ንኽንሰብኽ ዚድርኸና ዓሰርተው ክልተ ምኽንያት
ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ እንሰብኽን እንምህርን ስለምንታይ ኢና፧ እቲ ቐንዲ ምኽንያት፡ ንቕኑዓት ሰባት ናብ መገዲ ህይወት ምእንቲ ኽንመርሖም ድዩ፧ (ማቴ. 7:14) እዚ ምኽንያት እዚ፡ ኣብቲ ኣብ ታሕቲ ተዘርዚሩ ዘሎ ነጥብታት፡ ብቐዳምነት ተሰሪዑ እኳ እንተሎ፡ እቲ ቐንዲ ምኽንያትና እዚ ኣይኰነን። ካብዚ ኣብ ታሕቲ ተዘርዚሩ ዘሎ ንኽንሰብኽ ዚድርኸና 12 ምኽንያት፡ እቲ ዝያዳ ዅሉ ኣገዳሲ ዝዀነ ምኽንያት ኣየናይ ይመስለካ፧
1. ህይወት ንምድሓን ይሕግዝ።—ዮሃ. 17:3።
2. ንእኩያት ንምጥንቃቕ ይጠቅም። —ህዝ. 3:18, 19።
3. ንፍጻመ ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስ ኣበርክቶ ይገብር።—ማቴ. 24:14።
4. መግለጺ ጽድቂ ኣምላኽ እዩ። የሆዋ ንእኩያት ንኺንስሑ ኣጋጣሚ ኸይሃበ ኸም ዜጥፍኦም ዚገልጽ ክሲ ኪቐርበሉ ኣይክእልን እዩ። —ግብ. 17:30, 31፣ 1 ጢሞ. 2:3, 4።
5. በዚ ኸምዚ፡ ንዅሎም እቶም ብደም የሱስ እተዓደጉ ሰባት ብመንፈስ ብምሕጋዝ ዘሎና ዕዳ ኽንከፍል ንኽእል።—ሮሜ 1:14, 15።
6. ካብ ደም ካልኦት ንጹሃት ይገብረና። —ግብ. 20:26, 27።
7. ንኽንድሕን ከነማልኦ ዘሎና ብቕዓት እዩ።—ህዝ. 3:19፣ ሮሜ 10:9, 10።
8. ንብጾትና ዘሎና ፍቕሪ ይገልጽ። —ማቴ. 22:39።
9. ንየሆዋን ንወዱን ከም እንእዘዞም የርኢ። —ማቴ. 28:19, 20።
10. ክፍሊ ኣምልኾና እዩ።—እብ. 13:15።
11. ንኣምላኽ ከም እነፍቅሮ ይገልጽ። —1 ዮሃ. 5:3።
12. ስም የሆዋ ንኪቕደስ ኣበርክቶ ይገብር። —ኢሳ. 43:10-12፣ ማቴ. 6:9።
ኣብ ኣገልግሎት ንኽንጽመድ ዚድርኸና ምኽንያት፡ እዚ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ ጥራይ ከም ዘይኰነ ፍሉጥ እዩ። ንኣብነት፡ ስብከት ንእምነትና የደልድላ፣ መዓይይቲ ኣምላኽ ንኽንከውን ከኣ ፍሉይ ኣጋጣሚ ይኸፍተልና እዩ። (1 ቈረ. 3:9) ኰይኑ ግና፡ ንኸነገልግል ዚድርኸና ቐንዲ ምኽንያት፡ እቲ ኣብ ቍጽሪ 12 እተጠቐሰ ሓሳብ እዩ። ሰባት ይቀበሉና ኣይቀበሉና ብዘየገድስ፡ ኣገልግሎትና ስም የሆዋ ንኺቅደስ ኣበርክቶ ይገብር፡ ንየሆዋ ድማ ነቲ ዚጸርፎ ምላሽ ንኺህብ የኽእሎ። (ምሳ. 27:11) እወ፡ ‘ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ከየብኰርና ንኽንምህርን ንኽንሰብክን’ ዚድርኽ ብቑዕ ምኽንያት ኣሎና።—ግብ. 5:42።