መደብ 6 ሚያዝያ እትጅምር ሰሙን
6 ሚያዝያ እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 50ን ጸሎትን
መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጉባኤ፦
fg ትምህርቲ 10፡ ክፋል 1-4 (30 ደቒቕ)
ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት፦
ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፦ 1 ሳሙኤል 16-18 (8 ደቒቕ)
ቍ. 1፦ 1 ሳሙኤል 18:17-24 (3 ደቒቕ ወይ ካብኡ ንታሕቲ)
ቍ. 2፦ ኣርማጌዶን—እከይ ንምጥፋእ ዚግበር ውግእ ኣምላኽ—td 32ሀ (5 ደቒቕ)
ቍ. 3፦ ባራቅ—ፍረ ነገር፦ ተባዕ ኩን፡ ካብ ሰብ ድማ ክብሪ ኣይትጸበ—w03 15/11 28-31፣ w05 15/1 25 4 (5 ደቒቕ)
ኣኼባ ኣገልግሎት፦
ወርሓዊ ፍረ ነገር፦ ‘ንሰናይ ግብሪ ዘበለ እተዳሎኻ ኹን።’-ቲቶስ 3:1
10 ደቒቕ፦ ኣብ ሚያዝያ መጽሔታት ክትዕድል ተዳሎ። ምይይጥ። ነቲ ቐሪቡ ዘሎ ንመርኣዪ ዚኸውን ኣቀራርባታት ተጠቒምካ፡ እተን መጽሔታት ብኸመይ ኪዕደላ ኸም ዚኽእላ ዜርኢ መርኣያ ኣቕርብ። ድሕሪኡ፡ ንነፍሲ ወከፍ ኣቀራርባ፡ ካብ መጀመርታ ኽሳዕ መወዳእታ ተመያየጡሉ።
10 ደቒቕ፦ እንታይ ዓሚምና፧ ምይይጥ። ንኣስፋሕቲ፡ ነቲ ኣብታ፡ “ኣብ ኣገልግሎት ክእለትካ ኣመሓይሽ—ምብጽጻሕ መጽሔት ኣማዕብል” ዘርእስታ ዓንቀጽ ዚርከብ ነጥብታት ኣብ ግብሪ ብምውዓሎም ብዛዕባ ዝረኸብዎ ጥቕሚ ንኺገልጹ ዓድሞም፣ ምስኡ እተተሓሓዘ ጽቡቕ ተመክሮ እንተ ኣልይዎም ንኼዘንትዉ ድማ ሕተቶም።
10 ደቒቕ፦ ነታ ጉባኤ ዜድሊ።
መዝሙር 27ን ጸሎትን