ሰንበት 27 ሓምለ
ኬተባብዕን . . . ኪገንሕን . . . ኣለዎ።—ቲቶ. 1:9።
ብሱል ክርስትያን ሰብኣይ ንምዃን፡ ግብራዊ ኽእለታት ከተማዕብሉ ኣሎኩም። እዚ ድማ ኣብ ጉባኤ ሓላፍነታት ንምስካም፡ ንርእስኹም ኰነ ንስድራ ቤትኩም ክትናብዩ ዚሕግዝ ዓለማዊ ስራሕ ንምሓዝ፡ ምስ ካልኦት ከኣ ጥዑይ ርክብ ንምምስራት ኪሕግዘኩም ይኽእል እዩ። ንኣብነት፡ ጽቡቕ ናይ ምንባብን ናይ ምጽሓፍን ክእለት ኣማዕብሉ። መዓልቲ መዓልቲ ቓል ኣምላኽ ዜንብብን ብዛዕባኡ ዜስተንትንን ሰብ ሕጉስን ዕዉትን ከም ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጽ እዩ። (መዝ. 1:1-3) መዓልቲ መዓልቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብምንባብ፡ ኣተሓሳስባ የሆዋ ኺፈልጥ ይኽእል እዩ፣ እዚ ኸኣ ብንጹር ኪሓስብ የኽእሎ። (ምሳ. 1:3, 4) ኣሕዋትናን ኣሓትናን ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ትምህርትን ምኽርን ኪህቡ ዚኽእሉ ኽኢላታት ሰብኡት የድልይዎም እዮም። ጽቡቕ ናይ ምንባብን ናይ ምጽሓፍን ክእለት እንተ ኣልዩኩም፡ እምነት ዜደልድል ኣስተምሃሪ መደረታትን ሓሳባትን ክትዳለዉ ትኽእሉ ኢኹም። እምነትኩም ንምህናጽን ንኻልኦት ንምትብባዕን ኪሕግዝ ዚኽእል፡ ጽቡቕ መዘኻኸሪታት እውን ክትምዝግቡ ትኽእሉ ኢኹም። w23.12 26-27 ¶9-11
ሰኑይ 28 ሓምለ
ካብቲ ምስ ዓለም ሓድነት ዘለዎስ፡ እቲ ምሳኻትኩም ሓድነት ዘለዎ [ይዓቢ]።—1 ዮሃ. 4:4።
ፍርሂ ኺስመዓካ ኸሎ፡ ብዛዕባ እቲ የሆዋ ኣብ መጻኢ፡ ሰይጣን ምስ ኣልገሰ ዚገብረልካ ነገራት ኣስተንትን። ኣብ ናይ 2014 ኣኼባ ዞባ ኣብ ዝቐረበ ሓደ መርኣያ፡ ሓደ ኣቦ ንስድራ ቤቱ፡ ነቲ ኣብ 2 ጢሞቴዎስ 3:1-5 ዘሎ ቓላት ኣብ ገነት እንታይ ኪብሃል ከም ዚከኣል ከምዚ ዚስዕብ ብምባል ይገልጸሎም፦ “ኣብ ሓዳስ ዓለም ባህ ዜብል ግዜ ኸም ዚመጽእ ግና፡ እዚ ፍለጥ። ሰባትሲ ፈተውቲ ኻልኦት፡ ፈተውቲ መንፈሳዊ መዛግብቲ፡ ዘይጅሃሩ፡ ትሑታት፡ ንኣምላኽ ዚውድሱ፡ ንወለዶም ዚእዘዙ፡ ዜመስግኑ፡ እሙናት፡ ፍቕሪ ንስድራ ቤቶም ዘለዎም፡ ዚሰማምዑ፡ ብዛዕባ ኻልኦት ጽቡቕ ዚዛረቡ፡ ርእሶም ዚገትኡ፡ ልዙባት፡ ሰናይ ዚፈትዉ፡ ዘይጠልሙ፡ ልኡማት፡ ዓቃላት፡ ካብ ተድላ ምፍታውሲ ብዝያዳ ንኣምላኽ ዜፍቅሩ፡ ብኣምላኻዊ ተወፋይነት ዚድረኹ ኪዀኑ እዮም፣ ናብ እዚኣቶም ከኣ ኣዚኻ ቕረብ።” እሞ ደኣ ህይወት ኣብ ሓዳስ ዓለም ከመይ ኪኸውን ከም ዚኽእል ምስ ስድራ ቤትካ ወይ ምስ ክርስትያናት ብጾትካ ትመያየጡሉዶ፧ w24.01 6 ¶13-14
ሰሉስ 29 ሓምለ
ዝሰመርኩኻ።—ሉቃ. 3:22።
የሆዋ ንህዝቡ ብደረጃ ጕጅለ ኸም ዚሰምሮም ምፍላጥና ብዙሕ እዩ ዜጸናንዓና። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “የሆዋስ ብህዝቡ ባህ ይብሎ እዩ” ይብል። (መዝ. 149:4) ሓድሓደ ግዜ ግና፡ ገሊኦም ተስፋ ኪቘርጹ ኸለዉ፡ ‘የሆዋ ንዓይ ብደረጃ ውልቀ ሰብ ይሰምረኒ ድዩ፧’ ኢሎም ይሓስቡ እዮም። ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበሩ እሙናት ኣምለኽቲ የሆዋ ምስ ከምዚ ዝኣመሰለ ሓሳባት እተቓለሱሉ እዋናት ነይሩ እዩ። (1 ሳሙ. 1:6-10፣ እዮ. 29:2, 4፣ መዝ. 51:11) ዘይፍጹማት ሰባት ስምረት የሆዋ ኺረኽቡ ኸም ዚኽእሉ መጽሓፍ ቅዱስ ብንጹር ይገልጽ እዩ። ብኸመይ ኢና ስምረቱ እንረክብ፧ ብየሱስ ክርስቶስ ክንኣምንን ክንጥመቕን ኣሎና። (ዮሃ. 3:16) በዚ ኸምዚ ኸኣ፡ ካብ ሓጢኣትና ኸም እተነሳሕናን ንኣምላኽ ፍቓዱ ኽንገብር ከም እተመባጻዕናሉን ኣብ ቅድሚ ሰባት ከነርኢ ንኽእል። (ግብ. 2:38፣ 3:19) የሆዋ ነዚ ስጕምትታት እዚ ብምውሳድ ምስኡ ርክብ ከነማዕብል ከለና ደስ እዩ ዚብሎ። ምስ መብጽዓ ወፈያና ተሰማሚዕና ንምምልላስ ዚከኣለና ኽሳዕ ዝገበርና፡ የሆዋ ይሰምረና እዩ፡ ከም ናይ ቀረባ ኣዕሩኹ ገይሩ እውን ይርእየና እዩ።—መዝ. 25:14። w24.03 26 ¶1-2