ ስለ ዝፈለጥና፡ ኵሉ እቲ እንፈልጦ ብሓንሳእ ክንምህር ኣሎና ማለት ከም ዘይኰነ ኻብቲ የሱስ ዝሓደጎ ኣብነት ንምሃር ኢና። እሞ ደኣ ነቲ ንሱ ዝሓደጎ ኣብነት ብኸመይ ኢና ኽንስዕብ እንኽእል፧ ብዛዕባ እቲ ሰባት ዘለዎም ኵነታት ክንሓስብ ኣሎና። ንኣብነት፡ ብዛዕባ እቲ ምስ ቤተ ሰቡ ልደተ ክርስቶስን በዓል ትንሳኤን ኬብዕል ዚደሊ ሰብ እሞ ንሕሰብ። እዚ በዓላት እዚ ኣረማዊ ዝመበቈሉ ኸም ዝዀነ፡ ንኣምላኽ እውን ከም ዘየሐጕሶ ንፈልጥ ኢና። ንበል ግና ነቲ ሰብ እቲ ኻብቲ ልደተ ክርስቶስ ዚብዓለሉ ቕድሚ ሓደ ወይ ክልተ ሰሙን መጽሓፍ ቅዱስ ከነጽንዖ ጀሚርና። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ኣረማዊ በዓላት እንታይ ከም ዚብል እንተ ኣርኢናዮ፡ ብኡብኡ ልደተ ክርስቶስ ምብዓል ኪሓድጎ እውን ትጽቢት እንተ ጌርናሉ፡ ዘረባና ጥዑምዶ ምተባህለ፧ ልክዕ እዩ፡ ገሊኦም ተምሃሮ ንዅሉ እቲ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ እተማህርዎ ብቕልጡፍ ይትግብርዎ እዮም። ገሊኦም ግና ኣብ ኣተሓሳስባኦምን ኣብ ተግባራቶምን ምትዕርራይ ንምግባር ዝያዳ ግዜ ይወስደሎም እዩ። ስለዚ፡ ንተምሃሮና ነቲ ኺፈልጥዎ ዜድልዮም ነገራት ኣብ ግቡእ ግዜ፡ ማለት ኣብቲ ኺጾርዎ ዚኽእሉሉ ግዜ ብምንጋር፡ ዕቤት ኪገብሩ ኽንሕግዞም ንኽእል ኢና።—ምሳሌ 25:11 ኣንብብ።
መዓስ ሓቂ ኸም እትዛረብን ክንደይ ከም እትዛረብን ንምፍላጥ፡ ኣብነት የሱስ ስዓብ (ሕጡብ ጽሑፍ 15 ርአ)
16. ከመይ ጌርና ኢና ንተምሃሮና ‘በታ ሓቂ ንምምልላስ’ ክንሕግዞም እንኽእል፧
16 ንሰባት ብዛዕባ የሆዋ ሓቂ ኺፈልጡ ምሕጋዝ ኣዝዩ የሐጕሰና እዩ። ‘በታ ሓቂ ንምምልላስ’ ምእንቲ ኽንሕግዞም ከኣ ከምዚ ዚስዕብ ንግበር፦ ወትሩ ሰናይ ኣብነት ንዅኖም። (3 ዮሃ. 3, 4) ኣብቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ ተስፋታት ከም እንኣምን ብኣነባብራና ነርኢ። ብንጹህ ድራኸ ሓቂ ንዛረብ። ሓቂ ኽንምህር ከለና፡ ብልኡም ቃላትን ኣብ ግቡእ ግዜን ብምዝራብ ጥዑም ዘረባ ንዛረብ። ኵሉ ውዳሰ እውን ንየሆዋ ንሃቦ። ከምኡ እንተ ጌርና፡ ኣገልገልቲ እቲ ኣምላኽ ሓቂ ዝዀነ የሆዋ ኸም ዝዀንና ኸነመስክር ኢና።
መዝሙር 160 “ብስራት”!
a መግለጺ ስእሊ፦ ኣብታ ቐዳመይቲ ስእሊ፡ ሓደ ሓው ነቲ ናይቲ ብዓል ቤት ጽሕዲ ልደት ይርእዮ፣ ልደተ ክርስቶስ ኣረማዊ ዝመበቈሉ በዓል ምዃኑ እትሕብር ዓንቀጽ ከኣ የርእዮ። ኣብታ ኻልአይቲ ስእሊ፡ እቲ ሓው ነቲ ብዓል ቤት ብዛዕባ ኣቦታት እትምህር ዓንቀጽ የርእዮ። ካብዚ ኽልቲኡ ኣየናይ ኣቀራርባ እዩ ብዝያዳ ውጽኢታዊ፧