ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • ግብሪ ሃዋርያት 3
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

ግብሪ ሃዋርያት—ትሕዝቶ

      • ጴጥሮስ ንሓደ ሓንካስ ለማኒ ኣሕወዮ (1-10)

      • ጴጥሮስ ኣብ ጥቓ ገበላ ሰሎሞን እተዛረቦ ዘረባ (11-26)

        • “ምምላስ ኵሉ” (21)

        • ከም ሙሴ ዝኣመሰለ ነብዪ (22)

ግብሪ ሃዋርያት 3:1

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ማለት፡ ሰዓት 3:00 ድ.ቀ. ኣቢሉ።

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    መስክር፡ ገጽ 28

ግብሪ ሃዋርያት 3:2

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    መስክር፡ ገጽ 28

ግብሪ ሃዋርያት 3:6

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ግብ 3:16፣ 4:10

ግብሪ ሃዋርያት 3:7

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ማቴ 8:14, 15፣ 9:24, 25
  • +ዮሃ 5:8, 9፣ ግብ 9:34፣ 14:8-10

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    መስክር፡ ገጽ 28

ግብሪ ሃዋርያት 3:8

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 35:6

ግብሪ ሃዋርያት 3:10

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ግብ 3:2

ግብሪ ሃዋርያት 3:11

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዮሃ 10:23፣ ግብ 5:12

ግብሪ ሃዋርያት 3:13

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘጸ 3:6
  • +ግብ 5:30
  • +ፊል 2:9-11
  • +ኢሳ 52:13፣ 53:11

ግብሪ ሃዋርያት 3:14

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ማቴ 27:20, 21፣ ሉቃ 23:14, 18

ግብሪ ሃዋርያት 3:15

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ግብ 5:31፣ እብ 2:10
  • +ሉቃ 24:46-48፣ ግብ 1:8፣ 2:32

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ትርጉም ሓዳስ ዓለም፡ ገጽ 1510

ግብሪ ሃዋርያት 3:17

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዮሃ 16:2, 3፣ 1ጢሞ 1:13
  • +1ቈረ 2:8

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    መስክር፡ ገጽ 29

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/6/2009፡ ገጽ 32

ግብሪ ሃዋርያት 3:18

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መዝ 118:22፣ ኢሳ 50:6፣ 53:8፣ ዳን 9:26፣ ሉቃ 22:15

ግብሪ ሃዋርያት 3:19

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ካብ ገጽ የሆዋ።” ኣብ መ.ጽ. ሀ5 ርአ።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ህዝ 33:14, 16፣ 1ዮሃ 1:7
  • +ግብ 2:38
  • +ህዝ 33:11፣ ኤፌ 4:22

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ንየሆዋ ቕረቦ፡ ገጽ 265

    ንዘለኣለም ብህይወት ንበር!፡ ትምህርቲ 47

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/2/2014፡ ገጽ 28

    15/6/2013፡ ገጽ 19-20

    1/5/2009፡ ገጽ 15

    1/9/2008፡ ገጽ 14

    1/9/2000፡ ገጽ 17-18

    1/12/1997፡ ገጽ 12

    ንቕሑ!፡

    8/10/1999፡ ገጽ 11

ግብሪ ሃዋርያት 3:20

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/9/2000፡ ገጽ 17

ግብሪ ሃዋርያት 3:21

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)፡

    2/2024፡ ገጽ 4

    መስክር፡ ገጽ 29-31

    ንየሆዋ ቕረቦ፡ ገጽ 77-78

    ንጹህ ኣምልኾ፡ ገጽ 104-105፡ 108

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/3/2007፡ ገጽ 5-6

    15/12/2000፡ ገጽ 30

    1/9/2000፡ ገጽ 17-18

ግብሪ ሃዋርያት 3:22

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ኣብ መ.ጽ. ሀ5 ርአ።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘዳ 34:10፣ ግብ 7:37
  • +ዘዳ 18:15, 18

ግብሪ ሃዋርያት 3:23

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ነፍሲ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘዳ 18:19

ግብሪ ሃዋርያት 3:24

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ሉቃ 24:27፣ ግብ 10:43

ግብሪ ሃዋርያት 3:25

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 22:18፣ ገላ 3:8
  • +ሮሜ 9:4

ግብሪ ሃዋርያት 3:26

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ግብ 13:45, 46፣ ሮሜ 1:16

ሓፈሻዊ

ግብ. 3:6ግብ 3:16፣ 4:10
ግብ. 3:7ማቴ 8:14, 15፣ 9:24, 25
ግብ. 3:7ዮሃ 5:8, 9፣ ግብ 9:34፣ 14:8-10
ግብ. 3:8ኢሳ 35:6
ግብ. 3:10ግብ 3:2
ግብ. 3:11ዮሃ 10:23፣ ግብ 5:12
ግብ. 3:13ዘጸ 3:6
ግብ. 3:13ግብ 5:30
ግብ. 3:13ፊል 2:9-11
ግብ. 3:13ኢሳ 52:13፣ 53:11
ግብ. 3:14ማቴ 27:20, 21፣ ሉቃ 23:14, 18
ግብ. 3:15ግብ 5:31፣ እብ 2:10
ግብ. 3:15ሉቃ 24:46-48፣ ግብ 1:8፣ 2:32
ግብ. 3:17ዮሃ 16:2, 3፣ 1ጢሞ 1:13
ግብ. 3:171ቈረ 2:8
ግብ. 3:18መዝ 118:22፣ ኢሳ 50:6፣ 53:8፣ ዳን 9:26፣ ሉቃ 22:15
ግብ. 3:19ህዝ 33:14, 16፣ 1ዮሃ 1:7
ግብ. 3:19ግብ 2:38
ግብ. 3:19ህዝ 33:11፣ ኤፌ 4:22
ግብ. 3:22ዘዳ 34:10፣ ግብ 7:37
ግብ. 3:22ዘዳ 18:15, 18
ግብ. 3:23ዘዳ 18:19
ግብ. 3:24ሉቃ 24:27፣ ግብ 10:43
ግብ. 3:25ዘፍ 22:18፣ ገላ 3:8
ግብ. 3:25ሮሜ 9:4
ግብ. 3:26ግብ 13:45, 46፣ ሮሜ 1:16
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
  • 1
  • 2
  • 3
  • 4
  • 5
  • 6
  • 7
  • 8
  • 9
  • 10
  • 11
  • 12
  • 13
  • 14
  • 15
  • 16
  • 17
  • 18
  • 19
  • 20
  • 21
  • 22
  • 23
  • 24
  • 25
  • 26
መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
ግብሪ ሃዋርያት 3:1-26

ግብሪ ሃዋርያት

3 ጴጥሮስን ዮሃንስን ኣብ ታሽዐይቲ ሰዓት፡* ብሰዓት ጸሎት ናብ ቤተ መቕደስ ይድይቡ ነበሩ። 2 ካብ ከርሲ ኣዲኡ ኣትሒዙ ሓንካስ ዝነበረ ሰብኣይ ነበረ፣ ካብቶም ናብ ቤተ መቕደስ ዚኣትዉ ምጽዋት ምእንቲ ኺልምን ድማ፡ ተሰኪሞም ኣምጺኦም፡ መዓልቲ መዓልቲ ኣብ ጥቓ እታ ጽብቕቲ እትብሃል ኣፍ ደገ ቤተ መቕደስ የቐምጥዎ ነበሩ። 3 ንሱ ንጴጥሮስን ንዮሃንስን ናብ ቤተ መቕደስ ኪኣትዉ ኸለዉ ምስ ረኣዮም፡ ኪምጽውቱሉ ለመኖም። 4 ጴጥሮስ ግና፡ ምስ ዮሃንስ ኰይኑ፡ ጠመቶ እሞ፡ “ናባና ጠምት” በሎ። 5 ንሱ ኸኣ ካባታቶም ገለ ዚረክብ መሲልዎ፡ ኣተኰረሎም። 6 ግናኸ፡ ጴጥሮስ፡ “ብሩርን ወርቅን የብለይን፣ እቲ ዘሎኒ ግና እህበካ። ብስም የሱስ ክርስቶስ እቲ ናዝሬታዊ፡ ተንሲእካ ኺድ!” በሎ።+ 7 ብየማነይቲ ኢዱ ሒዙ ኸኣ ኣተንስኦ።+ ብቕጽበት ኣእጋሩን ዓካሪቶኡን ጸንዐ፣+ 8 ስር ኢሉ ድማ ደው በለ፡+ ተዛወረ እውን። እናተዛወረን እናተሰራሰረን ንኣምላኽ እናወደሰን ከኣ ምሳታቶም ናብ ቤተ መቕደስ ኣተወ። 9 ኵሎም እቶም ህዝቢ ድማ ንሱ ኺዛወርን ንኣምላኽ ኪውድስን ከሎ ረኣይዎ። 10 እቲ ኣብታ ጽብቕቲ ኣፍ ደገ ቤተ መቕደስ ተቐሚጡ ምጽዋት ዚልምን ዝነበረ ምዃኑ ኣለለይዎ እሞ፡+ በቲ ኣብኡ ዝዀነ ነገር ኣዝዮም ተደመሙን ተገረሙን።

11 እቲ ሰብኣይ ንጴጥሮስን ንዮሃንስን ሒዝዎም ከሎ፡ ኵሎም እቶም ህዝቢ ኣዝዮም ተገሪሞም ናባታቶም ናብቲ ገበላ ሰሎሞን ዚብሃል ጐየዩ።+ 12 ጴጥሮስ እዚ ምስ ረኣየ፡ ነቶም ህዝቢ ኸምዚ በሎም፦ “ኣቱም ሰብ እስራኤል፡ ስለምንታይ በዚ ትግረሙ ኣለኹም፧ ስለምንታይከ ብገዛእ ሓይልና ወይ ንኣምላኽ ብዘሎና ተወፋይነት ነዚ ኪኸይድ ከም ዝገበርናዮ ጌርኩም ትጥምቱና ኣለኹም፧ 13 ኣምላኽ ኣብርሃምን ይስሃቅን ያእቆብን፡+ ኣምላኽ ኣቦታትና ነቲ ንስኻትኩም ኣሕሊፍኩም ዝሃብኩምዎን+ ጲላጦስ ኪፈትሖ ምስ ወሰነ እኳ ኣብ ገጹ ዝኸሓድኩምዎን ጊልያኡ የሱስ+ ኣኽቢርዎ ኣሎ።+ 14 እወ፡ ንስኻትኩም ነቲ ቕዱስን ጻድቕን ክሒድኩምሲ፡ ነቲ ቐታል ነፍሲ ለሚንኩምሉ፣+ 15 ነቲ ቐንዲ ወኪል ህይወት ግና ቀቲልኩምዎ።+ ኣምላኽ ግና ንዕኡ ኻብ ምዉታት ኣተንሲእዎ እዩ፣ ነዚ ኸኣ ንሕና መሰኻኽር ኢና።+ 16 ብስሙን በታ ብስሙ ዘላትና እምነትን እውን፡ እዚ እትርእይዎን እትፈልጥዎን ሰብኣይ ጸኒዑ ኣሎ። እታ ብእኡ ዘላትና እምነት፡ ነዚ ኣብ ቅድሚ ዅላትኩም ምሉእ ጥዕና ሂባቶ እያ። 17 ሕጂ ድማ፡ ኣቱም ኣሕዋተይ፡ ከምቶም ኣሕሉቕኩም፡ ነዚ ብዘይ ፍልጠት ከም ዝገበርኩምዎ፡+ እፈልጥ እየ።+ 18 ግናኸ፡ ኣምላኽ ነቲ ክርስቶሱ መከራ ኸም ዚጸግብ ብኣፍ ኵሎም ነብያት ኣቐዲሙ ዝበሎ፡ በዚ ኸምዚ ፈጺምዎ እዩ።+

19 “እምበኣር፡ ሓጢኣትኩም ምእንቲ ኺድምሰሰልኩም፡+ ካብ የሆዋ ባዕሉ* ኸኣ እዋን ዕረፍቲ ምእንቲ ኺመጸልኩም፡ ተነስሑን+ ተመለሱን፣+ 20 ንሱ ድማ ነቲ እተሸመልኩም የሱስ ኪልእከልኩም እዩ። 21 ንዕኡ ኸኣ፡ ክሳዕ እቲ፡ ኣምላኽ ብኣፍ እቶም ናይ ጥንቲ ቕዱሳት ነብያቱ እተዛረበሉ ግዜ ምምላስ ኵሉ፡ ሰማይ ኣብ ውሽጡ ኺሕዞ ይግባእ። 22 ሙሴ እኳ ኸምዚ ኢሉ እዩ፦ ‘የሆዋ* ኣምላኽ ከማይ ዝኣመሰለ ነብዪ ኻብ መንጎ ኣሕዋትኩም ኬተንስኣልኩም እዩ።+ ንሱ ዚነግረኩም ዘበለ ስምዑ።+ 23 ነቲ ነብዪ እቲ ዘይሰምዕ ዘበለ ሰብ፡* ካብ ህዝቡ ጠሪሱ ኺጠፍእ እዩ።’+ 24 ኵሎም ነብያት ድማ፡ ካብ ሳሙኤል ኣትሒዞም ንዕኡ ስዒቦም እተዛረቡ ዘበሉ፡ ነዘን መዓልትታት እዚአን እዮም ኣፍሊጦም።+ 25 ንስኻትኩም ደቂ ነብያትን ደቂ እቲ ኣምላኽ ንኣብርሃም፡ ‘ኵሎም ዓሌታት ምድሪ ብዘርእኻ ኺባረኹ እዮም’+ ኢሉ ምስ ኣቦታትኩም ዝኣተዎ ኺዳንን ኢኹም።+ 26 ኣምላኽ ንጊልያኡ ምስ ኣተንስኦ፡ ንነፍሲ ወከፍኩም ካብ እከይኩም ብምምላስ ምእንቲ ኺባርኸኩም፡ ቅድም ናባኻትኩም እዩ ልኢኽዎ።”+

ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ