ትሕዝቶ
15 ለካቲት 2012
© 2012 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania. All rights reserved.
ሕታም መጽናዕቲ
ዓንቀጻት መጽናዕቲ
2-8 ሚያዝያ 2012
9-15 ሚያዝያ 2012
16-22 ሚያዝያ 2012
ንኣወንታዊ መንፈስ እታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ዓቅቦ
23-29 ሚያዝያ 2012
ብሃይማኖት ኣብ እተኸፋፈለት ስድራ ቤት፡ ሓጐስ ኪሰፍን ይኽእል
ዕላማ ዓንቀጻት መጽናዕቲ
ዓንቀጽ መጽናዕቲ 1 ገጽ 3-7
የሱስ ንሰዓብቱ ንቑሓት ኪዀኑ እተማሕጸኖም ስለምንታይ እዩ፧ እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ክርስቶስ ኣብ ምድራዊ ህይወቱ ንቑሕ ከም ዝነበረ ዘርኣየሉ ሰለስተ መገድታት ክትምርምር እያ፣ ኣብ ነፍሲ ወከፍ መገዲ ድማ፡ ብኸመይ ንኣብነቱ ኽንስዕቦ ኸም እንኽእል ዚገልጽ ግብራዊ መገድታት ክትሕብረና እያ።
ዓንቀጽ መጽናዕቲ 2 ገጽ 10-14
ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበሩ ኣገልገልቲ የሆዋ ብዛዕባ ዘርኣይዎ ትብዓት ምምርማርና ኺጠቕመና ዚኽእል ስለምንታይ እዩ፧ እዛ ሕቶ እዚኣ፡ ኣብዛ ተባዓት ንኽንከውን ክትሕግዘና ተባሂላ እተዳለወት ዓንቀጽ ክትግለጽ እያ።
ዓንቀጽ መጽናዕቲ 3 ገጽ 18-22
ነፍሲ ወከፍና ነናትና መንፈስ ወይ ዓብላሊ ኣረኣእያ ኣሎና። እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ኣብታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ጥዑይ ወይ ኣወንታዊ መንፈስ ከም ዚሰፍን ክንገብር እንኽእለሉ መገድታት ክትገልጽ እያ።
ዓንቀጽ መጽናዕቲ 4 ገጽ 26-30
ብሃይማኖት ኣብ እተኸፋፈለት ስድራ ቤት ዚነብሩ ክርስትያናት፡ በብመዓልቱ ብዙሕ ጸገማት የጋጥሞም እዩ። እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ኣመንቲ ዝዀኑ ክርስትያናት ኣብ ስድራ ቤቶም ብኸመይ ሰላም ኬስፍኑ ኸም ዚኽእሉ ኽትገልጽ እያ፣ እቶም ዘይኣምኑ ኣባላት ስድራ ቤት ንናይ ሓቂ ኣምልኾ ምእንቲ ኪቕበሉ፡ እንታይ ኪግበር ከም ዚከኣል እውን ክትሕብር እያ።
ካልእ ኣብዛ ሕታም እዚኣ
31 ካብ መዛግብትና
ገበር፦ ኣሕዋት ኣብቲ ኣብ ኒው ደልሂ፡ ህንዲ ዚርከብ ኣብ መዓልቲ ልዕሊ 300 ባቡራት ዚመላለሳሉ መደብር፡ ነቶም ካብ ኵሉ ኽፋል እታ ሃገር ዚመጹ እናተመላለሱ ዚሰርሑ ሰራሕተኛታትን ተጓዓዝትን ይምስክሩሎም እዮም
ህንዲ
ብዝሒ ህዝቢ
1,224,614,000
ኣስፋሕቲ
33,182
ወሰኽ ኣስፋሕቲ
5 ሚእታዊት