ራብዓይ ክፋል
“ነቲ ቕዱስ ስመይ . . . ብቕንኣት ክከላኸለሉ እየ”—ንጹህ ኣምልኾ ኻብቲ ዚወርዶ መጥቃዕቲ ይድሕን
ኣትኵሮ፦ የሆዋ ንህዝቡ ኻብቲ ብርቱዕ ጸበባ የድሕኖም
የሆዋ ንሰባት የፍቅሮም እዩ፣ ኰይኑ ግና፡ ብተግባራትና ተሓተትቲ ይገብረና እዩ። በቶም ‘ነምልኾ ኢና’ እናበሉ ብኣካይዳኦም ዚኽሕድዎ ሰባት ከመይ ይስምዖ፧ ካብቲ ብርቱዕ ጸበባ መን ከም ዚድሕን ከመይ ገይሩ ይውስን፧ ኣምላኽ ፍቕሪ ኽነሱኸ ኸመይ ገይሩ እዩ ሚልዮናት እኩያት ዚቐትል፧