ትሕዝቶ
15 ጥሪ 2011
ሕታም መጽናዕቲ
ኣብዚ ሰሙናት ዚጽናዕ ዓንቀጻት መጽናዕቲ፦
28 ለካቲት 2011–6 መጋቢት 2011
ገጽ 3
ዚዝመር መዝሙራት፦ 49, 14
7-13 መጋቢት 2011
ንመውስቦ ኻብ ኣምላኽ ከም እተዋህበካ ውህበት ጌርካ ርኣዮ
ገጽ 13
ዚዝመር መዝሙራት፦ 36, 40
14-20 መጋቢት 2011
ንጽል ኴንካ ንእትነብሮ ናብራ ጽቡቕ ጌርካ ተጠቐመሉ
ገጽ 17
ዚዝመር መዝሙራት፦ 26, 53
21-27 መጋቢት 2011
መንፈስ ቅዱስ፡ ብፈተና ንኸይንወድቕን ተስፋ ንኸይንቘርጽን ሓይሊ ይህበና
ገጽ 22
ዚዝመር መዝሙራት፦ 54, 17
28 መጋቢት 2011–3 ሚያዝያ 2011
መንፈስ ቅዱስ፡ ንዝዀነ ይኹን ፈተና ንኽንሰግር ሓይሊ ይህበና
ገጽ 26
ዚዝመር መዝሙራት፦ 49, 17
ዕላማ ዓንቀጻት መጽናዕቲ
ዓንቀጽ መጽናዕቲ 1 ገጽ 3-7
ኣብዚ ጽንኩር እዋን እዚ፡ ኣበይ ኢና ዕቝባ ኽንረክብ እንኽእል፧ ቃል ኣምላኽ፡ ኣብ ስም የሆዋ ኽንምዕቈብ ከም እንኽእል ይነግረና እዩ። እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ሕጅን እታ “ዓባይ መዓልቲ የሆዋ” ኣብ እትመጸሉ እዋንን ብኸመይ ዕቝባ ኸም እንረክብ ትገልጽ። ጥቕሲ ዓመት 2011 እውን ተጕልሕ።
ዓንቀጻት መጽናዕቲ 2, 3 ገጽ 13-21
መውስቦ ዀነ ንጽል ኴንካ ዚንበር ናብራ፡ ካብ ኣምላኽ ዚወሃብ ውህበት እዩ፣ ክልቲኡ እውን ነናቱ በረኸት ኣለዎ። እዚ ዓንቀጻት እዚ፡ ሰብ ሓዳር ንኹን ንጽል ብዘየገድስ፡ ነቲ እተዋሀበና ውህበት ኣኽቢርና እንርእየሉ ምኽንያታት የቕርበልና፣ ኣኽብሮትና ብኸመይ ከም እነርኢ እውን ይገልጸልና።
ዓንቀጻት መጽናዕቲ 4, 5 ገጽ 22-30
ንየሆዋ ዝገበርናዮ ወፈያ ንምፍጻም፡ ሓገዙ የድልየና እዩ። እዚ ዓንቀጻት እዚ፡ መንፈስ ቅዱስ ንፈተናታት ንምቅላስ፡ ንተስፋ ምቝራጽ ንምኽኣል፡ ንመስጐጕቲ ንምጽዋር፡ ንኣሉታዊ ጸቕጢ መዛኑ ንምቅዋም፡ ንጸበባ ኸኣ ንምጽማም ብኸመይ ከም ዚሕግዘና ይገልጸልና።
ካልእ ኣብዛ ሕታም እዚኣ፦
9 ኣብ ትሕቲ ፈተና እውን ከይተረፈ፡ ንየሆዋ ብምግልጋለይ አመስግን እየ
[ኣብ ገጽ 2 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]
© Stähli Rolf A/age fotostock