ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • g 9/13 ገጽ 6-9
  • ሃሎዊን—ብዛዕባኡ ዚገልጽ ሓቂ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ሃሎዊን—ብዛዕባኡ ዚገልጽ ሓቂ
  • ንቕሑ!—2013
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ንመርኣዪ ዚኸውን ኣቀራርባታት
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2013
  • ኣብ ቤት ትምህርቲ ጽኑዕ ኣቕዋም ምውሳድ ዓስቢ ኣለዎ
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1996
  • በዓላት ከነብዕል ግቡእ ድዩ፧
    መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧
  • ኵሉ በዓላት ንኣምላኽ ባህ የብሎ ድዩ፧
    ኣብ ፍቕሪ ኣምላኽ ብኸመይ ትጸንዕ፧
ዝያዳ ርአ
ንቕሑ!—2013
g 9/13 ገጽ 6-9

ገበር

ሃሎዊን—ብዛዕባኡ ዚገልጽ ሓቂ

ኣብቲ እትነብረሉ ቦታ፡ በዓል ሃሎዊን ይብዓል ድዩ፧ ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካን ኣብ ካናዳን፡ ሃሎዊን ህቡብን በብዓመቱ ብ31 ጥቅምቲ ዚብዓልን በዓል እዩ። ኣብቲ በዓል ዚግበር ነገራት ግና፡ ኣብ ካልእ ክፋላት ዓለም እውን ይግበር እዩ። ኣብ ገሊኡ ቦታታት፡ ስማት እቲ በዓል እተፈላለየ እኳ እንተ ዀነ፡ ፍረ ነገሩ ግና ተመሳሳሊ እዩ፣ ብመናፍስቲ ምዉታት ኣቢልካ ምስ መንፈሳዊ ዓለም ምርኻብ፡ ደቂ ሕድርትና፡ ጠንቈልቲ፡ ሕሉፍ ሓሊፉ እውን ድያብሎስን ኣጋንንትን ዜጠቓልል እዩ።—ነታ፡ “ኣብ መላእ ዓለም ዚብዓል ምስ ሃሎዊን ዚመሳሰል በዓላት” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።

ብውልቅኻ ልዕለ ባህርያውያን ኣብ ዝዀኑ መናፍስቲ ኣይትኣምንን ትኸውን። ምናልባት ኣብ ሃሎዊንን ኣብ ካልእ ከምኡ ዝበለ በዓላትን ምክፋል፡ ከም መዘናግዕን ንደቅኻ ነቲ ናይ ምምሃዝ ክእለቶም ንኺጥቀሙሉ ኸም እትምህረሉ ኣጋጣምን ጌርካ ጥራይ ትርእዮ ትኸውን። ይኹን እምበር፡ ብዙሓት ሰባት በዚ ዚስዕብ ምኽንያታት፡ ነቲ በዓላት ከም ጐዳኢ ገይሮም እዮም ዚርእይዎ፦

  1. ኢንሳይክሎፔድያ ኦቭ ኣመሪካን ፎልክሎር፡ “ሃሎዊን ብቐንዱ ምስ መብዛሕትኦም እቶም ዜጕባዕብዑ ወይ ዜፍርሁ መንፈሳውያን ሓይልታት ኣብ ምርኻብ ዘተኰረ እዩ” በለ። (ነታ፡ “ሰሌዳ ግዜ ሃሎዊን” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።) ምስ ሃሎዊን ዚመሳሰል ብዙሕ በዓላት እውን፡ ኣረማዊ መበቈል ዘለዎን ኣብ ኣምልኾ ኣቦሓጎታት እተመስረተን እዩ። ሎሚ እውን እንተ ዀነ፡ ኣብ መላእ ዓለም ዘለዉ ሰባት፡ ኣብተን እቲ በዓላት ዚብዓለለን መዓልትታት ምስ መናፍስቲ ምዉታት ኪራኸቡ ይጽዕሩ እዮም።

  2. ሃሎዊን ከም ኣብ ኣመሪካ ጥራይ ዚብዓል በዓል ጌርካ እኳ እንተ ተራእየ፡ በብዓመቱ ቝጽረን እናወሰኸ ዚኸይድ ዘሎ ሃገራት፡ ነቲ በዓል ይቕበላኦ ኣለዋ። መብዛሕትኦም ተኻፈልቲ እቲ በዓል ግና፡ እቲ ምስ ልዕለ ባህርያውያን ኣካላትን ምስ ስሒራዊ ሓይልታትን ዚተሓሓዝ ምልክታትን መመላኽዒታትን ልምድታትን ሃሎዊን፡ ኣረማዊ መበቈል ከም ዘለዎ ኣይፈልጡን እዮም።—ነታ፡ “ካበይ እዩ መጺኡ፧” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።

  3. ብኣሽሓት ዚቝጸሩ ዊካውያን ዚብሃሉ ጽምብላት ጥንታውያን ሰልታውያን ዚስዕቡ ሰባት፡ ንሃሎዊን በቲ ናይ ጥንቲ ስሙ “ሳምሃይን” ኢሎም እዮም ዚጽውዕዎ፣ ከም ኣዝዩ ቕዱስ ምሸት ገይሮም ከኣ እዮም ዚርእይዎ። ዩ.ኤስ.ኤ. ቱደይ እትብሃል ጋዜጣ፡ ሓደ ህቡብ ጠንቋሊ፡ “ክርስትያናት ‘ኣይተረድኦምን ደኣ እምበር፡ ምሳና ዀይኖም እዮም በዓልና ዜብዕሉ፣ . . . ንሕና በዚ ሕጉሳት ኢና’” ኸም ዝበለ ገሊጻ ነበረት።

  4. ከም ሃሎዊን ዝኣመሰሉ በዓላት፡ ምስ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ይጋጨዉ እዮም። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “መውደቒ ዛዕጐል ወይ ብደበናን ብተመንን ዚፈልጥ ወይ አስማተኛ ወይ ተራጋሚ፡ መናፍስቲ ዚጥይቕ፡ ወይ ጠንቋሊ ወይ ንምዉታት ዚጥይቕ፡ ኣባኻ ኣይረኸብ” ኢሉ እዩ ዜጠንቅቕ።—ዘዳግም 18:10, 11፣ ዘሌዋውያን 19:31፣ ገላትያ 5:19-21።

ስድራ ቤታት ጽቡቕ ግዜ ንምሕላፍ፡ ኣብ ዜፍርህ በዓላት ኪካፈላ ኣየድልየንን እዩ

ብመሰረት እቲ ኽሳዕ ሕጂ ዝረኣናዮ ነጥብታት፡ ብዛዕባ ሕማቕ መበቈል ሃሎዊንን ካልእ ተመሳሳሊ በዓላትን ክትፈልጥ ኣሎካ። ምናልባት ምሉእ ምርዳእ ምጥራይካ፡ ምስቶም ኣብ ከምዚ ዝበለ በዓላት ዘይካፈሉ ሰባት ንኽትሓብር ይድርኸካ ይኸውን።

“ክርስትያናት ‘ኣይተረድኦምን ደኣ እምበር፡ ምሳና ዀይኖም እዮም በዓልና ዜብዕሉ፣ . . . ንሕና በዚ ሕጉሳት ኢና።’”—ዩ.ኤስ.ኤ. ቱደይ እትብሃል ጋዜጣ ንሓደ ህቡብ ጠንቋሊ ብምጥቃስ ዝበለቶ

ኣብ መላእ ዓለም ዚብዓል ምስ ሃሎዊን ዚመሳሰል በዓላት

ብሓፈሻኡ ኺርአ ኸሎ፡ ሃሎዊን ከም ናይ ኣመሪካ በዓል ጌርካ እዩ ዚሕሰብ። ኰይኑ ግና፡ ኣብ ብዙሕ ክፋላት ዓለም እውን ህቡብ እዩ። ብዘይካዚ፡ ንህልውና መንፈሳውያን ፍጡራትን ንንጥፈታቶምን ዜብዕሉ ምስ ሃሎዊን ዚመሳሰሉ በዓላት ኣለዉ። ገለ ኻብቲ ኣብ መላእ ዓለም ዚብዓል ምስ ሃሎዊን ዚመሳሰል በዓላት እስከ ንርአ፦

  • ሰሜን ኣመሪካ - መዓልቲ ምዉታት

  • ደቡብ ኣመሪካ - ካውሳስኬንቺስ

  • ኤውሮጳ - መዓልቲ ምዉታትን ምስ ሃሎዊን ዚዛመድ በዓላትን

  • ኣፍሪቃ - ሳዕስዒት እተሸፈነ ኤጉንጉን

  • እስያ - በዓል ቦን

ካበይ እዩ መጺኡ፧

ምንጪ ገሊኡ ልምድታትን ምልክታትን ሃሎዊን

ቫምፓየራትን ዞምቢታትን ጠንቈልትን፦ እዞም ፍጡራት እዚኦም፡ ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዞም፡ ምስቲ እኩይ መንፈሳዊ ዓለም እዮም ዚተሓሓዙ።

ካራሜላ፦ ጥንታውያን ሰልታውያን፡ ብምቁር ነገራት ገይሮም ንእኩያት መናፍስቲ ኼሐጕስዎም ይጽዕሩ ነበሩ። ጸኒሑ፡ ቤተ ክርስትያን፡ ኣብ ድሮ እቲ “ዅሎም ቅዱሳት” ዚብሃል በዓል፡ ሰባት ኣብ በቤት እናዞሩ፡ ከም ክፍሊት እቲ ንቕዱሳት ዚቐርብ ጸሎት፡ ምግቢ ኺሓትቱ ኸተተባብዕ ጀመረት። እዚ ልምዲ እዚ ድማ ኣብ መወዳእታኡ፡ ክፍሊ በዓል ሃሎዊን ኰነ፣ በዚ ምኽንያት እዚ ድማ እዮም ቈልዑ ኣብ በቤት እናዞሩ ካራሜላ ዚልምኑ።

ኣከዳድና፦ እቶም ተቐማጦ ኤውሮጳ ዝነበሩ ሰልታውያን፡ ነቶም እኩያት መናፍስቲ ኸም መናፍስቲ ተመሲሎም ምእንቲ ኺርኣይዎም፡ ዜፍርህ መሸፈኒ ገጽ ይገብሩ ነበሩ፣ እዚ ኻብ ጕድኣት ከም ዜዕቍቦም ገይሮም ከኣ ይሓስቡ ነበሩ። ቤተ ክርስትያን ድማ ነዚ ኣረማዊ ልምድታት እዚ፡ ቀስ ብቐስ ምስቲ “ዅለን ነፍስታት”ን “ኵሎም ቅዱሳት”ን ዚብሃል በዓላት ሓወሰቶ። ጸኒሑ፡ ተኻፈልቲ እቲ በዓል፡ ናይ ቅዱሳትን መላእኽትን ሰይጣውንትን ዚመስል ክዳውንቲ ተኸዲኖም፡ ኣብ በቤት ኪዞሩ ጀመሩ።

ዱባ፦ ነቶም እኩያት መናፍስቲ ንምርሓቕ፡ እተቐርጸን ኣብ ውሽጡ ሽምዓ ዘለዎን ዱባ ኣብ ጥቕሚ ኺውዕል ጀመረ። ገሊኦም ሰባት፡ እታ ሽምዓ፡ ንሓንቲ ኣብ ቦታ ንስሓ ዘላ ነፍሲ ኸም እተመልክት ገይሮም እዮም ዚሓስቡ። ጸኒሑ፡ እተቐርጸ ዱባ ልሙድ እናዀነ መጸ።

ሰሌዳ ግዜ ሃሎዊን

ሓምሻይ ዘመን ቅ.ክ.

እቶም ተቐማጦ ኤውሮጳ ዝነበሩ ሰልታውያን፡ ኣብ መወዳእታ ጥቅምቲ፡ በዓል ሳምሃይን የብዕሉ ነበሩ፣ መናፍስቲ ምዉታትን ኣጋንንትን ካብ ቅድሚኡ ብዝያዳ ኣብታ መዓልቲ እቲኣ ኣብ ምድሪ ኸም ዚዞሩ ኸኣ ይኣምኑ ነበሩ።

ቀዳማይ ዘመን ድ.ክ.

ሮማውያን ንሰልታውያን ብምስዓር፡ ነቲ ምስ ሓተታ መናፍስቲ ዚተሓሓዝ ጽንብላት ሳምሃይን ተቐበልዎ።

ሻውዓይ ዘመን ድ.ክ.

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቦኒፈይስ ራብዓይ፡ ነቶም ሰማእት ኰይኖም ዝሞቱ ንምኽባር፡ ነቲ “መዓልቲ ቕዱሳት” ተባሂሉ ዚፍለጥ በዓል ጀመሮ።a

መበል ዓሰርተው ሓደ ዘመን ድ.ክ.

ካልአይቲ መዓልቲ ወርሒ ሕዳር፡ ንምዉታት ንምዝካር፡ መዓልቲ ዅላቶም ቅዱሳት ክትከውን ተመርጸት። እቲ “መዓልቲ ዅላቶም ቅዱሳት”ን “መዓልቲ ዅላተን ነፍሳት”ን ዚብሃል በዓላት ከኣ፡ ብሓባር ሃሎውታይድ ተባሂሉ ይጽዋዕ ነበረ።

መበል ዓሰርተው ሸሞንተ ዘመን ድ.ክ.

እቲ ሃሎውኢን (ወይ ሃሎው-ኢቪኒንግ) ዚብሃል ዝነበረ ስም እቲ በዓል፡ ሃሎዊን ተባሂሉ ኣብ ጽሑፋት ወጸ።

መበል ዓሰርተው ትሽዓተ ዘመን ድ.ክ.

ብኣሽሓት ዚቝጸሩ ሰባት ካብ ኣይርላንድ ናብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ምስ ገዓዙ፡ እቲ ምስ ሃሎዊን ዚተሓሓዝ ልምድታቶም ምስቲ እቶም ደቂ ብሪጣንያን ጀርመንን ኣፍሪቃን ኰኑ ኻብ ካልእ ቦታታት ዝመጹ ስደተኛታት ሒዞምዎ ዝኸዱ ተመሳሳሊ ልምድታት ተሓዋወሰ።

መበል ዕስራ ዘመን ድ.ክ.

ሃሎዊን ኣብ መላእ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ዚብዓል ህቡብ በዓል ኰነ።

መበል ዕስራን ሓደን ዘመን ድ.ክ.

ምስ ሃሎዊን ዚተሓሓዝ ንግዳዊ ንጥፈታት፡ ቢልዮናት ዶላራት ዚፈስሶ ሃገራዊ ኢንዱስትሪ ዀነ።

a እታ “ሃሎው” እትብል ቃል፡ “ቅዱሳት” (ሰይንት) ዝትርጕማ ናይ ቀደም ናይ እንግሊዝኛ ቓል እያ። እቲ “ኦል ሰይንትስ ደይ” ተባሂሉ እውን ዚፍለጥ “ኦል ሃሎውስ ደይ” (“መዓልቲ ዅላቶም ቅዱሳት”) ዚብሃል በዓል፡ ነቶም ዝሞቱ ቕዱሳት ሰባት ንምኽባር ዚግበር በዓል እዩ። እታ ድሮ እቲ በዓል ዘላ ምሸት፡ ኦል-ሃሎው-ኢቭን ተባሂላ እያ እትጽዋዕ ነይራ፣ እዚ ኸኣ ጸኒሑ ብሓጺሩ ሃሎዊን ተባሂሉ ኺጽዋዕ ጀመረ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ