ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • ግብሪ ሃዋርያት 4
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

ግብሪ ሃዋርያት—ትሕዝቶ

      • ጴጥሮስን ዮሃንስን ተኣስሩ (1-4)

        • ቍጽሪ ኣመንቲ 5,000 ሰብኡት ኰነ (4)

      • ኣብ ቅድሚ እቲ ዋዕላ እተገብረ መርመራ (5-22)

        • “ምዝራብ ክንሓድግ ኣይንኽእልን ኢና” (20)

      • ትብዓት ኪረኽቡ ጸለዩ (23-31)

      • ደቀ መዛሙርቲ ገንዘቦም ኣካፈሉ (32-37)

ግብሪ ሃዋርያት 4:1

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ግብ 23:8

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    መስክር፡ ገጽ 31

    ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)፡

    3/2020፡ ገጽ 31

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/10/2009፡ ገጽ 28

ግብሪ ሃዋርያት 4:2

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ናይ የሱስ እናጠቐሱ ትንሳኤ ምዉታት የፍልጡን።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ግብ 4:33፣ 17:18

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    መስክር፡ ገጽ 31

ግብሪ ሃዋርያት 4:3

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ሉቃ 21:12

ግብሪ ሃዋርያት 4:4

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ግብ 2:41፣ 6:7

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    መስክር፡ ገጽ 35

ግብሪ ሃዋርያት 4:6

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዮሃ 18:13
  • +ማቴ 26:57፣ ሉቃ 3:2፣ ዮሃ 11:49-51

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/4/2012፡ ገጽ 9

ግብሪ ሃዋርያት 4:8

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ግብ 7:55

ግብሪ ሃዋርያት 4:9

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ግብ 3:7

ግብሪ ሃዋርያት 4:10

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ግብ 2:36
  • +ግብ 2:24፣ 5:30
  • +ግብ 3:6

ግብሪ ሃዋርያት 4:11

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ርእሲ መኣዝን።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መዝ 118:22፣ ኢሳ 28:16፣ ማቴ 21:42፣ 1ጴጥ 2:7

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    መወከሲታት ደብተር ኣኼባ (2018)፡ 11/2018፡ ገጽ 6

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/8/2011፡ ገጽ 12-13

    15/7/2000፡ ገጽ 14

ግብሪ ሃዋርያት 4:12

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ማቴ 1:21፣ ግብ 10:43፣ ፊል 2:9, 10
  • +ዮሃ 1:12፣ 14:6፣ 1ጢሞ 2:5, 6

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ንኣምላኽ ኣምልኽ፡ ገጽ 37

ግብሪ ሃዋርያት 4:13

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ማለት፡ ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ረቢታት ዘይተማህሩ፣ ግናኸ፡ መሃይም ማለት ኣይኰነን።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ማቴ 11:25፣ 1ቈረ 1:26, 27
  • +ዮሃ 7:14, 15

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/9/2008፡ ገጽ 15

    15/5/2008፡ ገጽ 30-31

    1/5/2006፡ ገጽ 22-23

ግብሪ ሃዋርያት 4:14

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ግብ 3:11
  • +ሉቃ 21:15

ግብሪ ሃዋርያት 4:16

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ግብ 3:9, 10
  • +ዮሃ 11:47

ግብሪ ሃዋርያት 4:17

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ግብ 5:40

ግብሪ ሃዋርያት 4:20

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ግብ 5:29

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ንዘለኣለም ብህይወት ንበር!፡ ትምህርቲ 22

ግብሪ ሃዋርያት 4:21

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ሉቃ 22:2፣ ግብ 5:26

ግብሪ ሃዋርያት 4:22

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ትእምርቲ።”

ግብሪ ሃዋርያት 4:24

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘጸ 20:11፣ ነህ 9:6፣ መዝ 146:6

ግብሪ ሃዋርያት 4:25

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ሳሙ 23:1, 2

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/7/2004፡ ገጽ 17

ግብሪ ሃዋርያት 4:26

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ኣብ መ.ጽ. ሀ5 ርአ።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መዝ 2:1, 2

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/7/2004፡ ገጽ 17

ግብሪ ሃዋርያት 4:27

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ሉቃ 23:12
  • +መዝ 45:7፣ ግብ 10:38

ግብሪ ሃዋርያት 4:28

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 53:10፣ ሉቃ 24:44፣ ግብ 2:23፣ 1ጴጥ 1:20

ግብሪ ሃዋርያት 4:29

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ኣብ መ.ጽ. ሀ5 ርአ።

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    መስክር፡ ገጽ 34-35

ግብሪ ሃዋርያት 4:30

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ግብ 3:16
  • +ግብ 2:43፣ 5:12

ግብሪ ሃዋርያት 4:31

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ብጽኑዕ ምስ ጸለዩ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ግብ 2:2, 4
  • +1ተሰ 2:2

ግብሪ ሃዋርያት 4:32

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ግብ 2:44, 45

ግብሪ ሃዋርያት 4:33

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ግብ 1:21, 22፣ 4:2

ግብሪ ሃዋርያት 4:34

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ግብ 2:44, 45

ግብሪ ሃዋርያት 4:35

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ግብ 5:1, 2
  • +ግብ 6:1

ግብሪ ሃዋርያት 4:36

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ግብ 11:22፣ 12:25

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/4/1998፡ ገጽ 20

ግብሪ ሃዋርያት 4:37

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ሉቃ 12:33

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/4/1998፡ ገጽ 20

ሓፈሻዊ

ግብ. 4:1ግብ 23:8
ግብ. 4:2ግብ 4:33፣ 17:18
ግብ. 4:3ሉቃ 21:12
ግብ. 4:4ግብ 2:41፣ 6:7
ግብ. 4:6ዮሃ 18:13
ግብ. 4:6ማቴ 26:57፣ ሉቃ 3:2፣ ዮሃ 11:49-51
ግብ. 4:8ግብ 7:55
ግብ. 4:9ግብ 3:7
ግብ. 4:10ግብ 2:36
ግብ. 4:10ግብ 2:24፣ 5:30
ግብ. 4:10ግብ 3:6
ግብ. 4:11መዝ 118:22፣ ኢሳ 28:16፣ ማቴ 21:42፣ 1ጴጥ 2:7
ግብ. 4:12ማቴ 1:21፣ ግብ 10:43፣ ፊል 2:9, 10
ግብ. 4:12ዮሃ 1:12፣ 14:6፣ 1ጢሞ 2:5, 6
ግብ. 4:13ማቴ 11:25፣ 1ቈረ 1:26, 27
ግብ. 4:13ዮሃ 7:14, 15
ግብ. 4:14ግብ 3:11
ግብ. 4:14ሉቃ 21:15
ግብ. 4:16ግብ 3:9, 10
ግብ. 4:16ዮሃ 11:47
ግብ. 4:17ግብ 5:40
ግብ. 4:20ግብ 5:29
ግብ. 4:21ሉቃ 22:2፣ ግብ 5:26
ግብ. 4:24ዘጸ 20:11፣ ነህ 9:6፣ መዝ 146:6
ግብ. 4:252ሳሙ 23:1, 2
ግብ. 4:26መዝ 2:1, 2
ግብ. 4:27ሉቃ 23:12
ግብ. 4:27መዝ 45:7፣ ግብ 10:38
ግብ. 4:28ኢሳ 53:10፣ ሉቃ 24:44፣ ግብ 2:23፣ 1ጴጥ 1:20
ግብ. 4:30ግብ 3:16
ግብ. 4:30ግብ 2:43፣ 5:12
ግብ. 4:31ግብ 2:2, 4
ግብ. 4:311ተሰ 2:2
ግብ. 4:32ግብ 2:44, 45
ግብ. 4:33ግብ 1:21, 22፣ 4:2
ግብ. 4:34ግብ 2:44, 45
ግብ. 4:35ግብ 5:1, 2
ግብ. 4:35ግብ 6:1
ግብ. 4:36ግብ 11:22፣ 12:25
ግብ. 4:37ሉቃ 12:33
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
  • 1
  • 2
  • 3
  • 4
  • 5
  • 6
  • 7
  • 8
  • 9
  • 10
  • 11
  • 12
  • 13
  • 14
  • 15
  • 16
  • 17
  • 18
  • 19
  • 20
  • 21
  • 22
  • 23
  • 24
  • 25
  • 26
  • 27
  • 28
  • 29
  • 30
  • 31
  • 32
  • 33
  • 34
  • 35
  • 36
  • 37
መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
ግብሪ ሃዋርያት 4:1-37

ግብሪ ሃዋርያት

4 እቶም ክልተ ንህዝቢ ኺዛረቡ ኸለዉ፡ ካህናትን ሓለቓ ቤተ መቕደስን ሰዱቃውያንን+ መጽዎም። 2 ንህዝቢ ይምህሩን የሱስ ካብ ምዉታት ምትንሳኡ የፍልጡን* ስለ ዝነበሩ ኸኣ፡ ሓረቑ።+ 3 ኣእዳዎም ዘርጊሖም ድማ ሓዝዎም፣ መስዩ ነበረ እሞ፡ ክሳዕ ንጽብሒቱ ናብ ቤት ማእሰርቲ ኣእተውዎም።+ 4 ካብቶም ነቲ ዘረባ ዝሰምዕዎ ብዙሓት ግና ኣመኑ፣ ቍጽሪ እቶም ሰብኡት ድማ ኣስታት 5,000 ኰነ።+

5 ንጽብሒቱ፡ ኣሕሉቖምን ዓበይቶምን ጸሓፍቶምን ኣብ የሩሳሌም ተኣከቡ፣ 6 ምሳታቶም እውን ሃና+ እቲ ሊቀ ኻህናትን ቀያፋን+ ዮሃንስን እስክንድሮስን ቤተ ሰብ ሊቀ ኻህናት ዘበሉን ነበሩ። 7 ንጴጥሮስን ንዮሃንስን ኣብ ማእከል ደው ኣቢሎም ድማ፡ “በየናይ ሓይሊ ወይስ ብስም መን ኢኹም እዚ ዝገበርኩም፧” ኢሎም ሓተትዎም። 8 ሽዑ፡ ጴጥሮስ ብመንፈስ ቅዱስ ተመሊኡ+ ኸምዚ በሎም፦

“ኣቱም ኣሕሉቕ ህዝብን ዓበይትን፡ 9 ሎሚ ንሕና ብዛዕባ እቲ ንሓደ ስንኩል ሰብ እተገብረሉ ጽቡቕ ግብሪ ኻብ እንምርመር፡+ ንዕኡ መን ከም ዘሕወዮ ኸኣ ክትፈልጡ ኻብ ደለኹም፡ 10 ብስም እቲ ንስኻትኩም ዝሰቐልኩምዎ፡+ ኣምላኽ ግና ካብ ምዉታት ዘተንስኦ+ የሱስ ክርስቶስ እቲ ናዝሬታዊ፡+ ብእኡ እዚ ኣብ ቅድሜኹም ጥዕዩ ደው ኢሉ ኸም ዘሎ፡ ኣብ ኵላትኩምን ኣብ ኵሉ ህዝቢ እስራኤልን ይፈለጥ። 11 ‘እቲ ንስኻትኩም ነደቕቲ ኸም ገለ እኳ ዘይቈጸርኩምዎ እሞ ርእሲ እምኒ መኣዝን* ዝዀነ እምኒ፡’ ንሱ እዩ።+ 12 ብእኡ ኽንድሕን ዚግባእ ካልእ ስም+ ኣብ ትሕቲ ሰማይ ንሰብ ኣይተዋህበን እሞ፡ ድሕነት ብኻልእ የልቦን።”+

13 ትብዓት ጴጥሮስን ዮሃንስን ምስ ረኣዩ፡ ዘይተማህሩ* ተራ ሰባት ምዃኖም ከኣ ምስ ተገንዘቡ፡+ ገረሞም። ምስ የሱስ ከም ዝነበሩ ድማ ኣለለይዎም።+ 14 እቲ ዝሓወየ ሰብ ምሳታቶም ደው ኢሉ ይርእይዎ ብምንባሮም፡+ ዚምልስዎ ኣይነበሮምን።+ 15 ስለዚ፡ ካብቲ ዋዕላ ኺወጹ ኣዘዝዎም እሞ፡ ንሓድሕዶም ከምዚ እናበሉ ተማኸሩ፦ 16 “ኣሉ ኽንብላ ዘይንኽእል፡ ኣብ ኵሎም ነበርቲ የሩሳሌም እተጋህደት ፍልጥቲ ትእምርቲ ብኣታቶም ተገይራ እያ እሞ፡+ ነዞም ሰባት እዚኦም እንታይ ንግበሮም፧+ 17 ኣብ ህዝቢ ኣዝዩ ምእንቲ ኸይውረ ግና፡ በዚ ስም እዚ ንሓደ ሰብ እኳ ኸይዛረቡ ነፈራርሃዮም።”+

18 ጸዊዖም ድማ፡ ብስም የሱስ ንሓደ እኳ ኸይዛረቡ ወይ ከይምህሩ ኣዘዝዎም። 19 ጴጥሮስን ዮሃንስን ግና፡ “ካብ ንኣምላኽ፡ ንዓኻትኩም ምስማዕ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ቅኑዕ እንተ ዀይኑ፡ ባዕላትኩም ፍረዱ። 20 ንሕና ግና፡ ብዛዕባ እቲ ዝረኣናዮን ዝሰማዕናዮን ምዝራብ ክንሓድግ ኣይንኽእልን ኢና” ኢሎም መለሱሎም።+ 21 ንሳቶም ከኣ ዜቕጽዕ ምኽንያት ስለ ዝሰኣኑ፡ ኵሎም እቶም ህዝቢ ድማ በቲ ዝዀነ ንኣምላኽ የሞግስዎ ብምንባሮም ስሊኦም+ ኢሎም፡ መሊሶም ኣፈራሪሆም ፈትሕዎም። 22 ከመይሲ፡ እቲ ተኣምር* ምሕዋይ እተገብረሉ ሰብ፡ ዕድሚኡ ልዕሊ 40 ዓመት ነበረ።

23 ምስ ተፈትሑ ኸኣ፡ ናብ ሰቦም ከይዶም፡ ሊቃውንቲ ኻህናትን ዓበይትን እንታይ ከም ዝበልዎም ነገርዎም። 24 እዚ ምስ ሰምዑ፡ ብሓደ ሰሚሮም ድምጾም ናብ ኣምላኽ ኣልዒሎም ከምዚ በሉ፦

“ኦ ልዑላዊ ጐይታ፡ ሰማይን ምድርን ባሕርን ኣብኡ ዘሎ ዅሉን ዝገበርካ ንስኻ ኢኻ፣+ 25 ብመንፈስ ቅዱስ፡ ብኣፍ ኣቦና ዳዊት ጊልያኻ ኸምዚ ዝበልካ እውን ንስኻ ኢኻ፦+ ‘ስለምንታይ ኣህዛብ ተናዊጾም፡ ህዝብታትሲ ኸንቱ ሓሲቦም፧ 26 ንየሆዋን* ንቕቡኡን ኪጻረሩስ፡ ነገስታት ምድሪ ቘይሞም፡ ኣሕሉቕ ከኣ ብሓደ ተኣኪቦም።’+ 27 ብሓቂ ሄሮድስን ጶንጥዮስ ጲላጦስን+ ምስ ኣህዛብን ምስ ህዝቢ እስራኤልን ኰይኖም፡ ኣብዛ ኸተማ እዚኣ ነቲ ዝቐባእካዮ ቕዱስ ጊልያኻ የሱስ ንምጽራር ተኣኪቦም እዮም፣+ 28 እዚ ድማ፡ እቲ ኢድካን ምኽርኻን ኣቐዲሙ ዝመደቦ ምእንቲ ኪኸውን እዩ።+ 29 ሕጂ ኸኣ፡ ኦ የሆዋ፡* ናብ ምፍርራሆም ቈላሕታኻ ግበር፣ ንባሮትካ እውን ብዅሉ ትብዓት ቃልካ ኺዛረቡ ፍቐደሎም፣ 30 ንምሕዋይ ከኣ ኢድካ ዘርግሕ፣ ብስም እቲ ቕዱስ ጊልያኻ የሱስ+ እውን ትእምርትታትን ተኣምራትን ግበር።”+

31 ምስ ተማህለሉ* ኸኣ፡ እታ ተኣኪቦምላ ዝነበሩ ቦታ ተናወጸት፣ ኵላቶም ድማ ብመንፈስ ቅዱስ ተመልኡ፡+ ቃል ኣምላኽ እውን ብትብዓት ይዛረቡ ነበሩ።+

32 ኵሎም እቶም ዝኣመኑ ድማ ሓንቲ ልብን ሓንቲ ነፍስን* ነበሩ፣ ሓደ እኳ ንገንዘቡ ናተይ ኣይብልን ነበረ፣ የግዳስ፡ ኵሉ ናይ ሓባር ነበረ።+ 33 ሃዋርያት ከኣ ብዛዕባ ትንሳኤ ጐይታና የሱስ ብዓብዪ ሓይሊ ይምስክሩ ነበሩ፣+ ኣብ ኵላቶም ድማ ዓብዪ ጸጋ ነበረ። 34 ሓደ ሽጉር እኳ ኣይነበሮምን፣+ ከመይሲ፡ ኵሎም እቶም መሬት ወይ ኣባይቲ ዝነበሮም፡ ንዕኡ ሸይጦም፡ ንዋጋ እቲ እተሸጠ የምጽእዎ ነበሩ፣ 35 ኣብ ኣእጋር ሃዋርያት ከኣ የንብርዎ ነበሩ።+ እዚ ድማ፡ ንነፍሲ ወከፍ ከከም ዜድልዮ ይዕደል ነበረ።+ 36 እቲ ብሃዋርያት በርናባስ+ እተባህለ፡ (ማለት፡ “ወዲ ምጽንናዕ” ዝትርጉሙ) ዮሴፍ ዝስሙ ሌዋዊ ብዓል ቆጵሮስ ከኣ፡ 37 መሬቱ ሸይጡ፡ ነቲ ገንዘብ ኣምጺኡ፡ ኣብ ኣእጋር ሃዋርያት ኣንበሮ።+

ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ