ሓድሽ ናይ መዓልቲ ፍሉይ ኣኼባ መደብ
ዓይኒ ብዜደንቕ ኣገባብ እያ ተነዲፋ። (መዝ. 139:14) ይኹን እምበር: ኣብ ሓደ ግዜ ኣብ ሓደ ነገር ጥራይ እያ ኸተተኵር እትኽእል። እዚ ድማ ነታ ስጋዊትን ምሳልያዊትን ዓይኒ ዜጠቓልል እዩ። መንፈሳዊ ኣረኣእያና ንጹር ኰይኑ ኪቕጽል: ፍቓድ ኣምላኽ ኣብ ምግባር ከነተኵር ይግብኣና። ነቲ ኣብዛ ናይ ሰይጣን ዓለም እናወሰኸ ዚኸይድ ዘሎ ኣቓልቦኻ ዚሰርቕ ነገራት ኣብ ግምት ብምእታው እቲ ኣብ ናይ 2006 ናይ ኣገልግሎት ዓመት ዚውሰድ መዓልቲ ፍሉይ ኣኼባ: “ጥዕይቲ ዓይኒ ትሃልኹም” ዚብል ኣርእስቲ ኼጕልሓልና እዩ።—ማቴ. 6:22
ካብ የሆዋ በረኸት ምእንቲ ኽንቅበል እንታይ ክንገብር ንኽእል፧ (ምሳ. 10:22) እዛ ሕቶ እዚኣ ኣብታ “ጥዕይቲ ዓይኒ ብምሓዝ በረኸት ዕጸዱ” ዘርእስታ ኽፍሊ ኽትምለስ እያ። እቲ ቓለ-መጠይቓት: ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ግብሪ ምውዓል ብኸመይ በረኸት ከም ዜምጽኣልና ኼጕልሓልና እዩ። እቲ በጻሒ ተዛራባይ እታ ናይ መጀመርታ መደረኡ: “ኣብዛ እክይቲ ዓለም ጥዕይቲ ዓይኒ ትሃልኹም” ዚብል ኣርእስቲ ዘለዋ ዀይና ኻብቲ ንኣነባብራና ኺሓላልኽን ንመንፈሳውነትና ኺሓንቕን ዚኽእል ነገራት ክንጥንቀቕ ከም ዘሎና ኽገልጸልና እዩ። ብተወሳኺ: “ጽቡቕ ግደ” ምምራጽ እንታይ ከም ዜጠቓልል እውን ክንመሃር ኢና።—ሉቃ. 10:42
ወለዲ ይኹኑ ኻልኦት: ንመንእሰያት ኣብ መንፈሳዊ ነገራት ምእንቲ ኼተኵሩ ብኸመይ ከተባብዕዎም ይኽእሉ፧ እተን “ፍላጻኦም ኣጥዕዮም ዚሕዙ ወለዲ” ከምኡውን “ንመንፈሳዊ ሸቶታት ዚመጣጠሩ መንእሰያት” ዘርእስተን ክፍልታት: ነዛ ኣገዳሲት ሕቶ እዚኣ ኻብ ወለድን መንእሰያትን እተረኽበ መግለጺታት ሓዊሰን ኬራጕዳኣ እየን። (መዝ. 127:4) እቲ በጻሒ ተዛራቢ ኣብ ናይ መዛዘሚ መደረኡ: ብውልቀ-ሰብ: ብስድራቤት ከምኡውን ብጉባኤ ደረጃ ብኸመይ ምስ ማሕበር የሆዋ ማዕረ ማዕረ ኽንስጕም ከም እንኽእል ኪገልጸልና እዩ።
ሓቂ ኻብ እንፈልጥ ሓጺር ግዜ ዝገበርና ንኹን ንየሆዋ ኣብ ምግልጋል ዓሰረተታት ዓመታት ዘሕለፍና ብዘየገድስ: ‘ጥዕይቲ ዓይኒ ኽትህልወና’ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። እዚ ናይ መዓልቲ ፍሉይ ኣኼባ መደብ: ከምዚ ኽንገብር ኪሕግዘና እዩ።