ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • nwt ዘሁልቍ 1:1-36:13
  • ዘሁልቍ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ዘሁልቍ
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
ዘሁልቍ

ዘሁልቍ

1 ካብ ምድሪ ግብጺ ኻብ ዚወጹ ኣብ ካልአይቲ ዓመት፡ ኣብ ቀዳመይቲ መዓልቲ እታ ኻልአይቲ ወርሒ፡+ የሆዋ ንሙሴ ኣብ በረኻ ሲና፡+ ኣብ ድንኳን ምርኻብ+ ከምዚ ኢሉ ተዛረቦ፦ 2 “ንብዘሎ ኣኼባ እስራኤላውያን፡* በብዓሌቶምን በብማይ ቤቶምን በብቝጽሪ ስም ኵሉ ተባዕታይን በብውልቂ* ቝጸርዎም።+ 3 ንስኻን ኣሮንን ንዅሎም እቶም ካብ ወዲ 20 ዓመት ንላዕሊ+ ዝዀኑ ኣብ እስራኤል ኣብ ሰራዊት ኬገልግሉ ዚኽእሉ በብሰራዊት መዝግብዎም።

4 “ርእሲ ማይ ቤቱ ዚኸውን፡ ከካብ ነገድ ሓደ ሰብኣይ ምሳኻትኩም ውሰዱ።+ 5 ስማት እቶም ምሳኻትኩም ደው ዚብሉ ሰብኡት እዚኣቶም እዮም፦ ካብ ሮቤል፡ ኤሊጹር+ ወዲ ሸደውር፣ 6 ካብ ስምኦን፡ ሸሉሚኤል+ ወዲ ጹሪሻዳይ፣ 7 ካብ ይሁዳ፡ ነኣሶን+ ወዲ ኣሚናዳብ፣ 8 ካብ ይሳኮር፡ ናትናኤል+ ወዲ ጹዓር፣ 9 ካብ ዛብሎን፡ ኤልያብ+ ወዲ ሔሎን፣ 10 ካብ ደቂ ዮሴፍ፦ ካብ ኤፍሬም፡+ ኤሊሻማዕ ወዲ ዓሚሁድ፣ ካብ ምናሴ፡ ገማልኤል ወዲ ጰዳህጹር፣ 11 ካብ ብንያም፡ ኣቢዳን+ ወዲ ጊዴዖኒ፣ 12 ካብ ዳን፡ ኣሒዔዘር+ ወዲ ዓሚሻዳይ፣ 13 ካብ ኣሴር፡ ጳግዔል+ ወዲ ዖክራን፣ 14 ካብ ጋድ፡ ኤልያሳፍ+ ወዲ ድዑኤል፣ 15 ካብ ንፍታሌም፡ ኣሒራዕ+ ወዲ ዔናን። 16 እቶም ካብቲ ኣኼባ እተጸውዑ እዚኣቶም እዮም። ንሳቶም ሹማምንቲ ነገዳት ኣቦታቶም፡+ ርእስታት ኣሽሓት እስራኤል እዮም።”+

17 ሙሴን ኣሮንን ድማ ነዞም በብስሞም እተሰምዩ ሰብኡት ወሰዱ። 18 ኣብ ቀዳመይቲ መዓልቲ እታ ኻልአይቲ ወርሒ ኸኣ፡ ካብ ወዲ 20 ዓመት ንላዕሊ ዘለዉ፡+ በብስሞምን በብዓሌቶምን በብማይ ቤቶምን በብውልቂ ምእንቲ ኺምዝገቡ፡ ንብዘሎ እቲ ኣኼባ ኣከቡ። 19 ከምቲ የሆዋ ንሙሴ ዝኣዘዞ፡ ኣብ በረኻ ሲና መዝገቦም።+

20 ደቂ ሮቤል እቲ በዅሪ እስራኤል+ በብስሞምን በብዓሌቶምን በብማይ ቤቶምን ተመዝገቡ። ካብ ወዲ 20 ዓመት ንላዕሊ ዝዀኑ ኣብ ሰራዊት ኬገልግሉ ዚኽእሉ ዅሎም ተባዕትዮ በብውልቂ ተቘጽሩ። 21 ቍጽሪ እቶም ካብ ነገድ ሮቤል እተመዝገቡ ድማ፡ 46,500 ነበረ።

22 ደቂ ስምኦን+ በብስሞምን በብዓሌቶምን በብማይ ቤቶምን ተመዝገቡ። ካብ ወዲ 20 ዓመት ንላዕሊ ዝዀኑ ኣብ ሰራዊት ኬገልግሉ ዚኽእሉ ዅሎም ተባዕትዮ በብውልቂ ተቘጽሩ። 23 ቍጽሪ እቶም ካብ ነገድ ስምኦን እተመዝገቡ ኸኣ፡ 59,300 ነበረ።

24 ደቂ ጋድ+ በብስሞምን በብዓሌቶምን በብማይ ቤቶምን ተመዝገቡ። ካብ ወዲ 20 ዓመት ንላዕሊ ዝዀኑ ኣብ ሰራዊት ኬገልግሉ ዚኽእሉ ዅሎም ተባዕትዮ ተቘጽሩ። 25 ቍጽሪ እቶም ካብ ነገድ ጋድ እተመዝገቡ ድማ፡ 45,650 ነበረ።

26 ደቂ ይሁዳ+ በብስሞምን በብዓሌቶምን በብማይ ቤቶምን ተመዝገቡ። ካብ ወዲ 20 ዓመት ንላዕሊ ዝዀኑ ኣብ ሰራዊት ኬገልግሉ ዚኽእሉ ዅሎም ተባዕትዮ ተቘጽሩ። 27 ቍጽሪ እቶም ካብ ነገድ ይሁዳ እተመዝገቡ ኸኣ፡ 74,600 ነበረ።

28 ደቂ ይሳኮር+ በብስሞምን በብዓሌቶምን በብማይ ቤቶምን ተመዝገቡ። ካብ ወዲ 20 ዓመት ንላዕሊ ዝዀኑ ኣብ ሰራዊት ኬገልግሉ ዚኽእሉ ዅሎም ተባዕትዮ ተቘጽሩ። 29 ቍጽሪ እቶም ካብ ነገድ ይሳኮር እተመዝገቡ ድማ፡ 54,400 ነበረ።

30 ደቂ ዛብሎን+ በብስሞምን በብዓሌቶምን በብማይ ቤቶምን ተመዝገቡ። ካብ ወዲ 20 ዓመት ንላዕሊ ዝዀኑ ኣብ ሰራዊት ኬገልግሉ ዚኽእሉ ዅሎም ተባዕትዮ ተቘጽሩ። 31 ቍጽሪ እቶም ካብ ነገድ ዛብሎን እተመዝገቡ ኸኣ፡ 57,400 ነበረ።

32 ካብ ኤፍሬም እተወልዱ ደቂ ዮሴፍ+ በብስሞምን በብዓሌቶምን በብማይ ቤቶምን ተመዝገቡ። ካብ ወዲ 20 ዓመት ንላዕሊ ዝዀኑ ኣብ ሰራዊት ኬገልግሉ ዚኽእሉ ዅሎም ተባዕትዮ ተቘጽሩ። 33 ቍጽሪ እቶም ካብ ነገድ ኤፍሬም እተመዝገቡ ድማ፡ 40,500 ነበረ።

34 ደቂ ምናሴ+ በብስሞምን በብዓሌቶምን በብማይ ቤቶምን ተመዝገቡ። ካብ ወዲ 20 ዓመት ንላዕሊ ዝዀኑ ኣብ ሰራዊት ኬገልግሉ ዚኽእሉ ዅሎም ተባዕትዮ ተቘጽሩ። 35 ቍጽሪ እቶም ካብ ነገድ ምናሴ እተመዝገቡ ኸኣ፡ 32,200 ነበረ።

36 ደቂ ብንያም+ በብስሞምን በብዓሌቶምን በብማይ ቤቶምን ተመዝገቡ። ካብ ወዲ 20 ዓመት ንላዕሊ ዝዀኑ ኣብ ሰራዊት ኬገልግሉ ዚኽእሉ ዅሎም ተባዕትዮ ተቘጽሩ። 37 ቍጽሪ እቶም ካብ ነገድ ብንያም እተመዝገቡ ድማ፡ 35,400 ነበረ።

38 ደቂ ዳን+ በብስሞምን በብዓሌቶምን በብማይ ቤቶምን ተመዝገቡ። ካብ ወዲ 20 ዓመት ንላዕሊ ዝዀኑ ኣብ ሰራዊት ኬገልግሉ ዚኽእሉ ዅሎም ተባዕትዮ ተቘጽሩ። 39 ቍጽሪ እቶም ካብ ነገድ ዳን እተመዝገቡ ኸኣ፡ 62,700 ነበረ።

40 ደቂ ኣሴር+ በብስሞምን በብዓሌቶምን በብማይ ቤቶምን ተመዝገቡ። ካብ ወዲ 20 ዓመት ንላዕሊ ዝዀኑ ኣብ ሰራዊት ኬገልግሉ ዚኽእሉ ዅሎም ተባዕትዮ ተቘጽሩ። 41 ቍጽሪ እቶም ካብ ነገድ ኣሴር እተመዝገቡ ድማ፡ 41,500 ነበረ።

42 ደቂ ንፍታሌም+ በብስሞምን በብዓሌቶምን በብማይ ቤቶምን ተመዝገቡ። ካብ ወዲ 20 ዓመት ንላዕሊ ዝዀኑ ኣብ ሰራዊት ኬገልግሉ ዚኽእሉ ዅሎም ተባዕትዮ ተቘጽሩ። 43 ቍጽሪ እቶም ካብ ነገድ ንፍታሌም እተመዝገቡ ኸኣ፡ 53,400 ነበረ።

44 እቶም ሙሴ ምስ ኣሮንን ምስቶም ነንማይ ቤቶም ዚውክሉ 12 ሹማምንትን ኰይኑ ዝመዝገቦም እዚኣቶም እዮም። 45 ካብ ወዲ 20 ዓመት ንላዕሊ ዝዀኑ ኣብ ሰራዊት ኬገልግሉ ዚኽእሉ ዅሎም እስራኤላውያን በብማይ ቤቶም ተመዝገቡ። 46 ድምር ቍጽሪ እቶም እተመዝገቡ ድማ፡ 603,550 ነበረ።+

47 ሌዋውያን+ ግና ብነገድ ኣቦታቶም ምሳታቶም ኣይተመዝገቡን።+ 48 የሆዋ ኸኣ ንሙሴ ኸምዚ በሎ፦ 49 “ንነገድ ሌዊ ጥራይ ኣይትመዝግቦ፡ ቍጽሮም ድማ ምስ እስራኤላውያን ኣይትጸብጽቦ።+ 50 ንሌዋውያን ኣብ ልዕሊ ማሕደር ምስክርን+ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ኣቕሑኡን ኣብ ልዕሊ ናቱ ዘበለ ዅሉን ሽሞም።+ ንሳቶም ድማ ነቲ ማሕደርን ንዅሉ ኣቕሑኡን ይጹሩ፡+ ኣብኡ ኸኣ የገልግሉ፡+ ኣብ ዙርያ እቲ ማሕደር ድማ ይስፈሩ።+ 51 እቲ ማሕደር ኪነቅል ከሎ፡ ሌዋውያን የውርድዎ፣+ እቲ ማሕደር ኪሰፍር ከሎ ኸኣ፡ ሌዋውያን ይትከልዎ። ዘይተፈቕደሉ ሰብ* እንተ ቐሪቡ፡ ይቀተል።+

52 “ነፍሲ ወከፍ እስራኤላዊ ኣብቲ እተመደበሉ ሰፈር፡ ነፍሲ ወከፍ ኣብ ነናቱ ጕጅለ ሰለስተ ነገድ*+ በብሰራዊቱ ድንኳኑ ይትከል። 53  ሌዋውያን ከኣ፡ ኣብ ልዕሊ ኣኼባ እስራኤላውያን ቍጥዓ ምእንቲ ኸይልዓል፡ ኣብ ዙርያ ማሕደር ምስክር ይስፈሩ።+ ሌዋውያን ድማ ነቲ ማሕደር ምስክር ዘለዎም ሓላፍነት ይሰከሙ።”*+

54 ህዝቢ እስራኤል ከኣ ኵሉ እቲ የሆዋ ንሙሴ ዝኣዘዞ ገበሩ። ልክዕ ከምኡ ገበሩ።

2 የሆዋ ድማ ንሙሴን ንኣሮንን ከምዚ ኢሉ ተዛረቦም፦ 2 “እስራኤላውያን ኣብቲ ነናቶም ጕጅለ ሰለስተ ነገድ እተመደቦ ይስፈሩ፣+ ነፍሲ ወከፍ ኣብ ጥቓ ሰንደቕ ዕላማ* ማይ ቤቱ ይስፈር። ኣብ መንጽር ድንኳን ምርኻብ፡ ብዙርያኡ ይስፈሩ።

3 “እቶም ብምብራቕ፡ ብሸነኽ ምብራቕ ጸሓይ ዚሰፍሩ፡ በብሰራዊቶም፡ ጕጅለ ሰለስተ ነገድ ሰፈር ይሁዳ ይኹኑ። ሹም ደቂ ይሁዳ ኸኣ ነኣሶን+ ወዲ ኣሚናዳብ እዩ። 4 እቶም ኣብ ሰራዊቱ እተመዝገቡ ድማ፡ 74,600 እዮም።+ 5 ኣብ ጥቓኡ ዚሰፍር ከኣ ነገድ ይሳኮር ይኹን። ሹም ደቂ ይሳኮር ድማ ናትናኤል+ ወዲ ጹዓር እዩ። 6 እቶም ኣብ ሰራዊቱ እተመዝገቡ ኸኣ፡ 54,400 እዮም።+ 7 ቀጺሉ ድማ ነገድ ዛብሎን እዩ። ሹም ደቂ ዛብሎን ከኣ ኤልያብ+ ወዲ ሔሎን እዩ። 8 እቶም ኣብ ሰራዊቱ እተመዝገቡ ድማ፡ 57,400 እዮም።+

9 “ኵሎም እቶም ኣብ ሰራዊት ሰፈር ይሁዳ እተመዝገቡ፡ 186,400 እዮም። እዚኣቶም ቀዳማይ ይንቀሉ።+

10 “ጕጅለ ሰለስተ ነገድ ሰፈር ሮቤል+ በብሰራዊቱ ብሸነኽ ደቡብ ይኹን። ሹም ደቂ ሮቤል ከኣ ኤሊጹር+ ወዲ ሸደውር እዩ። 11 እቶም ኣብ ሰራዊቱ እተመዝገቡ ድማ፡ 46,500 እዮም።+ 12 ኣብ ጥቓኡ ዚሰፍር ከኣ ነገድ ስምኦን እዩ። ሹም ደቂ ስምኦን ድማ ሸሉሚኤል+ ወዲ ጹሪሻዳይ እዩ። 13 እቶም ኣብ ሰራዊቱ እተመዝገቡ ኸኣ፡ 59,300 እዮም።+ 14 ቀጺሉ ድማ ነገድ ጋድ እዩ። ሹም ደቂ ጋድ ከኣ ኤልያሳፍ+ ወዲ ረዑኤል እዩ። 15 እቶም ኣብ ሰራዊቱ እተመዝገቡ ድማ፡ 45,650 እዮም።+

16 “ኵሎም እቶም ኣብ ሰራዊት ሰፈር ሮቤል እተመዝገቡ፡ 151,450 እዮም። እዚኣቶም ካልኣይ ይንቀሉ።+

17 “እቲ ድንኳን ምርኻብ ኪግዕዝ ከሎ፡+ ሰፈር ሌዋውያን ኣብ ማእከል ካልኦት ሰፈራት ይኹን።

“ከምቲ ኣሰፋፍራኦም፡ ነፍሲ ወከፍ ኣብ በቦታኡ ዀይኑ በብጕጅለ ሰለስተ ነገድ ይጐዓዙ።+

18 “ጕጅለ ሰለስተ ነገድ ሰፈር ኤፍሬም በብሰራዊቱ ብሸነኽ ምዕራብ ይኹን። ሹም ደቂ ኤፍሬም ከኣ ኤሊሻማዕ+ ወዲ ዓሚሁድ እዩ። 19 እቶም ኣብ ሰራዊቱ እተመዝገቡ ድማ፡ 40,500 እዮም።+ 20 ኣብ ጥቓኡ ኸኣ ነገድ ምናሴ+ ይኹን። ሹም ደቂ ምናሴ ድማ ገማልኤል+ ወዲ ጰዳህጹር እዩ። 21 እቶም ኣብ ሰራዊቱ እተመዝገቡ ኸኣ፡ 32,200 እዮም።+ 22 ቀጺሉ ድማ ነገድ ብንያም እዩ። ሹም ነገድ ብንያም ከኣ ኣቢዳን+ ወዲ ጊዴዖኒ እዩ። 23 እቶም ኣብ ሰራዊቱ እተመዝገቡ ድማ፡ 35,400 እዮም።+

24 “ኵሎም እቶም ኣብ ሰራዊት ሰፈር ኤፍሬም እተመዝገቡ፡ 108,100 እዮም። እዚኣቶም ሳልሳይ ይንቀሉ።+

25 “ጕጅለ ሰለስተ ነገድ ሰፈር ዳን በብሰራዊቱ ብሸነኽ ሰሜን ይኹን። ሹም ደቂ ዳን ከኣ ኣሒዔዘር+ ወዲ ዓሚሻዳይ እዩ። 26 እቶም ኣብ ሰራዊቱ እተመዝገቡ ድማ፡ 62,700 እዮም።+ 27 ኣብ ጥቓኡ ዚሰፍር ከኣ ነገድ ኣሴር እዩ። ሹም ደቂ ኣሴር ድማ ጳግዔል+ ወዲ ዖክራን እዩ። 28 እቶም ኣብ ሰራዊቱ እተመዝገቡ ኸኣ፡ 41,500 እዮም።+ 29 ቀጺሉ ድማ ነገድ ንፍታሌም እዩ። ሹም ደቂ ንፍታሌም ከኣ ኣሒራዕ+ ወዲ ዔናን እዩ። 30 እቶም ኣብ ሰራዊቱ እተመዝገቡ ድማ፡ 53,400 እዮም።+

31 “ኵሎም እቶም ኣብ ሰፈር ዳን እተመዝገቡ፡ 157,600 እዮም። እዚኣቶም ብጕጅለ ሰለስተ ነገድ መወዳእታ ይንቀሉ።”+

32 እቶም ካብ እስራኤላውያን በብማይ ቤቶም እተመዝገቡ እዚኣቶም እዮም። ድምር እቶም ኣብቲ ሰፈራት ኣብ ሰራዊት እተመዝገቡ፡ 603,550 ነበረ።+ 33 ሌዋውያን ግና፡ ከምቲ የሆዋ ንሙሴ ዝኣዘዞ፡ ምስ ካልኦት እስራኤላውያን+ ኣይተመዝገቡን።+ 34 እስራኤላውያን ከኣ ከምቲ የሆዋ ንሙሴ ዝኣዘዞ ዅሉ ገበሩ። በዚ ኸምዚ፡ በብጕጅለ ሰለስተ ነገድ ይሰፍሩ፡+ በዚ ኸምዚ ድማ ነፍሲ ወከፎም በብዓሌቶምን በብማይ ቤቶምን ይነቕሉ ነበሩ።+

3 በታ የሆዋ ንሙሴ ኣብ ከረን ሲና+ እተዛረበላ መዓልቲ፡ መስመር ወለዶ ኣሮንን ሙሴን* እዚ እዩ። 2 ስማት ደቂ ኣሮን እዚ እዩ፦ ናዳብ እቲ በዅርን ኣቢሁን+ ኣልኣዛርን+ ኢታማርን።+ 3 ስማት ደቂ ኣሮን፡ እቶም ካህናት ኪዀኑ እተሸሙ* ቕቡኣት ካህናት እዚ እዩ።+ 4 ግናኸ፡ ናዳብን ኣቢሁን ኣብ በረኻ ሲና ኣብ ቅድሚ የሆዋ ዘይተፈቕደ ሓዊ ምስ ኣቕረቡ፡+ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ሞቱ፣ ኣወዳት ከኣ ኣይነበርዎምን። ኣልኣዛርን+ ኢታማርን+ ግና፡ ምስ ኣቦኦም ኣሮን ብኽህነት የገልግሉ ነበሩ።

5 የሆዋ ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፦ 6 “ንነገድ ሌዊ+ ኣምጺእካ ኣብ ቅድሚ ኻህን ኣሮን ደው ኣብሎም፣ ንሳቶም ከኣ የገልግልዎ።+ 7 ኣገልግሎት ማሕደር እናገበሩ፡ ኣብ ቅድሚ ድንኳን ምርኻብ ንዕኡን ንዅሉ እቲ ኣኼባን ዘለዎም ሓላፍነት ይፈጽሙ። 8 ንዅሉ ኣቕሑ ድንኳን ምርኻብ ይከናኸኑ፡+ ኣገልግሎት ማሕደር እናገበሩ ድማ ንእስራኤላውያን ዘለዎም ሓላፍነት ይፈጽሙ።+ 9 ሌዋውያን ንኣሮንን ንደቁን ሃቦም። ንሳቶም ካብ እስራኤላውያን ንዕኡ እተዋህቡ ውህበት እዮም።+ 10 ንኣሮንን ንደቁን ድማ ሽሞም፣ ንሳቶም ከኣ ክህነቶም ይፈጽሙ።+ ዘይተፈቕደሉ ሰብ* እንተ ቐሪቡ፡ ይቀተል።”+

11 የሆዋ ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፦ 12 “እንሆ፡ ኣነ ንሌዋውያን ኣብ ክንዲ ዅሉ በዅሪ* እስራኤላውያን ካብ መንጎ እስራኤላውያን ወሲደዮም እየ እሞ፡+ ሌዋውያን ናተይ ይኹኑ። 13 በዅሪ ዘበለ ዅሉ ናተይ እዩ።+ በታ ንዅሉ በዅሪ ምድሪ ግብጺ ዝወቓዕኩላ መዓልቲ፡+ ኣብ እስራኤል በዅሪ ዘበለ ዅሉ፡ ካብ ሰብ ክሳዕ እንስሳ፡ ንዓይ ቀዲሰዮ እየ።+ ናተይ ይኹኑ። ኣነ የሆዋ እየ።”

14 የሆዋ ድማ ንሙሴ ኣብ በረኻ ሲና+ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፦ 15 “ንደቂ ሌዊ በብማይ ቤቶምን በብዓሌቶምን መዝግቦም። ካብ ወዲ ወርሒ ንላዕሊ ዘሎ ዅሉ ተባዕታይ መዝግቦ።”+ 16 ሙሴ ኸኣ ብትእዛዝ የሆዋ፡ ከምቲ ንሱ ዝኣዘዞ መዝገቦም። 17 ስማት ደቂ ሌዊ እዚ እዩ፦ ጌርሾንን ቀሃትን መራሪን።+

18 ስማት ደቂ ጌርሾን በብዓሌቶም እዚ እዩ፦ ሊብኒን ሺምዒን።+

19 ደቂ ቀሃት ከኣ በብዓሌቶም እዚኣቶም እዮም፦ ዓምራምን ይጽሃርን ኬብሮንን ዑዚኤልን።+

20 ደቂ መራሪ ድማ በብዓሌቶም እዚኣቶም እዮም፦ ማሕሊን+ ሙሺን።+

ዓሌታት ሌዋውያን በብማይ ቤቶም እዚኣቶም እዮም።

21 ካብ ጌርሾን፡ ዓሌት ሊብናውያንን+ ዓሌት ሺምዓውያንን ወጹ። እዚኣቶም ዓሌታት ጌርሾናውያን እዮም። 22 ቍጽሪ እቶም ካብ ወዲ ወርሒ ንላዕሊ ዝዀኑ እተመዝገቡ ዅሎም ተባዕትዮ ኸኣ፡ 7,500 ነበረ።+ 23 ዓሌታት ጌርሾናውያን ብድሕሪ እቲ ማሕደር፡+ ብሸነኽ ምዕራብ ሰፈሩ። 24 ሹም ማይ ቤት ጌርሾናውያን ድማ ኤልያሳፍ ወዲ ላኤል እዩ። 25 ደቂ ጌርሾን+ ኣብ ድንኳን ምርኻብ ዘለዎም ሓላፍነት ከኣ፡ ክንክን እቲ ማሕደርን እቲ ድንኳንን+ መኽደኒኡን+ መጋረዲ*+ ኣፍ ደገ ድንኳን ምርኻብን 26 መኸወሊታት*+ ኣጸድን መጋረዲ*+ ኣፍ ደገ እቲ ኣብ ዙርያ ማሕደርን መሰውእን ዘሎ ኣጸድን ኣግማዱን ኵሉ እቲ ምስዚ ዚተሓሓዝ ኣገልግሎትን ነበረ።

27 ካብ ቀሃት፡ ዓሌት ዓምራማውያንን ዓሌት ይጽሃራውያንን ዓሌት ኬብሮናውያንን ዓሌት ዑዚኤላውያንን ወጹ። እዚኣቶም ዓሌታት ቀሃታውያን+ እዮም። 28 ቍጽሪ እቶም ካብ ወዲ ወርሒ ንላዕሊ ዝዀኑ ዅሎም ተባዕትዮ ኸኣ፡ 8,600 ነበረ። ነቲ መቕደስ ናይ ምክንኻን ሓላፍነት ድማ ነበሮም።+ 29 ዓሌታት ደቂ ቀሃት ብሸነኽ ደቡብ እቲ ማሕደር ሰፈሩ።+ 30 ሹም ማይ ቤት ዓሌታት ቀሃታውያን ከኣ፡ ኤሊጻፋን ወዲ ዑዚኤል እዩ።+ 31 ሓላፍነቶም ከኣ፡ ክንክን ታቦትን+ ሰደቓን+ ቀዋሚ ቐንዴልን+ መሰውኢታትን+ ኣብቲ መቕደስ ዜገልግል ኣቕሑን+ መጋረድን*+ ኵሉ እቲ ምስዚ ዚተሓሓዝ ኣገልግሎትን ነበረ።+

32 ርእሲ ሹማምንቲ ሌዋውያን ድማ ኣልኣዛር+ ወዲ ኻህን ኣሮን ነበረ። ንሱ ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብ ክንክን መቕደስ ሓላፍነት ዝነበሮም፡ ሓላዊ* ነበረ።

33 ካብ መራሪ፡ ዓሌት ማሕላውያንን ዓሌት ሙሻውያንን ወጹ። እዚኣቶም ዓሌታት መራሪ እዮም።+ 34 ቍጽሪ እቶም ካብ ወዲ ወርሒ ንላዕሊ ዝዀኑ እተመዝገቡ ዅሎም ተባዕትዮ፡ 6,200 ነበረ።+ 35 ሹም ማይ ቤት ዓሌታት መራሪ ኸኣ፡ ጹሪኤል ወዲ ኣቢሓይል እዩ። ንሳቶም ብሸነኽ ሰሜን እቲ ማሕደር ሰፈሩ።+ 36 ሓላፍነት ደቂ መራሪ ድማ፡ ሓለዋ* መቓናት ሉሕ+ ማሕደርን ተገዳማቱን+ ኣዕኑዱን+ ዚስኵዓሉ መቘሚታቱን ኵሉ ኣቕሑኡን+ ምስዚ ዚተሓሓዝ ኵሉን+ 37 ኣብ ዙርያ ኣጸድ ዘሎ ኣዕኑድን ዚስኵዓሉ መቘሚታቱን+ ሽኻላቱን ኣግማዱን ነበረ።

38 እቶም ኣብ መንጽር እቲ ማሕደር ብምብራቕ፡ ኣብ ቅድሚ ድንኳን ምርኻብ ብሸነኽ ምብራቕ ጸሓይ ዚሰፍሩ ኸኣ፡ ሙሴን ኣሮንን ደቁን እዮም። ንሳቶም ነቲ መቕደስ ኣብ ክንዲ እስራኤላውያን ከም ግዴታኦም ገይሮም ኪከናኸኑ ሓላፍነት ነበሮም። ዘይተፈቕደሉ ሰብ* እንተ ቐሪቡ፡ ኪቕተል ነበሮ።+

39 ኵሎም እቶም ሙሴን ኣሮንን ብትእዛዝ የሆዋ በብዓሌቶም ዝመዝገብዎም ካብ ወዲ ወርሒ ንላዕሊ ዝዀኑ ዅሎም ተባዕትዮ ሌዋውያን፡ 22,000 ነበሩ።

40 የሆዋ ድማ ንሙሴ ኸምዚ በሎ፦ “ካብ ወዲ ወርሒ ንላዕሊ ንዝዀኑ ዅሎም ተባዕትዮ በዅራት እስራኤላውያን መዝግቦም፡+ ቍጸሮም፡ ስሞም ከኣ ጽሓፍ። 41 ንሌዋውያን ኣብ ክንዲ ዅሉ በዅሪ እስራኤላውያን፡+ ንእንስሳታት ዘቤት ሌዋውያን ድማ ኣብ ክንዲ ዅሉ በዅሪ እንስሳታት ዘቤት እስራኤላውያን ንዓይ ውሰዶም።+ ኣነ የሆዋ እየ።” 42 ሙሴ ኸኣ፡ ከምቲ የሆዋ ዝኣዘዞ ንዅሉ በዅሪ እስራኤላውያን መዝገቦ። 43 ቍጽሪ እቶም በብስሞም እተመዝገቡ ኻብ ወዲ ወርሒ ንላዕሊ ዝዀኑ ዅሎም ተባዕትዮ በዅራት ድማ፡ 22,273 ነበረ።

44 የሆዋ ኸኣ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፦ 45 “ንሌዋውያን ኣብ ክንዲ ዅሉ በዅሪ እስራኤላውያን፡ ንእንስሳታት ዘቤት ሌዋውያን ድማ ኣብ ክንዲ እንስሳታት ዘቤቶም ውሰድ፣ ሌዋውያን ከኣ ናተይ ይኹኑ። ኣነ የሆዋ እየ። 46 ዋጋ በጃ+ እቶም ሓለፋ ሌዋውያን ዝዀኑ 273 በዅሪ እስራኤላውያን ድማ፡+ 47 ንነፍሲ ወከፍ ብሲቃል መቕደስ* ሓሙሽተ ሲቃል* ውሰድ።+ ሓደ ሲቃል፡ 20 ጌራ* እዩ።+ 48 ዋጋ በጃ እቶም ሓለፋኦም ዝዀኑ ኪኸውን ድማ፡ እቲ ገንዘብ ንኣሮንን ንደቁን ሃቦም።” 49 ሙሴ ኸኣ ካብቶም ሕልፊ ዋጋ በጃ ሌዋውያን ዝዀኑ፡ ገንዘብ ዋጋ በጃ ወሰደ። 50 ካብ በዅራት እስራኤላውያን፡ ብሲቃል መቕደስ 1,365 ሲቃል ገንዘብ ወሰደ። 51 ሙሴ ድማ ከምቲ ቓል* የሆዋ፡ ከምቲ የሆዋ ንሙሴ ዝኣዘዞ፡ ነቲ ገንዘብ ዋጋ በጃ ንኣሮንን ንደቁን ሃቦም።

4 የሆዋ ድማ ንሙሴን ንኣሮንን ከምዚ በሎም፦ 2 “ካብ መንጎ ደቂ ሌዊ፡ ደቂ ቀሃት+ በብዓሌቶምን በብማይ ቤቶምን ይቈጸሩ። 3 እቶም ኣብ ድንኳን ምርኻብ ኣብ ዚዓዪ ጕጅለ እተመደቡ+ ኻብ ወዲ 30+ ኽሳዕ ወዲ 50 ዓመት+ ዘበሉ ዅሎም ይቈጸሩ።

4 “ደቂ ቀሃት ኣብ ድንኳን ምርኻብ ዚዓይዎ+ ቕዱስ ቅዱሳን ዝዀነ ኣገልግሎት እዚ እዩ፦ 5 እቲ ሰፈር ምስ ዚነቅል፡ ኣሮንን ደቁን ኣትዮም ነቲ ዚጋርድ መጋረጃ+ የውርድዎ፡ ነቲ ታቦት+ ምስክር ከኣ ብእኡ ይኽደንዎ። 6 ቈርበት ታሓሽ* ኣብ ልዕሊኡ ገይሮም ይኽደንዎ፡ ኵለንትናኡ ሰማያዊ ዓለባ ኸኣ ኣብ ልዕሊኡ ይግበሩሉ፡ ነቲ ዚጽወረሉ ዘንግታት+ እውን ኣብ ቦታኡ የእትውዎ።

7 “ኣብ ልዕሊ ሰደቓ እንጌራ ምርኣይ+ ድማ ሰማያዊ ዓለባ ይዘርግሑ፣ ኣብ ልዕሊኡ ኸኣ ነቲ ጻሕልታትን ጽዋኣትን ጭሔሎታትን ዓታሩ መስዋእቲ መስተን የንብሩ፣+ እቲ ወትሩ ዚቐርብ እንጌራ+ ድማ ኣብኡ ይኹን። 8 ኣብ ልዕሊኡ ኸኣ ውጹእ ቀይሕ ዓለባ ይዘርግሑ፡ ብቘርበት ታሓሽ* ድማ ይኽደንዎ፡ ነቲ ዚጽወረሉ ዘንግታት+ እውን ኣብ ቦታኡ የእትውዎ። 9 ሰማያዊ ዓለባ ወሲዶም ከኣ ነቲ ዚበርህ ቀዋሚ ቐንዴልን+ ነቲ ቐነዲሉን+ ነቲ ናቱ መንቀርቀራት መጥፍእን ነቲ ናቱ መትሓዚታት ሓውን+ ንዅሉ እቲ መመላእታኡ ዚኸውን ዘይቲ ዚሕዙሉ ኣቕሑኡን ይኽደንዎ። 10 ነዝን ንዅሉ ኣቕሑኡን ብቘርበት ታሓሽ* ከዲኖም ድማ ኣብ መሰላ* የንብርዎ። 11 ኣብ ልዕሊ እቲ ወርቃዊ መሰውኢ+ እውን ሰማያዊ ዓለባ ይዘርግሑ፣ ብቘርበት ታሓሽ* ከዲኖም ከኣ ነቲ ዚጽወረሉ ዘንግታት+ ኣብ ቦታኡ የእትውዎ። 12 ንዅሉ እቲ ወትሩ ኣብ መቕደስ ዜገልግሉሉ ኣቕሑ+ ኣገልግሎት ወሲዶም ድማ ኣብ ሰማያዊ ዓለባ የንብርዎ፡ ብቘርበት ታሓሽ* ከዲኖም ከኣ ኣብ መሰላ* የንብርዎ።

13 “ነቲ ሓምዅሽቲ* ድማ ካብቲ መሰውኢ+ ይጕሓፍዎ፡ ኣብ ልዕሊኡ ኸኣ ጁዅ ዝሕብሩ ዓለባ ጸምሪ ይዘርግሑ። 14 ንዅሉ እቲ ኣብቲ መሰውኢ ዜገልግሉሉ ኣቕሑ፡ ነቲ መትሓዚታት ሓውን ሻኳታትን መጽሓሪታትን ጭሔሎታትን ኵሉ ኣቕሑ እቲ መሰውእን+ ኣብ ልዕሊኡ የንብሩ፣ ኣብ ልዕሊኡ ኸኣ ቈርበት ታሓሽ* ይዘርግሑ፡ ነቲ ዚጽወረሉ ዘንግታት+ እውን ኣብ ቦታኡ የእትዉዎ።

15 “እቲ ሰፈር ኪነቅል ከሎ፡ ኣሮንን ደቁን ነቲ መቕደስን+ ንዅሉ ኣቕሑ እቲ መቕደስን ከዲኖም ይወድኡ። ድሕሪኡ፡ ደቂ ቀሃት መጺኦም ይጹርዎ፡+ ምእንቲ ኸይሞቱ ግና ነቲ መቕደስ ኣይተንክይዎ።+ እቲ ምስ ድንኳን ምርኻብ ዚተሓሓዝ ሓላፍነት* ደቂ ቀሃት እዚ እዩ።

16 “ሓላፍነት ኣልኣዛር+ ወዲ ኻህን ኣሮን ድማ ሓለዋ* ዘይቲ መብራህትን+ ጥዑም ዝጨናኡ ዕጣንን+ ናይ ወትሩ መስዋእቲ እኽልን ዘይቲ ቕብኣትን እዩ።+ ሓለዋ ብዘሎ ማሕደርን ኣብኡ ዘሎ ዅሉን፡ እንተላይ መቕደስን ኣቕሑኡን፡ ሓላፍነቱ እዩ።”

17 የሆዋ ድማ ንሙሴን ንኣሮንን ከምዚ ኢሉ ተዛረቦም፦ 18 “ነገድ ዓሌታት ቀሃታውያን+ ካብ መንጎ ሌዋውያን ኣይመንቈሱ። 19 ኪነብሩ እምበር፡ ናብቲ ቕዱስ ቅዱሳን ብምቕራቦም ምእንቲ ኸይሞቱ፡+ እዚ ግበሩሎም። ኣሮንን ደቁን ኣትዮም ንነፍሲ ወከፎም ኣብ ኣኣገልግሎቶምን ኣብ ጸጾሮምን ይመድብዎም። 20 ምእንቲ ኸይሞቱ፡ ነቲ ቕዱስ ነገራት ንቕጽበት እኳ እንተ ዀነ፡ ኣትዮም ኣይርኣይዎ።”+

21 የሆዋ ኸኣ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፦ 22 “ደቂ ጌርሾን+ በብማይ ቤቶምን በብዓሌቶምን ይቈጸሩ። 23 ነቶም ኣብ ድንኳን ምርኻብ ኣብ ዜገልግል ጕጅለ እተመደቡ ኻብ ወዲ 30 ኽሳዕ ወዲ 50 ዓመት ዘበሉ ዅሎም መዝግቦም። 24 ዓሌታት ጌርሾናውያን እተመደብዎ ኣገልግሎትን ጾርን እዚ እዩ፦+ 25 ምጻር ዓለባታት ድንኳን እቲ ማሕደርን+ እቲ ድንኳን ምርኻብን መኽደኒኡን እቲ ኣብ ልዕሊኡ ዚድረብ ቈርበት ታሓሽን*+ መጋረዲ* ኣፍ ደገ ድንኳን ምርኻብን+ 26 መኸወሊታት* ኣጸድን+ መጋረዲ* ኣፍ ደገ እቲ ኣብ ዙርያ ማሕደርን መሰውእን ዘሎ ኣጸድን+ ኣግማዱን ኣቕሑኡን ኵሉ እቲ ንኣገልግሎቱ ዚኸውንን እዩ። ዕዮኦም እዚ እዩ። 27 ኵሉ ኣገልግሎትን ጾርን ጌርሾናውያን+ ኣብ ትሕቲ ሓለዋ ኣሮንን ደቁን ይኹን። እዚ ዅሉ ጾር ሓላፍነቶም ኪኸውን መድብዎ። 28 ኣገልግሎት ዓሌታት ጌርሾናውያን ኣብ ድንኳን ምርኻብ እዚ እዩ፣+ ሓላፍነታቶም ከኣ ኣብ ትሕቲ መሪሕነት ኢታማር+ ወዲ ኻህን ኣሮን እዩ።

29 “ንደቂ መራሪ+ ድማ በብዓሌቶምን በብማይ ቤቶምን መዝግቦም። 30 ነቶም ኣብ ድንኳን ምርኻብ ኣብ ዜገልግል ጕጅለ እተመደቡ ኻብ ወዲ 30 ኽሳዕ ወዲ 50 ዓመት ዘበሉ ዅሎም መዝግቦም። 31 ነቲ ኣብ ድንኳን ምርኻብ ምስ ዘለዎም ኣገልግሎት ብእተተሓሓዘ ዚጾርዎ ሓላፍነት እዚ እዩ፦+ መቓናት ሉሕ+ እቲ ማሕደርን ተገዳማቱን+ ኣዕኑዱን+ ዚስኵዓሉ መቘሚታቱን+ 32 ኣዕኑድ+ እቲ ብዙርያ ዘሎ ኣጸድን ዚስኵዓሉ መቘሚታቱን+ ሽኻላቱን+ ኣግማዱ ምስ ኵሉ ኣቕሑኡን ምስዚ ዚተሓሓዝ ኵሉ ኣገልግሎትን። በብስሞም ከኣ ኣብ ልዕሊ እቲ ኺጾርዎ እተዋህቦም ሓላፍነት መድብዎም። 33 ዓሌታት ደቂ መራሪ+ ኣብ ድንኳን ምርኻብ ኣብ ትሕቲ መሪሕነት ኢታማር ወዲ ኻህን ኣሮን ዜገልግልዎ ኣገልግሎት እዚ እዩ።”+

34 ድሕርዚ፡ ሙሴን ኣሮንን ሹማምንቲ+ እቲ ኣኼባን ንደቂ ቀሃታውያን+ በብዓሌቶምን በብማይ ቤቶምን መዝገብዎም፣ 35 ነቶም ኣብ ድንኳን ምርኻብ ኣብ ዜገልግል ጕጅለ እተመደቡ ኻብ ወዲ 30 ኽሳዕ ወዲ 50 ዓመት ዘበሉ ዅሎም መዝገብዎም።+ 36 ድምር እቶም በብዓሌቶም እተመዝገቡ 2,750 ነበረ።+ 37 እቶም ካብ ዓሌታት ቀሃታውያን እተመዝገቡ፡ ኵሎም እቶም ኣብ ድንኳን ምርኻብ ዜገልግሉ ዝነበሩ እዚኣቶም እዮም። ሙሴን ኣሮንን በቲ ብሙሴ ኣቢሉ እተዋህበ ትእዛዝ የሆዋ መዝገብዎም።+

38 ደቂ ጌርሾን+ በብዓሌቶምን በብማይ ቤቶምን ተመዝገቡ፣ 39 እቶም ኣብ ድንኳን ምርኻብ ኣብ ዜገልግል ጕጅለ እተመደቡ ኻብ ወዲ 30 ኽሳዕ ወዲ 50 ዓመት ዘበሉ ዅሎም ተመዝገቡ። 40 ድምር እቶም በብዓሌቶምን በብማይ ቤቶምን እተመዝገቡ 2,630 ነበረ።+ 41 እቶም ካብ ዓሌታት ደቂ ጌርሾን እተመዝገቡ፡ ኵሎም እቶም ኣብ ድንኳን ምርኻብ ዜገልግሉ ዝነበሩ እዚኣቶም እዮም። ሙሴን ኣሮንን ብትእዛዝ የሆዋ መዝገብዎም።+

42 ደቂ መራሪ በብዓሌቶምን በብማይ ቤቶምን ተመዝገቡ፣ 43 እቶም ኣብ ድንኳን ምርኻብ ኣብ ዜገልግል ጕጅለ እተመደቡ ኻብ ወዲ 30 ኽሳዕ ወዲ 50 ዓመት ዘበሉ ዅሎም ተመዝገቡ።+ 44 ድምር እቶም በብዓሌቶም እተመዝገቡ 3,200 ነበረ።+ 45 እቶም ካብ ዓሌታት ደቂ መራሪ እተመዝገቡ፡ እቶም ሙሴን ኣሮንን በቲ ብሙሴ ኣቢሉ እተዋህበ ትእዛዝ የሆዋ ዝመዝገብዎም እዚኣቶም እዮም።+

46 ሙሴን ኣሮንን ሹማምንቲ እስራኤልን ንዅሎም እዞም ሌዋውያን በብዓሌቶምን በብማይ ቤቶምን መዝገብዎም፣ 47 ካብ ወዲ 30 ኽሳዕ ወዲ 50 ዓመት ነበሩ፣ ኵላቶም ድማ ምስ ድንኳን ምርኻብ ብዚተሓሓዝ ኬገልግሉን ኪጾሩን ተመደቡ።+ 48 ድምር እቶም እተመዝገቡ 8,580 ነበረ።+ 49 ብትእዛዝ የሆዋ ብሙሴ ኣቢሎም፡ ነፍሲ ወከፍ ከከም እተመደበሉ ኣገልግሎትን ጾርን ተመዝገቡ፣ ከምቲ የሆዋ ንሙሴ ዝኣዘዞ ተመዝገቡ።

5 የሆዋ ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፦ 2 “ንዅሉ ድዉይን+ ንዅሉ ፈሳሲ ዚክዓዎን+ ንዅሉ ብምዉት ሰብ* ዝረኸሰን+ ካብ ሰፈር ኬውጽኡ ንእስራኤላውያን ኣዝዞም። 3 ተባዕታይ ኰነ ኣንስተይቲ ኣውጽእዎም። ንሰፈራት እቶም ኣነ ኣብ ማእከሎም ዝነብር ዘለኹ+ ምእንቲ ኸይብክሉ፡+ ካብ ሰፈር ኣውጽእዎም።” 4 እስራኤላውያን ከኣ ከምኡ ገበሩ፡ ካብ ሰፈር ድማ ኣውጽእዎም። ከምቲ የሆዋ ንሙሴ ዝበሎ፡ እስራኤላውያን ከምኡ ገበሩ።

5 የሆዋ ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፦ 6 “ንእስራኤላውያን ከምዚ በሎም፦ ‘ሰብኣይ ወይ ሰበይቲ፡ ሓደ ኻብቲ ሰብ ዚገብሮ ሓጢኣት እንተ ገይሩ፡ ንየሆዋ ኸኣ እንተ ጠሊምዎ፡ እቲ ሰብ* እቲ በዳሊ ዀይኑ ኣሎ።+ 7 እቲ ዝገበሮ ሓጢኣት ይናዘዝ፡*+ ምሉእ ካሕሳ በደሉ ኸኣ ይምለስ፡ ሓምሻይ ኣፍ ድማ ይወስኸሉ፡+ ነቲ ዝበደሎ እውን ይሃቦ። 8 እቲ እተበደለ፡ ነቲ ኻሕሳ ዚቕበል ናይ ቀረባ ዘመድ እንተ ዘይብሉ፡ ናብ የሆዋ ይመለስ፡ ምስቲ ዜተዓርቐሉ ድዑል ዕርቂ ድማ፡ ናይቲ ኻህን ይኹን።+

9 “‘ካብ እስራኤላውያን ንኻህን ዚቐርብ ኵሉ ቕዱስ መባእ፡+ ናቱ ይኹን።+ 10 ናይ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ቅዱስ ነገር፡ ናቱ ይኹን። ነፍሲ ወከፍ ሰብ ንኻህን ዚህቦ፡ ናይቲ ኻህን ይኹን።’”

11 የሆዋ ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፦ 12 “ንእስራኤላውያን ከምዚ ኢልካ ተዛረቦም፦ ‘ንሰብኣይ፡ ሰበይቱ ስሒታ እንተ ጠሊማቶ፡ 13 ካልእ ሰብኣይ ከኣ ምስኣ ጾታዊ ርክብ እንተ ገይሩ፡+ እዚ ግና ብሰብኣያ እንተ ዘይተፈሊጡ፡ ካብኡ ኸኣ እንተ ተሰቲሩ፡ ማለት ረኺሳ ኽነሳ፡ ምስክር እንተ ዘይተረኺቡላ እሞ እንተ ዘይተታሒዛ፡ ከምዚ ይገበር፦ 14 እቲ ሰብኣይ፡ ሰበይቱ ምስ ረኸሰት እንተ ቐኒኡን ብዛዕባ ተኣማንነት ሰበይቱ እንተ ተጠራጢሩን፡ ወይ ሰበይቱ ኸይረኸሰት እንተ ቐኒኡን ብዛዕባ ተኣማንነት ሰበይቱ እንተ ተጠራጢሩን፡ 15 እቲ ሰብኣይ ንሰበይቱ ናብ ካህን የምጽኣያ። ምስኣ ድማ መስዋእታ ዚኸውን ዓስራይ ኣፍ ኤፋ* ሓርጭ ስገም የምጽእ። ናይ ቅንኢ መስዋእቲ እኽሊ፡ ማለት በደል ዜዘክር መስዋእቲ እኽሊ ስለ ዝዀነ፡ ዘይቲ ኣየፍስሰሉ፡ ጻዕዳ ዕጣን እውን ኣይግበረሉ።

16 “‘እቲ ኻህን ድማ ኣቕሪቡ፡ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ደው የብላ።+ 17 እቲ ኻህን ከኣ ብኣቕሓ መሬት ገይሩ ቕዱስ ማይ ይውሰድ፣ እቲ ኻህን ድማ ገለ ኻብቲ ኣብ ባይታ እቲ ማሕደር ዘሎ ሓመድ ወሲዱ፡ ኣብቲ ማይ ይግበሮ። 18 እቲ ኻህን ከኣ ነታ ሰበይቲ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ደው የብላ፡ ጸጕሪ እታ ሰበይቲ ድማ ይፍታሕ፡ ነቲ ንመዘከርታ ዚኸውን መስዋእቲ እኽሊ፡ ማለት ናይ ቅንኢ መስዋእቲ እኽሊ+ እውን ኣብ ኢዳ የንብር፣ እቲ ኻህን ከኣ መርገም ዜምጽእ መሪር ማይ ኣብ ኢዱ ይሓዝ።+

19 “‘እቲ ኻህን ድማ ነታ ሰበይቲ ኸምዚ ኢሉ የምሕላ፦ “ኣብ ትሕቲ ስልጣን ሰብኣይኪ ኸለኺ፡+ ካልእ ሰብኣይ ምሳኺ ጾታዊ ርክብ እንተ ዘይገይሩ፡ እንተ ዘይስሒትክን እንተ ዘይረኺስክን፡ ካብ ሳዕቤን እዚ መርገም ዜምጽእ መሪር ማይ እዚ ሓራ ኹኒ። 20 ኣብ ትሕቲ ስልጣን ሰብኣይኪ ኸለኺ፡ ስሒትኪ እንተ ረኺስኪ፡ ብዘይካ ምስ ሰብኣይኪ ድማ ምስ ካልእ ሰብኣይ ጾታዊ ርክብ እንተ ጌርኪ+ ግና፡—” 21 ሽዑ፡ እቲ ኻህን ነታ ሰበይቲ መርገም ዜጠቓልል ማሕላ የምሕላ፣ እቲ ኻህን ከኣ ነታ ሰበይቲ ኸምዚ ይበላ፦ “የሆዋ ንሰለፍኪ* ብምውዳቑን* ንኸብድኺ ብምንፋሑን፡ የሆዋ ኣብ መንጎ ህዝብኺ መራገምን መምሓልን ይግበርኪ። 22 እዚ መርገም ዜምጽእ ማይ እዚ ንኸብድኺ ኺነፍሕን ንሰለፍኪ* ኼውድቕን* ናብ ኣምዑትኪ ይእቶ።” እታ ሰበይቲ ድማ፡ “ኣሜን! ኣሜን!”* ትበል።

23 “‘እቲ ኻህን ከኣ ነዚ መርገም እዚ ኣብ መጽሓፍ ይጽሓፎ፡ በቲ መሪር ማይ ድማ ይደምስሶ። 24 ነታ ሰበይቲ ኸኣ እቲ መርገም ዜምጽእ መሪር ማይ የስትያ፣ እቲ መርገም ዜምጽእ ማይ ድማ ናብኣ ይእቶ እሞ፡ ይምረራ። 25 እቲ ኻህን ከኣ ነቲ ናይ ቅንኢ መስዋእቲ እኽሊ+ ኻብ ኢድ እታ ሰበይቲ ይውሰዶ፡ ነቲ መስዋእቲ እኽሊ ድማ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ይወዝውዞ፡ ናብቲ መሰውኢ እውን የቕርቦ። 26 እቲ ኻህን ከኣ ካብቲ መስዋእቲ እኽሊ ንብምሉኡ ዚውክል መስዋእቲ ኪኸውን ዕማዅ ወሲዱ ኣብቲ መሰውኢ የሕርሮ፣+ ድሕሪኡ፡ ነታ ሰበይቲ፡ እቲ ማይ የስትያ። 27 ረኺሳ፡ ንሰብኣያ ድማ ጠሊማቶ እንተ ዀይና፡ ነቲ ማይ ምስ ኣስተያ፡ እቲ መርገም ዜምጽእ ማይ ናብኣ ኣትዩ ኺመርራ እዩ፣ ከብዳ ኸኣ ኪንፋሕ እዩ፡ ሰለፋ* ድማ ኪወድቕ* እዩ፣ እታ ሰበይቲ ኸኣ ኣብ መንጎ ህዝባ መራገሚ ኽትከውን እያ። 28 እታ ሰበይቲ እንተ ዘይረኺሳ፡ ንጽህቲ ድማ እንተ ዀይና ግና፡ ካብዚ መቕጻዕቲ እዚ ሓራ ኽትከውን እያ፣ ክትጠንስን ዘርኢ ኽትረክብን እያ።

29 “‘ሕጊ ቕንኢ እዚ እዩ፦+ ሰበይቲ ኣብ ትሕቲ ስልጣን ሰብኣያ ኸላ፡ እንተ ስሒታን እንተ ጠሊማቶን፡ 30 ወይ ሰብኣይ እንተ ቐኒኡን ብዛዕባ ተኣማንነት ሰበይቱ እንተ ተጠራጢሩን፡ ንሰበይቱ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ደው የብላ፡ እቲ ኻህን ከኣ ኵሉ እዚ ሕጊ እዚ ይግበረላ። 31 እቲ ሰብኣይ ድማ ካብ በደል ሓራ ይኸውን፣ ሰበይቱ ግና ብበደላ ተሓታቲት ክትከውን እያ።’”

6 የሆዋ ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፦ 2 “ንእስራኤላውያን ከምዚ ኢልካ ተዛረቦም፦ ‘ሰብኣይ ወይ ሰበይቲ ንየሆዋ ናዝራዊ*+ ኪኸውን ፍሉይ መብጽዓ እንተ ተመባጺዑ፡ 3 ካብ ወይንን ካብ ኣልኮላዊ መስተን ይርሓቕ። ዝመጸጸ ወይኒ ዀነ ዝመጸጸ ኣልኮላዊ መስተ ኣይስተ።+ ካብ ወይኒ እተጸምቈ ዘበለ ድማ ኣይስተ፡ ካብ ወይኒ እውን ብሰዊቱ ዀነ ብንቑጹ ኣይብላዕ። 4 ብዅለን መዓልትታት ናዝራውነቱ፡ ካብ ዘይበሰለ ፍሪኡ ዀነ ኻብ ገፈሉ፡ ኰታስ ካብ ተኽሊ ወይኒ እተገብረ ዘበለ ኣይብላዕ።

5 “‘ብዅለን መዓልትታት መብጽዓ ናዝራውነቱ፡ መላጸ ብርእሱ ኣይሕለፍ።+ እተን ንየሆዋ እተፈልየለን መዓልትታት ክሳዕ ዚመልኣ፡ ጸጕሪ ርእሱ ብምንዋሕ፡ ቅዱስ ይኹን። 6 ብዅለን እተን ንየሆዋ እተፈልየለን መዓልትታት፡ ናብ ምዉት ሰብ* ኣይቕረብ። 7 ምልክት ናዝራውነቱ ንኣምላኹ ኣብ ርእሱ እዩ እሞ፡ ዋላ እኳ ኣቦኡ፡ ወይ ኣዲኡ፡ ወይ ሓዉ፡ ወይ ሓብቱ እንተ ሞይትዎ፡ ኣይርከስ።+

8 “‘ብዅለን መዓልትታት ናዝራውነቱ ንየሆዋ እተቐደሰ እዩ። 9 ሰብ ኣብ ጥቓኡ ብሃንደበት እንተ ሞይቱ+ እሞ፡ ነቲ ንኣምላኽ ከም እተፈልየ ዜመልክት ጸጕሩ እንተ ኣርኪሱ* ግና፡ በታ ዚነጽሃላ መዓልቲ ርእሱ ይላጺ።+ ኣብ ሻውዐይቲ መዓልቲ ይላጽዮ። 10 ኣብ ሻምነይቲ መዓልቲ ድማ ክልተ ባሬቶ ወይ ክልተ ጫቚት ርግቢ ናብ ካህን ናብ ኣፍ ደገ ድንኳን ምርኻብ የምጽእ። 11 እቲ ኻህን ከኣ እታ ሓንቲ ንመስዋእቲ ሓጢኣት፡ እታ ኻልአይቲ ድማ ንዚሓርር መስዋእቲ የዳሉ እሞ፡ ካብቲ ምስ ምዉት ሰብ* ዚተሓሓዝ ሓጢኣቱ የተዓርቆ።+ በታ መዓልቲ እቲኣ ኸኣ ርእሱ ይቐድስ። 12 ንመዓልትታት ናዝራውነቱ ድማ ከም ብሓድሽ ገዛእ ርእሱ ንየሆዋ ይፍለ፣ ኣብ ቀዳማይ ዓመቱ ዘሎ ገንሸል* ከኣ ንመስዋእቲ በደል የምጽእ። ናዝራውነቱ ስለ ዝረኸሰ ግና፡ እተን ቀዳሞት መዓልትታት ኣይቍጸራን እየን።

13 “‘ሕጊ ናዝራዊ እዚ እዩ፦ መዓልትታት ናዝራውነቱ ምስ መልኣ፡+ ናብ ኣፍ ደገ ድንኳን ምርኻብ የምጽእዎ። 14 ኣብኡ ኸኣ እዚ መስዋእቱ ንየሆዋ የቕርበሉ፦ ኣብ ቀዳማይ ዓመቱ ዘሎ ሓደ ጥዑይ ገንሸል ንዚሓርር መስዋእቲ፡+ ኣብ ቀዳማይ ዓመታ ዘላ ሓንቲ ጥዕይቲ ሽበን* ንመስዋእቲ ሓጢኣት፡+ ሓደ ጥዑይ ድዑል ንመስዋእቲ ሕብረት፡+ 15 ሓደ መሶብ ካብ ድኹም ሓርጭ ብዘይቲ እተቘምጥዐ ዘይበዅዐ ዓንኬላዊ ቕጫታት፡ ዘይቲ እተለኽየ ረቀቕቲ ቕጫታት፡ ምስኡ ኸኣ መስዋእቲ እኽሉን+ መስዋእቲ መስተኡን።+ 16 እቲ ኻህን ድማ ናብ ቅድሚ የሆዋ የቕርቦ፡ መስዋእቲ ሓጢኣቱን ዚሓርር መስዋእቱን ከኣ ይሰውእ። 17 ነቲ ድዑል ምስቲ ቕጫታት ንየሆዋ መስዋእቲ ሕብረት ኪኸውን ይሰውኣዮ፣ እቲ ኻህን ድማ ምስኡ መስዋእቲ እኽሉን+ መስዋእቲ መስተኡን የቕርብ።

18 “‘እቲ ናዝራዊ ኸኣ ነቲ ዘይተቘርጸ ጸጕሪ ርእሱ* ኣብ ኣፍ ደገ ድንኳን ምርኻብ ይላጽዮ፣+ ነቲ ብግዜ ናዝራውነቱ ዝበቘለ ጸጕሪ ርእሱ ወሲዱ ድማ፡ ኣብ ትሕቲ እቲ መስዋእቲ ሕብረት ናብ ዘሎ ሓዊ የእትዎ። 19 እቲ ኻህን ከኣ ካብቲ ድዑል ዝበሰለ ኢድ፡+ ካብቲ መሶብ ድማ ሓደ ዘይበዅዐ ዓንኬላዊ ቕጫን ሓደ ዘይበዅዐ ረቂቕ ቅጫን ይውሰድ እሞ፡ እቲ ናዝራዊ ምልክት ናዝራውነቱ ምስ ተላጸየ፡ ኣብ ኢዱ የንብረሉ። 20 እቲ ኻህን ከኣ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ንመስዋእቲ ውዝወዛ ይወዝውዞ።+ እዚ ምስቲ ሓኸለ መስዋእቲ ውዝወዛን ምስቲ እግሪ መባእን ነቲ ኻህን ቅዱስ እዩ።+ ድሕርዚ፡ እቲ ናዝራዊ ወይኒ ኺሰቲ ይኽእል እዩ።

21 “‘ሕጊ እቲ እተመባጽዐ ናዝራዊ እዚ እዩ፦+ ኣብ ልዕሊ እቲ ብናዝራውነቱ ኼማልኦ ዚግባእ ንየሆዋ መስዋእቲ ኺገብር ከም ዓቕሙ እንተ ተመባጺዑ፡ ብምኽንያት እቲ ሕጊ ናዝራውነቱ፡ መብጽዓኡ ይፈጽም።’”

22 የሆዋ ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፦ 23 “ንኣሮንን ንደቁን ከምዚ ኢልካ ተዛረቦም፦ ‘ንህዝቢ እስራኤል ከምዚ ኢልኩም ባርኽዎም፦+

24 “የሆዋ ይባርኽካን+ ይሓሉኻን።

25 የሆዋ ገጹ የብርሃልካ፡+ ሞገስ ከኣ ይሃብካ።

26 የሆዋ ገጹ ይምለሰልካ፡* ሰላም ድማ ይሃብካ።”’+

27 ኣነ ኽባርኾምሲ፡+ ስመይ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ እስራኤል የንብሩ።”+

7 ሙሴ በታ ነቲ ማሕደር ተኺሉ ዝወድኣላ መዓልቲ+ ንዕኡን ንዅሉ ኣቕሑኡን ነቲ መሰውእን ንዅሉ ኣቕሑኡን+ ቀብኦን+ ቀደሶን። ምስ ቀብኦን ምስ ቀደሶን፡+ 2 እቶም ሹማምንቲ እስራኤል፡+ እቶም ርእስታት ማይ ቤታቶም፡ መባእ ኣቕረቡ። እዞም ኣብቲ ምዝገባ መሪሕነት ዝነበሮም ሹማምንቲ ነገዳት፡ 3 ኣብ ቅድሚ የሆዋ ሽዱሽተ ኽዱናት ሰረገላን 12 ብዕራይን፡ ማለት ክልተ ሹም ሓደ ሰረገላ፡ ነፍሲ ወከፍ ሹም ከኣ ሓደ ብዕራይ ከም መባእ ኣምጽኡ፣ ኣብ ቅድሚ እቲ ማሕደር ድማ ኣቕረብዎ። 4 የሆዋ ድማ ንሙሴ ኸምዚ በሎ፦ 5 “እዚ ኣብ ኣገልግሎት ድንኳን ምርኻብ ኬገልግል እዩ እሞ፡ ካባታቶም ተቐበሎ፣ ንሌዋውያን ድማ፡ ንነፍሲ ወከፍ ከከምቲ ንኣገልግሎቱ ዜድልዮ ሃቦም።”

6 ሙሴ ኸኣ እቲ ሰረገላታትን እቶም ኣብዑርን ወሲዱ ንሌዋውያን ሃቦም። 7 ንደቂ ጌርሾን ከምቲ ንኣገልግሎቶም ዜድልዮም ክልተ ሰረገላን ኣርባዕተ ብዕራይን ሃቦም፣+ 8 ንደቂ መራሪ ድማ ከምቲ ንኣገልግሎቶም ዜድልዮም ኣርባዕተ ሰረገላን ሸሞንተ ብዕራይን ሃቦም፣ እዚ ኣብ ትሕቲ መሪሕነት ኢታማር ወዲ ኻህን ኣሮን ነበረ።+ 9 ንደቂ ቀሃት ግና፡ ኣገልግሎቶም ኣብ መቕደስ ስለ ዝነበረ፡+ ነቲ ቕዱስ ነገራት ድማ ኣብ መንኵቦም ይጾርዎ ስለ ዝነበሩ፡ ገለ እኳ ኣይሃቦምን።+

10 እቶም ሹማምንቲ ኸኣ ኣብ መመረቕታ*+ እቲ መሰውኢ፡ በታ እተቐብኣላ መዓልቲ መባኦም ኣቕረቡ። እቶም ሹማምንቲ መባኦም ኣብ ቅድሚ እቲ መሰውኢ ምስ ኣቕረቡ፡ 11 የሆዋ ንሙሴ፡ “ንመመረቕታ እቲ መሰውኢ፡ ሓደ ሹም ንመዓልቲ፡ ሓደ ሹም ንመዓልቲ መባኦም የቕርቡ” በሎ።

12 እቲ ኣብ ቀዳመይቲ መዓልቲ መባኡ ዘቕረበ፡ ነኣሶን+ ወዲ ኣሚናዳብ፡ ካብ ነገድ ይሁዳ ነበረ። 13 መባኡ ኸኣ፦ ብሲቃል መቕደስ*+ 130 ሲቃል* ዚምዘን ሓደ ጻሕሊ ብሩርን 70 ሲቃል ዚምዘን ሓደ ጭሔሎ ብሩርን፡ ክልቲኡ ንመስዋእቲ እኽሊ+ ብዘይቲ እተቘምጥዐ ድኹም ሓርጭ ዝመልአ፣ 14 10 ሲቃል ዚምዘን ሓደ ጽዋእ* ወርቂ፡ ዕጣን ዝመልአ፣ 15 ንዚሓርር መስዋእቲ+ ሓደ ዝራብዕን ሓደ ድዑልን ሓደ ኣብ ቀዳማይ ዓመቱ ዘሎ ገንሸልን፣* 16 ንመስዋእቲ ሓጢኣት+ ሓደ ወጠጦ፣ 17 ንመስዋእቲ ሕብረት+ ከኣ ክልተ ብዕራይን ሓሙሽተ ድዑልን ሓሙሽተ ድቤላን ሓሙሽተ ገንሸል* ዓመትን። መባእ ነኣሶን ወዲ ኣሚናዳብ እዚ እዩ።+

18 ኣብ ካልአይቲ መዓልቲ፡ ናትናኤል+ ወዲ ጹዓር፡ ሹም ይሳኮር፡ መባእ ኣቕረበ። 19 ዘቕረቦ መባእ ከኣ፦ ብሲቃል መቕደስ+ 130 ሲቃል ዚምዘን ሓደ ጻሕሊ ብሩርን 70 ሲቃል ዚምዘን ሓደ ጭሔሎ ብሩርን፡ ክልቲኡ ንመስዋእቲ እኽሊ+ ብዘይቲ እተቘምጥዐ ድኹም ሓርጭ ዝመልአ፣ 20 10 ሲቃል ዚምዘን ሓደ ጽዋእ ወርቂ፡ ዕጣን ዝመልአ፣ 21 ንዚሓርር መስዋእቲ+ ሓደ ዝራብዕን ሓደ ድዑልን ሓደ ኣብ ቀዳማይ ዓመቱ ዘሎ ገንሸልን፣ 22 ንመስዋእቲ ሓጢኣት+ ሓደ ወጠጦ፣ 23 ንመስዋእቲ ሕብረት+ ከኣ ክልተ ብዕራይን ሓሙሽተ ድዑልን ሓሙሽተ ድቤላን ሓሙሽተ ገንሸል ዓመትን። መባእ ናትናኤል ወዲ ጹዓር እዚ እዩ።

24 ኣብ ሳልሰይቲ መዓልቲ፡ ሹም ደቂ ዛብሎን፡ ኤልያብ+ ወዲ ሔሎን 25 ዘቕረቦ መባእ፦ ብሲቃል መቕደስ+ 130 ሲቃል ዚምዘን ሓደ ጻሕሊ ብሩርን 70 ሲቃል ዚምዘን ሓደ ጭሔሎ ብሩርን፡ ክልቲኡ ንመስዋእቲ እኽሊ+ ብዘይቲ እተቘምጥዐ ድኹም ሓርጭ ዝመልአ፣ 26 10 ሲቃል ዚምዘን ሓደ ጽዋእ ወርቂ፡ ዕጣን ዝመልአ፣ 27 ንዚሓርር መስዋእቲ+ ሓደ ዝራብዕን ሓደ ድዑልን ሓደ ኣብ ቀዳማይ ዓመቱ ዘሎ ገንሸልን፣ 28 ንመስዋእቲ ሓጢኣት+ ሓደ ወጠጦ፣ 29 ንመስዋእቲ ሕብረት+ ከኣ ክልተ ብዕራይን ሓሙሽተ ድዑልን ሓሙሽተ ድቤላን ሓሙሽተ ገንሸል ዓመትን። መባእ ኤልያብ+ ወዲ ሔሎን እዚ እዩ።

30 ኣብ ራብዐይቲ መዓልቲ፡ ሹም ደቂ ሮቤል፡ ኤሊጹር+ ወዲ ሸደውር 31 ዘቕረቦ መባእ፦ ብሲቃል መቕደስ+ 130 ሲቃል ዚምዘን ሓደ ጻሕሊ ብሩርን 70 ሲቃል ዚምዘን ሓደ ጭሔሎ ብሩርን፡ ክልቲኡ ንመስዋእቲ እኽሊ+ ብዘይቲ እተቘምጥዐ ድኹም ሓርጭ ዝመልአ፣ 32 10 ሲቃል ዚምዘን ሓደ ጽዋእ ወርቂ፡ ዕጣን ዝመልአ፣ 33 ንዚሓርር መስዋእቲ+ ሓደ ዝራብዕን ሓደ ድዑልን ሓደ ኣብ ቀዳማይ ዓመቱ ዘሎ ገንሸልን፣ 34 ንመስዋእቲ ሓጢኣት+ ሓደ ወጠጦ፣ 35 ንመስዋእቲ ሕብረት+ ከኣ ክልተ ብዕራይን ሓሙሽተ ድዑልን ሓሙሽተ ድቤላን ሓሙሽተ ገንሸል ዓመትን። መባእ ኤሊጹር+ ወዲ ሸደውር እዚ እዩ።

36 ኣብ ሓምሸይቲ መዓልቲ፡ ሹም ደቂ ስምኦን፡ ሸሉሚኤል+ ወዲ ጹሪሻዳይ 37 ዘቕረቦ መባእ፦ ብሲቃል መቕደስ+ 130 ሲቃል ዚምዘን ሓደ ጻሕሊ ብሩርን 70 ሲቃል ዚምዘን ሓደ ጭሔሎ ብሩርን፡ ክልቲኡ ንመስዋእቲ እኽሊ+ ብዘይቲ እተቘምጥዐ ድኹም ሓርጭ ዝመልአ፣ 38 10 ሲቃል ዚምዘን ሓደ ጽዋእ ወርቂ፡ ዕጣን ዝመልአ፣ 39 ንዚሓርር መስዋእቲ+ ሓደ ዝራብዕን ሓደ ድዑልን ሓደ ኣብ ቀዳማይ ዓመቱ ዘሎ ገንሸልን፣ 40 ንመስዋእቲ ሓጢኣት+ ሓደ ወጠጦ፣ 41 ንመስዋእቲ ሕብረት+ ከኣ ክልተ ብዕራይን ሓሙሽተ ድዑልን ሓሙሽተ ድቤላን ሓሙሽተ ገንሸል ዓመትን። መባእ ሸሉሚኤል+ ወዲ ጹሪሻዳይ እዚ እዩ።

42 ኣብ ሻድሸይቲ መዓልቲ፡ ሹም ደቂ ጋድ፡ ኤልያሳፍ+ ወዲ ድዑኤል 43 ዘቕረቦ መባእ፦ ብሲቃል መቕደስ+ 130 ሲቃል ዚምዘን ሓደ ጻሕሊ ብሩርን 70 ሲቃል ዚምዘን ሓደ ጭሔሎ ብሩርን፡ ክልቲኡ ንመስዋእቲ እኽሊ+ ብዘይቲ እተቘምጥዐ ድኹም ሓርጭ ዝመልአ፣ 44 10 ሲቃል ዚምዘን ሓደ ጽዋእ ወርቂ፡ ዕጣን ዝመልአ፣ 45 ንዚሓርር መስዋእቲ+ ሓደ ዝራብዕን ሓደ ድዑልን ሓደ ኣብ ቀዳማይ ዓመቱ ዘሎ ገንሸልን፣ 46 ንመስዋእቲ ሓጢኣት+ ሓደ ወጠጦ፣ 47 ንመስዋእቲ ሕብረት+ ከኣ ክልተ ብዕራይን ሓሙሽተ ድዑልን ሓሙሽተ ድቤላን ሓሙሽተ ገንሸል ዓመትን። መባእ ኤልያሳፍ+ ወዲ ድዑኤል እዚ እዩ።

48 ኣብ ሻውዐይቲ መዓልቲ፡ ሹም ደቂ ኤፍሬም፡ ኤሊሻማዕ+ ወዲ ዓሚሁድ 49 ዘቕረቦ መባእ፦ ብሲቃል መቕደስ+ 130 ሲቃል ዚምዘን ሓደ ጻሕሊ ብሩርን 70 ሲቃል ዚምዘን ሓደ ጭሔሎ ብሩርን፡ ክልቲኡ ንመስዋእቲ እኽሊ+ ብዘይቲ እተቘምጥዐ ድኹም ሓርጭ ዝመልአ፣ 50 10 ሲቃል ዚምዘን ሓደ ጽዋእ ወርቂ፡ ዕጣን ዝመልአ፣ 51 ንዚሓርር መስዋእቲ+ ሓደ ዝራብዕን ሓደ ድዑልን ሓደ ኣብ ቀዳማይ ዓመቱ ዘሎ ገንሸልን፣ 52 ንመስዋእቲ ሓጢኣት+ ሓደ ወጠጦ፣ 53  ንመስዋእቲ ሕብረት+ ከኣ ክልተ ብዕራይን ሓሙሽተ ድዑልን ሓሙሽተ ድቤላን ሓሙሽተ ገንሸል ዓመትን። መባእ ኤሊሻማዕ+ ወዲ ዓሚሁድ እዚ እዩ።

54 ኣብ ሻምነይቲ መዓልቲ፡ ሹም ደቂ ምናሴ፡ ገማልኤል+ ወዲ ጰዳህጹር 55 ዘቕረቦ መባእ፦ ብሲቃል መቕደስ+ 130 ሲቃል ዚምዘን ሓደ ጻሕሊ ብሩርን 70 ሲቃል ዚምዘን ሓደ ጭሔሎ ብሩርን፡ ክልቲኡ ንመስዋእቲ እኽሊ+ ብዘይቲ እተቘምጥዐ ድኹም ሓርጭ ዝመልአ፣ 56 10 ሲቃል ዚምዘን ሓደ ጽዋእ ወርቂ፡ ዕጣን ዝመልአ፣ 57  ንዚሓርር መስዋእቲ+ ሓደ ዝራብዕን ሓደ ድዑልን ሓደ ኣብ ቀዳማይ ዓመቱ ዘሎ ገንሸልን፣ 58 ንመስዋእቲ ሓጢኣት+ ሓደ ወጠጦ፣ 59 ንመስዋእቲ ሕብረት+ ከኣ ክልተ ብዕራይን ሓሙሽተ ድዑልን ሓሙሽተ ድቤላን ሓሙሽተ ገንሸል ዓመትን። መባእ ገማልኤል+ ወዲ ጰዳህጹር እዚ እዩ።

60 ኣብ ታሽዐይቲ መዓልቲ፡ ሹም+ ደቂ ብንያም፡ ኣቢዳን+ ወዲ ጊዴዖኒ 61 ዘቕረቦ መባእ፦ ብሲቃል መቕደስ+ 130 ሲቃል ዚምዘን ሓደ ጻሕሊ ብሩርን 70 ሲቃል ዚምዘን ሓደ ጭሔሎ ብሩርን፡ ክልቲኡ ንመስዋእቲ እኽሊ+ ብዘይቲ እተቘምጥዐ ድኹም ሓርጭ ዝመልአ፣ 62 10 ሲቃል ዚምዘን ሓደ ጽዋእ ወርቂ፡ ዕጣን ዝመልአ፣ 63 ንዚሓርር መስዋእቲ+ ሓደ ዝራብዕን ሓደ ድዑልን ሓደ ኣብ ቀዳማይ ዓመቱ ዘሎ ገንሸልን፣ 64 ንመስዋእቲ ሓጢኣት+ ሓደ ወጠጦ፣ 65 ንመስዋእቲ ሕብረት+ ከኣ ክልተ ብዕራይን ሓሙሽተ ድዑልን ሓሙሽተ ድቤላን ሓሙሽተ ገንሸል ዓመትን። መባእ ኣቢዳን+ ወዲ ጊዴዖኒ እዚ እዩ።

66 ኣብ ዓስረይቲ መዓልቲ ሹም፡ ደቂ ዳን፡ ኣሒዔዘር+ ወዲ ዓሚሻዳይ 67 ዘቕረቦ መባእ፦ ብሲቃል መቕደስ+ 130 ሲቃል ዚምዘን ሓደ ጻሕሊ ብሩርን 70 ሲቃል ዚምዘን ሓደ ጭሔሎ ብሩርን፡ ክልቲኡ ንመስዋእቲ እኽሊ+ ብዘይቲ እተቘምጥዐ ድኹም ሓርጭ ዝመልአ፣ 68 10 ሲቃል ዚምዘን ሓደ ጽዋእ ወርቂ፡ ዕጣን ዝመልአ፣ 69 ንዚሓርር መስዋእቲ+ ሓደ ዝራብዕን ሓደ ድዑልን ሓደ ኣብ ቀዳማይ ዓመቱ ዘሎ ገንሸልን፣ 70 ንመስዋእቲ ሓጢኣት+ ሓደ ወጠጦ፣ 71 ንመስዋእቲ ሕብረት+ ከኣ ክልተ ብዕራይን ሓሙሽተ ድዑልን ሓሙሽተ ድቤላን ሓሙሽተ ገንሸል ዓመትን። መባእ ኣሒዔዘር+ ወዲ ዓሚሻዳይ እዚ እዩ።

72 ኣብ መበል 11 መዓልቲ፡ ሹም ደቂ ኣሴር፡ ጳግዔል+ ወዲ ዖክራን 73 ዘቕረቦ መባእ፦ ብሲቃል መቕደስ+ 130 ሲቃል ዚምዘን ሓደ ጻሕሊ ብሩርን 70 ሲቃል ዚምዘን ሓደ ጭሔሎ ብሩርን፡ ክልቲኡ ንመስዋእቲ እኽሊ+ ብዘይቲ እተቘምጥዐ ድኹም ሓርጭ ዝመልአ፣ 74 10 ሲቃል ዚምዘን ሓደ ጽዋእ ወርቂ፡ ዕጣን ዝመልአ፣ 75 ንዚሓርር መስዋእቲ+ ሓደ ዝራብዕን ሓደ ድዑልን ሓደ ኣብ ቀዳማይ ዓመቱ ዘሎ ገንሸልን፣ 76 ንመስዋእቲ ሓጢኣት+ ሓደ ወጠጦ፣ 77 ንመስዋእቲ ሕብረት+ ከኣ ክልተ ብዕራይን ሓሙሽተ ድዑልን ሓሙሽተ ድቤላን ሓሙሽተ ገንሸል ዓመትን። መባእ ጳግዔል+ ወዲ ዖክራን እዚ እዩ።

78 ኣብ መበል 12 መዓልቲ፡ ሹም ደቂ ንፍታሌም፡ ኣሒራዕ+ ወዲ ዔናን 79 ዘቕረቦ መባእ፦ ብሲቃል መቕደስ+ 130 ሲቃል ዚምዘን ሓደ ጻሕሊ ብሩርን 70 ሲቃል ዚምዘን ሓደ ጭሔሎ ብሩርን፡ ክልቲኡ ንመስዋእቲ እኽሊ+ ብዘይቲ እተቘምጥዐ ድኹም ሓርጭ ዝመልአ፣ 80 10 ሲቃል ዚምዘን ሓደ ጽዋእ ወርቂ፡ ዕጣን ዝመልአ፣ 81 ንዚሓርር መስዋእቲ+ ሓደ ዝራብዕን ሓደ ድዑልን ሓደ ኣብ ቀዳማይ ዓመቱ ዘሎ ገንሸልን፣ 82 ንመስዋእቲ ሓጢኣት+ ሓደ ወጠጦ፣ 83 ንመስዋእቲ ሕብረት+ ከኣ ክልተ ብዕራይን ሓሙሽተ ድዑልን ሓሙሽተ ድቤላን ሓሙሽተ ገንሸል ዓመትን። መባእ ኣሒራዕ+ ወዲ ዔናን እዚ እዩ።

84 እቲ መሰውኢ ምስ ተቐብአ፡ ካብቶም ሹማምንቲ እስራኤል እተዋህበ መባእ መመረቕታኡ+ እዚ እዩ፦ 12 ጻሕሊ ብሩር፡ 12 ጭሔሎ ብሩር፡ 12 ጽዋእ ወርቂ፡+ 85 ነንሓደ ጻሕሊ ብሩር 130 ሲቃል ዚምዘን፡ ነንሓደ ጭሔሎ ድማ 70 ሲቃል ዚምዘን፡ ኵሉ ኣቕሑ ብሩር ብሲቃል መቕደስ+ 2,400 ሲቃል ኰነ፣ 86 እተን ዕጣን ዝመልኣ 12 ጽዋእ ወርቂ፡ ብሲቃል መቕደስ ዓዓሰርተ ሲቃል ዚምዘና፡ ኵሉ ወርቂ እቲ ጽዋኣት 120 ሲቃል ኰነ። 87 ኵሎም እቶም ንዚሓርር መስዋእቲ ዚዀኑ ኸብቲ፡ 12 ዝራብዕ፡ 12 ድዑል፡ 12 ገንሸል ዓመት መምስ መስዋእቲ እኽሊ፡ ንመስዋእቲ ሓጢኣት ከኣ 12 ወጠጦ፣ 88 ኵሎም እቶም ንመስዋእቲ ሕብረት ዚዀኑ ኸብቲ ድማ፡ 24 ብዕራይ፡ 60 ድዑል፡ 60 ድቤላ፡ 60 ገንሸል ዓመት ኰኑ። እቲ መሰውኢ ምስ ተቐብአ+ እተዋህበ መባእ መመረቕታኡ+ እዚ እዩ።

89 ሙሴ ምስ ኣምላኽ* ንምዝራብ+ ናብ ድንኳን ምርኻብ ምስ ዚኣቱ፡ ካብ ልዕሊ መኽደን ታቦት ምስክር፡+ ካብ መንጎ እቶም ክልተ ኪሩቤል+ ድምጺ ኺዛረቦ ይሰምዕ ነበረ፣ ኣምላኽ ከኣ ይዛረቦ ነበረ።

8 የሆዋ ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፦ 2 “ንኣሮን ከምዚ ኢልካ ተዛረቦ፦ ‘ቀነዲል ከተብርህ ከለኻ፡ እቲ ሸውዓተ ቐንዴል ኣብቲ ኣብ ቅድሚ እቲ ቐዋሚ ቐንዴል ዘሎ ቦታ ይብራህ።’”+ 3 ኣሮን ከኣ ከምኡ ገበረ፦ ከምቲ የሆዋ ንሙሴ ዝኣዘዞ፡ እቲ ቐነዲል ነቲ ኣብ ቅድሚ ቐዋሚ ቐንዴል+ ዘሎ ቦታ ኸም ዜብርህ ገበሮ። 4 ኣሰራርሓ እቲ ቐዋሚ ቐንዴል ከምዚ እዩ፦ ካብ ወርቂ ብሞደሻ ተቐጥቂጡ እተሰርሐ ነበረ፣ ካብ ጕንዱ ኽሳዕ ዕምባባታቱ፡ ብሞደሻ ተቐጥቂጡ እተሰርሐ ነበረ።+ እቲ ቐዋሚ ቐንዴል ከምቲ የሆዋ ንሙሴ ዘርኣዮ ራእይ+ ኰይኑ እተገብረ ነበረ።

5 የሆዋ ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፦ 6 “ንሌዋውያን ካብ መንጎ እስራኤላውያን ውሰዶም፡ ኣንጽሃዮም ከኣ።+ 7 ከምዚ ጌርካ ኣንጽሃዮም፦ ካብ ሓጢኣት ዜንጽህ ማይ ንጸገሎም፡ ብዘሎ ሰብነቶም ድማ ብመላጸ ይላጸዩ፡ ክዳውንቶም እውን ይሕጸቡ፡ ይንጽሁ ኸኣ።+ 8 ድሕርዚ፡ ሓደ ዝራብዕ፡+ ምስኡ ድማ ንመስዋእቲ እኽሊ+ ብዘይቲ እተቘምጥዐ ድኹም ሓርጭ ይውሰዱ፣ ንመስዋእቲ ሓጢኣት+ ከኣ ካልእ ዝራብዕ ውሰድ። 9 ንሌዋውያን ድማ ኣብ ቅድሚ ድንኳን ምርኻብ ኣቕርቦም፣ ንዅሉ ኣኼባ እስራኤላውያን ከኣ ኣክቦ።+ 10 ንሌዋውያን ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኸተቕርቦም ከለኻ፡ እስራኤላውያን ኣእዳዎም ኣብ ልዕሊ ሌዋውያን የንብሩ።+ 11 ኣሮን ድማ ንሌዋውያን፡ ካብ እስራኤላውያን መስዋእቲ ውዝወዛ+ ኪዀኑ ኣብ ቅድሚ የሆዋ የቕርቦም፡* ኣገልግሎት የሆዋ ኸኣ ይግበሩ።+

12 “ሌዋውያን ድማ ኣእዳዎም ኣብ ልዕሊ ኣራእስ እቶም ዝራብዓት የንብሩ፣+ ንሌዋውያን ምእንቲ ኸተተዓርቖም+ ከኣ፡ ሓደ ንመስዋእቲ ሓጢኣት፡ እቲ ኻልኣይ ድማ ንዚሓርር መስዋእቲ ጌርካ፡ ንየሆዋ ሰውኣዮም። 13 ንሌዋውያን ከኣ ኣብ ቅድሚ ኣሮንን ኣብ ቅድሚ ደቁን ደው ኣብሎም እሞ፡ ንየሆዋ መስዋእቲ ውዝወዛ ኪዀኑ ኣቕርቦም።* 14 ንሌዋውያን ካብ መንጎ እስራኤላውያን ፍለዮም፣ ሌዋውያን ድማ ናተይ ኪዀኑ እዮም።+ 15 ድሕሪኡ፡ ሌዋውያን ኣብ ድንኳን ምርኻብ ኬገልግሉ ኺኣትዉ እዮም። በዚ ኸምዚ ኣንጽሃዮም፡ መስዋእቲ ውዝወዛ ኪዀኑ ድማ ኣቕርቦም።* 16 ከመይሲ፡ ካብ መንጎ እስራኤላውያን ንዓይ እተዋህቡ ውህበት እዮም። ኣብ ክንዲ ዅሎም በዅሪ* እስራኤላውያን፡+ ንዓይ ክወስዶም እየ። 17 ስለምንታይሲ፡ ሰብ ኰነ፡ እንስሳ ዀነ፡+ ኵሉ በዅሪ እስራኤላውያን ናተይ እዩ። በታ ንዅሉ በዅሪ ምድሪ ግብጺ ዝቐተልኩላ መዓልቲ፡+ ንዓይ ቀዲሰዮም እየ። 18 ኣብ ክንዲ ዅሉ በዅሪ እስራኤላውያን ከኣ፡ ንሌዋውያን ክወስዶም እየ። 19 ህዝቢ እስራኤል ናብቲ መቕደስ ብምቕራቦም ናብ እስራኤላውያን መዓት ምእንቲ ኸይወርድ፡+ ሌዋውያን ኣብ ክንዲ እስራኤላውያን ኣብ ድንኳን ምርኻብ ኬገልግሉን+ ንእስራኤላውያን ኬተዓርቑን፡ ካብ እስራኤላውያን ንኣሮንን ንደቁን ከም ውህበት ክህቦም እየ።”

20 ሙሴን ኣሮንን ኵሉ ኣኼባ እስራኤላውያንን ንሌዋውያን እዚ ገበሩሎም። እስራኤላውያን ከምቲ የሆዋ ብዛዕባ ሌዋውያን ንሙሴ ዝኣዘዞ ዅሉ ገበሩሎም። 21 ሌዋውያን ከኣ ነጽሁ፡ ክዳውንቶም እውን ሓጸቡ፣+ ድሕሪኡ፡ ኣሮን ኣብ ቅድሚ የሆዋ መስዋእቲ ውዝወዛ ኪዀኑ ኣቕረቦም።*+ ኣሮን ድማ ንምንጻሆም ኣተዓረቖም።+ 22 ድሕርዚ፡ ሌዋውያን ኣብ ቅድሚ ኣሮንን ኣብ ቅድሚ ደቁን ኣብ ድንኳን ምርኻብ ኣገልግሎቶም ኪገብሩ ኣተዉ። ከምቲ የሆዋ ብዛዕባ ሌዋውያን ንሙሴ ዝኣዘዞ፡ ከምኡ ገበሩሎም።

23 የሆዋ ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፦ 24 “ንሌዋውያን ዚምልከት እዚ እዩ፦ ካብ ወዲ 25 ዓመት ንላዕሊ፡ ምስቶም ኣብ ድንኳን ምርኻብ ዜገልግሉ ጕጅለ ይጸምበር። 25 ካብ ወዲ 50 ዓመት ንላዕሊ ግና፡ ምስቶም ጕጅለ ኻብ ምግልጋል የቋርጽ፡ ድሕሪ ደጊም ከኣ ኣየገልግል። 26 ነቶም ኣብ ክንክን ድንኳን ምርኻብ ሓላፍነት ዘለዎም ኣሕዋቱ ኼገልግል ይኽእል እዩ፣ ኣብቲ ኣብኡ ዚግበር ኣገልግሎት ግና ኣይዕየ። ብዛዕባ ሌዋውያንን ብዛዕባ ሓላፍነታቶምን ከምኡ ግበር።”+

9 ካብ ምድሪ ግብጺ ኻብ ዚወጹ ኣብ ቀዳመይቲ ወርሒ+ እታ ኻልአይቲ ዓመት፡ የሆዋ ንሙሴ ኣብ በረኻ ሲና ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፦ 2 “እስራኤላውያን ኣብቲ ምዱብ ግዜኡ+ መስዋእቲ ፋስጋ+ የዳልዉ። 3 ኣብ መበል 14 መዓልቲ እዛ ወርሒ እዚኣ፡ ጽልግልግ ምስ በለ፡* ኣብቲ ምዱብ ግዜኡ ኣዳልዉ። ከም ኵሉ ሕግታቱን ከም ኵሉ ስርዓታቱን ጌርኩም ኣዳልውዎ።”+

4 ሙሴ ኸኣ ንእስራኤላውያን መስዋእቲ ፋስጋ ኼዳልዉ ተዛረቦም። 5 ንሳቶም ድማ ኣብ ቀዳመይቲ ወርሒ፡ ኣብ መበል 14 መዓልቲ እታ ወርሒ፡ ጽልግልግ ምስ በለ፡* ኣብ በረኻ ሲና መስዋእቲ ፋስጋ ኣዳለዉ። እስራኤላውያን ከምቲ የሆዋ ንሙሴ ዝኣዘዞ ዅሉ፡ ከምኡ ገበሩ።

6 ሬሳ ብምትንካዮም* ዝረኸሱ ሰባት ድማ፡+ በታ መዓልቲ እቲኣ መስዋእቲ ፋስጋ ኼዳልዉ ኣይከኣሉን። እቶም ሰባት እቲኦም ከኣ በታ መዓልቲ እቲኣ ኣብ ቅድሚ ሙሴን ኣሮንን ቀሪቦም፡+ 7 “ሬሳ ብምትንካይና* ረኺስና ኢና። ኣብቲ ምዱብ ግዜኡ፡ ኣብ መንጎ እስራኤላውያን ንየሆዋ መስዋእቲ ኸይነቕርብ ስለምንታይ እንኽልከል፧”+ በልዎ። 8 ሙሴ ኸኣ፡ “የሆዋ ብዛዕባኹም ዚእዝዞ ኽሰምዕሲ፡ ኣብኡ ጽንሑ” በሎም።+

9 የሆዋ ድማ ንሙሴ ኸምዚ በሎ፦ 10 “ንእስራኤላውያን ከምዚ ኢልካ ተዛረቦም፦ ‘ካባኻትኩም ወይ ካብ ወለዶኹም ዝዀነ ሰብ ሬሳ ብምትንካዩ* እኳ እንተ ረኸሰ፡+ ወይ ኣብ ርሑቕ መገዲ እኳ እንተሎ፡ ንየሆዋ መስዋእቲ ፋስጋ የዳሉ። 11 ኣብ ካልአይቲ ወርሒ፡+ ኣብ መበል 14 መዓልቲ ጽልግልግ ምስ በለ* የዳልውዎ። ምስ ቅጫን ምስ መሪር ሓምልን ይብልዕዎ።+ 12 ካብኡ ገለ እኳ ኽሳዕ ንግሆ ኣየትርፉ፣+ ካብ ዓጽሙ ኸኣ ገለ እኳ ኣይስበሩ።+ ከም ኵሉ ሕጊ ፋስጋ ገይሮም የዳልውዎ። 13 ግናኸ፡ ሓደ ሰብ ንጹህ ክነሱ፡ ወይ ኣብ መገዲ ዘይኰነ ኽነሱ፡ መስዋእቲ ፋስጋ ንምድላው ዕሽሽ እንተ ኢሉ፡ መስዋእቲ የሆዋ ኣብቲ ምዱብ ግዜኡ ስለ ዘየቕረበ፡ እቲ ሰብ* እቲ ኻብ ህዝቡ ይመንቈስ።+ እቲ ሰብ እቲ ብሓጢኣቱ ተሓታቲ ኪኸውን እዩ።

14 “‘ምሳኻትኩም ዚነብር ጓና እንተሎ፡ ንሱ እውን ንየሆዋ መስዋእቲ ፋስጋ የዳሉ።+ ከም ሕግን ስርዓትን ፋስጋ ገይሩ ይግበር።+ ንጓና ዀነ ወይ ንወዲ ዓዲ ሓደ ሕጊ ይሃሉኹም።’”+

15 በታ እቲ ማሕደር እተተኽለላ መዓልቲ ድማ፡+ ደበና ነቲ ማሕደር፡ ነቲ ድንኳን ምስክር፡ ኣጐልበቦ፣ ካብ ምሸት ክሳዕ ንግሆ ግና ከም ሓዊ ዝትርኢቱ ኣብ ልዕሊ እቲ ማሕደር ነበረ።+ 16 ወትሩ ከምኡ ይኸውን ነበረ፦ ብመዓልቲ እቲ ደበና የጐልብቦ ነበረ፡ ብለይቲ ኸኣ ትርኢት ሓዊ።+ 17 እቲ ደበና ኻብቲ ድንኳን ምስ ዚልዓል፡ እስራኤላውያን ብቕልጡፍ ይነቕሉ ነበሩ፣+ እቲ ደበና ኣብ ዚጸንሓሉ ቦታ ኸኣ፡ እስራኤላውያን ኣብኡ ይሰፍሩ ነበሩ።+ 18 እስራኤላውያን ብትእዛዝ የሆዋ ይነቕሉ፡ ብትእዛዝ የሆዋ ኸኣ ይሰፍሩ ነበሩ።+ እቲ ደበና ኣብ ልዕሊ እቲ ማሕደር ክሳዕ ዝጸንሐ፡ ሰፊሮም ይጸንሑ ነበሩ። 19 እቲ ደበና ብዙሕ መዓልትታት ኣብ ልዕሊ እቲ ማሕደር እንተ ጸንሐ፡ እስራኤላውያን ንየሆዋ ይእዘዝዎ፡ ካብኡ እውን ኣይነቕሉን ነበሩ።+ 20 ሓድሓደ ግዜ፡ እቲ ደበና ንሒደት መዓልትታት ኣብ ልዕሊ እቲ ማሕደር ይጸንሕ ነበረ። ንሳቶም ከኣ ብትእዛዝ የሆዋ ሰፊሮም ይጸንሑ፡ ብትእዛዝ የሆዋ ድማ ይነቕሉ ነበሩ። 21 ሓድሓደ ግዜ፡ እቲ ደበና ኻብ ምሸት ክሳዕ ንግሆ ጥራይ ይጸንሕ ነበረ፣ ንግሆ እቲ ደበና ምስ ተላዕለ ኸኣ፡ ይነቕሉ ነበሩ። እቲ ደበና ብመዓልቲ ዀነ ብለይቲ ምስ ተላዕለ፡ ይነቕሉ ነበሩ።+ 22 እቲ ደበና ኣብ ልዕሊ እቲ ማሕደር ክልተ መዓልቲ፡ ወይ ወርሒ፡ ወይ ካብኡ ዝነውሐ ኽሳዕ ዝጸንሐ፡ እስራኤላውያን ሰፊሮም ይጸንሑ፡ ካብኡ ድማ ኣይነቕሉን ነበሩ። ምስ ተላዕለ ግና፡ ይነቕሉ ነበሩ። 23 ብትእዛዝ የሆዋ ይሰፍሩ፡ ብትእዛዝ የሆዋ ኸኣ ይነቕሉ ነበሩ። ነቲ የሆዋ ብሙሴ ኣቢሉ ዝኣዘዞም ኣብ ቅድሚ የሆዋ ዘለዎም ግዴታ ድማ ይሕልዉ ነበሩ።

10 የሆዋ ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፦ 2 “ንዓኻ ኽልተ መለኸት ግበር፣+ ንብሩር ብሞደሻ ቐጥቂጥካ ስርሓዮ፡ ነቲ ኣኼባ ንምጽዋዕን ነቲ ሰፈር ንምንቃልን ከኣ ተጠቐመሉ። 3 ክልቲኡ ምስ ዚንፋሕ፡ ብዘሎ እቲ ኣኼባ ኣብ ኣፍ ደገ ድንኳን ምርኻብ ናባኻ ይተኣከብ።+ 4 ሓደ ጥራይ እንተ ተነፊሑ ኸኣ፡ እቶም ሹማምንቲ፡ እቶም ርእስታት ኣሽሓት እስራኤል፡ ጥራይ ናባኻ ይተኣከቡ።+

5 “ተለዋዋጢ ደሃይ መለኸት ምስ እትነፍሑ፡ ብሸነኽ ምብራቕ ዘሎ ሰፈራት+ ይንቀል። 6 ተለዋዋጢ ደሃይ መለኸት ካልኣይ ሳዕ ምስ እትነፍሑ ድማ፡ ብሸነኽ ደቡብ ዘሎ ሰፈራት+ ይንቀል። ሓዲኦም ኪነቕሉ ኸለዉ፡ በዚ ኸምዚ መለኸት ይንፍሑ።

7 “እቲ ኣኼባ ምስ ዚጽዋዕ፡ ነቲ መለኸታት ንፍሕዎ፣+ ግናኸ፡ ብተለዋዋጢ ደሃይ ኣይትንፍሕዎ። 8 ደቂ ኣሮን፡ እቶም ካህናት፡ ነቲ መለኸታት ይንፍሕዎ፣+ እዚ ንውሉድ ወለዶኹም ናይ ሓዋሩ ሕጊ ይኹነልኩም።

9 “ኣብ ምድርኹም ምስ ዜጨንቐኩም ጨቋኒ ኽትዋግኡ ምስ እትኸዱ፡ በቲ መለኸታት፡ ጻውዒት ውግእ ንፍሑ፣+ የሆዋ ኣምላኽኩም ድማ ኪዝክረኩም እዩ፣ ካብ ጸላእትኹም ከኣ ክትድሕኑ ኢኹም።

10 “ብመዓልቲ ሓጐስኩም፡+ ማለት ብበዓላትኩምን+ ብመጀመርታ ኣዋርሕኩምን፡ ኣብ ልዕሊ ዚሓርር መስዋእትኹምን+ ኣብ ልዕሊ መስዋእቲ ሕብረትኩምን+ መለኸታት ንፍሑ፣ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽኩም ከኣ መዘከርታ ኪዀነልኩም እዩ። ኣነ የሆዋ ኣምላኽኩም እየ።”+

11 ኣብ ካልአይቲ ዓመት፡ ኣብ ካልአይቲ ወርሒ፡ ኣብ መበል 20 መዓልቲ እታ ወርሒ፡+ እቲ ደበና ኻብ ልዕሊ እቲ ማሕደር+ ምስክር ተላዕለ። 12 እስራኤላውያን ከኣ ከከምቲ መስርዕ ኣነቓቕላኦም ካብ በረኻ ሲና ነቐሉ፣+ እቲ ደበና ድማ ኣብ በረኻ ጳራን ቈመ።+ 13 እቲ ብሙሴ ኣቢሉ እተዋህበ ትእዛዝ የሆዋ ስዒቦም ንፈለማ ግዜ ዝነቐሉሉ እዋን እዚ ነበረ።+

14 ጕጅለ ሰለስተ ነገድ ሰፈር ደቂ ይሁዳ ኸኣ በብሰራዊቱ ቐዳማይ ነቐለ፣ ኣብ ልዕሊ ሰራዊቱ ድማ፡ ነኣሶን+ ወዲ ኣሚናዳብ ነበረ። 15 ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ነገድ ደቂ ይሳኮር ከኣ፡ ናትናኤል+ ወዲ ጹዓር ነበረ። 16 ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ነገድ ደቂ ዛብሎን ድማ፡ ኤልያብ+ ወዲ ሔሎን ነበረ።

17 ነቲ ማሕደር ምስ ኣውረድዎ፡+ እቶም ነቲ ማሕደር ዚጾሩ ደቂ ጌርሾንን+ ደቂ መራሪን+ ነቐሉ።

18 ጕጅለ ሰለስተ ነገድ ሰፈር ሮቤል ከኣ በብሰራዊቱ ነቐለ፣ ኣብ ልዕሊ ሰራዊቱ ድማ፡ ኤሊጹር+ ወዲ ሸደውር ነበረ። 19 ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ነገድ ደቂ ስምኦን ከኣ፡ ሸሉሚኤል+ ወዲ ጹሪሻዳይ ነበረ። 20 ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ነገድ ደቂ ጋድ ድማ፡ ኤልያሳፍ+ ወዲ ድዑኤል ነበረ።

21 እቶም ኣቕሑ መቕደስ ዚጾሩ ቀሃታውያን+ ከኣ ነቐሉ። ክሳዕ ዚበጽሑ፡ እቲ ማሕደር ተተኺሉ ኺጸንሖም ነበሮ።

22 ጕጅለ ሰለስተ ነገድ ሰፈር ደቂ ኤፍሬም ከኣ በብሰራዊቱ ነቐለ፣ ኣብ ልዕሊ ሰራዊቱ ድማ፡ ኤሊሻማዕ+ ወዲ ዓሚሁድ ነበረ። 23 ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ነገድ ደቂ ምናሴ ኸኣ፡ ገማልኤል+ ወዲ ጰዳህጹር ነበረ። 24 ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ነገድ ደቂ ብንያም ድማ፡ ኣቢዳን+ ወዲ ጊዴዖኒ ነበረ።

25 ጕጅለ ሰለስተ ነገድ ሰፈር ደቂ ዳን ከኣ፡ ደጀን ኵሉ ሰፈር ኰይኑ በብሰራዊቱ ነቐለ፣ ኣብ ልዕሊ ሰራዊቱ ድማ፡ ኣሒዔዘር+ ወዲ ዓሚሻዳይ ነበረ። 26 ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ነገድ ደቂ ኣሴር ከኣ፡ ጳግዔል+ ወዲ ዖክራን ነበረ። 27 ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ነገድ ደቂ ንፍታሌም ድማ፡ ኣሒራዕ+ ወዲ ዔናን ነበረ። 28 እስራኤላውያንን ሰራዊቶምን ኪነቕሉ ኸለዉ ዚስዕብዎ ስርዓት ኣነቓቕላ እዚ ነበረ።+

29 ሙሴ ኸኣ ንሖባብ ወዲ ረዑኤል*+ እቲ ሚድያናዊ፡ ሓሙ ሙሴ፡ “ንሕና ናብታ የሆዋ፡ ‘ንዓኻትኩም ክህበኩም እየ’+ ዝበለና ቦታ ንብገስ ኣለና። የሆዋ ብዛዕባ እስራኤል ጽቡቕ ነገር ስለ ዘተስፈወ፡+ ምሳና ኺድ እሞ፡+ ጽቡቕ ጌርና ኽንሕዘካ ኢና” በሎ። 30 ንሱ ግና፡ “ኣይከይድን። ናብ ሃገረይን ናብ ኣዝማደይን ደኣ ኽምለስ እየ” በሎ። 31 ንሱ ኸኣ ከምዚ በሎ፦ “ኣብ በረኻ ኣበይ ከም እንሰፍር ትፈልጥ ኢኻ፡ መራሕ መገዲ* ኽትኰነና ድማ ትኽእል ኢኻ እሞ፡ በጃኻ ኣይትሕደገና። 32 ምሳና እንተ ኼድካ ድማ፡+ ከምቲ የሆዋ ንዓና ዚገብረልና ዘበለ ጽቡቕ፡ ብርግጽ ከምኡ ኽንገብረልካ ኢና።”

33 ካብ ከረን የሆዋ+ ኸኣ መገዲ ሰለስተ መዓልቲ ኺጕዓዙ ጀመሩ፣ ታቦት+ ኪዳን የሆዋ ድማ ዚዓርፉላ ቦታ ኺደልየሎም+ መገዲ ሰለስተ መዓልቲ ቐቅድሚኦም ተጓዕዘ። 34 ካብ ሰፈር ምስ ነቐሉ ኸኣ፡ ደበና የሆዋ+ ብመዓልቲ ኣብ ልዕሊኦም ነበረ።

35 ታቦት ምስ ዚልዓል፡ ሙሴ፡ “ኦ የሆዋ፡ ተንስእ፡+ ጸላእትኻ ፋሕ ይበሉ፡ እቶም ዚጸልኡኻ ድማ ካብ ቅድሜኻ ይህደሙ” ይብል ነበረ። 36 ምስ ዚዓርፍ ከኣ፡ “ኦ የሆዋ፡ ናብቶም ኣእላፋት ኣሽሓት እስራኤል ተመለስ”+ ይብል ነበረ።

11 እቶም ህዝቢ ድማ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኣምሪሮም ኣጕረምረሙ። የሆዋ ነዚ ምስ ሰምዐ፡ ቍጥዓኡ ነደደ፣ ካብ የሆዋ ዝወጸ ሓዊ ኸኣ ኣባታቶም ተባርዐ እሞ፡ ገለ ኻብቶም ኣብ ወሰን ሰፈር ዝነበሩ በልዐ። 2 እቶም ህዝቢ ድማ ናብ ሙሴ ኣእወዩ፣ ሙሴ ኸኣ ናብ የሆዋ ተማህለለ፣+ እቲ ሓዊ ድማ ጠፍአ። 3 ሓዊ የሆዋ ኣባታቶም ስለ እተባርዐ፡ እታ ቦታ እቲኣ ታብዔራህ* ተባህለት።+

4 እቲ ኣብ ማእከሎም ዝነበረ ሕውስዋስ ህዝቢ*+ ኸኣ ህርፋኑ ገለጸ፣+ እስራኤላውያን እውን ከምዚ እናበሉ መሊሶም በኸዩ፦ “እንበልዖ ስጋ መን ኪህበና እዩ፧+ 5 እቲ ኣብ ግብጺ ብኸምኡ ዝበላዕናዮ ዓሳን ኣጕርስን ብርጭቕን ሽጕርቲ ቓንጫን ቀይሕ ሽጕርትን ጻዕዳ ሽጕርትን እባ ዘኪርና!+ 6 ሕጂ ግና ነቒጽና።* ብዘይካ እዚ ማና+ እዚ እንርእዮ የብልናን።”

7 እቲ ማና+ ኸኣ ከም ፍረ ጻቕዳ ነበረ፣+ ትርኢቱ ድማ ከም ትርኢት ዕንዲዳ ብዶላሕ ነበረ። 8 እቶም ህዝቢ ፋሕ ኢሎም ይኣርይዎ ነበሩ፣ ብመጥሓን ከኣ ይጥሕንዎ፡ ወይ ብመጉእ ይጐድእዎ ነበሩ። ኣብ ቍራዕ ድማ የብስልዎ፡ ወይ ቅጫ ይገብርዎ ነበሩ፣+ ጣዕሙ ኸኣ ከም ብዘይቲ እተገብረ ምቁር ቅጫ ይጥዕም ነበረ። 9 ኣብ ልዕሊ እቲ ሰፈር ኣውሊ ብለይቲ ምስ ዚወድቕ፡ ማና ድማ ኣብ ልዕሊኡ ይወርድ ነበረ።+

10 ሙሴ ድማ፡ እቶም ህዝቢ በብዓሌቶም፡ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ኣብ ኣኣፍ ድንኳኑ ዀይኑ ኺበኪ ሰምዐ። የሆዋ ኸኣ ኣዝዩ ተቘጥዖም፣+ ሙሴ እውን ኣመና ጐሃየ። 11 ሙሴ ድማ ንየሆዋ ኸምዚ በሎ፦ “ስለምንታይ ንጊልያኻ ወጺዕካዮ፧ ጾር ኵሉ እዚ ህዝቢ እዚ ኣባይ ብምንባርካስ፡ ስለምንታይ ኣብ ቅድሜኻ ሞገስ ዘይረኸብኩ፧+ 12 ናብታ ንኣቦታቶም ዝመሓልካሎም ምድሪ፡+ ‘ከምቲ መጕዚ ንዚጠቡ ሕጻን ዚጸውር፡ ኣብ ሕቝፍኻ ጹሮም’ እትብለኒ፡ ነዚ ዅሉ ህዝቢ እዚ ኣነዶ ጠኒሰዮ እየ፧ ኣነዶኸ ወሊደዮ እየ፧ 13 እናበኸዩ፡ ‘እንበልዖ ስጋ ሃበና!’ ይብሉኒ ኣለዉ እሞ፡ ነዚ ዅሉ ህዝቢ እዚ ዝህቦ ስጋ ኻበይ ክረክብ እየ፧ 14 ነዚ ዅሉ ህዝቢ እዚ ኣነ በይነይ ክጾሮ ኣይክእልን እየ፣ እምብዛ ኸቢዱኒ እዩ።+ 15 ከምዚ ትገብረኒ ኻብ ኰንካስ፡ በጃኻ ሕጂ ሕጂ ቕተለኒ።+ ኣብ ቅድሚ ኣዒንትኻ ሞገስ እንተ ረኺበስ፡ ደጊም መዓት ኣይተርእየኒ።”

16 የሆዋ ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ መለሰሉ፦ “ካብ ዓበይቲ እስራኤል፡ ዓበይትን ኣሕሉቕን ህዝቢ ምዃኖም እትፈልጦም 70 ሰብኡት ኣክበለይ፣+ ናብ ድንኳን ምርኻብ ድማ ውሰዶም፣ ኣብኡ ኸኣ ምሳኻ ደው ኣብሎም። 17 ወሪደ+ ድማ ኣብኡ ምሳኻ ኽዛረብ እየ፣+ ካብቲ ኣብ ልዕሌኻ ዘሎ መንፈስ ከኣ ክወስድን+ ኣብ ልዕሊኦም ከንብርን እየ፣ በይንኻ ምእንቲ ኸይትጾሮ፡ ጾር እቲ ህዝቢ ኣብ ምጻር ኪሕግዙኻ እዮም።+ 18 ነቲ ህዝቢ ኸኣ፡ ‘ብርግጽ ስጋ ኽትበልዑ ኢኹም እሞ፡ ንጽባሕ ተቐደሱ።+ ከመይሲ፡ “እንበልዖ ስጋ መን ኪህበና እዩ፧ ኣብ ግብጺ ጽቡቕ ኔርና”+ ኢልኩም የሆዋ እናሰምዐ ምብካይኩም ተሰሚዑ እዩ።+ የሆዋ ድማ ብርግጽ ስጋ ኺህበኩም እዩ፣ ንስኻትኩም ከኣ ክትበልዑ ኢኹም።+ 19 ሓደ መዓልቲ፡ ወይ 2 መዓልቲ፡ ወይ 5 መዓልቲ፡ ወይ 10 መዓልቲ፡ ወይ 20 መዓልቲ ኣይኰነን እትበልዑ፡ 20 ብኣፍንጫኹም ክሳዕ ዚወጽእን ፍጊዕ ክሳዕ ዚብለኩምን ምሉእ ወርሒ ደኣ እምበር።+ እዚ ኸኣ ነቲ ኣብ ማእከልኩም ዘሎ የሆዋ ስለ ዝነዓቕኩምዎ፡ “ስለምንታይ ካብ ግብጺ ወጺእና፧”+ እናበልኩም ድማ ኣብ ቅድሚኡ ስለ ዝበኸኹም እዩ።’”

21 ሙሴ ኸኣ ከምዚ በለ፦ “እዚ ኣነ ኣብ መንጎኡ ዘለኹ ህዝቢ 600,000 ኣጋር ሰብኡት እዩ፣+ ንስኻ ድማ፡ ‘ስጋ ኽህቦም እየ፡ ወርሒ ምሉእ ዚበልዕዎ ስጋ ኸኣ ክህቦም እየ’ ትብል ኣለኻ! 22 ብምሉአን ጤለ በጊዕን ከብትን እንተ ዚሕረዳ፡ ምኣኸላኦምዶ፧ ወይ ኵሉ ዓሳ ባሕሪ እንተ ዚተሓዝ፡ ምኣኸሎምዶ፧”

23 የሆዋ ድማ ንሙሴ፡ “ኢድ የሆዋዶ ሓጻር እያ፧+ ሕጂ፡ እቲ ዝብሎ ዚዀነልካ እንተ ዀይኑ ወይ እንተ ዘይኰይኑ ኽትርኢ ኢኻ” በሎ።

24 ሙሴ ኸኣ ወጺኡ፡ ቃል የሆዋ ነቲ ህዝቢ ነገሮ። ካብቶም ዓበይቲ ህዝቢ ድማ 70 ሰብኡት ኣኪቡ፡ ኣብ ዙርያ እቲ ድንኳን ደው ኣበሎም።+ 25 የሆዋ ኸኣ ብደበና ወሪዱ፡+ ንዕኡ ተዛረቦ፣+ ካብቲ ኣብ ልዕሊኡ ዝነበረ መንፈስ ወሲዱ ድማ፡+ ኣብ ልዕሊ ነፍሲ ወከፍ እቶም 70 ዓበይቲ ኣንበረ። እቲ መንፈስ ኣብ ልዕሊኦም ምስ ዓረፈ፡ ከም ነብያት ኰኑ፣*+ ግናኸ፡ ኣይደገምዎን።

26 ክልተ ሰብኡት ድማ ኣብ ሰፈር ተሪፎም ነበሩ። ስማቶም ከኣ ኤልዳድን ሜዳድን ነበረ። ንሳቶም ካብቶም ስማቶም እተጻሕፉ ነበሩ፡ ናብቲ ድንኳን ግና ኣይከዱን ነበሩ፣ እቲ መንፈስ ድማ ኣብ ልዕሊኦም ዓረፈ። ንሳቶም ከኣ ኣብ ሰፈር ከም ነብያት ኰኑ። 27 ሓደ ጐበዝ ድማ ጐይዩ ንሙሴ፡ “ኤልዳድን ሜዳድን ኣብ ሰፈር ከም ነብያት ይዀኑ ኣለዉ!” ኢሉ ነገሮ። 28 ሽዑ፡ እቲ ኻብ ንእስነቱ ኣገልጋሊ ሙሴ ዝነበረ እያሱ+ ወዲ ነዌ፡ “ጐይታይ ሙሴ፡ ከልክሎም!”+ ኢሉ መለሰ። 29 ሙሴ ግና፡ “ስለይዶ ቐኒእካ ኢኻ፧ ኵሎም ህዝቢ የሆዋ ነብያት እንተ ዚዀኑ፡ የሆዋ ኸኣ መንፈሱ ኣብ ልዕሊኦም እንተ ዜንብር መን ምሃበ፧” በሎ። 30 ሙሴ ድማ ምስቶም ዓበይቲ እስራኤል ናብ ሰፈር ተመልሰ።

31 ካብ የሆዋ ኸኣ ንፋስ ወጸ፣ ካብ ባሕሪ ድማ ብርኒጎታት ከብኪቡ፡ ኣብ ዙርያ እቲ ሰፈር፡ መገዲ መዓልቲ ዚኣክል በዚ፡ መገዲ መዓልቲ ድማ በቲ፡ ኣብ ዙርያ እቲ ሰፈር ኣውረደ፣+ ብራኸአን ከኣ ካብ ምድሪ ንላዕሊ ኣስታት ክልተ እመት* ነበረ። 32 እቲ ህዝቢ ድማ በታ መዓልቲ እቲኣ ብመላኣን በታ ለይቲ እቲኣ ብመላኣን፡ ንጽብሒቱ መዓልቲ እውን ብመላኣ ብርኒጎታት ኣከበ። እቲ ዝወሓደ ዓሰርተ ሖመር* ኣከበ፣ ኣብ ዙርያ እቲ ሰፈር ከኣ ሰጥሕወን። 33 እቲ ስጋ ገና ኣብ መንጎ ዀራርምቶም ከሎ፡ ከይሓየኽዎ ኸለዉ፡ ቍጥዓ የሆዋ ኣብቶም ህዝቢ ነደደ፣ የሆዋ ድማ ነቶም ህዝቢ ወቒዑ ኻባታቶም ኣመና ብዙሓት ቀተለ።+

34 ነቶም ህርፋኖም ዝገለጹ ህዝቢ ኣብኣ ስለ ዝቐበርዎም፡+ ስም እታ ቦታ እቲኣ ቂብሮት-ሃታኣባ*+ ተባህለ። 35 እቶም ህዝቢ ኸኣ ካብ ቂብሮት-ሃታኣባ ናብ ሓጸሮት ነቐሉ፣ ኣብ ሓጸሮት+ ድማ ጸንሑ።

12 ሙሴ ኩሻዊት ሰበይቲ ኣእትዩ ስለ ዝነበረ፡ ሚርያምን ኣሮንን ብምኽንያት እታ ዘእተዋ ኩሻዊት ሰበይቲ ነቐፍዎ።+ 2 “የሆዋስ ብሙሴ ጥራይ ድዩ ተዛሪቡ፧ ብኣና እውን ኣይተዛረበን ድዩ፧” ድማ በሉ።+ የሆዋ ኸኣ ይሰምዕ ነበረ።+ 3 እቲ ሰብኣይ፡ ማለት ሙሴ ግና ኣብ ልዕሊ ገጽ ምድሪ ኻብ ዝነበረ ሰብ ኵሉ፡ ዓቃል*+ ነበረ።

4 የሆዋ ኸኣ ብሃንደበት ንሙሴን ንኣሮንን ንሚርያምን፡ “ሰለስቴኹም ናብ ድንኳን ምርኻብ ውጹ” በሎም። ሰለስቲኦም ድማ ወጹ። 5 ድሕሪኡ፡ የሆዋ ብዓንዲ ደበና ወረደ፣+ ኣብ ኣፍ ደገ እቲ ድንኳን ደው ኢሉ ኸኣ፡ ንኣሮንን ንሚርያምን ጸውዖም። ክልቲኦም ድማ ናብ ቅድሚት ከዱ። 6 ከምዚ ኸኣ በሎም፦ “በጃኹም ዘረባይ ስምዑ። ኣብ መንጎኹም ነብዪ የሆዋ እንተሎ፡ ኣነ ብራእይ+ እፍለጠሉ፡ ብሕልሚ+ ድማ እዛረቦ። 7 ምስ ጊልያይ ሙሴ ግና ከምኡ ኣይኰነን! ንዕኡ ዅላ ቤተይ ብሕድሪ ተዋሂባቶ ኣላ።*+ 8 ብግልጺ ኣፍ ንኣፍ እዛረቦ+ እምበር፡ ብሕንቅሕንቅሊተያት ኣይኰነን፣ ትርኢት የሆዋ ድማ ይርኢ እዩ። ስለምንታይ ደኣ ንጊልያይ ሙሴ ምንቃፍ ዘይፈራህኩም፧”

9 ቍጥዓ የሆዋ ኸኣ ኣባታቶም ነደደ፣ ንሱ ድማ ካባታቶም ከደ። 10 እቲ ደበና ኸኣ ካብ ልዕሊ እቲ ድንኳን ኣልገሰ፣ እንሆ ድማ፡ ሚርያም ብደዌ ተወቒዓ ኸም ውርጪ ጻዕደወት።+ ኣሮን ከኣ ናብ ሚርያም ግልጽ በለ እሞ፡ ብደዌ ተወቒዓ ረኣየ።+ 11 ብኡብኡ ኣሮን ንሙሴ ኸምዚ በሎ፦ “ጐይታይ፡ እልምነካ ኣለኹ! በጃኻ እዚ ሓጢኣት እዚ ኣይትሓዘልና! ብዕሽነት ኢና እዚ ጌርና። 12 በጃኻ፡ ፍርቂ ስጋኡ ተበሊዑ ኸም እተወልደ ምዉት ክትከውን ኣይትሕደጋ።” 13 ሙሴ ድማ፡ “ኦ ኣምላኽ፡ በጃኻ ኣሕውያ! በጃኻ!” ኢሉ ናብ የሆዋ ተማህለለ።+

14 የሆዋ ኸኣ ንሙሴ፡ “ኣቦኣ ኣብ ገጻ ጡፍ እንተ ዚብለላስ፡ ሸውዓተ መዓልቲዶ ኣይምተዋረደትን፧ ኣብ ወጻኢ ሰፈር ሸውዓተ መዓልቲ ትወሸብ፣+ ድሕሪኡ ድማ ትመለስ” ኢሉ መለሰሉ። 15 ሚርያም ከኣ ኣብ ወጻኢ ሰፈር ሸውዓተ መዓልቲ ተወሸበት፣+ እቲ ህዝቢ ድማ ሚርያም ክሳዕ እትምለስ ኣይነቐለን። 16 ድሕሪኡ፡ እቲ ህዝቢ ኻብ ሓጸሮት+ ነቐለ፡ ኣብ በረኻ ጳራን+ ከኣ ሰፈረ።

13 የሆዋ ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፦ 2 “ነታ ኣነ ንእስራኤላውያን ዝህቦም ምድሪ ከነኣን ዚስልዩ* ሰባት ስደድ። ከካብ ነገድ ኣቦታት፡ ነፍሲ ወከፍ ካባታቶም+ ሹም+ ዝዀነ ሓሓደ ሰብ ስደዱ።”

3 ሙሴ ኸኣ ብትእዛዝ የሆዋ፡ ካብ በረኻ ጳራን ሰደዶም።+ ኵሎም እቶም ሰባት፡ ርእስታት እስራኤላውያን ነበሩ። 4 ስማቶም ድማ እዚ እዩ፦ ካብ ነገድ ሮቤል፡ ሻሙዓ ወዲ ዛኩር፣ 5 ካብ ነገድ ስምኦን፡ ሻፋጥ ወዲ ሖሪ፣ 6 ካብ ነገድ ይሁዳ፡ ካሌብ+ ወዲ የፉነ፣ 7 ካብ ነገድ ይሳኮር፡ ይግኣል ወዲ ዮሴፍ፣ 8 ካብ ነገድ ኤፍሬም፡ ሆሼዓ+ ወዲ ነዌ፣ 9 ካብ ነገድ ብንያም፡ ጳልጢ ወዲ ራፉ፣ 10 ካብ ነገድ ዛብሎን፡ ጋዲኤል ወዲ ሶዲ፣ 11 ካብ ነገድ ዮሴፍ፡+ ካብ ነገድ ምናሴ፡+ ጋዲ ወዲ ሱሲ፣ 12 ካብ ነገድ ዳን፡ ዓሚኤል ወዲ ገማሊ፣ 13 ካብ ነገድ ኣሴር፡ ስቱር ወዲ ሚካኤል፣ 14 ካብ ነገድ ንፍታሌም፡ ናሕቢ ወዲ ዎፍሲ፣ 15 ካብ ነገድ ጋድ፡ ግዉኤል ወዲ ማኪ። 16 ስማት እቶም ነታ ምድሪ ኺስልይዋ ሙሴ ዝለኣኾም ሰባት እዚ እዩ። ሙሴ ድማ ንሆሼዓ ወዲ ነዌ፡ እያሱ*+ ኢሉ ስም ኣውጽኣሉ።

17 ሙሴ ንምድሪ ከነኣን ኪስልይዋ ኺሰድዶም ከሎ፡ ከምዚ በሎም፦ “ናብቲ ናብ ነጌብ ደይቡ፡ ናብ ኣኽራን እውን ደይቡ።+ 18 እታ ምድሪ ድማ ከመይ ከም ዝዀነት፡+ እቲ ኣብኣ ዚቕመጥ ህዝቢ ኸኣ ሓያል እንተ ዀይኑ ወይ ድኹም፡ ሒደት እንተ ዀይኑ ወይ ብዙሕ ርኣዩ፣ 19 እታ ምድሪ ጽብቕቲ እንተ ዀይና ወይ ሕማቕ፡ እተን ዚቕመጡለን ከተማታት ድማ ሰፈራት እንተ ዀይነን ወይ ዕርድታት ርኣዩ። 20 እታ ምድሪ ረጓድ* እንተ ዀይና ወይ ረቃቕ፡*+ ኣእዋም እንተ ኣለዋ ወይ እንተ ዘይብላ እውን ርኣዩ። ትብዑ፡+ ካብ ፍረ እታ ምድሪ ድማ ኣምጽኡ።” ሽዑ ኸኣ፡ እቲ በዅሪ ፍረ ወይኒ ዚበስለሉ ግዜ ነበረ።+

21 ንሳቶም ድማ ደዪቦም ነታ ምድሪ ኻብ በረኻ ጺን+ ክሳብ እታ ኣብ ጥቓ ለቦ-ሓማት*+ እትርከብ ሬሖብ+ ሰለይዋ። 22 ናብ ነጌብ ደዪቦም፡ ናብ ኬብሮን መጹ፣+ ኣብኡ ኸኣ ኣሒማንን ሸሻይን ታልማይን+ እቶም ዓናቂም+ ይነብሩ ነበሩ። ኬብሮን ድማ ሸውዓተ ዓመት ቅድሚ እታ ጾዓን ናይ ግብጺ እተሰርሐት ነበረት። 23 ናብ ስንጭሮ* ኤሽኮል+ ምስ መጹ፡ ኣብኡ ሓደ ዘለላ ወይኒ ዘለዎ ጨንፈር ቈሪጾም፡ ክልተ ዀይኖም ብመጾሪ ጾርዎ፣ ካብ ሮማንን ካብ በለስን እውን ከምኡ።+ 24 ነታ ቦታ እቲኣ ድማ፡ እስራኤላውያን ካብኣ ዘለላ ስለ ዝቘረጹ፡ ስንጭሮ* ኤሽኮል*+ በልዋ።

25 ኣብ መወዳእታ 40 መዓልቲ+ ኸኣ፡ ካብ ምስላይ እታ ምድሪ ተመልሱ። 26 ናብ ሙሴን ናብ ኣሮንን ናብ ኵሎም ኣኼባ እስራኤላውያንን ድማ፡ ናብ በረኻ ጳራን፡ ናብ ቃዴስ ተመሊሶም መጹ።+ ንዅሉ እቲ ኣኼባ ኸኣ ወረ ኣምጽኡሉ፡ ፍረ እታ ምድሪ እውን ኣርኣይዎም። 27 ከምዚ ኢሎም ድማ ንሙሴ ኣውረዩሉ፦ “ናብታ ዝሰደድካና ምድሪ ኣቲና፣ ንሳ ኸኣ ብሓቂ ጸባን መዓርን እተውሕዝ እያ፣+ ፍሪኣ ድማ እዚ እዩ።+ 28 ኣብታ ምድሪ ዚቕመጥ ህዝቢ ግና ሓያል እዩ፣ እተን እተዓርዳ ኸተማታት ድማ ኣዝየን ዓበይቲ እየን። ኣብኡ እውን ዓናቂም ርኢና።+ 29 ኣማሌቃውያን+ ከኣ ኣብ ምድሪ ነጌብ+ ይቕመጡ ኣለዉ፣ ሔታውያንን ይቡሳውያንን+ ኣሞራውያንን+ ድማ ኣብ ኣኽራን ይቕመጡ ኣለዉ፣ ከነኣናውያን+ ከኣ ኣብ ጥቓ ባሕርን+ ኣብ ወሰናስን ዮርዳኖስን ይቕመጡ ኣለዉ።”

30 ካሌብ ድማ ነቶም ህዝቢ፡ ኣብ ቅድሚ ሙሴ ደው ኢሎም ከለዉ፡ “ብርግጽ ክንስዕራ ንኽእል ኢና እሞ፡ ንደይብ ደኣ፡ ብርግጽ ድማ ክንርስተያ ኢና” ኢሉ ኼህድኦም ፈተነ።+ 31 እቶም ምስኡ ደዪቦም ዝነበሩ ሰባት ግና፡ “እቶም ህዝቢ ኻባና ይሕይሉ እዮም እሞ፡ ናባታቶም ክንድይብ ኣይንኽእልን ኢና” በሉ።+ 32 ብዛዕባ እታ ዝሰለይዋ ምድሪ ኸኣ ንእስራኤላውያን ከምዚ ኢሎም ክፉእ ኣውረዩሎም፦+ “እታ ኽንስልያ ዝሓለፍናያ ምድሪ፡ ነቶም ዚነብርዋ እትውሕጥ ምድሪ እያ፣ ኵሎም እቶም ኣብኣ ዝርኣናዮም ሰባት ድማ ገዘፍቲ እዮም።+ 33 ኣብኣ ኸኣ ካብ* ነፊሊም ዝዀኑ፡ ነፊሊም ደቂ ዓናቅ ርኢና፣+ ብኣረኣእያና ዀነ ብኣረኣእያኦም ድማ ንሕና ኸም ጐደበ ዀንና።”

14 ኵሉ እቲ ኣኼባ ድምጹ ዓው ኣበለ፣ እቲ ህዝቢ ኸኣ እታ ለይቲ እቲኣ ብመላኣ ኺጭርሕን ኪበክን ሓደረ።+ 2 ኵሎም እስራኤላውያን ድማ ኣብ ልዕሊ ሙሴን ኣሮንን ኣጕረምረሙ፣+ ብዘሎ እቲ ኣኼባ ኸኣ ከምዚ ኢሉ ነቐፎም፦ “ኣብ ምድሪ ግብጺ ሞይትና እንተ ንኸውን፡ ወይ ኣብዚ በረኻ እዚ ሞይትና እንተ ንኸውን መን ምሃበ፧ 3 የሆዋ ብሰይፊ ኽንወድቕ ኢሉ ናብዛ ምድሪ እዚኣ ዜእትወና ዘሎ ስለምንታይ እዩ፧+ ኣንስትናን ደቅናን ኪማረኹ እዮም።+ ናብ ግብጺ እንተ ንምለስዶ ኣይሕሸናን፧”+ 4 ንሓድሕዶም ከኣ፡ “መራሒ ንሽም እሞ፡ ናብ ግብጺ ንመለስ!” ተባሃሃሉ።+

5 ሽዑ፡ ሙሴን ኣሮንን ኣብ ቅድሚ ብዘሎ እቲ ጉባኤ ኣኼባ እስራኤላውያን ብገጾም ተደፍኡ። 6 እቶም ካብቶም ሰለይቲ እታ ምድሪ ዝነበሩ እያሱ+ ወዲ ነዌን ካሌብ+ ወዲ የፉነን ድማ ክዳውንቶም ቀደዱ፣ 7 ንዅሉ እቲ ኣኼባ እስራኤላውያን ከኣ ከምዚ በልዎ፦ “እታ ኽንስልያ ዝሓለፍናያ ምድሪ ኣዝያ፡ ኣዝያ ጽብቕቲ ምድሪ እያ።+ 8 የሆዋ ብኣና ባህ እንተ ኢልዎስ፡ ናብዛ ምድሪ እዚኣ፡ ናብዛ ጸባን መዓርን እተውሕዝ ምድሪ ብርግጽ ኬእትወና፡ ንዓና እውን ኪህበና እዩ።+ 9 ካብ የሆዋ ግዳ ኣይትዕለዉ፣ ንሳቶም እንጌራና እዮም እሞ፡ ንህዝቢ እታ ምድሪ እቲኣ ኣይትፍርህዎም።+ ዕቝባኦም ካባታቶም ኣልጊሱ እዩ፡ የሆዋ ኸኣ ምሳና እዩ፡+ ኣይትፍርህዎም።”

10 ኵሉ እቲ ኣኼባ ግና፡ ብዳርባ እምኒ ኪቐትሎም ተዛራረበ።+ ግናኸ፡ ክብሪ የሆዋ ኣብ ድንኳን ምርኻብ ንዅሎም ህዝቢ እስራኤል ተራእየ።+

11 የሆዋ ድማ ንሙሴ ኸምዚ በሎ፦ “እዚ ህዝቢ እዚ ኽሳዕ መዓስ እዩ ዚንዕቀኒ፧+ በቲ ዅሉ እቲ ኣብ መንጎኦም ዝገበርክዎ ትእምርትታት፡ ክሳዕ መዓስ እዮም ዘይኣምኑኒ፧+ 12 ብለበዳ ኽወቕዖምን ከጥፍኦምን እየ፣ ንዓኻ ድማ ካባታቶም ዚዓብን ዚብርትዕን ህዝቢ ኽገብረካ እየ።”+

13 ሙሴ ግና ንየሆዋ ኸምዚ በሎ፦ “ሽዑ፡ ግብጻውያን፡ እቶም ካብ ማእከሎም እኳ ብሓይልኻ ነዚ ህዝቢ እዚ ዘውጻእካዮ፡ እዚ ኺሰምዑ እዮም፣+ 14 ንነበርቲ እዛ ምድሪ እዚኣ ድማ ኪነግርዎም እዮም። እዚኣቶም እውን ንስኻ የሆዋ ኣብ መንጎ እዚ ህዝቢ እዚ ኸም ዝዀንካን+ ገጽ ንገጽ ከም እተረኣኻዮምን ሰሚዖም ኣለዉ።+ ንስኻ የሆዋ ኢኻ፣ ደበናኻ እውን ኣብ ልዕሊኦም ቈይሙ ኣሎ፣ መዓልቲ ብዓንዲ ደበና፡ ለይቲ ኸኣ ብዓንዲ ሓዊ ቐቅድሚኦም ትኸይድ ኣለኻ።+ 15 ነዚ ህዝቢ እዚ ብሓንሳእ* እንተ ቐቲልካዮ፡ እቶም ዝናኻ ዝሰምዑ ኣህዛብ፡ 16 ‘የሆዋ ነዚ ህዝቢ እዚ ናብታ ኺህቦም ዝመሓለሎም ምድሪ ኼእትዎም ስለ ዘይከኣለ፡ ኣብ በረኻ ሓሪድዎም’ ኪብሉ እዮም።+ 17 ሕጂ ኸኣ በጃኻ የሆዋ፡ ሓይልኻ ይዕበ፡ ከምቲ ኸምዚ ኢልካ ዘተስፎኻዮ ድማ ይኹን፦ 18 ‘የሆዋ፡ ንቝጥዓ ደንጓይን ብዓል ብዙሕ ብተኣማንነት ዚርአ ፍቕርን፡*+ ስሕተትን ኣበሳን ዚሓድግ፡ ግናኸ ንበዳሊ ኸይቀጽዐ ዘይሓድግ፡ ስሕተት ኣቦታት ደኣ ኣብ ደቂ፡ ክሳዕ ሳልሳይ ወለዶን ክሳዕ ራብዓይ ወለዶን ዚቐጽዕ።’+ 19 ስሕተት እዚ ህዝቢ እዚ ኸምቲ ኻብ ግብጺ ኽሳዕ ሕጂ ዝሓደግካሉ፡ በጃኻ በቲ ብተኣማንነት እተርእዮ ዓብዪ ፍቕርኻ ይቕረ በል።”+

20 የሆዋ ድማ ከምዚ በለ፦ “ከምቲ ቓልካ ይቕረ ኢለዮም እየ።+ 21 ግናኸ፡ ከምቲ ኣነ ህያው ዝዀንኩ፡ ኵላ ምድሪ ብኽብሪ የሆዋ ኽትመልእ እያ።+ 22 ካብቶም ክብረይን ኣብ ግብጽን ኣብ በረኻን ዝገበርክዎ ትእምርትታተይን+ ርእዮም ክነሶም፡ ዓሰርተ ሳዕ ዝፈተኑኒ፡+ ቃለይ እውን ዘይሰምዑ ሰባት ግና፡+ ሓደ እኳ 23 ነታ ንኣቦታቶም ዝመሓልኩሎም ምድሪ ኸቶ ኣይኪርእያን እዩ። እወ፡ ካብቶም ዚንዕቁኒ፡ ሓደ እኳ ኣይኪርእያን እዩ።+ 24 ጊልያይ ካሌብ+ ግና እተፈልየ መንፈስ ስለ ዝነበሮ፡ ብምሉእ ልቡ እውን ስለ ዝሰዓበኒ፡ ንዕኡ ብርግጽ ናብታ ኸይድዋ ዝነበረ ምድሪ ኸእትዎ እየ፡ ዘርኡ ኸኣ ኪርስተያ እዩ።+ 25 ኣማሌቃውያንን ከነኣናውያንን+ ኣብ ስንጭሮ* ይቕመጡ ስለ ዘለዉ፡ ጽባሕ ተመለሱ፡ ብመገዲ ቐይሕ ባሕሪ ኣቢልኩም ድማ ናብ በረኻ ንቐሉ።”+

26 የሆዋ ድማ ንሙሴን ንኣሮንን ከምዚ ኢሉ ተዛረቦም፦ 27 “እዚ ኽፉእ ኣኼባ እዚ ኽሳዕ መዓስ እዩ ኣብ ልዕለይ ኬጕረምርም፧+ እቲ እስራኤላውያን ኣብ ልዕለይ ዘጕረምረምዎ ምጕርምራም ሰሚዐዮ ኣለኹ።+ 28 ከምዚ በሎም፦ ‘“ከምቲ ኣነ ህያው ዝዀንኩ፡” ይብል የሆዋ፡ “ከምቲ ኽትዛረብዎ ዝሰማዕክዎ፡ ከምኡ ኽገብረኩም እየ!+ 29 ካብ ወዲ 20 ዓመት ንላዕሊ እተመዝገብኩም ዘበልኩም ኵልኹም ቍጹራት፡ ኣብ ልዕለይ ዘጕረምረምኩም ኵላትኩም፡+ ሬሳታትኩም ኣብዚ በረኻ እዚ ኺወድቕ እዩ።+ 30 ብዘይካ ካሌብ ወዲ የፉነን እያሱ ወዲ ነዌን፡+ ናብታ ኣብኣ ኸንብረኩም ኢለ ዝመሓልኩላ* ምድሪ ኣይክትኣትዉን ኢኹም።+

31 “‘“ነቶም ምርኮ ኪዀኑ እዮም ዝበልኩምዎም ደቅኹም ከኣ ከእትዎም እየ፣+ ንሳቶም ድማ ነታ ዝነዓቕኩምዋ ምድሪ ኺፈልጥዋ እዮም።+ 32 ሬሳታትኩም ግና ኣብዚ በረኻ እዚ ኺወድቕ እዩ። 33 ደቅኹም ከኣ ኣብ በረኻ 40 ዓመት ጓሶት ኪዀኑ እዮም፣+ ካባኻትኩም እቲ ናይ መወዳእታ ሬሳ ኣብ በረኻ ኽሳዕ ዚወድቕ፡ ብጥልመትኩም* ተሓተትቲ ኪዀኑ እዮም።+ 34 ከም ቍጽሪ እተን ነታ ምድሪ ዝሰለኹምለን መዓልትታት፡ 40 መዓልቲ፡+ ሓንቲ መዓልቲ ኽንዲ ሓንቲ ዓመት፡ ሓንቲ መዓልቲ ኽንዲ ሓንቲ ዓመት፡ ንስሕተትኩም 40 ዓመት ተሓተትቲ ኽትኰኑ ኢኹም፣+ ንዓይ ምጽራር* እንታይ ማለት ምዃኑ ኸኣ ክትፈልጡ ኢኹም።

35 “‘“ኣነ የሆዋ ተዛሪበ ኣለኹ። ንዅሉ እዚ ኣንጻረይ ዝሓበረ ኽፉእ ኣኼባ እዚ፡ ከምኡ ኽገብሮ እየ፦ ኣብዚ በረኻ እዚ ኺውድኡ እዮም፡ ኣብዚ እውን ኪሞቱ እዮም።+ 36 እቶም ነታ ምድሪ ኺስልዩ ሙሴ ዝሰደዶም እሞ፡ ምስ ተመልሱ ብዛዕባ እታ ምድሪ ኽፉእ ብምውራዮም ንብዘሎ እቲ ኣኼባ ኣብ ልዕሊኡ ኸም ዜጕረምርም ዝገበሩ ሰባት፡+ 37 እወ፡ እቶም ብዛዕባ እታ ምድሪ ኽፉእ ዘውረዩ ሰባት፡ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኺውቅዑን ኪሞቱን እዮም።+ 38 እቶም ካብቶም ሰለይቲ እታ ምድሪ ዝነበሩ እያሱ ወዲ ነዌን ካሌብ ወዲ የፉነን ግና፡ ብርግጽ ብህይወት ኪነብሩ እዮም።”’”+

39 ሙሴ፡ እዚ ቓላት እዚ ንዅሎም እስራኤላውያን ምስ ተዛረቦም፡ እቲ ህዝቢ ብዙሕ ሓዘነ። 40 ንግሆ ኣንጊሆም ተንሲኦም ድማ፡ “ሓጢእና ኢና እሞ፡ ናብታ የሆዋ ዝበለና ቦታ ንምድያብ ተዳሊና እነና” እናበሉ ናብ ርእሲ እቲ ኸረን ኪድይቡ ፈተኑ።+ 41 ሙሴ ግና ከምዚ በሎም፦ “ስለምንታይ ኢኹም ትእዛዝ የሆዋ እትጥሕሱ ዘለኹም፧ እዚ ኣይኪቐንዓኩምን እዩ። 42 የሆዋ ምሳኻትኩም ኣይኰነን እሞ፡ ኣይትደይቡ፣ ብጸላእትኹም ክትስዓሩ ኢኹም።+ 43 ኣማሌቃውያንን ከነኣናውያንንሲ ኺገጥሙልኩም ኣብኡ ኣለዉ፣+ ብሰይፊ ኸኣ ክትወድቁ ኢኹም። ንየሆዋ ኻብ ምስዓብ ስለ እተመለስኩም፡ የሆዋ ድማ ምሳኻትኩም ኣይኪኸውንን እዩ።”+

44 ንሳቶም ግና ብድፍረት ናብ ርእሲ እቲ ኸረን ደየቡ፣+ ታቦት ኪዳን የሆዋን ሙሴን ግና ካብ ማእከል ሰፈር ኣይለቐቑን።+ 45 እቶም ኣብቲ ኸረን ዚቕመጡ ዝነበሩ ኣማሌቃውያንን ከነኣናውያንን ድማ ወሪዶም ወቕዕዎም፡ ክሳዕ ሖርማ ኸኣ ፋሕ ኣበልዎም።+

15 የሆዋ ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፦ 2 “ንእስራኤላውያን ከምዚ ኢልካ ተዛረቦም፦ ‘ናብታ ኽትነብሩላ ዝህበኩም ምድሪ ምስ ኣቶኹም፡+ 3 ንየሆዋ ኸኣ ካብ ከብቲ ወይ ካብ ጤለ በጊዕ ብሓዊ ዚግበር መስዋእቲ፡ ማለት ንየሆዋ ጥዑም ጨና ኪኸውን+ ዚሓርር መስዋእቲ+ ወይ መስዋእቲ ፍሉይ መብጽዓ ወይ መስዋእቲ ፍታው+ ወይ ኣብ በዓላትኩም ዚቐርብ መስዋእቲ+ ምስ እተቕርቡ፡ 4 እቲ መስዋእቱ ዜቕርብ፡ ንየሆዋ መስዋእቲ እኽሊ ገይሩ እውን ብርብዒ ሂን* ዘይቲ እተቘምጥዐ ዓስራይ ኣፍ ኤፋ* ድኹም ሓርጭ የቕርብ።+ 5 ምስ ዚሓርር መስዋእቲ ወይ መምስ መስዋእቲ ገንሸል፡* ንመስዋእቲ መስተ ዚኸውን ርብዒ ሂን ወይኒ እውን ኣቕርብ።+ 6 ወይ ምስ ድዑል ብሲሶ ሂን ዘይቲ እተቘምጥዐ ኽልተ ዓስራይ ኣፍ ኤፋ ድኹም ሓርጭ ግበር። 7 ንመስዋእቲ መስተ ድማ ሲሶ ሂን ወይኒ ንየሆዋ ጥዑም ጨና ኪኸውን ኣቕርብ።

8 “‘ንዚሓርር መስዋእቲ+ ወይ ንመስዋእቲ ፍሉይ መብጽዓ+ ወይ ንመስዋእቲ ሕብረት+ ካብ ከብቲ ንየሆዋ ተባዕታይ እንተ ኣቕሪብካ ግና፡ 9 ምስቲ ዝራብዕ ንመስዋእቲ እኽሊ+ ኪኸውን ብፍርቂ ስፍሪ ዘይቲ እተቘምጥዐ ሰለስተ ዓስራይ ኣፍ ኤፋ ድኹም ሓርጭ እውን ኣቕርብ። 10 ንመስዋእቲ መስተ+ ድማ፡ ፍርቂ ሂን ወይኒ፡ ንየሆዋ ጥዑም ጨና ኪኸውን ብሓዊ ዚግበር መስዋእቲ ጌርካ ኣቕርብ። 11 ነንብዕራይ ወይ ነንድዑል ወይ ነንገንሸል ወይ ነንጤል ከምኡ ይገበር። 12 ከም ቍጽሪ እቶም እትስውእዎም፡ ከምኡ ነንሓዲኦም፡ ከም ቍጽሮም ግበሩ። 13 ወዲ ዓዲ ዘበለ እስራኤላዊ በዚ ኸምዚ ንየሆዋ ጥዑም ጨና ዚኸውን ብሓዊ ዚግበር መስዋእቲ የቕርብ።

14 “‘ምሳኻትኩም ዚቕመጥ ጓና ወይ ንሓያሎ ወለዶታት ኣብ ማእከልኩም ዚነብር ዘበለ፡ ንየሆዋ ጥዑም ጨና ዚኸውን ብሓዊ ዚግበር መስዋእቲ እንተ ኣቕሪቡ፡ ከምቲ ንስኻትኩም እትገብርዎ ይግበር።+ 15 ኣብቲ ጉባኤ ንዘለኹም ንዓኻትኩምን ነቲ ምሳኻትኩም ዚነብር ጓናን ሓደ ሕጊ ይኹነልኩም። እዚ ንውሉድ ወለዶኹም ናይ ሓዋሩ ሕጊ ይኹን። እቲ ጓና ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኸማኻትኩም ይኹን።+ 16 ንዓኻትኩምን ነቲ ምሳኻትኩም ዚነብር ጓናን ሓደ ሕግን ሓደ ፍርድን ይኹን።’”

17 የሆዋ ድማ ንሙሴ ኸምዚ በሎ፦ 18 “ንእስራኤላውያን ከምዚ ኢልካ ተዛረቦም፦ ‘ናብታ ኣነ ዘእትወኩም ምድሪ ምስ ኣቶኹም፡ 19 እንጌራ እታ ምድሪ ድማ ምስ በላዕኩም፡+ ንየሆዋ መባእ ኣቕርቡ። 20 ካብቲ በዅሪ ሓርጭኩም ዓንኬላዊ ቕጫ ጌርኩም መባእ ኣቕርቡ።+ ከም መባእ ዓውዲ ጌርኩም ሃቡ። 21 ካብቲ በዅሪ ሓርጭኩም ንውሉድ ወለዶኹም ንየሆዋ መባእ ሃቡ።

22 “‘እንተ ተጋጊኹም፡ ነዚ የሆዋ ንሙሴ እተዛረቦ ዅሉ ትእዛዛት ድማ እንተ ዘይሓሊኹም፡ 23 ካብታ የሆዋ ትእዛዛት ዝሃበላ መዓልቲ ንንየው ከኣ ንውሉድ ወለዶኹም ንዅሉ እቲ የሆዋ ብሙሴ ኣቢሉ ዝኣዘዘኩም እንተ ዘይሓሊኹም፡ 24 እዚ ድማ፡ እቲ ኣኼባ ኸይፈለጠ ብጌጋ እንተ ተገይሩ፡ ብዘሎ እቲ ኣኼባ ንዚሓርር መስዋእቲ፡ ንየሆዋ ጥዑም ጨና ዚኸውን ሓደ ዝራብዕ ምስ መስዋእቲ እኽልን መስዋእቲ መስተን ከምቲ ስርዓቱ ገይሩ የቕርብ፣+ ንመስዋእቲ ሓጢኣት ከኣ ሓደ ወጠጦ የቕርብ።+ 25 እቲ ኻህን ድማ ንብዘሎ ኣኼባ እስራኤላውያን የተዓርቕ፡ ሽዑ ይቕረ ኺብሃለሎም እዩ፣+ ከመይሲ፡ ብጌጋ እተገብረ እዩ፣ ብዛዕባ ጌጋኦም ድማ መስዋእቶም፡ ንየሆዋ ብሓዊ ዚግበር መስዋእቲ፡ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኸኣ መስዋእቲ ሓጢኣቶም ኣቕሪቦም እዮም። 26 ኣብ ብዘሎ ህዝቢ ብጌጋ እተገብረ እዩ እሞ፡ ንብዘሎ ኣኼባ እስራኤላውያንን ኣብ ማእከሎም ንዚነብር ጓናን ይቕረ ኺብሃለሎም እዩ።

27 “‘ሓደ ሰብ* ብጌጋ እንተ ሓጢኡ፡ ኣብ ቀዳማይ ዓመታ ዘላ ኣርሕዶ* ንመስዋእቲ ሓጢኣት የቕርብ።+ 28 ነቲ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ብዘይፍላጥ ብምሕጣኡ እተጋገየ ሰብ* ንምትዕራቑ ኸኣ፡ እቲ ኻህን የተዓርቆ፣ ሽዑ ይቕረ ኺብሃለሉ እዩ።+ 29 ብዛዕባ እቲ ብዘይፍላጥ ዚግበር ነገር፡ ንወዲ ዓዲ ኻብ እስራኤላውያንን ኣብ ማእከሎም ንዚነብር ጓናን ሓደ ሕጊ ይኹነልኩም።+

30 “‘ወዲ ዓዲ ዀነ ወይ ጓና፡ እቲ ብፍላጥ ገለ ነገር ዚገብር ሰብ*+ ግና፡ ንሱ ንየሆዋ ጸሪፉ እዩ እሞ፡ ካብ ህዝቡ ይመንቈስ። 31 እቲ ሰብ* እቲ ንቓል የሆዋ ስለ ዝነዓቐ፡ ትእዛዙ ድማ ስለ ዘፍረሰ፡ ብርግጽ ካብ ህዝቡ ይመንቈስ።+ ስሕተቱ ኣብ ርእሱ እዩ።’”+

32 እስራኤላውያን ኣብ በረኻ ኸለዉ፡ ሓደ ሰብኣይ ብመዓልቲ ሰንበት ዕንጨይቲ ኺኣሪ ረኸቡ።+ 33 እቶም ዕንጨይቲ ኺኣሪ ዝረኸብዎ ኸኣ፡ ናብ ሙሴን ናብ ኣሮንን ናብ ብዘሎ እቲ ኣኼባን ኣምጽእዎ። 34 እንታይ ኪገብርዎ ኸም ዚግባእ ስለ ዘይነጸረ ድማ፡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣእተውዎ።+

35 የሆዋ ኸኣ ንሙሴ፡ “እቲ ሰብኣይ እቲ ብርግጽ ይቀተል፣+ ብዘሎ እቲ ኣኼባ ድማ ኣብ ወጻኢ ሰፈር ብዳርባ እምኒ ይቕተሎ” በሎ።+ 36 ብዘሎ እቲ ኣኼባ ኸኣ፡ ከምቲ የሆዋ ንሙሴ ዝኣዘዞ፡ ናብ ወጻኢ ሰፈር ኣውጺኡ፡ ብዳርባ እምኒ ቐተሎ።

37 የሆዋ ድማ ንሙሴ ኸምዚ በሎ፦ 38 “ንእስራኤላውያን ተዛረቦም፡ ንውሉድ ወለዶኦም ኣብ ወሰን ክዳውንቶም ኣዝፋር ኪገብሩ፡ ኣብ ወሰን እቲ ዘፈር ከኣ ሰማያዊ ፍሕሶ ኺገብሩ እውን ንገሮም።+ 39 ‘ንዕኡ ርኢኹም፡ ንዅሉ ትእዛዛት የሆዋ ምእንቲ ኽትዝክርዎን ምእንቲ ኽትገብርዎን፡ እዚ ዘፈር እዚ ይሃሉኹም።+ ናብ መንፈሳዊ ምንዝርና ዚመርሓኩም ልብኹምን ዓይንኹምን ኣይትስዓቡ።+ 40 እዚ ንምዝካር ኪሕግዘኩም እዩ፡ ኵሉ ትእዛዛተይ ከኣ ክትሕልዉ ኢኹም፡ ንኣምላኽኩም ድማ ቅዱሳት ክትኰኑ ኢኹም።+ 41 ኣምላኽኩም ምእንቲ ክኸውን፡ ካብ ምድሪ ግብጺ ዘውጻእኩኹም፡ ኣነ የሆዋ ኣምላኽኩም እየ።+ ኣነ የሆዋ ኣምላኽኩም እየ።’”+

16 ድሕርዚ፡ ቆራሕ+ ወዲ ይጽሃር፡+ ወዲ ቀሃት፡+ ወዲ ሌዊ፡+ ምስ ዳታንን ኣቢራምን ደቂ ኤልያብን+ ምስ ኦን ወዲ ጰለትን፡ ደቂ ሮቤል፡+ ተንስኡ። 2 ንሳቶም ምስ 250 እስራኤላውያን ሰብኡት ኣንጻር ሙሴ ተንስኡ፣ እዚኣቶም ድማ ሹማምንቲ እቲ ኣኼባ፡ ካብቲ ጉባኤ እተሓርዩ ስሙያት ሰባት ነበሩ። 3 ንሙሴን ንኣሮንን ኪጻረሩ ተኣኪቦም ድማ፡+ “ብዘሎ እቲ ኣኼባ፡ ኵላቶም ቅዱሳት እዮም፡+ የሆዋ ኸኣ ኣብ ማእከሎም እዩ+ እሞ፡ እምብዛ ኣብዚሕኩምዎ። ስለምንታይ ኣብ ልዕሊ ጉባኤ የሆዋ ትዕበዩ ኣለኹም፧” በልዎም።

4 ሙሴ እዚ ምስ ሰምዐ፡ ብገጹ ተደፍአ። 5 ንቆራሕን ንዅሎም ደገፍቱን ከምዚ ኢሉ ተዛረቦም፦ “ንግሆ፡ የሆዋ እቲ ናቱ ዝዀነን+ እቲ ቕዱስን እቲ ኪቐርቦ ዚግባእን+ መን ከም ዝዀነ ኼፍልጥ እዩ፣ እቲ ንሱ ዝሓረዮ+ ኸኣ ኪቐርቦ እዩ። 6 እዚ ግበሩ፦ ቆራሕን ኵሎም ደገፍትኻን+ መትሓዚታት ሓዊ ውሰዱ፡+ 7 ጽባሕ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ድማ ሓዊ ግበሩሉ፡ ዕጣን እውን ግበሩሉ፣ እቲ የሆዋ ዚሓርዮ+ ሰብኣይ፡ ንሱ ቕዱስ እዩ። ኣቱም ደቂ ሌዊ፡+ እምብዛ ኣብዚሕኩምዎ!”

8 ሙሴ ኸኣ ንቆራሕ ከምዚ በሎ፦ “ኣቱም ደቂ ሌዊ፡ በጃኹም ስምዑኒ። 9 ኣምላኽ እስራኤል ካብ ኣኼባ እስራኤል ዝፈለየኩም፡+ ኣገልግሎት ማሕደር የሆዋ ክትፍጽሙን ኣብ ቅድሚ እቲ ኣኼባ ደው ኢልኩም ከተገልግልዎምን ኢሉ ድማ ክትቀርብዎ ዝፈቐደልኩምሲ ውሒዱኩም ድዩ፧+ 10 ንዓኻን ምሳኻ ድማ ንዅሎም ኣሕዋትካ ደቂ ሌዊን ናብኡ ኣቕሪቡኩምሲ፡ ክህነትዶ ድማ ደሊኹም፧+ 11 ስለዚ፡ ንስኻን ኵሎም ደገፍትኻን ኣንጻር የሆዋ ኢኹም እተኣከብኩም። ኣሮንከ ኣብ ልዕሊኡ እተጕረምርሙ፡ ንሱ እንታዋይ እዩ፧”+

12 ሙሴ ድማ ንዳታንን ንኣቢራምን+ ደቂ ኤልያብ ልኢኹ ጸውዖም፣ ንሳቶም ግና ከምዚ በሉ፦ “ኣይንመጽእን! 13 ኣብ በረኻ ኽትቀትለና ኢልካ፡ ጸባን መዓርን ካብ እተውሕዝ ምድሪ ዘደየብካናዶ ውሒዱ እዩ፧+ ሕጂ ኸኣ ኣብ ልዕሌናዶ መላኺ ኽትከውን* ትደሊ ኣለኻ፧ 14 ብዝተረፈስ፡ ጸባን መዓርን+ ናብ እተውሕዝ ምድሪ ኣየእቶኻናን፡ ወይ ርስቲ ግራትን ኣታኽልቲ ወይንን ኣይሃብካናን። ኣዒንቲ እዞም ሰባት እዚኦምዶ ኸተንቍር ደሊኻ፧ ኣይንመጽእን!”

15 ሙሴ ድማ ኣዝዩ ተቘጢዑ ንየሆዋ፡ “ናብ መስዋእቲ እኽሎም ኣይትጠምት። ካባታቶም ሓደ ኣድጊ እኳ ኣይወሰድኩን፣ ካባታቶም እውን ንሓደ እኳ ኣይጐዳእኩን” በሎ።+

16 ሙሴ ኸኣ ንቆራሕ ከምዚ በሎ፦ “ጽባሕ ንስኻ ምስ ኵሎም ደገፍትኻ፡ ንስኻን ንሳቶምን ኣሮንን፡ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ተረኸቡ። 17 ነፍሲ ወከፍ ነናቱ መትሓዝ ሓዊ ይውሰድ፡ ዕጣን ድማ ይግበረሉ፣ ነፍሲ ወከፍ ነናቱ መትሓዝ ሓዊ፡ ማለት 250 መትሓዝ ሓዊ፡ ኣብ ቅድሚ የሆዋ የቕርብ፣ ንስኻን ኣሮንን ከኣ ነፍሲ ወከፍ ነናቱ መትሓዝ ሓዊ የቕርብ።” 18 ነፍሲ ወከፎም ድማ ነናቱ መትሓዝ ሓዊ ወሰደ፣ ሓውን ዕጣንን ድማ ገበሩሉ፣ ምስ ሙሴን ምስ ኣሮንን ከኣ ኣብ ኣፍ ደገ ድንኳን ምርኻብ ደው በሉ። 19 ቆራሕ ንደገፍቱ ኣብ ኣፍ ደገ ድንኳን ምርኻብ ኪጻረሩ ኢሉ ምስ ኣከቦም፡+ ክብሪ የሆዋ ንዅሉ እቲ ኣኼባ ተራእየ።+

20 የሆዋ ድማ ንሙሴን ንኣሮንን ከምዚ ኢሉ ተዛረቦም፦ 21 “ብቕጽበት ከጽንቶምሲ፡ ካብ መንጎ እዚ ጕጅለ እዚ ተፈለዩ።”+ 22 ሽዑ፡ ንሳቶም ብገጾም ተደፊኦም፡ “ኦ ኣምላኽ፡ ኣታ ኣምላኽ መንፈስ ኵሉ ሰብ፡*+ ሓጢኣት ሓደ ሰብኣይሲ ኣብ ልዕሊ ብዘሎ እቲ ኣኼባዶ ኬቘጥዓካ እዩ፧” በሉ።+

23 የሆዋ ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፦ 24 “ነቲ ኣኼባ፡ ‘ካብ ዙርያ ድንኳናት ቆራሕን ዳታንን ኣቢራምን ርሓቑ!’ ኢልካ ተዛረቦ።”+

25 ድሕሪኡ፡ ሙሴ ተንሲኡ ናብ ዳታንን ኣቢራምን ከደ፣ እቶም ዓበይቲ እስራኤል+ ከኣ ሰዓብዎ። 26 ነቲ ኣኼባ ድማ፡ “በጃኹም፡ ካብ ድንኳናት እዞም እኩያት ሰባት እዚኦም ርሓቑ፣ ብዅሉ ሓጢኣቶም ከይትዅስተሩ ኸኣ ናታቶም ዘበለ ኣይትተንክዩ” ኢሉ ተዛረቦ። 27 ብኡብኡ፡ ንሳቶም ካብ ዙርያ ድንኳናት ቆራሕን ዳታንን ኣቢራምን ረሓቑ፣ ዳታንን ኣቢራምን ከኣ ወጺኦም፡ ምስ ኣንስቶምን ደቆምን ሕጻናቶምን ኣብ ኣፍ ደገ ድንኳናቶም ደው በሉ።

28 ሙሴ ኸኣ ከምዚ በለ፦ “እዚ ልበይ ዘንቀዶ* ኸም ዘይኰነ፡ ነዚ ዅሉ ግብሪ እዚ ኽገብር ድማ የሆዋ ኸም ዝለኣኸኒ፡ በዚ ኽትፈልጡ ኢኹም፦ 29 እዞም ሰባት እዚኦም ከም ኣማውታ ዅሉ ሰብ እንተ ሞይቶም፡ መቕጻዕቶም ከኣ ከም መቕጻዕቲ ዅሉ ሰብ እንተ ዀይኑ፡ ሽዑ የሆዋ ኣይለኣኸንን።+ 30 ግናኸ፡ የሆዋ ዘይተለምደ ነገር እንተ ገይሩ፡ ምድሪ ተኸፊታ* ኸኣ ንዓታቶምን ንዘለዎም ኵሉን እንተ ውሒጣቶም፡ ብህይወቶም ከለዉ ድማ ናብ መቓብር* እንተ ወሪዶም፡ ሽዑ እዞም ሰባት እዚኦም ንየሆዋ ኸም ዝነዓቕዎ ብርግጽ ክትፈልጡ ኢኹም።”

31 እዚ ዅሉ ዘረባ ተዛሪቡ ምስ ወድአ፡ ኣብ ትሕቲኦም ዘላ ምድሪ ተጨድደት።+ 32 ምድሪ ኸኣ ተኸፊታ፡* ንዓታቶም ምስ ቤተ ሰቦምን ምስ ናይ ቆራሕ+ ዘበሉ ዅሎምን ምስ ኵሉ ጥሪቶምን ወሓጠቶም። 33 ንሳቶምን ናታቶም ዘበለ ዅሉን ብህይወቶም ከለዉ ናብ መቓብር* ወረዱ፣ ምድሪ ኸኣ ደፈነቶም፣ ካብ ማእከል እቲ ጉባኤ ድማ ጠፍኡ።+ 34 ኵሎም እቶም ኣብ ዙርያኦም ዝነበሩ እስራኤላውያን ከኣ፡ ብሰንኪ ኣውያቶም፡ “ምድሪ ኸይትውሕጠና” ኢሎም ሃደሙ። 35 ካብ የሆዋ ድማ ሓዊ ወጸ፡+ ነቶም ዕጣን ዜቕርቡ ዝነበሩ 250 ሰባት ከኣ በልዖም።+

36 የሆዋ ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፦ 37 “ንኣልኣዛር ወዲ ኻህን ኣሮን፡ እቲ መትሓዚታት ሓዊ፡ ቅዱስ እዩ እሞ፡ ካብቲ ሓዊ ኼውጽኦ ንገሮ።+ ነቲ ሓዊ ኣርሕቕ ኣቢሉ ፋሕ ኬብሎ እውን ንገሮ። 38 መትሓዚታት ሓዊ እቶም ብሓጢኣቶም ህይወቶም ዝሰኣኑ፡* ኣብ ቅድሚ የሆዋ ብምቕራቡ፡ ቅዱስ እዩ እሞ፡ መለበጢ እቲ መሰውኢ+ ኪኸውን ረቂቕ ቀጸላ ይግበርዎ። ንእስራኤላውያን ከኣ ምልክት ይኹን።”+ 39 ካህን ኣልኣዛር ድማ ነቲ እቶም ዝነደዱ ዘቕረብዎ መትሓዚታት ሓዊ ነሓሲ ወሰዶ፡ ንመለበጢ እቲ መሰውኢ ኪኸውን ከኣ ቀጥቀጦ፣ 40 ከምቲ የሆዋ ብሙሴ ኣቢሉ እተዛረቦ እውን ገበረ። ካብ ዘርኢ ኣሮን ዘይኰነ ዘይተፈቕደሉ ሰብ* ኪዓጥን ኢሉ ናብ ቅድሚ የሆዋ ኸይቀርብ፡ ከም ቆራሕን ከም ደገፍቱን ከይከውን፡+ ንእስራኤላውያን መዘከርታ ዀነ።+

41 ንጽብሒቱ ብዘሎ ኣኼባ እስራኤላውያን፡ “ንስኻትኩም ንህዝቢ የሆዋ ቐቲልኩምዎም” ኢሎም ኣብ ልዕሊ ሙሴን ኣሮንን ኣጕረምረሙ።+ 42 እቲ ኣኼባ ኣንጻር ሙሴን ኣሮንን ምስ ተኣከበ፡ ናብ ድንኳን ምርኻብ ግልጽ በሉ፣ እንሆ ድማ፡ ደበና ኣጐልበቦ፡ ክብሪ የሆዋ ኸኣ ተራእየ።+

43 ሙሴን ኣሮንን ድማ ናብ ቅድሚ ድንኳን ምርኻብ ከዱ።+ 44 የሆዋ ኸኣ ንሙሴ ኸምዚ በሎ፦ 45 “ኣነ ብቕጽበት ከጽንቶም እየ እሞ፡+ ካብ መንጎ እዚ ኣኼባ እዚ ተፈለዩ።” ንሳቶም ድማ ብገጾም ኣብ ምድሪ ተደፍኡ።+ 46 ድሕሪኡ፡ ሙሴ ንኣሮን፡ “ካብ የሆዋ ቝጥዓ ወጺኡ ኣሎ እሞ፡ መትሓዝ ሓዊ ወሲድካ ካብቲ መሰውኢ ሓዊ ግበረሉ፡+ ዕጣን እውን ግበረሉ፡ ቀልጢፍካ ናብቲ ኣኼባ ኼድካ ድማ ኣተዓርቆም።+ መዓት ጀሚሩ ኣሎ!” በሎ። 47 ኣሮን ከኣ ከምቲ ሙሴ ዝበሎ መትሓዝ ሓዊ ወሲዱ ናብ ማእከል እቲ ጉባኤ ጐየየ፣ እንሆ ድማ እቲ መዓት ኣብቲ ህዝቢ ጀሚሩ ነበረ። ንሱ ኸኣ ነቲ ዕጣን ኣብቲ መትሓዝ ሓዊ ገይሩ፡ ነቲ ህዝቢ ኣተዓረቖ። 48 ኣብ መንጎ ምዉታትን ህያዋንን ደው በለ፡ እቲ መቕዘፍቲ ኸኣ ኣቋረጸ። 49 ብዘይካ እቶም ብሰንኪ ቆራሕ ዝሞቱ ድማ፡ እቶም በቲ መቕዘፍቲ ዝሞቱ፡ 14,700 ኰኑ። 50 ኣሮን ናብ ሙሴ ናብ ኣፍ ደገ ድንኳን ምርኻብ ምስ ተመልሰ ኸኣ፡ እቲ መቕዘፍቲ ኣቋሪጹ ነበረ።

17 የሆዋ ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፦ 2 “ንእስራኤላውያን ተዛረቦም፡ ካባታቶም ድማ ካብ ሹማምንቲ መማይ ቤት፡ ከካብ ማይ ቤት ሓደ በትሪ፡+ 12 በትሪ ውሰድ። ስም ነፍሲ ወከፍ ድማ ኣብ በበትሩ ጽሓፍ። 3 ነንርእሲ ማይ ቤት ሓሓደ በትሪ ስለ ዝዀነ፡ ስም ኣሮን ኣብ በትሪ ሌዊ ጽሓፍ። 4 ነቲ ኣባትር ኣብቲ ኣነ ንዓኻትኩም ወትሩ ዝግለጸሉ፡+ ኣብ ድንኳን ምርኻብ፡ ኣብ ቅድሚ እቲ ምስክር ኣንብሮ።+ 5 በትሪ እቲ ኣነ ዝሓረኽዎ ሰብ ድማ ክትጥጥዕ እያ፣+ ነቲ እስራኤላውያን ኣብ ልዕለይ ዘጕረምረምዎ፡ ኣብ ልዕሌኹም እውን ዘጕረምረምዎ ምጕርምራም ከኣ ደው ከብሎ እየ።”+

6 ሙሴ ድማ ንእስራኤላውያን ተዛረቦም፣ ኵሎም ሹማምንቲ ኸኣ ኣባትር፡ ማለት ነንሹም ማይ ቤት ሓደ በትሪ፡ 12 በትሪ ሃብዎ። በትሪ ኣሮን ከኣ ኣብ መንጎ እተን ኣባትር ነበረት። 7 ሙሴ ድማ ነቲ ኣባትር ኣብ ድንኳን ምስክር፡ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኣንበሮ።

8 ንጽብሒቱ፡ ሙሴ ናብ ድንኳን ምስክር ምስ ኣተወ፡ እንሆ በትሪ ኣሮን፡ እታ ናይ ቤት ሌዊ፡ ጠጢዓ ጸንሐት፣ ጠጥዕን ዕምባባን ከኣ ኣውጺኣ፡ ብሱል ለውዚ ድማ ፈርያ ነበረት። 9 ሙሴ ኸኣ ንዅለን ኣባትር ካብ ቅድሚ የሆዋ ናብ ኵሎም ህዝቢ እስራኤል ኣውጽአን። ንሳቶም ድማ ርእዮም ነፍሲ ወከፍ በበትሩ ወሰደ።

10 የሆዋ ድማ ንሙሴ፡ “በትሪ ኣሮን+ ንደቂ ዕልወት+ ምልክት ክትኰኖም ምእንቲ ኽትሕሎ፡+ ኣብ ልዕለይ ምጕርምራሞም ድማ መወዳእታ ምእንቲ ኺግበረሉን ምእንቲ ኸይሞቱን፡ ናብ ቅድሚ እቲ ምስክር ምለሳ” በሎ። 11 ሙሴ ኸኣ ብኡብኡ ኸምቲ የሆዋ ዝኣዘዞ ገበረ። ልክዕ ከምኡ ገበረ።

12 እስራኤላውያን ድማ ንሙሴ፡ “ሕጂ ሞትና፡ ጠፋእና፡ ኵላትና ጠፋእና! 13 ናብ ማሕደር የሆዋ ዝቐረበ ዘበለ ዅሉ ኺመውት እዩ!+ በዚ ኸምዚዶ ሞይትና ኽንውዳእ ኢና፧” በልዎ።+

18 የሆዋ ድማ ንኣሮን ከምዚ በሎ፦ “ንስኻን ደቅኻን ምሳኻ ኸኣ ማይ ቤትካን በቲ ኣብ ልዕሊ መቕደስ ዚግበር ዝዀነ ይኹን ስሕተት ተሓተትቲ ኽትኰኑ ኢኹም፣+ ንስኻን ደቅኻን ድማ በቲ ኣብ ልዕሊ ኽህነትኩም ዚግበር ዝዀነ ይኹን ስሕተት ተሓተትቲ ኽትኰኑ ኢኹም።+ 2 ነቶም ካብ ነገድ ሌዊ፡ ካብ ነገድ ኣቦታትካ ዝዀኑ ኣሕዋትካ፡ ምሳኻ ምእንቲ ኪዀኑ፡ ንዓኻን ንደቅኻን ከኣ ኣብ ቅድሚ ድንኳን ምስክር+ ምእንቲ ኼገልግሉ+ ኣቕርቦም። 3 ንዓኻን ንብዘሎ እቲ ድንኳንን ዘለዎም ሓላፍነት ይፈጽሙ።+ ግናኸ፡ ንሳቶም ኰኑ ንስኻትኩም ምእንቲ ኸይትሞቱ፡+ ናብቲ ኣቕሑ እቲ መቕደስን ናብቲ መሰውእን ኣይቕረቡ። 4 ምሳኻ ዀይኖም፡ ብዛዕባ እቲ ድንኳን ምርኻብን ኵሉ ኣገልግሎት እቲ ድንኳንን ዘለዎም ሓላፍነት ይፈጽሙ፣ ዘይተፈቕደሉ ሰብ* ከኣ ናባኻትኩም ኣይቕረብ።+ 5 ኣብ ልዕሊ እቲ ህዝቢ ተወሳኺ ቝጥዓ ምእንቲ ኸይመጽእ፡+ ነቲ መቕደስን+ ነቲ መሰውእን+ ዘሎኩም ሓላፍነት ፈጽሙ። 6 ኣነ ንኣሕዋትኩም ሌዋውያን ካብ መንጎ እስራኤላውያን ንዓኻትኩም ውህበት ኪዀኑ ወሲደዮም ኣለኹ።+ ኣገልግሎት ድንኳን ምርኻብ ኪፍጽሙ፡ ንየሆዋ እተዋህቡ እዮም።+ 7 ንስኻን ደቅኻን ነቲ ምስቲ መሰውእን ምስቲ ኣብ ውሽጢ መጋረጃ+ ዘሎን ዚተሓሓዝ ዕዮ ኽህነት ተሓተትቲ ኢኹም፣ ንስኻትኩም ኣገልግሉ።+ ንዓኻትኩም ኣገልግሎት ክህነት ከም ውህበት ሂበኩም ኣለኹ፣ ዘይተፈቕደሉ ሰብ* እንተ ቐሪቡ ግና፡ ይቀተል።”+

8 የሆዋ ድማ ንኣሮን ከምዚ በሎ፦ “ኣነ ኣብ ልዕሊ እቲ ንዓይ ዚውሃብ መባእ ሓላፍነት ሂበካ ኣለኹ።+ ካብ ኵሉ እቲ እስራኤላውያን ዚህብዎ ቕዱስ ነገር ሓደ ግደ ንዓኻን ንደቅኻን ከም ናይ ሓዋሩ እጃም ሂበካ ኣለኹ።+ 9 ካብቲ ብሓዊ ዚግበር ቅዱስ ቅዱሳን ዝዀነ መስዋእቲ፡ እቲ ዜቕርቡለይ ኵሉ መስዋእቲ፡ እንተላይ መስዋእቲ እኽሎምን+ መስዋእቲ ሓጢኣቶምን+ መስዋእቲ በደሎምን+ ንዓኻ ይኹን። እዚ ንዓኻን ንደቅኻን ቅዱስ ቅዱሳን ይኹን። 10 ቅዱስ ቅዱሳን ኣብ ዝዀነ ቦታ ብልዓዮ።+ ኵሉ ተባዕታይ ኪበልዖ ይኽእል እዩ። ቅዱስ ድማ ይኹነልካ።+ 11 እቲ እስራኤላውያን ምስ መስዋእቲ ውዝወዛ+ ዚህብዎ መባእ+ እውን ንዓኻ ይኹን። ንዓኻን ንኣወዳትካን ንኣዋልድካን ከም ናይ ሓዋሩ እጃም ነዚ ሂበካ ኣለኹ።+ ኣብ ቤትካ ዘሎ ንጹህ ዘበለ ኺበልዖ ይኽእል እዩ።+

12 “ኵሉ ብሉጽ ዘይትን ኵሉ ብሉጽ ጕዕሽ ወይንን እኽልን፡ እቲ ንየሆዋ ዚህብዎ በዅራት፡+ ንዓኻ ሂበካ ኣለኹ።+ 13 ናብ የሆዋ ዜምጽእዎ ዅሉ በዅሪ ፍረ ምድሮም ንዓኻ ይኹን።+ ኣብ ቤትካ ዘሎ ንጹህ ዘበለ ኺበልዖ ይኽእል እዩ።

14 “ኣብ እስራኤል እተወፈየ ዘበለ ዅሉ፡* ንዓኻ ይኹን።+

15 “ካብ ኵሉ ህያው* ንየሆዋ ዜቕርብዎ ዘበለ በዅሪ፡+ ሰብ ኰነ እንስሳ፡ ንዓኻ ይኹን። ግናኸ፡ ንበዅሪ ሰብ ብርግጽ ተበጀዎ፡+ ንበዅሪ ርኹስ እንስሳ እውን ተበጀዎ።+ 16 ካብ ወዲ ወርሒ ንላዕሊ ምስ ኰነ፡ በቲ 20 ጌራ* ዝዀነ ሲቃል መቕደስ* እተገምገመ ሓሙሽተ ሲቃል* ብሩር፡+ ብዋጋ በጃ ተበጀዎ። 17 በዅሪ ዘበለ ብዕራይ፡ በዅሪ ዘበለ ገንሸል፡* ወይ በዅሪ ዘበለ ጤል ኣይትበጀዎም።+ እዚኣቶም ቅዱሳት እዮም። ደሞም ኣብቲ መሰውኢ ንጸጎ፡+ ስብሖም ከኣ ንየሆዋ ጥዑም ዝጨናኡ ብሓዊ ዚግበር መስዋእቲ ኪኸውን ኣሕርሮ።+ 18 ስጋኦም ድማ ንዓኻ ይኹን። ከም ሓኸለ መስዋእቲ ውዝወዛን ከም የማናይ እግርን ንዓኻ ይኹን።+ 19 እስራኤላውያን ንየሆዋ ዚህብዎ ዅሉ ቕዱስ መባእ፡+ ንዓኻን ንኣወዳትካን ንኣዋልድካን ከም ናይ ሓዋሩ እጃም ሂበካ ኣለኹ።+ እዚ ንዓኻን ንዘርእኻ ድማ ምሳኻን ኣብ ቅድሚ የሆዋ ናይ ሓዋሩ ኺዳን ጨው* እዩ።”

20 የሆዋ ድማ ንኣሮን ከምዚ በሎ፦ “ኣብ ምድሮም ርስቲ የብልካን፡ ኣብ መንጎኦም ከኣ ናትካ ግደ ዚኸውን ምድሪ የብልካን።+ ኣብ ማእከል እስራኤላውያን ግደኻን ርስትኻን ኣነ እየ።+

21 “ንደቂ ሌዊ ድማ፡ ስለቲ ኣብ ድንኳን ምርኻብ ዜገልግልዎ ኣገልግሎቶም፡ ኵሉ ዕሽር እስራኤል ከም ርስቲ ሂበዮም ኣለኹ።+ 22 ህዝቢ እስራኤል ሓጢኣት ምእንቲ ኸይጾሩን ምእንቲ ኸይሞቱን፡ ድሕሪ ደጊም ናብ ድንኳን ምርኻብ ኣይቕረቡ። 23 ሌዋውያን ኣገልግሎት ድንኳን ምርኻብ ይፈጽሙ፡ ብስሕተቶም ከኣ ንሳቶም ተሓተትቲ ይኹኑ።+ ኣብ መንጎ እስራኤላውያን ርስቲ ኸይርስተዩ፡ እዚ ንውሉድ ወለዶኹም ናይ ሓዋሩ ሕጊ ይኹን።+ 24 እቲ ህዝቢ እስራኤል ንየሆዋ ዚህብዎ ዕሽር ንሌዋውያን ርስቲ ገይረ ሂበዮም ኣለኹ። ስለዚ እየ፡ ‘ኣብ ማእከል እስራኤላውያን ርስቲ ኣይረስተዩ’ ዝበልክዎም።”+

25 የሆዋ ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፦ 26 “ንሌዋውያን ከምዚ ኢልካ ተዛረቦም፦ ‘ካብ እስራኤላውያን እቲ ኻባታቶም ከም ርስትኹም ዝሃብኩኹም ዕሽር ክትወስዱ ኢኹም፣+ ካብኡ ድማ ካብቲ ዕሽርሲ ዕሽር ንየሆዋ መባእ ኪኸውን ሃቡ።+ 27 እዚ ኸኣ ከም መባእኩም፡ ከምቲ ኻብ ዓውዲ ዚእከብ እኽሊ+ ወይ ከምቲ ኻብ መጽመቝ ወይኒ ወይ መጽመቝ ዘይቲ ዚእከብ ኣኺሉ ዚተርፍ እቶት ይቝጸረልኩም። 28 በዚ ኸምዚ፡ ንስኻትኩም እውን ካብ ኵሉ እቲ ኻብ እስራኤላውያን እተቐበልኩምዎ ዕሽር ንየሆዋ መባእ ትህቡ፣ ካብኡ ኸኣ መባእ የሆዋ፡ ንኻህን ኣሮን ሃቡ። 29 ካብ ኵሉ እቲ እተዋህበኩም ውህበት፡+ ኵሉ እቲ ዝበለጸ፡ ቅዱስ ኪኸውን ንየሆዋ መባእ ሃቡ።’

30 “ከምዚ ድማ በሎም፦ ‘ካብኡ እቲ ዝበለጸ ምስ እትህቡ፡ ንሌዋውያን ከም እቶት ዓውድን ከም እቶት መጽመቝ ወይኒ ወይ መጽመቝ ዘይቲ ኪቝጸረሎም እዩ። 31 ስለቲ ኣብ ድንኳን ምርኻብ እተገልግልዎ ዓስብኹም ስለ ዝዀነ፡ ንስኻትኩምን ቤተ ሰብኩምን ኣብ ዝዀነ ቦታ ኽትበልዕዎ ትኽእሉ ኢኹም።+ 32 ካብኡ እቲ ዝበለጸ ኽሳዕ ዝሃብኩም፡ ብዛዕባኡ ሓጢኣት ኣይክትጾሩን ኢኹም፣ ከይትሞቱስ፡ እቲ እስራኤላውያን ዝቐደስዎ ኣይተርክሱ።’”+

19 የሆዋ ድማ ንሙሴን ንኣሮንን ከምዚ ኢሉ ተዛረቦም፦ 2 “ስርዓት እቲ የሆዋ ዝኣዘዞ ሕጊ እዚ እዩ፦ ‘ጕድለት ዘይብላን ኣርዑት ዘይጾረትን ጥዕይቲ ሓምራ* ላም ኬምጽኡልካ፡+ ንእስራኤላውያን ንገሮም። 3 ንዓኣ፡ ንኻህን ኣልኣዛር ሃብዎ፣ ንሱ ድማ ናብ ወጻኢ ሰፈር የውጽኣያ እሞ፡ ኣብ ቅድሚኡ ትተሓረድ። 4 ካህን ኣልኣዛር ከኣ ካብ ደማ ብኣጻብዑ ወሲዱ፡ ናብ ሸነኽ ቕድሚት እቲ ድንኳን ምርኻብ፡ ደማ ብቐጥታ ሸውዓተ ሳዕ ይንጸግ።+ 5 እታ ላም ድማ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቱ ትንደድ። ቈርበታን ስጋኣን ደማን ምስ ፈርሳ ይንደድ።+ 6 እቲ ኻህን ከኣ ዕንጨይቲ ቄድሮስን ሃዛብን+ ውጹእ ቀይሕ ፈትልን ወሲዱ፡ ናብቲ እታ ላም እትነድደሉ ዘላ ሓዊ ይደርብዮ። 7 እቲ ኻህን ድማ ክዳውንቱ ይሕጸብ፡ ሰብነቱ* እውን ብማይ ይተሓጸብ፡ ድሕሪኡ ናብ ሰፈር ይእቶ፣ ግናኸ፡ እቲ ኻህን ክሳዕ ምሸት ርኹስ ይኹን።

8 “‘እቲ ነታ ላም ዘንደዳ ድማ ክዳውንቱ ብማይ ይሕጸብ፡ ሰብነቱ* እውን ብማይ ይተሓጸብ፡ ክሳዕ ምሸት ከኣ ርኹስ ይኹን።

9 “‘ንጹህ ዝዀነ ሰብ፡ ሓምዅሽቲ እታ ላም ኣኪቡ፡+ ኣብ ወጻኢ ሰፈር ኣብ ጽሩይ ቦታ የንብሮ፣ እዚ ኸኣ ንምድላው ዜንጽህ ማይ ኪኸውን ብኣኼባ እስራኤላውያን ይተሓሎ።+ ንሱ መስዋእቲ ሓጢኣት እዩ። 10 እቲ ሓምዅሽቲ እታ ላም ዝኣከበ ድማ ክዳውንቱ ይሕጸብ፡ ክሳዕ ምሸት እውን ርኹስ ይኹን።

“‘እዚ ንእስራኤላውያንን ኣብ ማእከሎም ንዚነብር ጓናን ናይ ሓዋሩ ሕጊ ይኹን።+ 11 ሬሳ* ዝተንከየ ዘበለ፡ ሸውዓተ መዓልቲ ርኹስ ይኸውን።+ 12 ንሱ ኣብ ሳልሰይቲ መዓልቲ በቲ ማይ* ገይሩ ይንጻህ፡ ኣብ ሻውዐይቲ መዓልቲ ኸኣ ኪነጽህ እዩ። ኣብ ሳልሰይቲ መዓልቲ እንተ ዘይነጺሁ ግና፡ ኣብ ሻውዐይቲ መዓልቲ ድማ ኣይኪነጽህን እዩ። 13 ናይ ዝዀነ ዝሞተ ሰብ ሬሳ* ዝተንከየ ዘበለ እሞ ዘይነጽሀ፡ ማሕደር የሆዋ ኣርኪሱ እዩ እሞ፡+ እቲ ሰብ* እቲ ኻብ እስራኤል ይመንቈስ።+ እቲ ዜንጽህ ማይ+ ኣብ ልዕሊኡ ስለ ዘይተነጽጎ፡ ርኹስ እዩ። ርኽሰቱ ኣብ ልዕሊኡ ይጸንሕ።

14 “‘ሰብ ኣብ ድንኳን ምስ ዚመውት፡ እቲ ሕጊ እዚ እዩ፦ ኣብቲ ድንኳን ዚኣቱ ዘበለ ዅሉን ድሮ ኣብቲ ድንኳን ዝነበረ ዘበለ ዅሉን፡ ሸውዓተ መዓልቲ ርኹስ ይኹን። 15 ኣብ ልዕሊኡ እተኣስረ መኽደኒ ዘይብሉ ዅሉ ኽፉት ኣቕሓ ርኹስ ይኹን።+ 16 ኣብ መሮር ብሰይፊ እተቐትለ፡ ወይ ሬሳ፡ ወይ ዓጽሚ ሰብ፡ ወይ መቓብር ዝተንከየ ዘበለ፡ ሸውዓተ መዓልቲ ርኹስ ይኹን።+ 17 ነቲ ዝረኸሰ ድማ ካብ ሓምዅሽቲ እቲ ዝሓረረ መስዋእቲ ሓጢኣት ይውሰዱ፣ ኣብ ኣቕሓ ገይሮም ከኣ ኣብ ልዕሊኡ ኻብ ፈልፋሊ ማይ የፍስሱሉ። 18 ሓደ ንጹህ ሰብ+ ድማ ሃዛብ+ ይውሰድ እሞ፡ ኣብቲ ማይ ጠሚዑ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ድንኳንን ኣብ ልዕሊ ዅሉ እቲ ኣቕሑን ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብኡ ዝነበሩ ሰባትን* ኣብ ልዕሊ እቲ ዓጽሚ ወይ ቅቱል ወይ ሬሳ ወይ መቓብር ዝተንከየን ይንጸግ። 19 እቲ ንጹህ ኣብ ልዕሊ እቲ ርኹስ ኣብ ሳልሰይቲ መዓልትን ኣብ ሻውዐይቲ መዓልትን ይንጸግ፡ ኣብ ሻውዐይቲ መዓልቲ ኸኣ ካብ ሓጢኣት ኬንጽሆ እዩ፣+ ንሱ ድማ ክዳውንቱ ይሕጸብ፡ ብማይ ከኣ ይተሓጸብ፡ ምሸት እውን ኪነጽህ እዩ።

20 “‘ዝረኸሰ እሞ ዘይነጽሀ ሰብ ግና፡ መቕደስ የሆዋ ኣርኪሱ እዩ እሞ፡ እቲ ሰብ* እቲ ኻብቲ ጉባኤ ይመንቈስ።+ እቲ ዜንጽህ ማይ ኣብ ልዕሊኡ ኣይተነጽጎን፣ ስለዚ፡ ርኹስ እዩ።

21 “‘እዚ ድማ ናይ ሓዋሩ ሕጊ ይኹነሎም፦ እቲ ነቲ ዜንጽህ ማይ ዚነጽግ+ ክዳውንቱ ይሕጸብ፣ እቲ ነቲ ዜንጽህ ማይ ዚትንኪ ድማ ክሳዕ ምሸት ርኹስ ይኹን። 22 ርኹስ ዝተንከዮ ዘበለ ነገር፡ ርኹስ ይኹን፣ ነቲ ነገር እቲ ዝተንከዮ ሰብ* ከኣ፡ ክሳዕ ምሸት ርኹስ ይኹን።’”+

20 ኣብታ ቐዳመይቲ ወርሒ፡ ብዘሎ ኣኼባ እስራኤላውያን ናብ በረኻ ጺን ኣተወ፣ እቲ ህዝቢ ድማ ኣብ ቃዴስ ተቐመጠ።+ ሚርያም+ ከኣ ኣብኡ ሞተት፡ ኣብኡ እውን ተቐብረት።

2 ነቲ ኣኼባ ዚኸውን ማይ ድማ ኣይነበረን፣+ ንሳቶም ከኣ ንሙሴን ንኣሮንን ኪጻረሩ ተኣከቡ። 3 እቶም ህዝቢ ኸኣ ኸምዚ ኢሎም ንሙሴ ተቛየቝዎ፦+ “ኣሕዋትና ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኺሞቱ ኸለዉ እንተ ንመውት፡ መን ምሃበ፧ 4 ንሕናን ማልናን ኣብዚ ኽንመውት፡ ስለምንታይ ንጉባኤ የሆዋ ናብዚ በረኻ እዚ ኣምጺእኩምዎ፧+ 5 ስለምንታይከ ናብዛ ኽፍእቲ ቦታ እዚኣ ኸተምጽኡና ኻብ ግብጺ ኣደዪብኩምና፧+ ንዘርእን ንበለስን ንወይንን ንሮማንን እትኸውን ቦታ ኣይኰነትን፡ ዚስተ ማይ እውን የብላን።”+ 6 ሙሴን ኣሮንን ከኣ ካብ ቅድሚ እቲ ጉባኤ ናብ ኣፍ ደገ ድንኳን ምርኻብ መጺኦም፡ ብገጾም ኣብ ምድሪ ተደፍኡ፣ ክብሪ የሆዋ ድማ ተራእዮም።+

7 የሆዋ ኸኣ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፦ 8 “ነታ በትሪ ውሰዳ እሞ፡ ንስኻን ሓውካ ኣሮንን ነቲ ኣኼባ ኣክብዎ፣ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቶም ድማ ነቲ ኸውሒ ተዛረብዎ እሞ፡ ንሱ ማዩ ኺህበኩም እዩ፣ ንስኻ ኸኣ ካብቲ ኸውሒ እቲ ማይ ከተውጽኣሎም፡ ነቲ ኣኼባን ንማሎምን ድማ ከተስቲ ኢኻ።”+

9 ሙሴ ኸኣ ከምቲ ዝኣዘዞ፡ ነታ በትሪ ኻብ ቅድሚ የሆዋ ወሰዳ።+ 10 ሙሴን ኣሮንን ከኣ ነቲ ጉባኤ ኣብ ቅድሚ እቲ ኸውሒ ኣከብዎ፣ ንሱ ድማ፡ “ኣቱም ዓለውቲ ሕጂ ስምዑ! ካብዚ ኸውሒ እዚዶ ማይ ከነውጽኣልኩም ኢና፧” በሎም።+ 11 ሽዑ፡ ሙሴ ኢዱ ኣልዒሉ፡ ነቲ ኸውሒ ብበትሩ ኽልተ ሳዕ ወቕዖ፣ ብዙሕ ማይ ከኣ ወጸ፣ እቲ ኣኼባን ማሎምን ከኣ ሰተዩ።+

12 የሆዋ ድማ ንሙሴን ንኣሮንን፡ “ብኣይ ስለ ዘይኣመንኩምን ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ ህዝቢ እስራኤል ስለ ዘይቀደስኩምንን፡ ነዚ ጉባኤ እዚ ናብታ ዝህቦም ምድሪ ኣይከተእትውዎን ኢኹም” በሎም።+ 13 እዚ እቲ እስራኤላውያን ምስ የሆዋ እተቛየቑሉ፡ ንሱ ድማ ኣብ መንጎኦም እተቐደሰሉ ማይ መሪባ* እዩ።+

14 ሙሴ ኸኣ ካብ ቃዴስ ናብ ንጉስ ኤዶም ልኡኻት ለኣኸ፦+ “ሓውካ እስራኤል+ ከምዚ ይብል፦ ‘ኵሉ እቲ ዝረኸበና ሽግር ንስኻ ኣጸቢቕካ ትፈልጦ ኢኻ። 15 ኣቦታትና ናብ ግብጺ ወረዱ፣+ ኣብ ግብጺ ኸኣ ብዙሕ ዓመታት* ተቐመጥና፣+ ግብጻውያን ድማ ንዓናን ንኣቦታትናን ገፍዑና።+ 16 ናብ የሆዋ ኸኣ ኣእወና፡+ ንሱ ድማ ሰምዓና፡ መልኣኹ ልኢኹ እውን ካብ ግብጺ ኣውጽኣና።+ ኣብታ ኣብ ዶብ ሃገርካ ዘላ ኸተማ ቃዴስ ከኣ እነና። 17 በጃኻ፡ ብምድርኻ ኣሕልፈና። ብግራት ወይ ብኣታኽልቲ ወይኒ ኣይክንሓልፍን ኢና፣ ካብ ዒላ ኸኣ ማይ ኣይክንሰትን ኢና። ብሃገርካ ኽሳዕ እንሓልፍ፡ ናብ የማን ወይ ናብ ጸጋም ከየላገስና ብመገዲ ንጉስ ክንከይድ ኢና።’”+

18 ኤዶም ግና፡ “ወጺአ ብሰይፊ ኸይቀባበለካ፡ ብኣይ ኣይትሕለፍ” በሎ። 19 እስራኤላውያን ከኣ፡ “ብጐደና ኢና እንድይብ፣ ንሕናን ማልናን ካብ ማይካ እንተ ሰቲና ድማ፡ ክንከፍል ኢና።+ ብእግሪ ኽንሓልፍ ጥራይ ኢና እንደሊ” በልዎ።+ 20 ንሱ ግና፡ “ኣይትሓልፍን” በለ።+ ኤዶም ከኣ ምስ ብዙሕ ህዝብን ምስ ሓያል ሰራዊትን* ኪቀባበሎ ወጸ። 21 በዚ ኸምዚ፡ ኤዶም ንእስራኤል ብሃገሩ ምሕላፍ ከልኦ፣ ስለዚ፡ እስራኤል ካብኡ ኣልገሰ።+

22 ህዝቢ እስራኤል፡ ብዘሎ እቲ ኣኼባ ኻብ ቃዴስ ነቒሉ ናብ ከረን ሆር መጸ።+ 23 የሆዋ ድማ ንሙሴን ንኣሮንን ኣብ ከረን ሆር፡ ኣብ ዶብ ምድሪ ኤዶም ከምዚ በሎም፦ 24 “ኣሮን ናብ ህዝቡ ኺእከብ እዩ።*+ ኣብ ማይ መሪባ ኻብ ትእዛዘይ ስለ ዝዓሎኹም፡ ናብታ ንእስራኤላውያን ዝህቦም ምድሪ ኣይኪኣቱን እዩ።+ 25 ንኣሮንን ንወዱ ኣልኣዛርን ውሰድ እሞ፡ ናብ ከረን ሆር ኣደይቦም። 26 ክዳውንቲ ኣሮን+ ቀንጢጥካ፡ ንወዱ ኣልኣዛር+ ክደኖ፣ ኣሮን ከኣ ኣብኡ ኺመውት እዩ።”*

27 ሙሴ ድማ ከምቲ የሆዋ ዝኣዘዞ ገበረ፣ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ ዅሉ እቲ ኣኼባ ኸኣ ናብ ከረን ሆር ደየቡ። 28 ሙሴ ድማ ንኣሮን ክዳውንቱ ቐንጢጡ፡ ንወዱ ኣልኣዛር ከደኖ። ድሕሪኡ፡ ኣሮን ኣብ ርእሲ እቲ ኸረን ሞተ።+ ሙሴን ኣልኣዛርን ከኣ ካብቲ ኸረን ወረዱ። 29 ኵሉ እቲ ኣኼባ፡ ኣሮን ከም ዝሞተ ምስ ረኣየ፡ ብዘለዉ ቤት እስራኤል ንኣሮን 30 መዓልቲ በኸዩሉ።+

21 እቲ ኣብ ነጌብ ዚቕመጥ ዝነበረ ንጉስ ዓራድ+ እቲ ከነኣናዊ፡ እስራኤል ብመገዲ ኣታሪም ከም ዝመጸ ምስ ሰምዐ፡ ንእስራኤል ኣጥቂዑ፡ ገለ ኻባታቶም ማሪኹ ወሰደ። 2 እስራኤል ከኣ፡ “ነዚ ህዝቢ እዚ ኣብ ኢደይ እንተ ሂብካኒ፡ ከተማታቶም ብርግጽ ከጥፍአን እየ” ኢሉ ንየሆዋ ተመባጽዐ። 3 የሆዋ ድማ ቃል እስራኤል ሰሚዑ፡ ንከነኣናውያን ኣብ ኢዶም ሃቦም፣ ንሳቶም ከኣ ንዓታቶምን ንኸተማታቶምን ኣጥፍእዎም። ስለዚ፡ ስም እታ ቦታ እቲኣ ሖርማ* ተባህለ።+

4 እቶም ህዝቢ ኻብ ከረን ሆር+ ንምድሪ ኤዶም ኪዞሩ ኢሎም ብመገዲ ቐይሕ ባሕሪ ኣቢሎም ኪጕዓዙ ኸለዉ፡+ ብመገዲ ዓቕሎም ጸበቦም።* 5 እቶም ህዝቢ ኸኣ፡ “ኣብ በረኻ ኽንመውት ስለምንታይ ካብ ግብጺ ኣደይብኩምና፧ ኣብዚ እንጌራን ማይን የልቦን፡+ ነዚ ንዑቕ እንጌራ ድማ ጸሊእናዮ ኢና”*+ ኢሎም ኣንጻር ኣምላኽን ሙሴን ተዛረቡ።+ 6 የሆዋ ኸኣ ናብ መንጎ እቲ ህዝቢ መርዛማት* ኣትማን ሰደደ፣ ንሳቶም ድማ ነቲ ህዝቢ ይነኽስዎ ስለ ዝነበሩ፡ ብዙሓት እስራኤላውያን ሞቱ።+

7 እቶም ህዝቢ ኸኣ ናብ ሙሴ መጺኦም፡ “ኣንጻር የሆዋን ኣንጻርካን ብምዝራብና ሓጢእና ኢና።+ ነዞም ኣትማን ኬርሕቐልና፡ ንየሆዋ ለምነልና” በልዎ። ሙሴ ድማ ምእንቲ እቲ ህዝቢ ለመነ።+ 8 የሆዋ ኸኣ ንሙሴ፡ “ምስሊ መርዛም* ተመን ግበር እሞ፡ ኣብ ዓንዲ ስቐሎ። እተነኽሰ ዘበለ ኸኣ፡ ብህይወት ምእንቲ ኺነብር፡ ናብኡ ይጠምት” በሎ። 9 ብኡብኡ፡ ሙሴ ኻብ ነሓሲ ተመን ገበረ፡+ ኣብ ዓንዲ እውን ሰቐሎ፣+ ተመን ንሰብ ምስ ዚነክስ እሞ፡ ንሱ ድማ ናብቲ ተመን ነሓሲ ምስ ዚጥምት ብህይወት ይነብር ነበረ።+

10 ድሕርዚ፡ እስራኤላውያን ነቒሎም፡ ኣብ ኦቦት ሰፈሩ።+ 11 ካብ ኦቦት ነቒሎም ድማ፡ ኣብ ዒየ-ዓባሪም፡+ ኣብቲ ኣብ መንጽር ሞኣብ ብሸነኽ ምብራቕ ዘሎ በረኻ ሰፈሩ። 12 ካብኡ ነቒሎም ከኣ፡ ኣብ ስንጭሮ* ዘሬድ ሰፈሩ።+ 13 ካብኡ ነቒሎም ድማ፡ ኣብቲ ኻብ ዶብ ኣሞራውያን ዚዝርጋሕ በረኻ ዘሎ ዞባ ኣርኖን ሰፈሩ፣+ ኣርኖንሲ ኣብ መንጎ ሞኣብን ኣሞራውያንን ዘሎ ዶብ ሞኣብ እዩ። 14 ስለዚ እዩ መጽሓፍ ውግእ የሆዋ ኸምዚ ዚብል፦ “ዋሄብ ኣብ ሱፋን ስንጭሮታት* ኣርኖንን፡ 15 ናብቲ ሰፈር ዓር ዚዝርጋሕን ኣብ ዶብ ሞኣብ ዚጽጋዕን ቍልቍለት* እቲ ስንጭሮታት።”*

16 ካብኡ ኸኣ ናብ ብኤር ከዱ። እቲ የሆዋ ብዛዕባኡ ንሙሴ፡ “ነቲ ህዝቢ ኣክቦ፡ ኣነ እውን ማይ ክህቦም እየ” ዝበሎ ዒላ እዚ እዩ።

17 ሽዑ፡ እስራኤል፡ እዚ መዝሙር እዚ ዘመረ፦

“ኦ ዒላ፡ ፈልፍል!—ተቐበልዎ!*

18 እቲ ብዘንጊ ኣዛዚ፡ ብኣባትሮም

መሳፍንቲ ዝዀዓትዎ፡ ልዑላን ህዝቢ ኸኣ ዝፈሓርዎ ዒላ።”

ካብቲ በረኻ ኸኣ ናብ ማታና፡ 19 ካብ ማታና ድማ ናብ ናሓሊኤል፡ ካብ ናሓሊኤል ከኣ ናብ ባሞት ከዱ።+ 20 ካብ ባሞት ድማ ኣብ ሃገር* ሞኣብ ናብ ዘሎ ስንጭሮ፡+ ናብቲ ናብ የሺሞን*+ ዜማዕዱ ርእሲ ጲስጋ+ ኸዱ።

21 እስራኤል ከኣ ናብ ሲሆን ንጉስ ኣሞራውያን ከምዚ ኢሉ ልኡኻት ለኣኸ፦+ 22 “ብምድርኻ ኣሕልፈና። ናብ ግራት ወይ ናብ ኣታኽልቲ ወይኒ ኣይከነላግስን ኢና። ካብ ዒላ ኸኣ ማይ ኣይክንሰትን ኢና። ብሃገርካ ኽሳዕ እንሓልፍ፡ ብመገዲ ንጉስ ክንከይድ ኢና።”+ 23 ሲሆን ግና እስራኤል ብሃገሩ ኺሓልፍ ኣይፈቐደን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ሲሆን ንዅሉ ህዝቡ ኣኪቡ፡ ንእስራኤል ኪጻረሮ ናብ በረኻ ወጸ፣ ናብ ያሃጽ መጺኡ ድማ፡ ምስ እስራኤል ተዋግአ።+ 24 እስራኤል ግና ብሰይፊ ወቕዖ፡+ ካብ ኣርኖን+ ክሳብ ያቦቅ፡+ ክሳብ ጥቓ ዓሞናውያን ዘሎ ምድሩ እውን ተረስተየ፣+ ከመይሲ፡ ያዕዜር+ ኣብ ዶብ ሃገር ዓሞናውያን ነበረ።+

25 እስራኤል ድማ ንዅለን እተን ከተማታት እቲአን ወሰደን፣ ኣብ ኵለን ከተማታት ኣሞራውያን+ ከኣ፡ ኣብ ሔስቦንን ኣብ ኵለን ዓድታታን ተቐመጠ። 26 ከመይሲ፡ ሔስቦን ከተማ ሲሆን ንጉስ ኣሞራውያን ነበረት፣ ንሱ ድማ ምስ ንጉስ ሞኣብ ተዋጊኡ፡ ኵሉ ምድሩ ኽሳብ ኣርኖን ወሲዱሉ ነበረ። 27 ስለዚ እዩ ኸምዚ ዚብል ናይ ባጫ ምስላ እተመሰለ፦

“ናብ ሔስቦን ንዑ።

ከተማ ሲሆን ትሰራሕን ብጽኑዕ ትሰረትን።

28 ከመይሲ፡ ካብ ሔስቦን ሓዊ፡ ካብ ከተማ ሲሆን ድማ ሃልሃልታ ወጸ።

ንዓር ናይ ሞኣብ፡ ንጐይተት በረኽቲ ኣርኖን በልዐ።

29 ሞኣብ ወይለኻ! ኣታ ህዝቢ ከሞሽ፡ ጠፋእካ!+

ንኣወዳቱ ህዱማት፡ ንኣዋልዱ ምሩኻት ሲሆን ንጉስ ኣሞራውያን ይገብሮም።

30 ንወርውረሎም፣

ሔስቦን ክሳብ ዲቦን ክትጠፍእ እያ፣+

ክሳብ ኖፋሕ ነጥፍኣያ፣

ሓዊ ኽሳብ ሜድባ ኺዝርጋሕ እዩ።”+

31 ስለዚ፡ እስራኤል ኣብ ምድሪ ኣሞራውያን ተቐመጠ። 32 ሙሴ ድማ ናብ ያዕዜር+ ዚስልዩ ሰደደ። ንሳቶም ከኣ ዓድታታ ሓዙ፡ ኣብኡ ንዝነበሩ ኣሞራውያን ድማ ሰጐጕዎም። 33 ተመሊሶም ከኣ ብመገዲ ባሳን ደየቡ። ዖግ+ ንጉስ ባሳን ከኣ ምስ ኵሉ ህዝቡ ኣብ ኤድረይ ብውግእ ኪቀባበሎም ወጸ።+ 34 የሆዋ ድማ ንሙሴ፡ “ንዕኡን ንዅሉ ህዝቡን ንምድሩን ኣብ ኢድካ ኽህበካ እየ እሞ፡+ ኣይትፍርሃዮ።+ ከምቲ ነቲ ኣብ ሔስቦን ዚነብር ዝነበረ ሲሆን ንጉስ ኣሞራውያን ዝገበርካዮ ኸኣ፡ ከምኡ ኽትገብሮ ኢኻ” በሎ።+ 35 ንሳቶም ድማ ንዕኡ ምስ ደቁን ምስ ኵሉ ህዝቡን ሓደ ኻብ ህዝቡ ኽሳዕ ዘይተርፍ ወቕዕዎ፣+ ምድሩ ኸኣ ተረስተዩ።+

22 እስራኤላውያን ድማ ነቐሉ፡ ኣብቲ ኣብ ስግር ዮርዳኖስ ኣብ መንጽር ያሪኮ ዘሎ ጐላጕል ምድረ በዳ ሞኣብ ከኣ ሰፈሩ።+ 2 ባላቅ+ ወዲ ጺጶር ድማ፡ እስራኤል ንኣሞራውያን ዝገበሮም ኵሉ ረኣየ፣ 3 ሞኣብ ከኣ፡ እቲ ህዝቢ ኣዝዩ ብዙሕ ስለ ዝዀነ፡ ኣዝዩ ፈርሀ፣ ሞኣብ ድማ ብእስራኤላውያን ተሸበረ።+ 4 ሞኣብ ከኣ ንዓበይቲ ሚድያን፡+ “ብዕራይ ንሳዕሪ ኸም ዚበልዖ፡ እዚ ጉባኤ እዚ ኣብ ዙርያና ንዘሎ ዅሉ ኺበልዖ እዩ” በሎም።

ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ባላቅ ወዲ ጺጶር ንጉስ ሞኣብ ነበረ። 5 ናብቲ ኣብ ጥቓ እቲ ፈለግ* ኣብ እትርከብ ጴጦር እትብሃል ዓዱ ተቐሚጡ ዝነበረ በላዓም ወዲ ቤዖር ድማ ልኡኻት ለኣኸ።+ ከምዚ ኢሉ ኸኣ ጸውዖ፦ “እንሆ፡ ካብ ግብጺ ዝወጸ ህዝቢ። እንሆ፡ ንገጽ* ምድሪ* ኸዲኖምዋ ኣለዉ፣+ ኣብ መንጽረይ ድማ ተቐሚጦም ኣለዉ። 6 ንሳቶም ካባይ ይሕይሉ እዮም እሞ፡ ሕጂ ንዓ ነዚ ህዝቢ እዚ ርገመለይ።+ ዝመረቕካዮ ምሩቕ፡ ዝረገምካዮ ኸኣ ርጉም ከም ዝዀነ ኣጸቢቐ እፈልጥ እየ እሞ፡ ምናልባት ክስዕሮምን ካብታ ምድሪ ኸውጽኦምን እኽእል እኸውን።”

7 ዓበይቲ ሞኣብን ዓበይቲ ሚድያንን ድማ ንጥንቍልና ዚኽፈል ክፍሊት ኣብ ኢዶም ሒዞም ከዱ፡ ናብ በላዓም መጺኦም ከኣ ቃል ባላቅ ነገርዎ።+ 8 ንሱ ድማ፡ “ሎሚ ለይቲ ኣብዚ ሕደሩ፣ የሆዋ ዚነገረኒ ቓል ከኣ ክምልሰልኩም እየ” በሎም። እቶም መሳፍንቲ ሞኣብ ድማ ምስ በላዓም ጸንሑ።

9 ኣምላኽ ከኣ ናብ በላዓም መጺኡ፡+ “እዞም ምሳኻ ዘለዉ ሰባት እንታዎት እዮም፧” በሎ። 10 በላዓም ከኣ ነቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ፡ “ባላቅ ወዲ ጺጶር፡ ንጉስ ሞኣብ፡ ከምዚ ኢሉ መልእኽቲ ልኢኹለይ፦ 11 ‘እንሆ፡ ካብ ግብጺ ዝወጹ ህዝቢ ንገጽ* ምድሪ* ኸዲኖምዋ ኣለዉ። ሕጂ ንዓ ንዓታቶም ርገመለይ።+ ምናልባት ክዋግኦምን ክሰጕጎምን እኽእል እኸውን’” በሎ። 12 ኣምላኽ ግና ንበላዓም፡ “ምሳታቶም ኣይትኺድ። እቲ ህዝቢ እቲ ምሩቕ እዩ እሞ፡ ኣይትርገሞ” በሎ።+

13 በላዓም ከኣ ንግሆ ተንሲኡ ነቶም መሳፍንቲ ባላቅ፡ “የሆዋ ምሳኻትኩም ከይከይድ ከልኪሉኒ እዩ እሞ፡ ናብ ምድርኹም ኪዱ” በሎም። 14 እቶም መሳፍንቲ ሞኣብ ድማ ነቐሉ፡ ናብ ባላቅ ተመሊሶም ከኣ፡ “በላዓም ምሳና ምምጻእ ኣብዩ” በልዎ።

15 ባላቅ ግና ከም ብሓድሽ ካብቶም ቀዳሞት ዚበዝሑን ዚኸብሩን መሳፍንቲ ለኣኸ። 16 ንሳቶም ከኣ ናብ በላዓም መጺኦም፡ “ባላቅ ወዲ ጺጶር፡ ‘በጃኻ፡ ናባይ ካብ ምምጻእ ገለ እኳ ኣይዕገትካ። 17 ኣዝየ ከኽብረካ፡ እትብለኒ ዅሉ ኸኣ ክገብር እየ። በጃኻ ንዓ፡ ነዚ ህዝቢ እዚ ርገመለይ’ ይብል ኣሎ” በልዎ። 18 በላዓም ግና ንገላዉ ባላቅ ከምዚ ኢሉ መለሰሎም፦ “ባላቅ፡ ቤቱ ብሩርን ወርቅን መሊኡ እኳ እንተ ዚህበኒ፡ ካብ ትእዛዝ የሆዋ ኣምላኸይ ሓሊፈ ንእሽቶ ዀነ ወይ ዓብዪ ኽገብር ኣይክእልን እየ።+ 19 ግናኸ፡ የሆዋ መሊሱ ዚብለኒ ኽፈልጥሲ፡ ንስኻትኩም እውን ሎሚ ለይቲ ኣብዚ ሕደሩ።”+

20 ኣምላኽ ድማ ብለይቲ ናብ በላዓም መጺኡ፡ “እዞም ሰባት እዚኦም ኪጽውዑኻ እንተ መጺኦም፡ ምሳታቶም ኪድ። ግናኸ፡ እቲ ኣነ ኽትብሎ ዝነግረካ ቓል ጥራይ ተዛረብ” በሎ።+ 21 በላዓም ድማ ንግሆ ተንስአ፡ ኣድጉ ጽዒኑ ኸኣ ምስቶም መሳፍንቲ ሞኣብ ከደ።+

22 ንሱ ስለ ዝኸደ ግና፡ ቍጥዓ ኣምላኽ ነደደ፣ መልኣኽ የሆዋ ድማ ኪጻረሮ ኣብ መገዲ ደው በለ። በላዓም ከኣ ኣድጉ ተወጢሑ ነበረ፣ ክልተ ገላዉኡ ድማ ምስኡ ነበሩ። 23 እታ ኣድጊ ኸኣ መልኣኽ የሆዋ እተመልሐት ሰይፊ ኣብ ኢዱ ሒዙ ኣብ መገዲ ደው ኢሉ ምስ ረኣየት፡ ካብቲ መገዲ ናብ ግራት ከተላግስ ፈተነት። በላዓም ግና ነታ ኣድጊ ናብ መገዲ ኺመልሳ ኢሉ ወቕዓ። 24 መልኣኽ የሆዋ ኸኣ ኣብ መንጎ ኽልተ ኣታኽልቲ ወይኒ፡ ብኽልቲኡ ሸነኽ መንደቕ ኣብ ዘለዋ ጸባብ መገዲ ደው በለ። 25 እታ ኣድጊ ኸኣ መልኣኽ የሆዋ ምስ ረኣየት፡ ናብቲ መንደቕ ተጸግዐት፡ ንእግሪ በላዓም ድማ ምስቲ መንደቕ ኣራጸመቶ፣ በላዓም ከኣ መመሊሱ ወቕዓ።

26 መልኣኽ የሆዋ ድማ ከም ብሓድሽ ሓሊፉ፡ ናብ የማን ወይ ናብ ጸጋም መላገሲ ኣብ ዘይብላ ጸባብ መገዲ ደው በለ። 27 እታ ኣድጊ ኸኣ መልኣኽ የሆዋ ምስ ረኣየት፡ ኣብ ትሕቲ በላዓም በጥ በለት፣ በላዓም ድማ ነደረ፡ ነታ ኣድጊ ኸኣ ብበትሩ ወቕዓ። 28 ሽዑ፡ የሆዋ ነታ ኣድጊ ኸም እትዛረብ ገበራ* እሞ፡+ ንሳ ንበላዓም፡ “ሰለስተ ሳዕ ዝወቓዕካንስ፡ እንታይ ገይረ እየ፧” በለቶ።+ 29 በላዓም ድማ፡ “ስለ ዘላገጽክለይ። ኣብ ኢደይ ሰይፊ እንተ ዚህልወንስ፡ ምቐተልኩኺ ነይረ!” ኢሉ መለሰላ። 30 እታ ኣድጊ ኸኣ ንበላዓም፡ “ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ምሉእ ህይወትካ እተወጣሕካኒ ኣድግኻ ደይኰንኩን፧ ከምዚ ገይረካዶ እፈልጥ እየ፧” በለቶ። ንሱ ድማ፡ “ኣይፋልክን” በለ። 31 ሽዑ፡ የሆዋ ኣዒንቲ በላዓም ቀልዐ እሞ፡+ መልኣኽ የሆዋ እተመልሐ ሰይፊ ኣብ ኢዱ ሒዙ ኣብ መገዲ ደው ኢሉ ረኣየ። ብኡብኡ፡ ብገጹ ተደፊኡ ፍግም ኢሉ ሰገደ።

32 መልኣኽ የሆዋ ኸኣ ከምዚ በሎ፦ “ስለምንታይ ኢኻ ንኣድግኻ ሰለስተ ሳዕ ዝወቓዕካያ፧ መገድኻ ንፍቓደይ ዚጥሕስ ስለ ዝዀነ፡ እንሆ፡ ክጻረረካ ወጺአ።+ 33 እታ ኣድጊ ድማ ርእያትንስ፡ ሰለስተ ሳዕ ካባይ ከተልግስ ፈቲና።+ ካባይ እንተ ዘይተልግስ፡ ነታ ኣድጊ ብህይወት ሓዲገ፡ ንዓኻ ምቐተልኩኻ ነይረ” በሎ። 34 በላዓም ከኣ ንመልኣኽ የሆዋ፡ “ክትረኽበኒ ኣብ መገዲ ደው ከም ዝበልካ ኣይፈለጥኩን እሞ፡ ሓጢአ እየ። ሕጂ ድማ፡ እዚ ኣብ ኣዒንትኻ ኽፉእ እንተ ዀይኑ፡ ክምለስ” በሎ። 35 መልኣኽ የሆዋ ግና ንበላዓም፡ “ምስዞም ሰባት እዚኦም ኪድ፣ ግናኸ፡ እቲ ኣነ ዝብለካ ቓል ጥራይ ተዛረብ” በሎ። በላዓም ከኣ ምስቶም መሳፍንቲ ባላቅ ከደ።

36 ባላቅ ድማ፡ በላዓም ከም ዝመጸ ምስ ሰምዐ፡ ኪቕበሎ ኢሉ ብኡብኡ ናብታ ኣብ ገምገም ኣርኖን፡ ኣብ ዶብ እታ ሃገር ዘላ ኸተማ ሞኣብ ከደ። 37 ባላቅ ከኣ ንበላዓም፡ “ልኢኸዶ ኣይጸዋዕኩኻን፧ ስለምንታይ ደኣ ናባይ ዘይመጻእካ፧ ኣጸቢቐ ከኽብረካ ዘይክእልዶ ይመስለካ፧” በሎ።+ 38 በላዓም ድማ ንባላቅ፡ “እነኹ፡ ሕጂ ናባኻ መጺአ ኣለኹ። ግናኸ፡ ገለ እኳ ኽብል ኪፍቀደለይ ድዩ፧ እቲ ኣምላኽ ኣብ ኣፈይ ዘንበረለይ ቃል ጥራይ እየ ኽዛረብ ዝኽእል” ኢሉ መለሰሉ።+

39 በላዓም ከኣ ምስ ባላቅ ከደ፡ ናብ ቂርያት-ሑጾት ድማ መጹ። 40 ባላቅ ከኣ ከብትን ኣባጊዕን ሰውአ እሞ፡ ገሊኡ ናብ በላዓምን ናብቶም ምስኡ ዝነበሩ መሳፍንትን ሰደደ። 41 ንግሆ፡ ባላቅ ንበላዓም ወሰዶ፡ ናብ ባሞት-በዓል ከኣ ኣደየቦ፣ ኣብኡ ዀይኑ ድማ ንዅሉ እቲ ህዝቢ ኺርእዮ ይኽእል ነበረ።+

23 በላዓም ድማ ንባላቅ፡ “ኣብዚ ሸውዓተ መሰውኢ ስርሓለይ እሞ፡+ ሸውዓተ ዝራብዕን ሸውዓተ ድዑልን ኣዳልወለይ” በሎ። 2 ባላቅ ከኣ ከምቲ በላዓም ዝበሎ ገበረ። ባላቅን በላዓምን ድማ ኣብ መመሰውኢ ሓደ ዝራብዕን ሓደ ድዑልን ሰውኡ።+ 3 በላዓም ድማ ንባላቅ፡ “ኣብዚ ኣብ ጥቓ ዚሓርር መስዋእትኻ ጽናሕ፡ ኣነ ኸኣ ክኸይድ። ምናልባት የሆዋ ይራኸበኒ ይኸውን። እቲ ዚገልጸለይ ነገር ድማ፡ ክነግረካ እየ” በሎ። ናብ ሓደ መላጥ ኵርባ ኸኣ ደየበ።

4 ኣምላኽ ድማ ንበላዓም ተራኸቦ፡+ ንሱ ኸኣ፡ “ሸውዓተ መሰውኢ ሰሪዐ፣ ኣብ መመሰውኢ ድማ ሓደ ዝራብዕን ሓደ ድዑልን ሰዊአ” በሎ። 5 የሆዋ ኸኣ ቃል ኣብ ኣፍ በላዓም ኣንበረ እሞ፡+ “ናብ ባላቅ ተመሊስካ፡ ከምዚ ኢልካ ተዛረብ” በሎ። 6 ንሱ ድማ ተመልሰ፣ ባላቅን ኵሎም መሳፍንቲ ሞኣብን ከኣ ኣብ ጥቓ እቲ ዚሓርር መስዋእቱ ደው ኢሎም ረኣየ። 7 እዚ ምስላ እዚ ድማ መሰለ፦+

“ባላቅ ንጉስ ሞኣብ ካብ ኣራም ኣምጽኣኒ፡+

ካብ ኣኽራን ምብራቕ፦

‘ንዓ ንያእቆብ ርገመለይ።

እወ፡ ንዓ ንእስራኤል ኰንኖ።’+

 8 ኣምላኽ ንዘይረገሞ ኸመይ ኢለ ኽረግሞ፧

የሆዋ ንዘይኰነኖኸ ኸመይ ኢለ ክዅንኖ፧+

 9 ካብ ርእሲ ኣኻውሕ እርእዮም ኣለኹ፡

ካብ ኵርባታት ከኣ እጥምቶም ኣለኹ።

ህዝቢ ዀይኖም በይኖም ይቕመጡ፣+

ንርእሶም ከኣ ምስ ኣህዛብ ኣይቈጽርዋን።+

10 ንሓመድ ያእቆብ መን ኪቘጽሮ ይኽእል፧+

ንርብዒ እስራኤልከ መን ይጽብጽቦ፧

ሞት ጻድቃን እሙት፡*

መወዳእታይ ከኣ ከም ናታቶም ይኹን።”

11 ባላቅ ድማ ንበላዓም፡ “እንታይ ኢኻ ዝገበርካኒ፧ ንጸላእተይ ክትረግሞም እየ ኣምጺአካ፣ እንሆ ኸኣ፡ ካብ ምምራቕ ሓሊፍካ ሓንቲ ኣይገበርካን” በሎ።+ 12 ንሱ ድማ፡ “እቲ የሆዋ ኣብ ኣፈይ ዘንበሮ ኽዛረብዶ ኣይግብኣንን እዩ፧” ኢሉ መለሰ።+

13 ባላቅ ከኣ፡ “በጃኻ ኣብኡ ዄንካ ኽትርእዮምሲ፡ ናብ ካልእ ቦታ ምሳይ ኪድ። ሓደ ኽፋሎም ጥራይ ኢኻ ኽትርኢ፡ ኵላቶም ኣይኰንካን ክትርኢ። ኣብኡ ንዓታቶም ርገመለይ” በሎ።+ 14 ናብ መሮር ጾፊም፡ ናብ ርእሲ ጲስጋ ድማ ወሰዶ፣+ ሸውዓተ መሰውኢ ኸኣ ሰርሐ፣ ኣብ መመሰውኢ ድማ ሓደ ዝራብዕን ሓደ ድዑልን ሰውአ።+ 15 በላዓም ድማ ንባላቅ፡ “ኣብዚ ኣብ ጥቓ ዚሓርር መስዋእትኻ ጽናሕ፡ ኣነ ኸኣ ንዕኡ ኽራኸቦ ኣብቲ ክኸይድ እየ” በሎ። 16 የሆዋ ድማ ንበላዓም ተራኸቦ፡ ቃል ኣብ ኣፉ ኣንቢሩ ኸኣ፡+ “ናብ ባላቅ ተመሊስካ፡ ከምዚ ኢልካ ተዛረብ” በሎ። 17 ንሱ ድማ ናብኡ መጸ፣ ንሱ ኸኣ ኣብ ጥቓ እቲ ዚሓርር መስዋእቱ ይጽበ ነበረ፡ መሳፍንቲ ሞኣብ እውን ምስኡ ነበሩ። ባላቅ ከኣ፡ “የሆዋ እንታይ ኢሉካ፧” ኢሉ ሓተቶ። 18 ንሱ ድማ እዚ ምስላ እዚ መሰለ፦+

“ባላቅ ተንስእ፡ ስማዕ።

ኣታ ወዲ ጺጶር ጽን በል።

19 ኣምላኽ ከይሕሱ፡ ሰብ ኣይኰነን፣+

ሓሳቡ ኸይልውጥ* ከኣ፡ ወዲ ሰብ ኣይኰነን።+

ነቲ ዚብሎስ ኣይገብሮንዶ፧

ነቲ ዚዛረቦስ ኣይፍጽሞንዶ፧+

20 እንሆ፡ ክምርቕ ተኣዚዘ እየ፣

ንሱ ባሪኹ እዩ እሞ፡+ ኣነ ኽመልሶ ኣይክእልን እየ።+

21 ኣንጻር ያእቆብ ዚግበር ስሒር ዕሽሽ ኣይብልን፡

ኣብ እስራኤል ከኣ ዝዀነ ሽግር ኣይፈቅድን።

የሆዋ ኣምላኹ ምሳታቶም እዩ፡+

ኣብ መንጎኦም ድማ ከም ንጉስ እልል ይብሃለሉ።

22 ኣምላኽ ካብ ግብጺ ኣውጽኦም።+

ከም ኣቕርንቲ ጐባይ ከኣ ይዀነሎም።+

23 ኣንጻር ያእቆብሲ ናይ ጥፍኣት ፋል የልቦን፡+

ኣንጻር እስራኤል ከኣ ጥንቍልና የልቦን።+

ኣብዚ ግዜ እዚ፡ ብዛዕባ ያእቆብን እስራኤልን፡

‘ኣምላኽ ዝገበሮ ርኣዩ!’ ይብሃል።

24 ከም ኣንበሳ ዝተንስአ ህዝቢ እንሆ፡

ከም ኣንበሳ ድማ ይልዓል።+

ግዳይ ክሳዕ ዚበልዕ፡

ደም ቅቱላት ክሳዕ ዚሰቲ በጥ ኣይብልን።”

25 ባላቅ ድማ ንበላዓም፡ “ክትረግሞ ኻብ ዘይከኣልካስ፡ በል ኣይትመርቆ” በሎ። 26 በላዓም ከኣ ንባላቅ፡ “‘እቲ የሆዋ ዚብሎ ዅሉ እየ ዝገብር’ ኢለዶ ኣይተዛረብኩኻን፧” ኢሉ መለሰሉ።+

27 ባላቅ ድማ ንበላዓም፡ “በጃኻ ንዓ፡ ናብ ካልእ ቦታ ኽወስደካ። ኣብኡ ዄንካ ኽትረግመለይሲ፡ ምናልባት ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ቅኑዕ ኪኸውን ይኽእል ይኸውን” በሎ።+ 28 ባላቅ ከኣ ንበላዓም ናብቲ ናብ የሺሞን* ኣቢሉ ዜማዕዱ ርእሲ ጴዖር ወሰዶ።+ 29 በላዓም ድማ ንባላቅ፡ “ኣብዚ ሸውዓተ መሰውኢ ስርሓለይ፣ ሸውዓተ ዝራብዕን ሸውዓተ ድዑልን ከኣ ኣዳልወለይ” በሎ።+ 30 ባላቅ ድማ ከምቲ በላዓም ዝበሎ ገበረ፣ ኣብ መመሰውኢ ኸኣ ሓደ ዝራብዕን ሓደ ድዑልን ሰውአ።

24 በላዓም ድማ ንእስራኤል ምምራቕ፡ ንየሆዋ ባህ ከም ዜብሎ* ምስ ረኣየ፡ ገጹ ናብ በረኻ መለሰ እምበር፡ ከም ብሓድሽ ናይ ጥፍኣት ፋል ኪደሊ ኣይከደን።+ 2 በላዓም ኣዒንቱ ኣልዒሉ፡ እስራኤል በብነገዱ ሰፊሩ ምስ ረኣየ፡+ መንፈስ ኣምላኽ ኣብ ልዕሊኡ መጸ።+ 3 እዚ ምስላ እዚ ድማ መሰለ፦+

“በላዓም ወዲ ቤዖር ከምዚ ይብል፡

እቲ ኣዒንቱ እተኸፍታሉ ሰብኣይ ከምዚ ይብል፡

 4 እቲ ቓል ኣምላኽ ዚሰምዕ፡

ራእይ እቲ ዅሉ ዚኽእል ዝረኣየ፡

ኣዒንቱ ተቐሊዐናሉ ዚሰግድ ከምዚ ይብል፦+

 5 ኣታ ያእቆብ፡ ድንኳናትካ፡

ኣታ እስራኤል ድማ መሓድርካ ኽንደይ ይጽብቕ!+

 6 ከም ስንጭሮታት፡*

ኣብ ገምገም ፈለግ ከም ዘሎ ስፍራ ኣታኽልቲ፡

የሆዋ ኸም ዝተኸሎ ዓልወታት፡

ኣብ ጥቓ ማይ ከም ዘሎ ቄድሮስ ነዊሕ ይዝርጋሕ።+

 7 ካብ ክልተ መገለሊኡ ማይ ይጅርብብ፡

ዘርኡ ድማ ኣብ ጥቓ ብዙሕ ማያት ይዝራእ።+

ንጉሱ+ ኸኣ ካብ ኣጋግ ኪዓቢ እዩ፡+

መንግስቱ እውን ልዕል ክትብል እያ።+

 8 ኣምላኽ ካብ ግብጺ ኣውጽኦ፣

ከም ኣቕርንቲ ጐባይ ይዀነሎም።

ንኣህዛብ፡ ንጨቈንቱ ኺበልዖም እዩ፡+

ኣዕጽምቶም ኪቝርጥም፡ ብፍላጻታቱ ኺሰባብሮም እዩ።

 9 ከም ኣንበሳ ተዀርምዩን በጥ ኢሉን ኣሎ፣

ከም ኣንበሳኸ፡ መን ደፊሩ የተንስኦ፧

ዚምርቑኻ ምሩቓት፡

ዚረግሙኻ ኸኣ ርጉማት እዮም።”+

10 ባላቅ ከኣ ብበላዓም ነደረ። ባላቅ ድማ ብባጫ ብኣእዳዉ ኣጣቕዐ እሞ፡ ንበላዓም ከምዚ በሎ፦ “ኣነ ንጸላእተይ ክትረግሞም ጸዋዕኩኻ፣+ ንስኻ ግና ሰለስተ ሳዕ ካብ ምምራቕ ሓሊፍካ ሓንቲ ኣይገበርካን። 11 ሕጂ ቐልጢፍካ ናብ ቦታኻ ኺድ። ኣነ ኣዝየ ከኽብረካ ኢለ ነይረ፣+ እንሆ ግና፡ የሆዋ ኸይትኸብር ከሊኡካ።”

12 በላዓም ከኣ ንባላቅ ከምዚ ኢሉ መለሰ፦ “ነቶም ዝለኣኽካዮም ልኡኻት፡ 13 ‘ባላቅ፡ ቤቱ ብሩርን ወርቅን መሊኡ እኳ እንተ ዚህበኒ፡ ካብ ትእዛዝ የሆዋ ሓሊፈ ጽቡቕ ኰነ ወይ ክፉእ ካብ ፍቓደይ* ኽገብር ኣይክእልን እየ። እቲ የሆዋ ዚብለኒ ጥራይ እየ ዝዛረብ’ ኢለዶ ኣይተዛረብክዎምን፧+ 14 ሕጂ ኸኣ ናብ ህዝበይ እኸይድ ኣለኹ። እዚ ህዝቢ እዚ ኣብ መጻኢ* ንህዝብኻ ዚገብሮ ንዓ ኽነግረካ።” 15 እዚ ምስላ እዚ ድማ መሰለ፦+

“በላዓም ወዲ ቤዖር ከምዚ ይብል፡

እቲ ኣዒንቱ እተኸፍታሉ ሰብኣይ ከምዚ ይብል፡+

16 እቲ ቓል ኣምላኽ ዚሰምዕ፡

ፍልጠት እቲ ልዑል ድማ ዚፈልጥ፡

ራእይ እቲ ዅሉ ዚኽእል ዝረኣየ፡

ኣዒንቱ ተቐሊዐናሉ ዚሰግድ ከምዚ ይብል፦

17 እርእዮ ኣለኹ፡ ሕጂ ግና ኣይኰነን፣

እጥምቶ ኣለኹ፡ ቀረባ ግና ኣይኰነን።

ካብ ያእቆብ ኰዀብ+ ኪወጽእ፡

ካብ እስራኤል ከኣ ዘንጊ+ ኺትንስእ እዩ።+

ግምባር ሞኣብ፡*

ቀረንቀራ ዅሎም ደቂ ህውከት ድማ ብርግጽ ኪሰብር እዩ።+

18 ኤዶም ከኣ ርስቲ ኪኸውን፡+

እወ፡ ሰዒር+ ርስቲ ጸላእቱ ኪኸውን፡+

እስራኤል ከኣ ትብዓቱ ኼርኢ እዩ።

19 ካብ ያእቆብ ዝወጸ ድማ ኪገዝእ፡+

ካብታ ኸተማ ንዝተረፈ ኸኣ ኬጥፍእ እዩ።”

20 ንኣማሌቅ ምስ ረኣዮ፡ ከምዚ ኢሉ ምስላኡ መሰለ፦

“ኣማሌቅ ካብ ኣህዛብ ቀዳማይ እዩ፣+

ኣብ መወዳእታ ግና፡ ኪጠፍእ እዩ።”+

21 ንቄናውያን+ ምስ ረኣዮም፡ ከምዚ ኢሉ ምስላኡ መሰለ፦

“እትቕመጠሉ ጽኑዕ፡ መንበሪኻ ኸኣ ኣብ ከውሒ እተነብረ እዩ።

22 ቃዪን ግና ኪነድድ እዩ።

ኣሶር ክሳዕ ዚማርኸካኸ ኽንደይ ኰን ይኸውን፧”

23 ከምዚ ኢሉ ድማ ምስላኡ መሰለ፦

“ወዮ! ኣምላኽ ነዚ ኺገብር ከሎስ፡ መን ብህይወት ኪተርፍ እዩ፧

24 ካብ ገምገም ኪቲም+ መራኽብ ኪመጻ እየን፡

ንኣሶር ከኣ ኪገፍዕዎ፡+

ንዔበር ድማ ኪገፍዕዎ እዮም።

ንሱ እውን ፈጺሙ ኺጠፍእ እዩ።”

25 በላዓም+ ድማ ተንሲኡ ኸደ፡ ናብ ቦታኡ ኸኣ ተመልሰ። ባላቅ እውን መገዱ ኸደ።

25 እስራኤል ኣብ ሺጢም ተቐሚጡ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡+ እቲ ህዝቢ ምስ ኣዋልድ ሞኣብ ኪምንዝር ጀመረ።+ 2 ንሳተን ከኣ ነቲ ህዝቢ ናብ መስዋእቲ ኣማልኽተን ዓደማኦ፣+ እቲ ህዝቢ ኸኣ በልዐ፡ ንኣማልኽተን ድማ ሰገደ።+ 3 እስራኤል ከኣ ኣብ ኣምልኾ በዓል ጴዖር* ሓበረ፣+ ቍጥዓ የሆዋ ድማ ኣብ እስራኤል ነደደ። 4 የሆዋ ኸኣ ንሙሴ፡ “እቲ ዚነድድ ቍጥዓ የሆዋ ኻብ እስራኤል ምእንቲ ኺምለስሲ፡ ንዅሎም መራሕቲ* እዚ ህዝቢ እዚ ወሲድካ፡ ቀትሪ ምድሪ* ኣብ ቅድሚ የሆዋ ስቐሎም” በሎ። 5 ሙሴ ድማ ንፈራዶ እስራኤል፡+ “ነፍሲ ወከፍኩም ነቶም ኣብ ኣምልኾ በዓል ጴዖር* ዝሓበሩ ሰቡ ይቕተል” በሎም።+

6 ሽዑሽዑ ግና፡ ሓደ ኻብ እስራኤላውያን፡ ኣብ ቅድሚ ሙሴን ኣብ ቅድሚ ዅሉ ኣኼባ እስራኤላውያንን፡ ንሳቶም ኣብ ኣፍ ደገ ድንኳን ምርኻብ እናበኸዩ፡ ሓንቲ ሚድያናዊት ሰበይቲ ናብ ኣሕዋቱ ኣምጽአ።+ 7 ፊንሃስ+ ወዲ ኣልኣዛር፡ ወዲ ኻህን ኣሮን፡ ምስ ረኣዮ፡ ብኡብኡ ኻብ ማእከል እቲ ኣኼባ ተንስአ፡ ኲናት* እውን ኣብ ኢዱ ወሰደ። 8 ደድሕሪ እቲ እስራኤላዊ ሰብኣይ ናብቲ ድንኳን ኣትዩ ኸኣ፡ ንኽልቲኦም፡ ነቲ እስራኤላዊ ሰብኣይን ነታ ሰበይትን፡—ንዓኣ ኣብ ረቃቒቶኣ፡—ወግኦም። ሽዑ፡ እቲ ኣብ እስራኤላውያን ዚወርድ ዝነበረ መቕዘፍቲ ደው በለ።+ 9 እቶም በቲ መቕዘፍቲ ዝሞቱ ኸኣ፡ 24,000 ኰኑ።+

10 የሆዋ ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፦ 11 “ፊንሃስ+ ወዲ ኣልኣዛር፡ ወዲ ኻህን ኣሮን፡ ኣብ መንጎኦም ንዓይ ዚቀናቐን ከቶ ብዘይምጽዋሩ፡ ቍጥዓይ ካብ ህዝቢ እስራኤል መሊስዎ እዩ።+ ስለቲ ንበይነይ ዝደልዮ ተወፋይነት ኢለ ድማ ንእስራኤላውያን ኣየጽነትክዎምን።+ 12 ስለዚ፡ ከምዚ በል፦ ‘ንዕኡ ናይ ሰላም ኪዳነይ እህቦ ኣለኹ። 13 ንኣምላኹ ዚቀናቐን ስለ ዘይተጻወረን+ ንእስራኤላውያን ስለ ዘተዓረቖምን፡ እዚ ንዕኡን ንዘርኡ ድማ ብድሕሪኡን ኪዳን ናይ ሓዋሩ ኽህነት ይኹን።’”+

14 ስም እቲ ምስታ ሚድያናዊት እተቐትለ እስራኤላዊ ሰብኣይ፡ ዚምሪ ወዲ ሳሉ ነበረ፣ ሹም ማይ ቤት ስምኦናውያን ከኣ ነበረ። 15 ስም እታ እተቐትለት ሚድያናዊት ሰበይቲ ድማ፡ ኩዝቢ ጓል ጹር ነበረ፣+ ንሱ ኸኣ ኣብ ሚድያን መራሒ እንዳታት ማይ ቤት ነበረ።+

16 የሆዋ ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፦ 17 “ንሚድያናውያን ኣጨንቕዎምን ውቕዕዎምን፣+ 18 ከመይሲ፡ ብነገር ጴዖርን+ ብነገር እታ ብዛዕባ ጴዖር መቕዘፍቲ ኣብ ዝወረደላ መዓልቲ+ እተቐትለት ኩዝቢ ሓብቶም ጓል ሹም ሚድያንን፡+ ብተንኰሎም ኣጨኒቖምኹም እዮም።”

26 ድሕሪ እቲ መቕዘፍቲ፡+ የሆዋ ንሙሴን ንኣልኣዛር ወዲ ኻህን ኣሮንን ከምዚ በሎም፦ 2 “ንብዘሎ ኣኼባ እስራኤላውያን፡ ካብ ወዲ 20 ዓመት ንላዕሊ ዝዀኑ ኣብ ሰራዊት እስራኤል ኬገልግሉ ዚኽእሉ ዅሎም፡ በብማይ ቤቶም ቍጸርዎም።”+ 3 ሙሴን ካህን ኣልኣዛርን+ ከኣ ኣብ ጐላጕል ምድረ በዳ ሞኣብ፡+ ኣብ ዮርዳኖስ ናይ ያሪኮ፡+ ከምዚ ኢሎም ተዛረብዎም፦ 4 “ከምቲ የሆዋ ንሙሴ ዝኣዘዞ፡ ነቶም ካብ ወዲ 20 ዓመት ንላዕሊ ቝጸርዎም።”+

እቶም ካብ ምድሪ ግብጺ ዝወጹ ደቂ እስራኤል እዚኣቶም እዮም፦ 5 ሮቤል፡+ በዅሪ እስራኤል፣ ደቂ ሮቤል+ እዚኣቶም እዮም፦ ካብ ሓኖክ፡ ዓሌት ሓኖካውያን፣ ካብ ፋሉ፡ ዓሌት ፋላውያን፣ 6 ካብ ሔጽሮን፡ ዓሌት ሔጽሮናውያን፣ ካብ ካርሚ፡ ዓሌት ካርማውያን። 7 ዓሌታት ሮቤላውያን እዚኣቶም እዮም፣ ምዝጉባቶም ድማ 43,730 ኰኑ።+

8 ወዲ ፋሉ ኸኣ፡ ኤልያብ ነበረ። 9 ደቂ ኤልያብ ድማ ነሙኤልን ዳታንን ኣቢራምን እዮም። እቶም ምስ የሆዋ ኺብኣሱ ኸለዉ፡+ ምስ ጕጅለ ቆራሕ+ ኰይኖም ምስ ሙሴን ምስ ኣሮንን እተባእሱ ሕሩያት እቲ ኣኼባ ዝነበሩ ዳታንን ኣቢራምን እዚኣቶም እዮም።+

10 ሽዑ፡ ምድሪ ተኸፊታ* ወሓጠቶም። ቆራሕ ከኣ፡ ሓዊ ን250 ሰባት ኣብ ዝበልዓሉ እዋን፡ ምስ ደገፍቱ ሞተ።+ ንሳቶም ድማ መለበሚ ዀኑ።+ 11 ደቂ ቆራሕ ግና ኣይሞቱን።+

12 ደቂ ስምኦን+ በብዓሌቶም እዚኣቶም እዮም፦ ካብ ነሙኤል፡ ዓሌት ነሙኤላውያን፣ ካብ ያሚን፡ ዓሌት ያሚናውያን፣ ካብ ያኪን፡ ዓሌት ያኪናውያን፣ 13 ካብ ዜራሕ፡ ዓሌት ዜራሓውያን፣ ካብ ሻኡል፡ ዓሌት ሻኡላውያን። 14 ዓሌታት ስምኦናውያን እዚኣቶም እዮም፦ 22,200።+

15 ደቂ ጋድ+ በብዓሌቶም እዚኣቶም እዮም፦ ካብ ጸፎን፡ ዓሌት ጸፎናውያን፣ ካብ ሓጊ፡ ዓሌት ሓጋውያን፣ ካብ ሹኒ፡ ዓሌት ሹናውያን፣ 16 ካብ ኦዝኒ፡ ዓሌት ኦዝናውያን፣ ካብ ዔሪ፡ ዓሌት ዔራውያን፣ 17 ካብ ኣሮድ፡ ዓሌት ኣሮዳውያን፣ ካብ ኣርኤሊ፡ ዓሌት ኣርኤላውያን። 18 ዓሌታት ደቂ ጋድ እዚኣቶም እዮም፣ ምዝጉባቶም ድማ 40,500 እዮም።+

19 ደቂ ይሁዳ፡+ ዔርን ኦናንን እዮም።+ ዔርን ኦናንን ግና ኣብ ምድሪ ከነኣን ሞቱ።+ 20 ደቂ ይሁዳ ኸኣ በብዓሌቶም እዚኣቶም እዮም፦ ካብ ሸላሕ፡+ ዓሌት ሸላናውያን፣ ካብ ፋሬስ፡+ ዓሌት ፋሬሳውያን፣ ካብ ዜራሕ፡+ ዓሌት ዜራሓውያን። 21 ደቂ ፋሬስ ድማ እዚኣቶም እዮም፦ ካብ ሔጽሮን፡+ ዓሌት ሔጽሮናውያን፣ ካብ ሓሙል፡+ ዓሌት ሓሙላውያን። 22 ዓሌታት ይሁዳ እዚኣቶም እዮም፣ ምዝጉባቶም ድማ 76,500 እዮም።+

23 ደቂ ይሳኮር+ በብዓሌቶም እዚኣቶም እዮም፦ ካብ ቶላዕ፡+ ዓሌት ቶላዓውያን፣ ካብ ፉዋ፡ ዓሌት ፉናውያን፣ 24 ካብ ያሹብ፡ ዓሌት ያሹባውያን፣ ካብ ሺምሮን፡ ዓሌት ሺምሮናውያን። 25 ዓሌታት ይሳኮር እዚኣቶም እዮም፣ ምዝጉባቶም ድማ 64,300 እዮም።+

26 ደቂ ዛብሎን+ በብዓሌቶም እዚኣቶም እዮም፦ ካብ ሰረድ፡ ዓሌት ሰረዳውያን፣ ካብ ኤሎን፡ ዓሌት ኤሎናውያን፣ ካብ ያሕልኤል፡ ዓሌት ያሕልኤላውያን። 27 ዓሌታት ዛብሎናውያን እዚኣቶም እዮም፣ ምዝጉባቶም ድማ 60,500 እዮም።+

28 ደቂ ዮሴፍ+ በብዓሌቶም ምናሴን ኤፍሬምን እዮም።+ 29 ደቂ ምናሴ+ እዚኣቶም እዮም፦ ካብ ማኪር፡+ ዓሌት ማኪራውያን። ማኪር ከኣ ንጊልዓድ ወለደ።+ ካብ ጊልዓድ፡ ዓሌት ጊልዓዳውያን። 30 እዚኣቶም ደቂ ጊልዓድ እዮም፦ ካብ ኢዔዘር፡ ዓሌት ኢዔዘራውያን፣ ካብ ሔለቅ፡ ዓሌት ሔለቃውያን፣ 31 ካብ ኣስሪኤል፡ ዓሌት ኣስሪኤላውያን፣ ካብ ሴኬም፡ ዓሌት ሴኬማውያን፣ 32 ካብ ሸሚዳ፡ ዓሌት ሸሚዳውያን፣ ካብ ሔፈር፡ ዓሌት ሔፈራውያን። 33 ጸሎፍሓድ ወዲ ሔፈር ድማ ኣዋልድ እምበር፡ ኣወዳት ኣይነበርዎን፣+ ስም እተን ኣዋልድ ጸሎፍሓድ ከኣ፡+ ማሕላ፡ ኖዓ፡ ሖግላ፡ ሚልካ፡ ቲርጻ ነበረ። 34 ዓሌታት ምናሴ እዚኣቶም እዮም፣ ምዝጉባቶም ድማ 52,700 እዮም።+

35 ደቂ ኤፍሬም+ በብዓሌቶም እዚኣቶም እዮም፦ ካብ ሹተላሕ፡+ ዓሌት ሹተላሓውያን፣ ካብ ቤከር፡ ዓሌት ቤከራውያን፣ ካብ ታሓን፡ ዓሌት ታሓናውያን። 36 ደቂ ሹተላሕ እዚኣቶም እዮም፦ ካብ ዔራን፡ ዓሌት ዔራናውያን። 37 ዓሌታት ደቂ ኤፍሬም እዚኣቶም እዮም፣ ምዝጉባቶም ድማ 32,500 እዮም።+ ደቂ ዮሴፍ በብዓሌቶም እዚኣቶም እዮም።

38 ደቂ ብንያም+ በብዓሌቶም እዚኣቶም እዮም፦ ካብ ቤላዕ፡+ ዓሌት ቤላዓውያን፣ ካብ ኣሽቤል፡ ዓሌት ኣሽቤላውያን፣ ካብ ኣሒራም፡ ዓሌት ኣሒራማውያን፣ 39 ካብ ሸፉፋም፡ ዓሌት ሹፋማውያን፣ ካብ ሑፋም፡ ዓሌት ሑፋማውያን። 40 ደቂ ቤላዕ፡ ኣርድን ንእማንን እዮም፦+ ካብ ኣርድ፡ ዓሌት ኣርዳውያን፣ ካብ ንእማን፡ ዓሌት ንእማውያን። 41 ደቂ ብንያም በብዓሌቶም እዚኣቶም እዮም፣ ምዝጉባቶም ድማ 45,600 እዮም።+

42 ደቂ ዳን+ በብዓሌቶም እዚኣቶም እዮም፦ ካብ ሹሓም፡ ዓሌት ሹሓማውያን። ዓሌታት ዳን በብዓሌቶም እዚኣቶም እዮም። 43 ኵሎም ዓሌታት ሹሓማውያን፡ ምዝጉባቶም 64,400 እዮም።+

44 ደቂ ኣሴር+ በብዓሌቶም እዚኣቶም እዮም፦ ካብ ዪምና፡ ዓሌት ዪምናውያን፣ ካብ ዪሽዊ፡ ዓሌት ዪሽዋውያን፣ ካብ በሪዓ፡ ዓሌት በሪዓውያን፣ 45 ካብ ደቂ በሪዓ፦ ካብ ሔበር፡ ዓሌት ሔበራውያን፣ ካብ ማልኪኤል፡ ዓሌት ማልኪኤላውያን። 46 ስም ጓል ኣሴር፡ ሴራሕ ነበረ። 47 ዓሌታት ደቂ ኣሴር እዚኣቶም እዮም፣ ምዝጉባቶም ድማ 53,400 እዮም።+

48 ደቂ ንፍታሌም+ በብዓሌቶም እዚኣቶም እዮም፦ ካብ ያሕጽኤል፡ ዓሌት ያሕጽኤላውያን፣ ካብ ጉኒ፡ ዓሌት ጉናውያን፣ 49 ካብ የጸር፡ ዓሌት የጸራውያን፣ ካብ ሺሌም፡ ዓሌት ሺሌማውያን። 50 ዓሌታት ንፍታሌም በብዓሌቶም እዚኣቶም እዮም፣ ምዝጉባቶም ድማ 45,400 እዮም።+

51 ድምር እቶም ካብ እስራኤላውያን እተመዝገቡ እዚ እዩ፦ 601,730።+

52 ድሕርዚ፡ የሆዋ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፦ 53  “እታ ምድሪ ነዚኣቶም ብዝርዝር ስማቶም* ርስቲ ዀይና ትመቐል።+ 54 ነቶም ብዙሓት፡ ርስቲ ኣግፍሓሎም፣ ነቶም ሒደት ከኣ፡ ርስቲ ኣንእሰሎም።+ ርስቲ ነፍሲ ወከፍ ከም ቍጽሪ እቶም ምዝጉባት ይወሃብ። 55 ግናኸ፡ እታ ምድሪ ብዕጫ ትመቐል።+ ከከም ስማት ነገዳት ኣቦታቶም ይረስተዩ። 56 ኵሉ ርስቲ ብዕጫ ይወሰን፡ ኣብ መንጎ እቶም ብዙሓትን እቶም ሒደትን ከኣ ይመቐል።”

57  ካብ ሌዋውያን+ በብዓሌቶም እተመዝገቡ ድማ እዚኣቶም እዮም፦ ካብ ጌርሾን፡ ዓሌት ጌርሾናውያን፣ ካብ ቀሃት፡+ ዓሌት ቀሃታውያን፣ ካብ መራሪ፡ ዓሌት፧ መራራውያን። 58 ዓሌታት ሌዋውያን እዚኣቶም እዮም፦ ዓሌት ሊብናውያን፡+ ዓሌት ኬብሮናውያን፡+ ዓሌት ማሕላውያን፡+ ዓሌት ሙሻውያን፡+ ዓሌት ቆራሓውያን።+

ቀሃት ከኣ ንዓምራም ወለደ።+ 59 ስም ሰበይቲ ዓምራም ድማ፡ ዮካቤድ እዩ፣+ ንሳ ንሌዊ ኣብ ግብጺ እተወልደትሉ ጓል ሌዊ እያ። ንሳ ኸኣ ንዓምራም፡ ኣሮንን ሙሴን ሓብቶም ሚርያምን ወለደትሉ።+ 60 ንኣሮን ድማ፡ ናዳብን ኣቢሁን ኣልኣዛርን ኢታማርን ተወልዱሉ።+ 61 ናዳብን ኣቢሁን ግና ኣብ ቅድሚ የሆዋ ዘይተፈቕደ ሓዊ ብምቕራቦም ሞቱ።+

62 ድምር እቶም ካብ ወዲ ወርሒ ንላዕሊ ዝዀኑ ዅሎም ተባዕትዮ ምዝጉባት 23,000 ነበረ።+ ንሳቶም ኣብ መንጎ እስራኤላውያን ርስቲ ስለ ዘይውሃቦም፡+ ኣብ መንጎ እስራኤላውያን ኣይተመዝገቡን።+

63 ሙሴን ካህን ኣልኣዛርን ኣብ ጐላጕል ምድረ በዳ ሞኣብ፡ ኣብ ዮርዳኖስ ናይ ያሪኮ ዝመዝገብዎም እስራኤላውያን እዚኣቶም እዮም። 64 ካብቶም ሙሴን ካህን ኣሮንን ኣብ በረኻ ሲና ኣብ እተገብረ ቘጸራ እስራኤላውያን ዝመዝገብዎም ግና፡ ሓደ እኳ ኣብ መንጎኦም ኣይነበረን።+ 65 ከመይሲ፡ የሆዋ ብዛዕባኦም፡ “ኣብ በረኻ ብርግጽ ኪሞቱ እዮም” ኢሉ ነበረ።+ ስለዚ፡ ብዘይካ ካሌብ ወዲ የፉነን እያሱ ወዲ ነዌን፡ ሓደ ኻባታቶም እኳ ኣይተረፈን።+

27 ኣዋልድ ጸሎፍሓድ+ ወዲ ሔፈር፡ ወዲ ጊልዓድ፡ ወዲ ማኪር፡ ወዲ ምናሴ፡ ካብ ዓሌታት ምናሴ ወዲ ዮሴፍ ከኣ ቀረባ። ስም እተን ኣዋልዱ፡ ማሕላ፡ ኖዓ፡ ሖግላ፡ ሚልካ፡ ቲርጻ ነበረ። 2 ኣብ ቅድሚ ሙሴን ኣብ ቅድሚ ኻህን ኣልኣዛርን ኣብ ቅድሚ ሹማምንትን+ ኣብ ቅድሚ ዅሉ እቲ ኣኼባን ኣብ ኣፍ ደገ ድንኳን ምርኻብ ደው ኢለን ከምዚ በላ፦ 3 “ኣቦና ኣብ በረኻ እዩ ሞይቱ፣ ግናኸ፡ ብሓጢኣቱ ደኣ እዩ ሞይቱ እምበር፡ ኣብ መንጎ እቶም ኣንጻር የሆዋ እተኣከቡ ደገፍቲ ቆራሕ ኣይነበረን፣+ ኣወዳት ድማ ኣይነበርዎን። 4 ወዲ ስለ ዘይነበሮስ፡ ስለምንታይ ስም ኣቦና ኻብ ዓሌቱ ዚጠፍእ፧ ኣብ መንጎ ሓወቦታትና ርስቲ ሃበና።” 5 ሙሴ ድማ፡ ነቲ ነገረን ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኣቕረቦ።+

6 የሆዋ ኸኣ ንሙሴ ኸምዚ በሎ፦ 7 “ኣዋልድ ጸሎፍሓድ እተዛረባኦ ቕኑዕ እዩ። ኣብ መንጎ ሓወቦታተን ርስቲ ሃበን፣ ርስቲ ኣቦአን ድማ ናባታተን ኣሕልፎ።+ 8 ንእስራኤላውያን ከኣ ከምዚ ኢልካ ተዛረቦም፦ ‘ሰብ፡ ወዲ ኸይሓደገ እንተ ሞይቱ፡ ርስቱ ናብ ጓሉ ኣሕልፍዎ። 9 ጓል እንተ ዘይብሉ ኸኣ፡ ርስቱ ንኣሕዋቱ ሃብዎም። 10 ኣሕዋት እንተ ዘይብሉ ድማ፡ ርስቱ ንሓወቦታቱ ሃብዎም። 11 ኣቦኡ ኣሕዋት እንተ ዘይብሉ ኸኣ፡ ርስቱ ኻብ ዓሌቱ ነቲ ዝቐረበ ዘመዱ ሃብዎ፡ ንሱ ድማ ይረስተዮ። እዚ ኸኣ ከምቲ የሆዋ ንሙሴ ዝኣዘዞ፡ ንእስራኤላውያን ብፍርዲ ዝቘመ ሕጊ ይኹን።’”

12 የሆዋ ድማ ንሙሴ ኸምዚ በሎ፦ “ናብዚ ኸረን ዓባሪም ደይብ፡+ ነታ ንእስራኤላውያን ዝህቦም ምድሪ ኸኣ ርኣያ።+ 13 ምስ ረኣኻያ፡ ከምቲ ሓውካ ኣሮን እተኣከበ፡+ ንስኻ እውን ናብ ህዝብኻ ኽትእከብ ኢኻ።*+ 14 ከመይሲ፡ እቲ ኣኼባ ኣብ በረኻ ጺን ምሳይ ምስ ተቛየቘ፡ ብዛዕባ እቲ ማይ ኣብ ቅድሚኦም ከይትቕዱሱኒ ኻብ ትእዛዘይ ዓሊኹም ኢኹም።+ እዚ ኣብ ቃዴስ+ ኣብ በረኻ ጺን+ ዚርከብ ማይ መሪባ+ እዩ።”

15 ሙሴ ድማ ንየሆዋ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፦ 16 “የሆዋ፡ እቲ ኣምላኽ መንፈስ ኵሉ ሰብ፡* ኣብ ልዕሊ እቲ ኣኼባ ሰብኣይ ይሽም፣ 17 ኣኼባ የሆዋ፡ ጓሳ ኸም ዘይብለን ኣባጊዕ ምእንቲ ኸይከውን፡ ንሱ ኣብ ቅድሚኦም ዚኣቱን ዚወጽእን፡ ዜውጽኦምን ዜእትዎምን ይኹን።” 18 የሆዋ ኸኣ ንሙሴ ኸምዚ በሎ፦ “ንእያሱ ወዲ ነዌ፡ መንፈስ ዘለዎ ሰብኣይ፡ ውሰዶ እሞ፡ ኢድካ ኣብ ልዕሊኡ ኣንብር።+ 19 ኣብ ቅድሚ ኻህን ኣልኣዛርን ኣብ ቅድሚ ዅሉ እቲ ኣኼባን ድማ ደው ኣብሎ፣ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቶም ከኣ መዝዞ።+ 20 ኵሉ ኣኼባ እስራኤላውያን ምእንቲ ኺሰምዖ፡+ ገለ ኻብ ስልጣንካ* ኣብ ልዕሊኡ ኣንብር።+ 21 ንሱ ድማ ኣብ ቅድሚ እቲ ብፍርዲ ኡሪም+ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ዚሓትተሉ ኻህን ኣልኣዛር ደው ኪብል እዩ። ብትእዛዙ ኺወጹ፡ ብትእዛዙ ኸኣ ኪኣትዉ እዮም፣ ማለት ንሱን ኵሎም እስራኤላውያን ከኣ ምስኡን ኵሉ እቲ ኣኼባን።”

22 ሙሴ ድማ ከምቲ የሆዋ ዝኣዘዞ ገበረ። ንእያሱ ወሲዱ፡ ኣብ ቅድሚ ኻህን ኣልኣዛርን ኣብ ቅድሚ ዅሉ እቲ ኣኼባን ደው ኣበሎ፡ 23 ኣእዳዉ ኸኣ ኣብ ልዕሊኡ ኣንበረ፣ ከምቲ የሆዋ ብሙሴ ኣቢሉ እተዛረቦ ድማ መዘዞ።+

28 የሆዋ ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፦ 2 “ንእስራኤላውያን ከምዚ ኢልካ ኣዝዞም፦ ‘መስዋእተይ፡ ማለት እንጌራይ፡ ተጠንቂቕኩም ኣቕርቡለይ። ንጥዑም ጨና ዚዀነኒ ብሓዊ ዚግበር መስዋእተይ፡ ኣብቲ ምዱብ ግዜኡ ይገበር።’+

3 “ከምዚ ድማ በሎም፦ ‘ንየሆዋ እተቕርብዎ ብሓዊ ዚግበር መስዋእቲ እዚ እዩ፦ ነቲ ናይ ወትሩ ዚሓርር መስዋእቲ፡ ነንመዓልቲ ጥዑያት ክልተ ገንሸል* ዓመት።+ 4 ነቲ ሓደ ገንሸል ንግሆ ሰውኣዮ፣ ነቲ ኻልኣይ ገንሸል ከኣ ጽልግልግ ምስ በለ* ሰውኣዮ፣+ 5 ምስኡ ኸኣ ንመስዋእቲ እኽሊ ብርብዒ ሂን* ጕዱእ ዘይቲ እተቘምጥዐ ዓስራይ ኣፍ ኤፋ* ድኹም ሓርጭ ኣቕርብ።+ 6 እዚ እቲ ናይ ወትሩ ዚሓርር መስዋእቲ፡+ ኣብ ከረን ሲና ዝቘመ ንየሆዋ ጥዑም ጨና ዚኸውን ብሓዊ ዚግበር መስዋእቲ እዩ፣ 7 ምስኡ ኸኣ መስዋእቲ መስተ፡ ማለት ነንሓደ ገንሸል ርብዒ ሂን ይቕረብ።+ እቲ ኣልኮላዊ መስተ ንየሆዋ መስዋእቲ መስተ ኪኸውን ኣብቲ መቕደስ ኣፍስሶ። 8 ጽልግልግ ምስ በለ* ኸኣ፡ ነቲ ኻልኣይ ገንሸል ሰውኣዮ። ከምቲ ናይ ንግሆ ድማ ምስ መስዋእቲ እኽልን ምስ መስዋእቲ መስተን፡ ንየሆዋ ጥዑም ዝጨናኡ ብሓዊ ዚግበር መስዋእቲ ኪኸውን ኣቕርብ።+

9 “‘ብመዓልቲ ሰንበት+ ድማ ጥዑያት ክልተ ገንሸል ዓመት፡ ንመስዋእቲ እኽሊ ኸኣ ክልተ ዓስራይ ኣፍ ኤፋ ብዘይቲ እተቘምጥዐ ድኹም ሓርጭ፡ ምስኡ ድማ መስዋእቲ መስተ ኣቕርብ። 10 እዚ ምስቲ ናይ ወትሩ ዚሓርር መስዋእትን መስዋእቲ መስተኡን ንሰንበት ዚኸውን ዚሓርር መስዋእቲ እዩ።+

11 “‘ኣብ መመጀመርታ ወርሒ* ድማ፡ ንየሆዋ ዚሓርር መስዋእቲ ዚኸውን ክልተ ዝራብዕን ሓደ ድዑልን ጥዑያት ሸውዓተ ገንሸል ዓመትን ኣቕርቡ፣+ 12 ነንሓደ ዝራብዕ ድማ፡ ንመስዋእቲ እኽሊ ሰለስተ ዓስራይ ኣፍ ስፍሪ ብዘይቲ እተቘምጥዐ ድኹም ሓርጭ፡+ ነቲ ሓደ ድዑል ከኣ ንመስዋእቲ እኽሊ ክልተ ዓስራይ ኣፍ ስፍሪ ብዘይቲ እተቘምጥዐ ድኹም ሓርጭ፡+ 13 ነንሓደ ገንሸል ድማ ንመስዋእቲ እኽሊ ዓስራይ ኣፍ ስፍሪ ብዘይቲ እተቘምጥዐ ድኹም ሓርጭ፡ ዚሓርር መስዋእቲ ዀይኑ ንየሆዋ ጥዑም ዝጨናኡ ብሓዊ ዚግበር መስዋእቲ ኪኸውን ኣቕርቡ።+ 14 መስዋእቲ መስተኦም ከኣ ንዝራብዕ ፍርቂ ሂን ወይኒ፡+ ንድዑል ሲሶ ሂን፡+ ንገንሸል ከኣ ርብዒ ሂን ይኹን።+ እዚ ኣብ ምሉእ ዓመት ኣብ ወወርሒ ዚቐርብ ወርሓዊ ዚሓርር መስዋእቲ እዩ። 15 ኣብ ልዕሊ እቲ ናይ ወትሩ ዚሓርር መስዋእትን ምስኡ ዚቐርብ መስዋእቲ መስተኡን፡ ንመስዋእቲ ሓጢኣት ሓደ ወጠጦ ንየሆዋ ይሰዋእ።

16 “‘ኣብታ ቐዳመይቲ ወርሒ፡ ኣብ መበል 14 መዓልቲ እታ ወርሒ፡ ፋስጋ የሆዋ ይኹን።+ 17 ኣብ መበል 15 መዓልቲ እታ ወርሒ እቲኣ ድማ፡ በዓል ይኹን። ሸውዓተ መዓልቲ፡ ቅጫ ይበላዕ።+ 18 ኣብታ ቐዳመይቲ መዓልቲ፡ ቅዱስ ኣኼባ ይኹን። ዝዀነ ኸቢድ ዕዮ ኣይትዕየዩ። 19 ንዚሓርር መስዋእቲ ኸኣ ክልተ ዝራብዕን ሓደ ድዑልን ሸውዓተ ገንሸል ዓመትን ንየሆዋ ብሓዊ ዚግበር መስዋእቲ ኪኸውን ኣቕርቡ። ጥዑያት እንስሳታት ይኹኑ።+ 20 ምስኡ ኸኣ ብዘይቲ ኻብ እተቘምጥዐ ድኹም ሓርጭ መስዋእቲ እኽሊ ሰውኡ፣+ ንዝራብዕ ሰለስተ ዓስራይ ኣፍ ስፍሪ፡ ንድዑል ከኣ ክልተ ዓስራይ ኣፍ ስፍሪ ይኹን። 21 ነቶም ሸውዓተ ገንሸል፡ ነንሓደ ገንሸል ዓስራይ ኣፍ ስፍሪ ሰውእ፣ 22 ንምትዕራቕኩም ድማ ንመስዋእቲ ሓጢኣት ሓደ ወጠጦ ሰውእ። 23 ብዘይካ እቲ ንናይ ወትሩ ዚሓርር መስዋእቲ ዚኸውን ናይ ንግሆ ዚሓርር መስዋእቲ ኸኣ፡ እዚ ሰውኡ። 24 ከምኡ ጌርኩም ኣብ መመዓልቲ፡ ሸውዓተ መዓልቲ ንየሆዋ እንጌራ፡ ማለት ጥዑም ዝጨናኡ ብሓዊ ዚግበር መስዋእቲ ሰውኡ። ምስቲ ናይ ወትሩ ዚሓርር መስዋእትን መስዋእቲ መስተኡን ይሰዋእ። 25 ኣብታ ሻውዐይቲ መዓልቲ ኸኣ፡ ቅዱስ ኣኼባ ግበሩ።+ ዝዀነ ኸቢድ ዕዮ ኣይትዕየዩ።+

26 “‘ብመዓልቲ በዅሪ ፍረ፡+ ንየሆዋ ሓድሽ መስዋእቲ እኽሊ ኸተቕርቡ ኸለኹም፡+ ኣብቲ በዓል ሰሙናትኩም ቅዱስ ኣኼባ ግበሩ።+ ዝዀነ ኸቢድ ዕዮ ኣይትዕየዩ።+ 27 ንየሆዋ ጥዑም ዝጨናኡ ዚሓርር መስዋእቲ ኪኸውን፡ ክልተ ዝራብዕን ሓደ ድዑልን ሸውዓተ ገንሸል ዓመትን ኣቕርቡ፣+ 28 ንመስዋእቲ እኽሎም ድማ፡ ነንሓደ ዝራብዕ ሰለስተ ዓስራይ ኣፍ ስፍሪ ብዘይቲ እተቘምጥዐ ድኹም ሓርጭ፡ ነቲ ድዑል ከኣ ክልተ ዓስራይ ኣፍ ስፍሪ፡ 29 ነቶም ሸውዓተ ገንሸል ድማ ነንሓደ ገንሸል ዓስራይ ኣፍ ስፍሪ ይኹን፣ 30 ንምትዕራቕኩም ከኣ ሓደ ወጠጦ ኣቕርቡ።+ 31 ኣብ ልዕሊ እቲ ናይ ወትሩ ዚሓርር መስዋእትን መስዋእቲ እኽሉን፡ እዚ ሰውኡ። ጥዑያት እንስሳታት ይኹኑ፣+ ምስ መስዋእቲ መስተኦም ድማ ይቕረቡ።

29 “‘ኣብታ ሻውዐይቲ ወርሒ፡ ኣብ ቀዳመይቲ እታ ወርሒ፡ ቅዱስ ኣኼባ ግበሩ። ዝዀነ ኸቢድ ዕዮ ኣይትዕየዩ።+ መለኸት እትነፍሑላ መዓልቲ እያ።+ 2 ንየሆዋ ጥዑም ዝጨናኡ ዚሓርር መስዋእቲ ኪኸውን ከኣ፡ ሓደ ዝራብዕን ሓደ ድዑልን ሸውዓተ ገንሸል* ዓመትን፡ ኵላቶም ጥዑያት ሰውኡ፣ 3 ንመስዋእቲ እኽሎም ከኣ ብዘይቲ እተቘምጥዐ ድኹም ሓርጭ፡ ነቲ ዝራብዕ ሰለስተ ዓስራይ ኣፍ ኤፋ፡ ነቲ ድዑል ድማ ክልተ ዓስራይ ኣፍ ስፍሪ፡ 4 ነቶም ሸውዓተ ገንሸል ከኣ፡ ነንሓደ ገንሸል ሓደ ዓስራይ ኣፍ ስፍሪ፡ 5 ንምትዕራቕኩም ድማ ንመስዋእቲ ሓጢኣት ሓደ ወጠጦ ሰውኡ። 6 እዚ ኣብ ልዕሊ እቲ ኸከም ስርዓቱ ንየሆዋ ጥዑም ዝጨናኡ ኪኸውን ብሓዊ ዚግበር መስዋእቲ ዀይኑ ዚቐርብ ወርሓዊ ዚሓርር መስዋእትን መስዋእቲ እኽሉን+ ናይ ወትሩ ዚሓርር መስዋእትን መስዋእቲ እኽሉን+ ምስኡ ዚቐርብ መስዋእቲ መስተኡን+ እዩ።

7 “‘ኣብ ዓስረይቲ እታ ሻውዐይቲ ወርሒ፡ ቅዱስ ኣኼባ ግበሩ፡+ ርእስኹም ድማ ኣሕስሙ።* ዝዀነ ኸቢድ ዕዮ ኣይትዕየዩ።+ 8 ንየሆዋ ጥዑም ዝጨናኡ ዚሓርር መስዋእቲ ኪኸውን፡ ሓደ ዝራብዕን ሓደ ድዑልን ሸውዓተ ገንሸል ዓመትን፡ ኵላቶም ጥዑያት ኣቕርቡ።+ 9 ንመስዋእቲ እኽሎም ከኣ ብዘይቲ እተቘምጥዐ ድኹም ሓርጭ፡ ነቲ ዝራብዕ ሰለስተ ዓስራይ ኣፍ ስፍሪ፡ ነቲ ድዑል ድማ ክልተ ዓስራይ ኣፍ ስፍሪ፡ 10 ነቶም ሸውዓተ ገንሸል ከኣ፡ ነንሓደ ገንሸል ዓስራይ ኣፍ ስፍሪ፡ 11 ንመስዋእቲ ሓጢኣት ድማ ሓደ ወጠጦ፡ ብዘይካ እቲ ናይ ዕርቂ መስዋእቲ ሓጢኣትን+ ናይ ወትሩ ዚሓርር መስዋእትን መስዋእቲ እኽሉን ምስኡ ዚቐርብ መስዋእቲ መስተኡን ኣቕርቡ።

12 “‘ኣብ መበል 15 መዓልቲ እታ ሻውዐይቲ ወርሒ፡ ቅዱስ ኣኼባ ግበሩ። ዝዀነ ኸቢድ ዕዮ ኣይትዕየዩ፣ ሸውዓተ መዓልቲ ድማ ንየሆዋ በዓል ኣብዕሉ።+ 13 ንየሆዋ ጥዑም ዝጨናኡ ዚሓርር መስዋእቲ፡+ ማለት ብሓዊ ዚግበር መስዋእቲ ኪኸውን፡ 13 ዝራብዕን 2 ድዑልን 14 ገንሸል ዓመትን፡ ኵላቶም ጥዑያት ኣቕርቡ።+ 14 ንመስዋእቲ እኽሎም ከኣ ብዘይቲ እተቘምጥዐ ድኹም ሓርጭ፡ ነቶም 13 ዝራብዕ፡ ነንሓደ ዝራብዕ ሰለስተ ዓስራይ ኣፍ ስፍሪ፡ ነቶም 2 ድዑል ድማ፡ ነንሓደ ድዑል ክልተ ዓስራይ ኣፍ ስፍሪ፡ 15 ነቶም 14 ገንሸል ከኣ፡ ነንሓደ ገንሸል ዓስራይ ኣፍ ስፍሪ፡ 16 ንመስዋእቲ ሓጢኣት ድማ ሓደ ወጠጦ፡ ብዘይካ እቲ ናይ ወትሩ ዚሓርር መስዋእትን መስዋእቲ እኽሉን ምስኡ ዚቐርብ መስዋእቲ መስተኡን ኣቕርቡ።+

17 “‘ኣብታ ኻልአይቲ መዓልቲ፡ 12 ዝራብዕን 2 ድዑልን 14 ገንሸል ዓመትን፡ ኵላቶም ጥዑያት ኣቕርቡ፣+ 18 ንመስዋእቲ እኽሎምን ንመስዋእቲ መስተኦምን ከኣ፡ ነቶም ዝራብዓትን ነቶም ደዓውልን ነቶም ገንሸላትን ከምቲ እተሰርዐ በብቝጽሮም፡ 19 ንመስዋእቲ ሓጢኣት ድማ ሓደ ወጠጦ፡ ብዘይካ እቲ ናይ ወትሩ ዚሓርር መስዋእትን መስዋእቲ እኽሉን ምስኡ ዚቐርብ መስዋእቲ መስተኡን ኣቕርቡ።+

20 “‘ኣብታ ሳልሰይቲ መዓልቲ፡ 11 ዝራብዕን 2 ድዑልን 14 ገንሸል ዓመትን፡ ኵላቶም ጥዑያት ኣቕርቡ፣+ 21 ንመስዋእቲ እኽሎምን ንመስዋእቲ መስተኦምን ከኣ፡ ነቶም ዝራብዓትን ነቶም ደዓውልን ነቶም ገንሸላትን ከምቲ እተሰርዐ በብቝጽሮም፡ 22 ንመስዋእቲ ሓጢኣት ድማ ሓደ ወጠጦ፡ ብዘይካ እቲ ናይ ወትሩ ዚሓርር መስዋእትን መስዋእቲ እኽሉን መስዋእቲ መስተኡን ኣቕርቡ።+

23 “‘ኣብታ ራብዐይቲ መዓልቲ፡ 10 ዝራብዕን 2 ድዑልን 14 ገንሸል ዓመትን፡ ኵላቶም ጥዑያት ኣቕርቡ፣+ 24 ንመስዋእቲ እኽሎምን ንመስዋእቲ መስተኦምን ከኣ፡ ነቶም ዝራብዓትን ነቶም ደዓውልን ነቶም ገንሸላትን ከምቲ እተሰርዐ በብቝጽሮም፡ 25 ንመስዋእቲ ሓጢኣት ድማ ሓደ ወጠጦ፡ ብዘይካ እቲ ናይ ወትሩ ዚሓርር መስዋእትን መስዋእቲ እኽሉን መስዋእቲ መስተኡን ኣቕርቡ።+

26 “‘ኣብታ ሓምሸይቲ መዓልቲ፡ 9 ዝራብዕን 2 ድዑልን 14 ገንሸል ዓመትን፡ ኵላቶም ጥዑያት ኣቕርቡ፣+ 27 ንመስዋእቲ እኽሎምን ንመስዋእቲ መስተኦምን ከኣ፡ ነቶም ዝራብዓትን ነቶም ደዓውልን ነቶም ገንሸላትን ከምቲ እተሰርዐ በብቝጽሮም፡ 28 ንመስዋእቲ ሓጢኣት ድማ ሓደ ወጠጦ፡ ብዘይካ እቲ ናይ ወትሩ ዚሓርር መስዋእትን መስዋእቲ እኽሉን መስዋእቲ መስተኡን ኣቕርቡ።+

29 “‘ኣብታ ሻድሸይቲ መዓልቲ፡ 8 ዝራብዕን 2 ድዑልን 14 ገንሸል ዓመትን፡ ኵላቶም ጥዑያት ኣቕርቡ፣+ 30 ንመስዋእቲ እኽሎምን ንመስዋእቲ መስተኦምን ከኣ፡ ነቶም ዝራብዓትን ነቶም ደዓውልን ነቶም ገንሸላትን ከምቲ እተሰርዐ በብቝጽሮም፡ 31 ንመስዋእቲ ሓጢኣት ድማ ሓደ ወጠጦ፡ ብዘይካ እቲ ናይ ወትሩ ዚሓርር መስዋእትን መስዋእቲ እኽሉን መስዋእቲ መስተኡን ኣቕርቡ።+

32 “‘ኣብታ ሻውዐይቲ መዓልቲ፡ 7 ዝራብዕን 2 ድዑልን 14 ገንሸል ዓመትን፡ ኵላቶም ጥዑያት ኣቕርቡ፣+ 33 ንመስዋእቲ እኽሎምን ንመስዋእቲ መስተኦምን ከኣ፡ ነቶም ዝራብዓትን ነቶም ደዓውልን ነቶም ገንሸላትን ከምቲ እተሰርዓሎም በብቝጽሮም፡ 34 ንመስዋእቲ ሓጢኣት ድማ ሓደ ወጠጦ፡ ብዘይካ እቲ ናይ ወትሩ ዚሓርር መስዋእትን መስዋእቲ እኽሉን መስዋእቲ መስተኡን ኣቕርቡ።+

35 “‘ኣብታ ሻምነይቲ መዓልቲ፡ ፍሉይ ኣኼባ ግበሩ። ዝዀነ ኸቢድ ዕዮ ኣይትዕየዩ።+ 36 ንየሆዋ ጥዑም ዝጨናኡ ዚሓርር መስዋእቲ፡ ማለት ብሓዊ ዚግበር መስዋእቲ ኪኸውን፡ ሓደ ዝራብዕን ሓደ ድዑልን ሸውዓተ ገንሸል ዓመትን፡ ኵላቶም ጥዑያት ኣቕርቡ፣+ 37 ንመስዋእቲ እኽሎምን ንመስዋእቲ መስተኦምን ከኣ፡ ነቲ ዝራብዕን ነቲ ድዑልን ነቶም ገንሸላትን ከምቲ እተሰርዐ በብቝጽሮም፡ 38 ንመስዋእቲ ሓጢኣት ድማ ሓደ ወጠጦ፡ ብዘይካ እቲ ናይ ወትሩ ዚሓርር መስዋእትን መስዋእቲ እኽሉን መስዋእቲ መስተኡን ኣቕርቡ።+

39 “‘እዚ ኣብ ልዕሊ እቲ መስዋእቲ መብጽዓኹምን+ መስዋእቲ ፍታውኩምን+ ዚሓርር መስዋእትኹምን+ መስዋእቲ እኽልኹምን+ መስዋእቲ መስተኹምን+ መስዋእቲ ሕብረትኩምን፡+ ንየሆዋ ኣብ በዓላትኩም ክትስውእዎ ኢኹም።’”+ 40 ሙሴ ኸኣ፡ ኵሉ እቲ የሆዋ ንዕኡ ዝኣዘዞ፡ ንእስራኤላውያን ነገሮም።

30 ሙሴ ድማ ንርእስታት+ ነገዳት እስራኤል ከምዚ ኢሉ ተዛረቦም፦ “እቲ የሆዋ ዝኣዘዞ ቓል እዚ እዩ፦ 2 ሰብ ንየሆዋ መብጽዓ እንተ ተመባጺዑ፡+ ወይ ኪሕረም ብምምብጻዕ ማሕላ እንተ ምሒሉ፡*+ ቃሉ ኣየፍርስ።+ ንዅሉ እቲ ኺገብሮ እተመባጽዖ ይግበሮ።+

3 “ሰበይቲ ብግዜ ንእስነታ ኣብ ቤት ኣቦኣ ኸላ፡ ንየሆዋ እንተ ተመባጺዓ፡ ወይ ክትሕረም እንተ ተመባጺዓ፡ 4 ኣቦኣ ኸኣ ንመብጽዓኣ ወይ ነቲ ገዛእ ርእሳ ዝኣሰረትሉ ኽትሕረም ዝኣተወቶ መብጽዓ* እንተ ሰሚዕዎ እሞ፡ እንተ ዘይተቓዊምዋ፡ ኵሉ እቲ መብጽዓኣ ይቑም፡ ኵሉ እቲ ገዛእ ርእሳ ዝኣሰረትሉ ኽትሕረም ዝኣተወቶ መብጽዓ እውን ይቑም። 5 ኣቦኣ መብጽዓኣ ወይ ገዛእ ርእሳ ዝኣሰረትሉ ኽትሕረም ዝኣተወቶ መብጽዓ ምስ ሰምዐ እንተ ኸልኪልዋ ግና፡ ኣይቑም። ኣቦኣ ስለ ዝኸልከላ፡ የሆዋ ይቕረ ኺብለላ እዩ።+

6 “ግናኸ፡ ተመባጺዓ ኸላ ወይ ብታህዋኽ ቃል ብምእታው ገዛእ ርእሳ ኣሲራ ኸላ እንተ ተመርዕያ፡ 7 ሰብኣያ ድማ ሰሚዑ፡ በታ ዝሰምዓላ መዓልቲ እንተ ዘይተቓዊምዋ፡ መብጽዓኣ ወይ እቲ ገዛእ ርእሳ ዝኣሰረትሉ ኽትሕረም ዝኣተወቶ መብጽዓኣ ይቑም። 8 ሰብኣያ በታ ዝሰምዓላ መዓልቲ እንተ ኸልኪልዋ ግና፡ ነቲ መብጽዓ ወይ ነቲ ገዛእ ርእሳ ዝኣሰረትሉ ብታህዋኽ ዝኣተወቶ ቓል ኬፍርሶ ይኽእል እዩ፣+ የሆዋ ኸኣ ይቕረ ኺብለላ እዩ።

9 “መበለት ወይ ፍትሕቲ መብጽዓ እንተ ተመባጺዓ ግና፡ ኵሉ እቲ ገዛእ ርእሳ ዝኣሰረትሉ ይቑም።

10 “ግናኸ፡ ሰበይቲ ኣብ ቤት ሰብኣያ ኸላ መብጽዓ እንተ ተመባጺዓ፡ ወይ ገዛእ ርእሳ ብምእሳር ክትሕረም እንተ ተመባጺዓ፡ 11 ሰብኣያ ድማ ሰሚዑ፡ እንተ ዘይተቓዊምዋ ወይ እንተ ዘይከልኪልዋ፡ ኵሉ መብጽዓኣ ወይ ኵሉ እቲ ገዛእ ርእሳ ዝኣሰረትሉ ኽትሕረም ዝኣተወቶ መብጽዓኣ ይቑም። 12 ሰብኣያ በታ ዝሰምዓላ መዓልቲ ንዅሉ መብጽዓኣ ወይ ነቲ ኽትሕረም ኢላ ብማሕላ ዝኣተወቶ መብጽዓ ፈጺሙ እንተ ኣፍሪስዎ ግና፡ ኣይቑም።+ ሰብኣያ ኣፍሪስዎ እዩ፣ የሆዋ ኸኣ ይቕረ ኺብለላ እዩ። 13 ብዛዕባ ዅሉ መብጽዓ ወይ ብዛዕባ ዅሉ እቲ ንርእሰ* ምሕሳም ዚእቶ መብጽዓ ምሕራም፡ ሰብኣያ የቝሞ፡ ወይ ሰብኣያ የፍርሶ። 14 ሰብኣያ ኻብ መዓልቲ ንመዓልቲ እንተ ዘይተቓዊምዋ ግና፡ ኵሉ መብጽዓኣ ወይ ኵሉ እቲ ኽትሕረም ዝኣተወቶ መብጽዓኣ ይቐውም። በታ ዝሰምዓላ መዓልቲ ስለ ዘይተቓወማ፡ ኣቚምዎ እዩ። 15 ድሕሪ እታ ዝሰምዓላ መዓልቲ፡ ጸኒሑ እንተ ኣፍሪስዎ ግና፡ ሳዕቤናት በደላ ኺጸውር እዩ።+

16 “እቲ ብዛዕባ ሰብኣይን ሰበይትን፡ ብዛዕባ ኣቦን ኣብ ቤቱ እትነብር ንእሽቶ ጓሉን፡ የሆዋ ንሙሴ ዝኣዘዞ ስርዓታት እዚ እዩ።”

31 የሆዋ ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፦ 2 “ንእስራኤላውያን ኣብ ልዕሊ ሚድያናውያን ሕነ ፍደየሎም።+ ድሕሪኡ፡ ናብ ህዝብኻ ኽትእከብ ኢኻ።”*+

3 ሙሴ ኸኣ ነቲ ህዝቢ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፦ “ኣብቲ ምስ ሚድያን ዚግበር ውግእ* ኬገልግሉን ኣብ ልዕሊ ሚድያን ሕነ የሆዋ ኺፈድዩን፡ ካባኻትኩም ሰባት ኣዕጥቑ። 4 ካብ ኵሎም ነገዳት እስራኤል፡ ከካብ ነገድ 1,000 ናብቲ ሰራዊት ስደዱ።” 5 ካብ ኣሽሓት እስራኤል ድማ፡+ ከካብ ነገድ 1,000 ተመደቡ፣ 12,000 ከኣ ንውግእ* ተዓጥቁ።

6 ሽዑ፡ ሙሴ ነቶም ከካብ ነገድ 1,000 ዝወጹ፡ ናብ ውግእ ሰደዶም፣ እቲ ቕዱስ ኣቕሑን መለኸታት ምልክትን+ ኣብ ኢዱ ዝነበሮ ፊንሃስ+ ወዲ ኣልኣዛር፡ ካህን እቲ ሰራዊት እውን ምሳታቶም ነበረ። 7 ንሳቶም ድማ ከምቲ የሆዋ ንሙሴ ዝኣዘዞ፡ ምስ ሚድያን ተዋግኡ፡ ተባዕታይ ዘበለ ዅሉ ድማ ቀተሉ። 8 ንነገስታት ሚድያን፡ ማለት ነቶም ኤዊን ሬቀምን ጹርን ሑርን ሬባዕን ዚብሃሉ ሓሙሽተ ነገስታት ሚድያን ከኣ፡ ምስቶም ካልኦት ቅቱላት ቀተልዎም። ንበላዓም ወዲ ቤዖር እውን ብሰይፊ ቐተልዎ።+ 9 እስራኤላውያን ግና፡ ኣንስትን ቈልዑን ማረኹ። ኵለን እንስሳታት ዘቤትን ኵለን ማሎምን ኵሉ ጥሪቶምን ከኣ ዘመቱ። 10 ኵለን እተን ዝሰፈሩለን ከተማታትን ኵሉ ሰፈራቶምን* ድማ ብሓዊ ኣንደዱ። 11 ኵሉ እቲ እተሰልበን ኵሉ እቲ እተዘምተን፡ ማለት ሰብ ኰነ እንስሳ፡ ወሰዱ። 12 ነቶም ምሩኻትን ነቲ እተዘምተን ነቲ እተሰልበን ከኣ፡ ናብ ሙሴን ናብ ካህን ኣልኣዛርን ናብ ኣኼባ እስራኤላውያንን፡ ናብቲ ኣብ ጐላጕል ምድረ በዳ ሞኣብ፡+ ጥቓ ዮርዳኖስ ናይ ያሪኮ ዝነበረ ሰፈር ኣምጽእዎ።

13 ሙሴን ካህን ኣልኣዛርን ኵሎም ሹማምንቲ እቲ ኣኼባን ድማ፡ ኪቕበልዎም ናብ ወጻኢ ወጹ። 14 ሙሴ ግና በቶም ካብ ውግእ እተመልሱ ኣብቲ ሰራዊት እተሸሙ ኣሕሉቕ ሽሕን ኣሕሉቕ ሚእትን ተቘጥዐ። 15 ሙሴ ኸኣ ከምዚ በሎም፦ “ንዅለን ደቂ ኣንስትዮዶ ብህይወት ሓዲግኩምወን፧ 16 እንሆ፡ ኣብቲ ናይ ጴዖር ነገር፡ ብቓል በላዓም፡ ንእስራኤላውያን ንየሆዋ ኸም ዚጠልሙ ዝገበራኦም ንሳተን እየን፣+ ስለዚ ኸኣ፡ ኣብቲ ኣኼባ የሆዋ መቕዘፍቲ ወሪዱ።+ 17 ሕጂ ድማ፡ ካብ ቈልዑ፡ ተባዕታይ ዘበለ ዅሉ ቕተሉ፣ ምስ ሰብኣይ ጾታዊ ርክብ ገይረን ዚፈልጣ ዅለን ኣንስቲ ኸኣ ቅተሉ። 18 ምስ ሰብኣይ ጾታዊ ርክብ ዘይገበራ ዅለን ኣዋልድ ግና ብህይወት ክትሓድግወን ትኽእሉ ኢኹም።+ 19 ሸውዓተ መዓልቲ ድማ ኣብ ወጻኢ ሰፈር ስፈሩ። ሰብ* ዝቐተለ ዘበለን እተቐትለ ዝተንከየ ዘበለን ከኣ፡+ ንስኻትኩምን ምሩኻትኩምን፡ ኣብ ሳልሰይቲ መዓልትን ኣብ ሻውዐይቲ መዓልትን ገዛእ ርእስኹም ኣንጽሁ።+ 20 ኵሉ ኽዳውንትን ኵሉ ኣቕሓ ቘርበትን ካብ ጸጕሪ ጤል እተገብረ ዅሉን ኵሉ ኣቕሓ ዕንጨይትን ከኣ ኣንጽሁ።”

21 ካህን ኣልኣዛር ድማ ነቶም ናብ ውግእ ከይዶም ዝነበሩ ተዋጋእቲ ሰባት ከምዚ በሎም፦ “ስርዓት እቲ የሆዋ ንሙሴ ዝኣዘዞ ሕጊ እዚ እዩ፦ 22 ‘ወርቅን ብሩርን ነሓስን ሓጺንን መብሸልን ዓረርን፡ 23 ሓዊ ዚኽእል ኵሉ፡ ብሓዊ ኣሕልፍዎ፡ ኪነጽህ ድማ እዩ። ብዜንጽህ ማይ እውን ይንጻህ።+ ሓዊ ዘይክእል ኵሉ ድማ፡ ብማይ ኣሕልፍዎ። 24 ኣብ ሻውዐይቲ መዓልቲ ኸኣ ክዳውንትኹም ሕጸቡን ንጽሁን፣ ድሕሪኡ፡ ናብ ሰፈር ክትኣትዉ ትኽእሉ።’”+

25 የሆዋ ድማ ንሙሴ ኸምዚ በሎ፦ 26 “ነቲ እተዘምተ፡ ነቲ እተማረኸ ሰብን እንስሳን ቍጸር፣ ነዚ ምስ ካህን ኣልኣዛርን ምስ ርእስታት ማይ ቤታት እቲ ኣኼባን ኴንካ ግበሮ። 27 እቲ እተዘምተ ኸኣ፡ ነቶም ኣብ ውግእ እተሳተፉ ኣባላት እቲ ሰራዊትን ንዅሉ እቲ ዝተረፈ ኣኼባን ፍርቀ ፍርቂ ጌርካ ምቐሎም።+ 28 ካብቶም ናብ ውግእ ከይዶም ዝነበሩ ተዋጋእቲ፡ ካብ ሰብን ካብ ከብትን ካብ ኣእዱግን ካብ ጤለ በጊዕን፡ ከካብ 500 ሓንቲ ነፍሲ* ንየሆዋ ግብሪ ውሰድ። 29 ካብቲ ፍርቆም ውሰዱ እሞ፡ መባእ የሆዋ ኪኸውን፡ ንኻህን ኣልኣዛር ሃቦ።+ 30 ካብቲ ንእስራኤላውያን እተዋህበ ፍርቂ፡ ካብ ሰብን ካብ ከብትን ካብ ኣእዱግን ካብ ጤለ በጊዕን ካብ ኵለን እንስሳ ዘቤትን፡ ከካብ 50 ሓደ ውሰድ፣ ነቶም ኣብ ሓለዋ ማሕደር የሆዋ ሓላፍነት ዘለዎም ሌዋውያን ከኣ ሃቦም።”+

31 ሙሴን ካህን ኣልኣዛርን ድማ ከምቲ የሆዋ ንሙሴ ዝኣዘዞ ገበሩ። 32 እቲ እተሰልበ፡ እቶም ሰብ ውግእ ዝዘመትዎ ዝተረፈ ዝማት፡ 675,000 ጤለ በጊዕ፡ 33 72,000 ከብቲ፡ 34 61,000 ከኣ ኣድጊ ዀነ። 35 እተን ምስ ሰብኣይ ጾታዊ ርክብ ገይረን ዘይፈልጣ ደቂ ኣንስትዮ፡+ 32,000 ደቂ ኣንስትዮ* ኰና። 36 እቲ ፍርቂ ግደ እቶም ናብ ውግእ ከይዶም ዝነበሩ፡ 337,500 ጤለ በጊዕ ኰነ። 37 እቲ ኻብ ጤለ በጊዕ ንየሆዋ እተዋህበ ግብሪ፡ 675 ኰነ። 38 ከብቲ ድማ 36,000፡ ካባታተን ንየሆዋ እተዋህበ ግብሪ ኸኣ፡ 72 ኰነ። 39 ኣእዱግ ድማ 30,500፡ ካባታተን ንየሆዋ እተዋህበ ግብሪ ኸኣ፡ 61 ኰነ። 40 ሰባት* ድማ 16,000፡ ካባታተን ንየሆዋ እተዋህበ ግብሪ ኸኣ፡ 32 ሰባት* ኰነ። 41 ሙሴ ድማ ነቲ ግብሪ፡ ከምቲ የሆዋ ንሙሴ ዝኣዘዞ፡ መባእ የሆዋ ኪኸውን ንኻህን ኣልኣዛር ሃቦ።+

42 ፍርቂ እቲ ሙሴ ኻብ ግደ እቶም እተዋግኡ ሰባት ዝመቐሎም ብጽሒት እስራኤላውያን፡ 43 ፍርቂ እተን ጤለ በጊዕ 337,500፡ 44 ከብቲ 36,000፡ 45 ኣእዱግ 30,500፡ 46 ሰባት* ድማ 16,000 ኰነ። 47 ከምቲ የሆዋ ንሙሴ ዝኣዘዞ ኸኣ፡ ሙሴ ኻብቲ ንእስራኤላውያን ዚብጽሖም ፍርቂ፡ ካብ ሰብን ካብ እንስሳን፡ ከካብ 50 ሓደ ወሲዱ፡ ነቶም ኣብ ሓለዋ ማሕደር የሆዋ ሓላፍነት ዘለዎም ሌዋውያን ሃቦም።+

48 እቶም ኣብ ልዕሊ ኣሽሓት ሰራዊት እተሸሙ+ ኣሕሉቕ ሽሕን ኣሕሉቕ ሚእትን ድማ ናብ ሙሴ ቐረቡ፣ 49 ንሙሴ ኸኣ ኸምዚ በልዎ፦ “ገላዉኻ ነቶም ኣብ ትሕቲ ትእዛዝና ዘለዉ ተዋጋእቲ ቘጺርናዮም ኢና፣ ሓደ ሰብ እውን ኣይጐደለናን።+ 50 ስለዚ፡ ንሕና* ኣብ ቅድሚ የሆዋ ንምትዕራቕ፡ ነፍሲ ወከፍና ዘዝረኸቦ፡ ኣቕሑ ወርቅን ኣልቦን ኣምባርን ቀለቤት ማሕተምን ኵትሻን ካልእ ስልማትን፡ ንየሆዋ መስዋእቲ ኪኸውን ነቕርብ።”

51 ሙሴን ካህን ኣልኣዛርን ከኣ ነቲ ወርቂ፡ ንዅሉ እቲ ስልማት ተቐበልዎም። 52 እቲ ኻብ ኣሕሉቕ ሽሕን ካብ ኣሕሉቕ ሚእትን ንየሆዋ እተዋህበ ዅሉ መባእ ወርቂ፡ 16,750 ሲቃል* ኰነ። 53  እቶም ተዋጋእቲ፡ ነፍሲ ወከፍ ካብቲ እተዘምተ ነንርእሱ ወሲዱ ነበረ። 54 ሙሴን ካህን ኣልኣዛርን ነቲ ወርቂ ኻብቶም ኣሕሉቕ ሽሕን ሚእትን ተቐቢሎም፡ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ንመዘከርታ ህዝቢ እስራኤል ኪኸውን፡ ናብ ድንኳን ምርኻብ ኣእተውዎ።

32 ደቂ ሮቤልን+ ደቂ ጋድን+ ድማ ኣዝየን ብዙሓት ማል ነበራኦም፣ ምድሪ ያዕዜርን+ ምድሪ ጊልዓድን ከኣ ንማል ዚኸውን ጽቡቕ ቦታ ኸም ዝዀነ ረኣዩ። 2 ደቂ ጋድን ደቂ ሮቤልን ድማ ናብ ሙሴን ናብ ካህን ኣልኣዛርን ናብ ሹማምንቲ እቲ ኣኼባን ቀሪቦም ከምዚ በሉ፦ 3 “ዓጣሮትን ዲቦንን ያዕዜርን ኒምራን ሔስቦንን+ ኤልዓለን ሴባምን ኔቦን+ ቤዖንን፡+ 4 እዛ የሆዋ ኣብ ቅድሚ ኣኼባ እስራኤል ዝሰዓራ ምድሪ፡+ ንማል እትኸውን ጽብቕቲ ምድሪ እያ፣ ገላዉኻ ኸኣ ብዙሓት ማል ኣለዋና።”+ 5 ኣስዕብ ኣቢሎም እውን፡ “ኣብ ቅድሚ ኣዒንትኻ ሞገስ እንተ ረኺብናስ፡ እዛ ምድሪ እዚኣ ንገላዉኻ ርስቲ ጌርካ ትወሃብ። ንዮርዳኖስ ኣይተሳግረና” በሉ።

6 ሙሴ ድማ ንደቂ ጋድን ንደቂ ሮቤልን ከምዚ በሎም፦ “ንስኻትኩም ኣብዚ ተቐሚጥኩም ከለኹምዶ፡ ኣሕዋትኩም ናብ ውግእ ኪኸዱ እዮም፧ 7 ስለምንታይ ንህዝቢ እስራኤል ናብታ የሆዋ ዚህቦም ምድሪ ኸይሳገሩ ተስፋ እተቝርጽዎም፧ 8 ንኣቦታትኩም ነታ ምድሪ ኺርእዩ ኻብ ቃዴስ-ባርኔዓ ምስ ሰደድክዎም፡ ከምኡ እዮም ገይሮም።+ 9 ናብ ስንጭሮ* ኤሽኮል ደዪቦም ነታ ምድሪ ምስ ረኣይዋ፡+ ንህዝቢ እስራኤል ናብታ የሆዋ ዚህቦም ምድሪ ኸይኣትዉ ተስፋ ኣቝረጽዎም።+ 10 በታ መዓልቲ እቲኣ ቝጥዓ የሆዋ ነደደ እሞ፡ ከምዚ ኢሉ መሓለ፦+ 11 ‘እቶም ካብ ግብጺ ዝደየቡ ኻብ ወዲ 20 ዓመት ንላዕሊ ዝዀኑ ሰባት፡ ብምሉእ ልቦም ስለ ዘይሰዓቡኒ፡ ነታ ኣነ ንኣብርሃምን ንይስሃቅን ንያእቆብን ዝመሓልኩሎም+ ምድሪ ኣይኪርእይዋን እዮም፣+ 12 ብዘይካ እቶም ንየሆዋ ብምሉእ ልቦም ዝሰዓብዎ ካሌብ+ ወዲ የፉነ እቲ ቄኒዛውን እያሱ+ ወዲ ነዌን፡ ካልኦት ኣይኪርእይዋን እዮም።’+ 13 ቍጥዓ የሆዋ ኸኣ ኣብ እስራኤል ነደደ፣ ኵሉ እቲ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ ኽፉእ ዚገብር ዝነበረ ወለዶ ኽሳዕ ዚውዳእ ድማ፡+ 40 ዓመት ኣብ በረኻ ዀለል ኣበሎም።+ 14 ሕጂ ኸኣ ንስኻትኩም ነቲ ዚነድድ ቍጥዓ የሆዋ ኣብ እስራኤል እተበርትዑ ዘርኢ ሓጥኣን ሰባት ኴንኩም ኣብ ክንዲ ኣቦታትኩም ተንሲእኩም ኣለኹም። 15 ካብ ምስዓቡ እንተ ተመሊስኩም፡ ንሱ እውን ብርግጽ መሊሱ ኣብ በረኻ ኺሓድጎም እዩ፣ ኣብ ልዕሊ እዚ ዅሉ ህዝቢ እዚ ድማ ጥፍኣት ከተምጽኡ ኢኹም።”

16 ንሳቶም ከኣ ጸኒሖም ናብኡ ቐሪቦም ከምዚ በሉ፦ “ኣብዚ ንማልና ደምበታት፡ ንቘልዑና ድማ ከተማታት ንስራሕ። 17 ንሕና ግና ናብ ቦታኦም ክሳዕ እነእትዎም፡ ንውግእ ድሉዋት ኴንና፡+ ቀቅድሚ እስራኤላውያን ንኺድ። ቈልዑና ኸኣ ካብ ነበርቲ እታ ምድሪ ኻብ ዚመጽእ ሓደጋ ዕቝባ ምእንቲ ኺረኽቡ፡ ኣብ እተዓርዳ ኸተማታት ይቀመጡ። 18 ነፍሲ ወከፍ ካብ እስራኤላውያን ረርስቱ ኽሳዕ ዚርስተ፡ ናብ ኣባይትና ኣይክንምለስን ኢና።+ 19 ርስትና ብሸነኽ ምብራቕ ዮርዳኖስ ስለ እተቐበልና፡ ኣብ ስግር ዮርዳኖስን ኣብ ክንዮኡን ምሳታቶም ኣይክንርስተን ኢና።”+

20 ሙሴ ኸኣ ከምዚ ኢሉ መለሰሎም፦ “እዚ ነገር እዚ እንተ ጌርኩም፡ ማለት ኣብ ቅድሚ የሆዋ ንውግእ ኣጽዋር እንተ ኣልዒልኩም፡+ 21 ጸላእቱ ኻብ ቅድሚኡ ኺሰጕጎም ከሎ፡ ኵላትኩም ኣጽዋር ኣልዒልኩም ኣብ ቅድሚ የሆዋ ዮርዳኖስ እንተ ተሳጊርኩም፡+ 22 እታ ምድሪ ኸኣ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኽሳዕ እትግዛእ ከምኡ እንተ ጌርኩም፡+ ድሕሪኡ ኽትምለሱ ትኽእሉ ኢኹም፡+ ኣብ ቅድሚ የሆዋን እስራኤልን ድማ ብዘይ በደል ትዀኑ። ሽዑ፡ እዛ ምድሪ እዚኣ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ርስትኹም ክትከውን እያ።+ 23 እዚ እንተ ዘይጌርኩም ግና፡ ንየሆዋ ኽትብድልዎ ኢኹም። ሓጢኣትኩም ከም ዜርክበኩም ድማ ፍለጡ። 24 ንቘልዑኹም ከተማታት፡ ንመጓሰኹም ከኣ ደምበታት ስርሑ፣+ እቲ ቓል ዝኣቶኹምዎ ድማ ግበርዎ።”

25 ደቂ ጋድን ደቂ ሮቤልን ከኣ ንሙሴ ኸምዚ በልዎ፦ “ገላዉኻ ኸምቲ ጐይታይ ዝኣዘዞ ኺገብሩ እዮም። 26 ቈልዑናን ኣንስትናን ማልናን ኵሉ እንስሳታት ዘቤትናን ኣብኡ ኣብ ከተማታት ጊልዓድ ይኹኑ፣+ 27 ገላዉኻ ግና፡ ከምቲ ጐይታይ ዝበሎ፡ ንውግእ እተዓጥቁ ዘበሉ ዅሎም ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኺዋግኡ ኺሳገሩ እዮም።”+

28 ሙሴ ድማ ንኻህን ኣልኣዛርን ንእያሱ ወዲ ነዌን ንርእስታት ማይ ቤታት ነገዳት እስራኤልን ብዛዕባኦም ኣዘዘ። 29 ሙሴ ኸኣ ከምዚ በሎም፦ “ደቂ ጋድን ደቂ ሮቤልን ኵላቶም ኣብ ቅድሚ የሆዋ ንውግእ ተዓጢቖም ምሳኻትኩም ዮርዳኖስ እንተ ተሳጊሮም፡ እታ ምድሪ ድማ ኣብ ቅድሜኹም እንተ ተገዚኣ፡ ሽዑ ምድሪ ጊልዓድ ርስቲ ጌርኩም ሃብዎም።+ 30 ኣጽዋር ኣልዒሎም ምሳኻትኩም እንተ ዘይተሳጊሮም ግና፡ ኣብ ምድሪ ከነኣን ኣብ መንጎኹም ይስፈሩ።”

31 ደቂ ጋድን ደቂ ሮቤልን ድማ ከምዚ ኢሎም መለሱ፦ “ከምቲ የሆዋ ንገላዉኻ ዝበሎም፡ ከምኡ ኽንገብር ኢና። 32 ኣጽዋር ኣልዒልና ኣብ ቅድሚ የሆዋ ናብ ምድሪ ከነኣን ክንሳገር ኢና፣+ እቲ እንወርሶ ርስቲ ግና ኣብዚ ኣብ ክነጀው ሸነኽ ዮርዳኖስ ይኹነልና።” 33 ሙሴ ኸኣ ንዓታቶም፡—ንደቂ ጋድን ንደቂ ሮቤልን+ ንፍርቂ ነገድ ምናሴ+ ወዲ ዮሴፍን፡—መንግስቲ ሲሆን+ ንጉስ ኣሞራውያን፡ መንግስቲ ዖግ+ ንጉስ ባሳን፡ ኣብታ ሃገር እቲኣ ዘላ ምድሪ እተን ከተማታት፡ ኣብ ዙርያ እታ ምድሪ ዘለዋ ኸተማታት ሃቦም።

34 ደቂ ጋድ ድማ፡ ዲቦንን+ ዓጣሮትን+ ዓሮዔርን+ 35 ዓጥሮት-ሾፋንን ያዕዜርን+ ዮግበሃን+ 36 ቤት-ኒምራን+ ቤት-ሃራንን+ ዚብሃላ እተዓርዳ ኸተማታትን ንመጓሰኦም ዚኸውን ደምበታትን ሰርሑ።* 37 ደቂ ሮቤል ከኣ ሔስቦንን+ ኤልዓለን+ ቂርያታዪምን+ 38 ኔቦን+ በዓል-ሜዖንን፡+—ስማተን እተለወጠ፡—ሲብማን ሰርሑ፣ ነተን ዳግም ዝሰርሕወን ከተማታት ድማ ስም ለወጡለን።

39 ደቂ ማኪር+ ወዲ ምናሴ ኸኣ ናብ ጊልዓድ ከይዶም ሓዝዋ፣ ነቶም ኣብኣ ዝነበሩ ኣሞራውያን ድማ ሰጐጕዎም። 40 ሙሴ ኸኣ ንማኪር ወዲ ምናሴ ጊልዓድ ሃቦ፡ ንሱ ድማ ኣብኣ ተቐመጠ።+ 41 ያኢር ወዲ ምናሴ ኸኣ ከይዱ ዓድታት ድንኳናቶም ሓዘ፣ ሓዎት-ያኢር* ኢሉ ድማ ሰመየን።+ 42 ኖባ ኸኣ ከይዱ ንቄናትን ዓድታታን ሓዘ፣ ብስሙ ድማ ኖባ ኢሉ ሰመያ።

33 ህዝቢ እስራኤል በብሰራዊቶም+ ኣብ ትሕቲ መሪሕነት ሙሴን ኣሮንን+ ካብ ግብጺ ምስ ወጹ፡+ ካብ ቦታ ናብ ቦታ እናተጓዕዙ ዝገበርዎ ጕዕዞ እዚ እዩ። 2 ሙሴ ነቲ ብትእዛዝ የሆዋ ኻብ ቦታ ናብ ቦታ ኺጕዓዙ ኸለዉ ዚነቕሉሉ ቦታታት ይምዝግቦ ነበረ፣ እቲ ኻብ ሓደ ዚነቕሉሉ ቦታ ናብ ካልእ እተጓዕዝዎ ጕዕዞ እዚ እዩ፦+ 3 ኣብ ቀዳመይቲ ወርሒ፡ ኣብ መበል 15 መዓልቲ እታ ወርሒ፡+ ካብ ራዕምሴስ ነቐሉ።+ ድሕሪ ፋስጋ ኣብ ዘላ መዓልቲ፡+ እስራኤላውያን ብትብዓት* ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ ዅሎም ግብጻውያን ወጹ። 4 ግብጻውያን ከኣ ነቶም የሆዋ ኣብ መንጎኦም ዝቐተሎም ኵሎም በዅራት ይቐብሩ ነበሩ፣+ የሆዋስ ኣብ ልዕሊ ኣማልኽቶም ፍርዲ ፈጺሙ ነበረ።+

5 እስራኤላውያን ከኣ ካብ ራዕምሴስ ነቒሎም፡ ኣብ ሱኮት ሰፈሩ።+ 6 ካብ ሱኮት ነቒሎም ድማ፡ ኣብታ ኣብ ወሰን በረኻ ዘላ ኤታም ሰፈሩ።+ 7 ካብ ኤታም ነቒሎም ከኣ፡ ናብታ ኣብ መንጽር በዓል-ጸፎን ዘላ ጲሃሒሮት ተመልሱ፣+ ኣብ መንጽር ሚግዶል ድማ ሰፈሩ።+ 8 ካብ ጲሃሒሮት ነቒሎም ከኣ፡ ብማእከል ባሕሪ+ ገይሮም ናብ በረኻ+ ተሳገሩ፣ ኣብ በረኻ ኤታም+ መገዲ ሰለስተ መዓልቲ ኸይዶም ድማ፡ ኣብ ማራ ሰፈሩ።+

9 ካብ ማራ ነቒሎም ከኣ፡ ናብ ኤሊም መጹ። ኣብ ኤሊም ድማ 12 ዓይኒ ማይን 70 ኦም ተምርን ነበረ፣ ስለዚ፡ ኣብኣ ሰፈሩ።+ 10 ካብ ኤሊም ነቒሎም ከኣ፡ ኣብ ጥቓ ቐይሕ ባሕሪ ሰፈሩ። 11 ካብ ቀይሕ ባሕሪ ነቒሎም ድማ፡ ኣብ በረኻ ሲን ሰፈሩ።+ 12 ካብ በረኻ ሲን ነቒሎም ከኣ፡ ኣብ ዶፍቃ ሰፈሩ። 13 ካብ ዶፍቃ ነቒሎም ድማ፡ ኣብ ኣሉሽ ሰፈሩ። 14 ካብ ኣሉሽ ነቒሎም ከኣ፡ ኣብታ ነቶም ህዝቢ ዚሰትይዎ ማይ ዘይነበራ ረፊዲም ሰፈሩ።+ 15 ካብ ረፊዲም ነቒሎም ድማ፡ ኣብ በረኻ ሲና ሰፈሩ።+

16 ካብ በረኻ ሲና ነቒሎም ከኣ፡ ኣብ ቂብሮት-ሃታኣባ ሰፈሩ።+ 17 ካብ ቂብሮት-ሃታኣባ ነቒሎም ድማ፡ ኣብ ሓጸሮት ሰፈሩ።+ 18 ካብ ሓጸሮት ነቒሎም ከኣ፡ ኣብ ሪትማ ሰፈሩ። 19 ካብ ሪትማ ነቒሎም ድማ፡ ኣብ ሪሞን-ጰሬጽ ሰፈሩ። 20 ካብ ሪሞን-ጰሬጽ ነቒሎም ከኣ፡ ኣብ ሊብና ሰፈሩ። 21 ካብ ሊብና ነቒሎም ድማ፡ ኣብ ሪሳ ሰፈሩ። 22 ካብ ሪሳ ነቒሎም ከኣ፡ ኣብ ቄሄላታ ሰፈሩ። 23 ካብ ቄሄላታ ነቒሎም ድማ፡ ኣብ ከረን ሸፈር ሰፈሩ።

24 ካብ ከረን ሸፈር ነቒሎም ከኣ፡ ኣብ ሓራዳ ሰፈሩ። 25 ካብ ሓራዳ ነቒሎም ድማ፡ ኣብ ማቅሄሎት ሰፈሩ። 26 ካብ ማቅሄሎት ነቒሎም ከኣ፡+ ኣብ ታሓት ሰፈሩ። 27 ካብ ታሓት ነቒሎም ድማ፡ ኣብ ታራ ሰፈሩ። 28 ካብ ታራ ነቒሎም ከኣ፡ ኣብ ሚትቃ ሰፈሩ። 29 ካብ ሚትቃ ነቒሎም ድማ፡ ኣብ ሓሽሞና ሰፈሩ። 30 ካብ ሓሽሞና ነቒሎም ከኣ፡ ኣብ ሞሴሮት ሰፈሩ። 31 ካብ ሞሴሮት ነቒሎም ድማ፡ ኣብ ብነ-ያዓቃን ሰፈሩ።+ 32 ካብ ብነ-ያዓቃን ነቒሎም ከኣ፡ ኣብ ሖር-ሃጊድጋድ ሰፈሩ። 33 ካብ ሖር-ሃጊድጋድ ነቒሎም ድማ፡ ኣብ ዮጥባታ ሰፈሩ።+ 34 ካብ ዮጥባታ ነቒሎም ከኣ፡ ኣብ ዓብሮና ሰፈሩ። 35 ካብ ዓብሮና ነቒሎም ድማ፡ ኣብ ዔጽዮን-ገበር ሰፈሩ።+ 36 ካብ ዔጽዮን-ገበር ነቒሎም ከኣ፡ ኣብ በረኻ ጺን፡+ ማለት ቃዴስ፡ ሰፈሩ።

37 ካብ ቃዴስ ነቒሎም ድማ፡ ኣብቲ ኣብ ወሰን ምድሪ ኤዶም ዘሎ ኸረን ሆር ሰፈሩ።+ 38 ካህን ኣሮን ከኣ ብትእዛዝ የሆዋ ናብ ከረን ሆር ደየበ፣ እስራኤላውያን ካብ ምድሪ ግብጺ ኻብ ዚወጹ ኣብ መበል 40 ዓመት፡ ኣብ ሓምሸይቲ ወርሒ፡ ኣብ ቀዳመይቲ እታ ወርሒ ድማ ኣብኡ ሞተ።+ 39 ኣሮን ኣብ ከረን ሆር ኪመውት ከሎ፡ ወዲ 123 ዓመት ነበረ።

40 ንጉስ ዓራድ፡+ እቲ ኣብ ነጌብ ኣብ ምድሪ ከነኣን ዚቕመጥ ዝነበረ ከነኣናዊ ኸኣ፡ እስራኤላውያን ከም ዝመጹ ሰምዐ።

41 ካብ ከረን ሆር ነቒሎም ድማ፡+ ኣብ ጻልሞና ሰፈሩ። 42 ካብ ጻልሞና ነቒሎም ከኣ፡ ኣብ ጱኖን ሰፈሩ። 43 ካብ ጱኖን ነቒሎም ድማ፡ ኣብ ኦቦት ሰፈሩ።+ 44 ካብ ኦቦት ነቒሎም ከኣ፡ ኣብቲ ኣብ ዶብ ሞኣብ ዘሎ ዒየ-ዓባሪም ሰፈሩ።+ 45 ካብ ዒዪም ነቒሎም ድማ፡ ኣብ ዲቦን-ጋድ ሰፈሩ።+ 46 ካብ ዲቦን-ጋድ ነቒሎም ከኣ፡ ኣብ ዓልሞን-ዲብላታዪም ሰፈሩ። 47 ካብ ዓልሞን-ዲብላታዪም ነቒሎም ድማ፡ ኣብቲ ኣብ መንጽር ኔቦ+ ዘሎ ኣኽራን ዓባሪም+ ሰፈሩ። 48 ካብ ኣኽራን ዓባሪም ነቒሎም ከኣ፡ ኣብ ጐላጕል ምድረ በዳ ሞኣብ፡ ኣብ ጥቓ ዮርዳኖስ ናይ ያሪኮ ሰፈሩ።+ 49 ኣብ ጥቓ ዮርዳኖስ፡ ካብ ቤት-የሺሞት ክሳብ ኣቤል-ሺጢም፡+ ኣብ ጐላጕል ምድረ በዳ ሞኣብ ሰፈሩ።

50 የሆዋ ድማ ኣብ ጐላጕል ምድረ በዳ ሞኣብ፡ ኣብ ጥቓ ዮርዳኖስ ናይ ያሪኮ፡ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፦ 51 “ንእስራኤላውያን ከምዚ ኢልካ ተዛረቦም፦ ‘ዮርዳኖስ ተሳጊርኩም፡ ናብ ምድሪ ከነኣን ትኣትዉ ኣለኹም።+ 52 ንዅሎም ነበርቲ እታ ምድሪ ኻብ ቅድሜኹም ስጐጕዎም፣ ኵሉ ቕሩጽ ኣእማኖምን+ ኵሉ ፍሱስ ምስልታቶምን+ ኣዕንዉ፣ ኵሉ እቲ ዜምልኹሉ በረኽትታት ድማ ኣፍርሱ።+ 53  ኣነ ነታ ምድሪ ኽትርስተይዋ ብርግጽ ክህበኩም እየ እሞ፡ ነታ ምድሪ ኽትርስተይዋ፡ ኣብኣ እውን ክትቅመጡ ኢኹም።+ 54 ነታ ምድሪ ኣብ መንጎ ዓሌታትኩም ብዕጫ ተማቒልኩም+ ተረስተይዋ። ነቶም ብዙሓት፡ ርስቲ ኣግፍሑሎም፣ ነቶም ሒደት ከኣ፡ ርስቲ ኣንእሱሎም።+ ነፍሲ ወከፍ ኣብታ ዕጫኡ ዝበጽሓቶ ይረስተ። በብነገዳት ኣቦታትኩም ተረስተዩ።+

55 “‘ነቶም ነበርቲ እታ ምድሪ ኻብ ቅድሜኹም እንተ ዘይሰጒጕኩምዎም ግና፡+ እቶም ዘትረፍኩምዎም ኣብ ኣዒንትኹም ከም መሳቐዪ፡ ኣብ ጐድንኹም ከኣ ከም እሾዅ ኪዀኑኹም እዮም፣ ኣብታ እትቕመጡላ ምድሪ ድማ ኬጨንቑኹም እዮም።+ 56 ኣነ ኸኣ ከምቲ ንዓታቶም ክገብሮም ዝሓሰብኩ፡ ንዓኻትኩም ከምኡ ኽገብረኩም እየ።’”+

34 የሆዋ ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፦ 2 “ንእስራኤላውያን ከምዚ ኢልካ ኣዝዞም፦ ‘ናብ ምድሪ ከነኣን ምስ ኣቶኹም፡+ ወሰናት እታ ርስቲ ዀይና እትውሃበኩም ምድሪ፡ ማለት ምድሪ ከነኣን፡ እዚ እዩ።+

3 “‘ደቡባዊ ዶብኩም ካብቲ ኣብ ጐድኒ ኤዶም ዘሎ በረኻ ጺን ኣትሒዙ ይኺድ፣ ብምብራቕ ዘሎ ናይ ደቡብ ዶብኩም ድማ ካብ ጫፍ ባሕሪ ጨው* ይኹን።+ 4 ዶብኩም ብደቡብ ዓቐበት ዓቅራቢም+ ሓሊፉ ናብ ጺን ምእንቲ ኪቕጽል ኣንፈት ይቐይር፣ ጫፉ ኸኣ ደቡብ ቃዴስ-ባርኔዓ+ ይኹን። ብሓጻር-ኣዳር+ ኣቢሉ ኸይዱ ድማ ናብ ዓጽሞን ይቐጽል። 5 እቲ ዶብ ኣብ ዓጽሞን ናብ ርባ* ግብጺ ኣቢሉ ኣንፈት ይቐይር፣ ጫፉ ድማ ባሕሪ* ይኹን።+

6 “‘ምዕራባዊ ዶብኩም እቲ ዓብዪ ባሕርን* ገማግሙን ይኹን። ምዕራባዊ ዶብኩም እዚ ይኹን።+

7 “‘ሰሜናዊ ዶብኩም ከኣ እዚ ይኹን፦ ካብቲ ዓብዪ ባሕሪ ናብ ከረን ሆር ኣቢልኩም ምልክት ዶብኩም ግበሩ። 8 ካብ ከረን ሆር ክሳብ ለቦ-ሓማት*+ ምልክት ዶብ ግበሩ፣ ጫፍ እቲ ዶብ ድማ ኣብ ጸዳድ ይኹን።+ 9 እቲ ዶብ ድማ ናብ ዚፍሮን ኣቢሉ ይኺድ፣ ጫፉ ኸኣ ሓጻር-ዔናን ይኹን።+ ሰሜናዊ ዶብኩም እዚ ይኹን።

10 “‘ብምብራቕ ድማ ካብ ሓጻር-ዔናን ክሳብ ሼፋም ዶብኩም ኪኸውን ምልክት ግበሩ። 11 እቲ ዶብ ድማ ካብ ሼፋም ናብ ሪብላ፡ ናብ ምብራቕ ዓዪን ኣቢሉ ይኺድ፣ እቲ ዶብ ከኣ ወሪዱ፡ ምብራቓዊ ቝልቍለት ባሕሪ ኪነረት* ይሳገር።+ 12 እቲ ዶብ ድማ ናብ ዮርዳኖስ ኣቢሉ ይኺድ፣ ጫፉ ኸኣ ባሕሪ ጨው ይኹን።+ ምድርኹምን ኣብ ዙርያኣ ዘሎ ዶባታን እዚ ይኹን።’”+

13 ሙሴ ድማ ንእስራኤላውያን ከምዚ ኢሉ ኣዘዞም፦ “ከምቲ የሆዋ ንትሽዓተ ነገድን ፈረቓን ክትውሃብ ዝኣዘዞ ጌርኩም ብዕጫ ተማቒልኩም እትርስተይዋ ምድሪ እዚኣ እያ።+ 14 ነገድ ሮቤላውያን በብማይ ቤቶምን ነገድ ጋዳውያን በብማይ ቤቶምን ፍርቂ ነገድ ምናሴንሲ ርስቶም ወሲዶም እዮም።+ 15 እቶም ክልተ ነገድን ፈረቓን ናብ ምብራቕ እቲ ኣብ ጥቓ ያሪኮ ዘሎ ዞባ ዮርዳኖስ፡ ናብ ሸነኽ ምብራቕ ጸሓይ ርስቶም ወሲዶም እዮም።”+

16 የሆዋ ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፦ 17 “ስማት እቶም ነታ ምድሪ ኽትርስተይዋ ዚመቕሉኹም ሰባት እዚ እዩ፦ ካህን ኣልኣዛርን+ እያሱ+ ወዲ ነዌን። 18 ነታ ምድሪ ንርስትኹም ምእንቲ ኽትመቕልዋ ድማ፡ ከካብ ነገድ ሓደ ሹም ውሰዱ።+ 19 ስማት እቶም ሰባት እዚ እዩ፦ ካብ ነገድ ይሁዳ፡+ ካሌብ+ ወዲ የፉነ፣ 20 ካብ ነገድ ደቂ ስምኦን፡+ ሸሙኤል ወዲ ዓሚሁድ፣ 21 ካብ ነገድ ብንያም፡+ ኤልዳድ ወዲ ኪስሎን፣ 22 ካብ ነገድ ደቂ ዳን፡+ ሹም ቡቂ ወዲ ዩግሊ፣ 23 ካብ ደቂ ዮሴፍ፡+ ካብ ነገድ ደቂ ምናሴ፡+ ሹም ሓኒኤል ወዲ ኤፎድ፣ 24 ካብ ነገድ ደቂ ኤፍሬም፡+ ሹም ቄሙኤል ወዲ ሺፍጣን፣ 25 ካብ ነገድ ደቂ ዛብሎን፡+ ሹም ኤሊጻፋን ወዲ ጳርናክ፣ 26 ካብ ነገድ ደቂ ይሳኮር፡+ ሹም ጳልጢኤል ወዲ ዓዛን፣ 27 ካብ ነገድ ደቂ ኣሴር፡+ ሹም ኣሒሁድ ወዲ ሸሎሚ፣ 28 ካብ ነገድ ደቂ ንፍታሌም፡+ ሹም ጰዳህኤል ወዲ ዓሚሁድ።” 29 እቶም ንእስራኤላውያን ኣብ ምድሪ ከነኣን ምድሪ ኺመቕልዎም የሆዋ ዝኣዘዞም እዚኣቶም እዮም።+

35 የሆዋ ድማ ንሙሴ፡ ኣብ ጐላጕል ምድረ በዳ ሞኣብ፡ ኣብ ጥቓ ዮርዳኖስ+ ናይ ያሪኮ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፦ 2 “ንእስራኤላውያን፡ ካብቲ ዚርስተይዎ ርስቲ ንሌዋውያን ዚነብሩለን ከተማታት ኪህብዎም፡ ኣዝዞም፣+ ኣብ ዙርያ እተን ከተማታት ዘሎ መጓሰዪ እውን ንሌዋውያን ይሃብዎም።+ 3 ንሳቶም ከኣ ነተን ከተማታት ይንበሩለን፣ እቲ መጓሰዪታት ድማ ንማሎምን ንጥሪቶምን ንዅሉ ኻልእ እንስሳኦምን ይኹን። 4 እቲ ንሌዋውያን እትህብዎም ናይተን ከተማታት መጓሰዪታት፡ ካብ መካበብያ እታ ኸተማ ብዙርያኣ፡ 1,000 እመት* ይኹን። 5 ኣብ ወጻኢ እታ ኸተማ ኸኣ፡ ነታ ኸተማ ኣብ ማእከል ሓዲግኩም፡ 2,000 እመት ብሸነኽ ምብራቕ፡ 2,000 እመት ብሸነኽ ደቡብ፡ 2,000 እመት ብሸነኽ ምዕራብ፡ 2,000 እመት ድማ ብሸነኽ ሰሜን ለክዑ። እዚ ነተን ከተማታቶም መጓሰዪታት ኪኸውን እዩ።

6 “እተን ንሌዋውያን እትህብወን ከተማታት፡ ሰብ ዝቐተለ ኪሃድመለን እትህብወን 6 ኸተማታት ዕቝባ፡+ ኣብ ልዕሊአን ድማ 42 ከተማታት ይኹና። 7 ብድምር ከኣ ንሌዋውያን 48 ከተማታት፡ መምስ መጓሰዪታተን ሃብዎም።+ 8 እተን እትህብዎም ከተማታት፡ ካብ ርስቲ እስራኤላውያን ሃብዎም።+ ካብቶም ብዙሓት፡ ብዙሓት ውሰዱ፣ ካብቶም ሒደት ድማ፡ ሒደት ውሰዱ።+ ነፍሲ ወከፍ ከም መጠን እቲ እተረስተዮ ርስቲ፡ ካብ ከተማታቱ ንሌዋውያን ይሃብ።”

9 የሆዋ ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፦ 10 “ንእስራኤላውያን ከምዚ ኢልካ ተዛረቦም፦ ‘ዮርዳኖስ ተሳጊርኩም፡ ናብ ምድሪ ከነኣን ትኣትዉ ኣለኹም።+ 11 ብዘይፍላጥ ሰብ* ዝቐተለ ዚሃድመለን ከተማታት ዕቝባ ኪዀና፡ ንዓኻትኩም ዚምሽኣ ኸተማታት ሕረዩ።+ 12 እቲ ሰብ ዝቐተለ ኣብ ቅድሚ ኣኼባ ንፍርዲ ኸይቈመ ምእንቲ ኸይመውት፡+ እተን ከተማታት እቲአን ንዓኻትኩም ካብቲ ፈዳይ ደም መዕቈቢ ይኹናኹም።+ 13 እተን እትህብወን ሽዱሽተ ኸተማታት ዕቝባ፡ ነዚ ዕላማ እዚ ኪዀና እየን። 14 ሰለስተ ኸተማ ኣብ ክነጀው ሸነኽ ዮርዳኖስ፡+ ሰለስተ ኸተማ ኸኣ ኣብ ምድሪ ከነኣን+ ከተማታት ዕቝባ ኪዀና ሃቡ። 15 እተን ሽዱሽተ ኸተማታት ዕቝባ እቲአን ንእስራኤላውያንን ንጓናን+ ኣብ መንጎኹም ንዘሎ ሰፋርን፡ ኰታስ ብዘይፍላጥ ሰብ* ንዝቐተለ ዘበለ ዅሉ ዚሃድመለን መዕቈቢ ይኹና።+

16 “‘ግናኸ፡ ብንዋት ሓጺን እንተ ወቒዕዎ እሞ እንተ ሞይቱ፡ ንሱ ቐታል ነፍሲ እዩ። እቲ ቐታል ነፍሲ ኸኣ ብርግጽ ይቀተል።+ 17 ኪቐትል ብዚኽእል እምኒ እንተ ወቒዕዎ እሞ እንተ ሞይቱ ድማ፡ ንሱ ቐታል ነፍሲ እዩ። እቲ ቐታል ነፍሲ ኸኣ ብርግጽ ይቀተል። 18 ኪቐትል ብዚኽእል ንዋት ዕንጨይቲ እንተ ወቒዕዎ እሞ እንተ ሞይቱ ድማ፡ ንሱ ቐታል ነፍሲ እዩ። እቲ ቐታል ነፍሲ ኸኣ ብርግጽ ይቀተል።

19 “‘እቲ ፈዳይ ደም ነቲ ቐታል ነፍሲ ይቕተሎ። ምስ ዚረኽቦ፡ ባዕሉ ይቕተሎ። 20 ብጽልኢ እንተ ደፊእዎ ወይ ብኽፍኣት ሓሊኑ* ገለ ነገር እንተ ደርብዩሉ እሞ እንተ ሞይቱ፡+ 21 ወይ ብጽልኢ ተደሪኹ ብኢዱ እንተ ወቒዕዎ እሞ እንተ ሞይቱ፡ እቲ ዝወቕዐ ብርግጽ ይቀተል። ንሱ ቐታል ነፍሲ እዩ። እቲ ፈዳይ ደም ነቲ ቐታል ነፍሲ ምስ ዚረኽቦ፡ ይቕተሎ።

22 “‘ግናኸ፡ ብጽልኢ ዘይኰነስ፡ ብድንገት እንተ ደፊእዎ ወይ ብኽፍኣት ከይሓለነ* ኣቕሓ እንተ ደርብዩሉ፡+ 23 ወይ ከይረኣዮ እምኒ እንተ ደርብዩሉ፡ ጸላኢኡ ወይ ጕድኣቱ ዚደሊ ድማ እንተ ዘይነይሩ እሞ እቲ ሰብ እንተ ሞይቱ፡ 24 ሽዑ እቲ ኣኼባ ኣብ መንጎ እቲ ዝወቕዐን ኣብ መንጎ እቲ ፈዳይ ደምን በዚ ፍርዲ እዚ ይፍረድ።+ 25 እቲ ኣኼባ ነቲ ሰብ ዝቐተለ ኻብ ኢድ እቲ ፈዳይ ደም የድሕኖ፣ ናብታ ሃዲሙላ ዝነበረ ኸተማ ዕቝባ ኸኣ ይምለሶ፣ እቲ ብቕዱስ ዘይቲ እተቐብአ ሊቀ ኻህናት ክሳዕ ዚመውት ድማ ኣብኣ ይቀመጥ።+

26 “‘ግናኸ፡ እቲ ሰብ ዝቐተለ ኻብ ዶብ እታ ዝሃደመላ ኸተማ ዕቝባኡ እንተ ወጺኡ፡ 27 እቲ ፈዳይ ደም ከኣ ኣብ ወጻኢ ዶብ እታ ኸተማ ዕቝባኡ እንተ ረኺብዎ እሞ ነቲ ሰብ ዝቐተለ እንተ ቐቲልዎ፡ ዕዳ ደም የብሉን። 28 ከመይሲ፡ እቲ ሰብ ዝቐተለ ኽሳዕ ሞት እቲ ሊቀ ኻህናት ኣብታ ኸተማ ዕቝባኡ ኪቕመጥ ይግብኦ ነይሩ እዩ፣ ድሕሪ ሞት እቲ ሊቀ ኻህናት ግና፡ ናብታ ምድሪ ርስቱ ኺምለስ ይኽእል እዩ።+ 29 እዚ ድማ ኣብ እትነብሩሉ ዅሉ ንውሉድ ወለዶኹም ንፍርዲ ዚኸውን ሕጊ ይኹነልኩም።

30 “‘ሰብ* ዝቐተለ ዘበለ ቐታል ነፍሲ ብምስክርነት* መሰኻኽር ይቀተል፣+ ብምስክርነት ሓደ ምስክር ጥራይ ግና፡ ሓደ* እኳ ኣይቀተል። 31 ሞት ዚግብኦ ቐታል ነፍሲ ብርግጽ ይቀተል ደኣ እምበር፡ ካብኡ ጋር ነፍሲ* ኣይትቀበሉ።+ 32 ናብ ከተማ ዕቝባኡ ኻብ ዝሃደመ እውን፡ ሊቀ ኻህናት ከይሞተ ናብ ምድሩ ተመሊሱ ምእንቲ ኪቕመጥ ኢልኩም፡ ጋር ኣይትቀበሉ።

33 “‘ደም ንምድሪ ይብክላ እዩ እሞ፡ ነታ እትነብሩላ ምድሪ ኣይትበክልዋ፣+ ኣብ ምድሪ ንዝፈሰሰ ደም ከኣ፡ ብዘይካ ብደም እቲ ዘፍሰሶ፡ ብኻልእ ዕርቂ የልቦን።+ 34 ኣነ የሆዋ ኣብ ማእከል ህዝቢ እስራኤል እነብር ኣለኹ እሞ፡ ነታ ኣነ ዝነብረላ፡ ንስኻትኩም ድማ እትቕመጡላ ምድሪ ኣይተርክስዋ።’”+

36 ርእስታት ዓሌት ደቂ ጊልዓድ ወዲ ማኪር፡+ ወዲ ምናሴ፡ ካብ ዓሌታት ደቂ ዮሴፍ ድማ ናብ ቅድሚ ሙሴን ናብ ቅድሚ እቶም ርእስታት እስራኤላውያን ዝዀኑ ሹማምንትን ቀሪቦም ተዛረቡ። 2 ከምዚ ድማ በሉ፦ “የሆዋ ንጐይታይ፡ እታ ምድሪ ንእስራኤላውያን ርስቲ ኽትከውን ብዕጫ ኺዕድሎም ኣዚዝዎ እዩ፣+ የሆዋ ድማ ንጐይታይ፡ ርስቲ ሓውና ጸሎፍሓድ፡ ንኣዋልዱ ኺህበን ኣዚዝዎ እዩ።+ 3 ንሳተን ካብ ካልኦት ነገዳት እስራኤል ሰብኡት እንተ ተመርዕየን፡ ርስቲ እተን ኣንስቲ ኻብ ርስቲ ኣቦታትና ኺውሰድ፡ ናብ ርስቲ እቲ ተመርዕየን ዝኸዳኦ ነገድ ድማ ኪውሰኽ እዩ፣ በዚ ኸምዚ፡ ካብቲ ብዕጫ እተረስተናዮ ኺንከ እዩ። 4 ንህዝቢ እስራኤል ዓመት እልልታ+ ምስ ኰነሎም ከኣ፡ ርስቲ እተን ኣንስቲ ናብ ርስቲ እቲ ተመርዕየን ዝኸዳኦ ነገድ ኪውሰኽ እዩ፣ በዚ ኸምዚ፡ ርስተን ካብ ርስቲ ነገድ ኣቦታትና ኺንከ እዩ።”

5 ሙሴ ድማ ብትእዛዝ የሆዋ ንእስራኤላውያን ከምዚ ኢሉ ኣዘዞም፦ “ነገድ ደቂ ዮሴፍ እተዛረብዎ ቕኑዕ እዩ። 6 የሆዋ ንኣዋልድ ጸሎፍሓድ ዝኣዘዞ ቓል እዚ እዩ፦ ‘ንዝደለያኦ ይመርዓዋ፣ ግናኸ፡ ካብ ዓሌት ነገድ ኣቦአን ጥራይ ይኹን። 7 እስራኤላውያን ርስቲ ነገድ ኣቦታቶም የጽንዑ እምበር፡ ርስቲ እስራኤላውያን ካብ ነገድ ናብ ነገድ ኣይሕለፍ። 8 ካብ ነገዳት እስራኤል ርስቲ እተረስተየት ዘበለት ጓል ድማ፡ ካብ ነገድ ኣቦኣ ንእተወልደ፡ ሰበይቱ ትኹን፣+ በዚ ኸምዚ፡ እስራኤላውያን ርስቲ ኣቦታቶም ኪርስተዩ ይኽእሉ። 9 ነገዳት እስራኤል ረርስቶም የጽንዑ እምበር፡ ርስቲ ዘበለ ኻብ ነገድ ናብ ካልእ ነገድ ኣይሕለፍ።’”

10 ኣዋልድ ጸሎፍሓድ ከኣ ከምቲ የሆዋ ንሙሴ ዝኣዘዞ ገበራ።+ 11 ስለዚ፡ እተን ማሕላ፡ ቲርጻ፡ ሖግላ፡ ሚልካ፡ ኖዓ ዚብሃላ ኣዋልድ ጸሎፍሓድ፡+ ንደቂ ሓወቦታተን ተመርዓዋ። 12 ካብ ዓሌታት ምናሴ ወዲ ዮሴፍ ንእተወልዱ ሰብኡት፡ ኣንስቲ ዀና፣ በዚ ኸምዚ፡ ርስተን ኣብ ነገድ ዓሌት ኣቦአን ተረፈ።

13 እቲ የሆዋ ኣብ ጐላጕል ምድረ በዳ ሞኣብ፡ ኣብ ጥቓ ዮርዳኖስ ናይ ያሪኮ፡ ንእስራኤላውያን ብሙሴ ኣቢሉ ዝሃቦም ትእዛዛትን ፍርድታትን እዚ እዩ።+

ቃ.ቃ.፡ “ደቂ እስራኤል።”

ወይ፡ “በብርእሲ።”

ቃ.ቃ.፡ “ጓና፡” ማለት፡ ሌዋዊ ዘይኰነ።

ወይ፡ “ኣብ ጥቓ ሰንደቕ ዕላማኡ።”

ወይ፡ “ነቲ ማሕደር ምስክር ብሓላፍነት ይሓልውዎ፣ ኣብቲ ማሕደር ምስክር መዝነቶም ይፈጽሙ።”

ወይ፡ “ምልክት።”

ቃ.ቃ.፡ “ወለዶ ኣሮንን ሙሴን።”

ቃ.ቃ.፡ “ኢዶም እተመልኡ።”

ቃ.ቃ.፡ “ጓና፡” ማለት፡ ካብ ዓሌት ኣሮን ዘይኰነ።

ቃ.ቃ.፡ “ማሕጸን ዚኸፍት ኵሉ በዅሪ።”

ወይ፡ “መጋረጃ።”

ወይ፡ “መጋረጃታት።”

ወይ፡ “መጋረጃ።”

ወይ፡ “መጋረጃን።”

ወይ፡ “ሓላፊ።”

ወይ፡ “ሓላፍነት።”

ወይ፡ “ጓና።”

ወይ፡ “ብቕዱስ ሲቃል።”

ሓደ ሲቃል፡ 11.4 ግ. እዩ። ኣብ መ.ጽ. ለ14 ርአ።

ሓደ ጌራ፡ 0.57 ግ. እዩ። ኣብ መ.ጽ. ለ14 ርአ።

ቃ.ቃ.፡ “ኣፍ።”

ታሓሽ ናይ እብራይስጢ ቓል ኪኸውን ከሎ፡ ምናልባት ፎካ ንዚብሃል ዓይነት እንስሳ ባሕሪ የመልክት።

ታሓሽ ናይ እብራይስጢ ቓል ኪኸውን ከሎ፡ ምናልባት ፎካ ንዚብሃል ዓይነት እንስሳ ባሕሪ የመልክት።

ታሓሽ ናይ እብራይስጢ ቓል ኪኸውን ከሎ፡ ምናልባት ፎካ ንዚብሃል ዓይነት እንስሳ ባሕሪ የመልክት።

ካብ ዕንጨይቲ እተሰርሐ ኸም ቃሬዛ ዝበለ መጾሪ።

ታሓሽ ናይ እብራይስጢ ቓል ኪኸውን ከሎ፡ ምናልባት ፎካ ንዚብሃል ዓይነት እንስሳ ባሕሪ የመልክት።

ታሓሽ ናይ እብራይስጢ ቓል ኪኸውን ከሎ፡ ምናልባት ፎካ ንዚብሃል ዓይነት እንስሳ ባሕሪ የመልክት።

ካብ ዕንጨይቲ እተሰርሐ ኸም ቃሬዛ ዝበለ መጾሪ።

ማለት፡ ብስብሒ እቲ መስዋእቲ ዝጠስጠሰ ሓምዅሽቲ።

ታሓሽ ናይ እብራይስጢ ቓል ኪኸውን ከሎ፡ ምናልባት ፎካ ንዚብሃል ዓይነት እንስሳ ባሕሪ የመልክት።

ቃ.ቃ.፡ “ጾር።”

ወይ፡ “ሓላፍነት።”

ታሓሽ ናይ እብራይስጢ ቓል ኪኸውን ከሎ፡ ምናልባት ፎካ ንዚብሃል ዓይነት እንስሳ ባሕሪ የመልክት።

ወይ፡ “መጋረጃ።”

ወይ፡ “መጋረጃታት።”

ወይ፡ “መጋረጃ።”

ወይ፡ “ብነፍሲ።” ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።

ቃ.ቃ.፡ “ነፍሲ።”

ቃ.ቃ.፡ “እቲ ዝገበርዎ ሓጢኣት ይናዘዙ።”

ዓስራይ ኣፍ ኤፋ፡ 2.2 ሊ. እዩ። ኣብ መ.ጽ. ለ14 ርአ።

ንኣካላት መፍረ ዜመልክት ኪኸውን ኣለዎ።

ወይ፡ “ብምምህማኑን።” እዚ ንምምካን ዜመልክት ኪኸውን ይኽእል።

ንኣካላት መፍረ ዜመልክት ኪኸውን ኣለዎ።

ወይ፡ “ኼማህምንን።” እዚ ንምምካን ዜመልክት ኪኸውን ይኽእል።

ወይ፡ “ይኹን! ይኹን!”

ንኣካላት መፍረ ዜመልክት ኪኸውን ኣለዎ።

ወይ፡ “ኪምህምን።” እዚ ንምምካን ዜመልክት ኪኸውን ይኽእል።

ብእብራይስጢ ናዚር፡ ትርጉሙ “እተፈልየ፣ እተወፈየ።”

ወይ፡ “ምውትቲ ነፍሲ።” ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።

ወይ፡ “ንርእሲ ናዝራውነቱ እንተ ኣርከሰ።”

ወይ፡ “ምስ ነፍሲ።” ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።

ገንሸል ካብ ዕየት ዚዓቢ፡ ንእሽቶ ተባዕታይ በጊዕ እዩ።

ሽበን ካብ ዕየት እትዓቢ፡ ንእሽቶ ኣንስተይቲ በጊዕ እያ።

ወይ፡ “ርእሲ ናዝራውነቱ።”

ቃ.ቃ.፡ “ገጹ ናባኻ ኣቢሉ የልዕለልካ።”

ወይ፡ “ወፈያ።”

ወይ፡ “ብቕዱስ ሲቃል።”

ሓደ ሲቃል፡ 11.4 ግ. እዩ። ኣብ መ.ጽ. ለ14 ርአ።

ወይ፡ “ንእሽቶ ጭሔሎ።”

ገንሸል ካብ ዕየት ዚዓቢ፡ ንእሽቶ ተባዕታይ በጊዕ እዩ።

ገንሸል ካብ ዕየት ዚዓቢ፡ ንእሽቶ ተባዕታይ በጊዕ እዩ።

ቃ.ቃ.፡ “ምስኡ።”

ቃ.ቃ.፡ “ይወዝውዞም።”

ቃ.ቃ.፡ “ወዝውዞም።”

ቃ.ቃ.፡ “ወዝውዞም።”

ወይ፡ “ማሕጸን ዚኸፍት ኵሉ በዅሪ።”

ቃ.ቃ.፡ “ወዝወዞም።”

ቃ.ቃ.፡ “ኣብ መንጎ ኽልተ ምሸት።”

ቃ.ቃ.፡ “ኣብ መንጎ ኽልተ ምሸት።”

ወይ፡ “ብነፍሲ ሰብ።”

ወይ፡ “ብነፍሲ ሰብ።”

ወይ፡ “ብነፍሲ።”

ቃ.ቃ.፡ “ኣብ መንጎ ኽልተ ምሸት።”

ወይ፡ “ነፍሲ።”

ማለት፡ የትሮ።

ወይ፡ “ዓይኒ።”

ትርጉሙ፡ “ባርዕ።”

እቶም ኣብ መንጎኦም ዝነበሩ እስራኤላውያን ዘይኰኑ ኪዀኑ ኣለዎም።

ወይ፡ “ነፍስና ነቒጻ።”

ወይ፡ “ተነበዩ።”

ሓደ እመት፡ 44.5 ሰ.ሜ. እዩ። ኣብ መ.ጽ. ለ14 ርአ።

ሓደ ሖመር፡ 220 ሊ. እዩ። ኣብ መ.ጽ. ለ14 ርአ።

ትርጉሙ፡ “መቓብር ህርፋን።”

ወይ፡ “ትሑት፣ ልኡም።”

ቃ.ቃ.፡ “ኣብ ኵላ ቤተይ እሙን እዩ።”

ወይ፡ “ዚድህስሱ።”

ወይ፡ “የሆሹዓ፡” ትርጉሙ፡ “የሆዋ ድሕነት እዩ።”

ቃ.ቃ.፡ “ስብሕቲ።”

ቃ.ቃ.፡ “ዕባራ።”

ወይ፡ “መእተዊ ሓማት።”

ወይ፡ “ርባ።”

ወይ፡ “ርባ።”

ትርጉሙ፡ “ዘለላ ወይ ኣስካል ወይኒ።”

ወይ፡ “ዘርኢ።”

ቃ.ቃ.፡ “ከም ንሓደ ሰብ።”

ወይ፡ “ፍቕራዊ ለውሃትን።”

ወይ፡ “ዓሚቚ ጐልጐል።”

ቃ.ቃ.፡ “ኢደይ ዘልዓልኩላ።”

ቃ.ቃ.፡ “ብምንዝርናኹም።”

ወይ፡ “ኣነ ጸላኢኹም ምዃን።”

ሓደ ሂን፡ 3.67 ሊ. እዩ። ኣብ መ.ጽ. ለ14 ርአ።

ዓስራይ ኣፍ ኤፋ፡ 2.2 ሊ. እዩ። ኣብ መ.ጽ. ለ14 ርአ።

ገንሸል ካብ ዕየት ዚዓቢ፡ ንእሽቶ ተባዕታይ በጊዕ እዩ።

ወይ፡ “ነፍሲ።”

ኣርሕዶ ኻብ ማሕስእ እትዓቢ፡ ንእሽቶ ኣንስተይቲ ጤል እያ።

ወይ፡ “ነፍሲ።”

ወይ፡ “ነፍሲ።”

ወይ፡ “ነፍሲ።”

ወይ፡ “ኽትጕይተት።”

ቃ.ቃ.፡ “መናፍስቲ ዅሉ ስጋ።”

ወይ፡ “እዚ ኻብ ፍቓደይ።”

ቃ.ቃ.፡ “ኣፋ ኸፊታ።”

ወይ፡ “ሲኦል፡” ማለት፡ ሓፈሻዊ መቓብር ደቂ ሰብ። ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።

ቃ.ቃ.፡ “ኣፋ ኸፊታ።”

ወይ፡ “ሲኦል፡” ማለት፡ ሓፈሻዊ መቓብር ደቂ ሰብ። ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።

ወይ፡ “ነፍሶም ዝበደሉ።”

ቃ.ቃ.፡ “ጓና።”

ቃ.ቃ.፡ “ጓና፡” ማለት፡ ካብ ዓሌት ኣሮን ዘይኰነ።

ቃ.ቃ.፡ “ጓና፡” ማለት፡ ካብ ዓሌት ኣሮን ዘይኰነ።

ማለት፡ ዘይልወጥን ዘይብጆን ኰይኑ ንኣምላኽ ብምውፋዩ፡ ንኣምላኽ እተቐደሰ ዘበለ ዅሉ።

ቃ.ቃ.፡ “ኵሉ ስጋ።”

ሓደ ጌራ፡ 0.57 ግ. እዩ። ኣብ መ.ጽ. ለ14 ርአ።

ወይ፡ “ቕዱስ ሲቃል።”

ሓደ ሲቃል፡ 11.4 ግ. እዩ። ኣብ መ.ጽ. ለ14 ርአ።

ገንሸል ካብ ዕየት ዚዓቢ፡ ንእሽቶ ተባዕታይ በጊዕ እዩ።

ማለት፡ ናይ ሓዋሩን ዘይልወጥን ኪዳን።

ወይ፡ “ቀያሕ።”

ቃ.ቃ፡ “ስጋኡ።”

ቃ.ቃ.፡ “ስጋኡ።”

ወይ፡ “ሬሳ ነፍሲ ሰብ።” ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።

ቃ.ቃ.፡ “ብእኡ።”

ወይ፡ “ሬሳ፡ ማለት ነፍሲ ዝሞተ ሰብ።” ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።

ወይ፡ “ነፍሲ።”

ወይ፡ “ነፍሳትን።”

ወይ፡ “ነፍሲ።”

ወይ፡ “ነፍሲ።”

ትርጉሙ፡ “ቈየቛ።”

ቃ.ቃ.፡ “መዓልትታት።”

ቃ.ቃ.፡ “ኢድን።”

እዚ ንሞት ዜመልክት ብሂል እዩ።

ቃ.ቃ.፡ “ኣብኡ ኺእከብን ኪመውትን እዩ።”

ትርጉሙ፡ “ንጥፍኣት ምምጣው።”

ወይ፡ “ነፍሲ እቲ ህዝቢ ብመገዲ ዓቕላ ጸበባ።”

ወይ፡ “ነፍስና ፈንፊናቶ እያ።”

ወይ፡ “ዜንድዱ።”

ወይ፡ “ዜንድድ።”

ወይ፡ “ርባ።”

ወይ፡ “ርባታት።”

ቃ.ቃ.፡ “ኣፍ።”

ወይ፡ “ርባታት።”

ወይ፡ “ዘምሩሉ።”

ቃ.ቃ.፡ “መሮር።”

ወይ፡ “ምድረ በዳ፣ በረኻ” ኪኸውን ይኽእል።

ኤፍራጥስ ኪኸውን ኣለዎ።

ቃ.ቃ.፡ “ንዓይኒ።”

ወይ፡ “እታ ምድሪ።”

ቃ.ቃ.፡ “ንዓይኒ።”

ወይ፡ “እታ ምድሪ።”

ቃ.ቃ.፡ “ኣፍ እታ ኣድጊ ኸፈተ።”

ወይ፡ “ነፍሰይ ሞት ጻድቃን ትሙት።”

ወይ፡ “ከይጠዓስ።”

ወይ፡ “ምድረ በዳ፣ በረኻ” ኪኸውን ይኽእል።

ቃ.ቃ.፡ “ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ ጽቡቕ ከም ዝዀነ።”

ወይ፡ “ርባታት።”

ቃ.ቃ.፡ “ካብ ልበይ።”

ወይ፡ “ኣብ መወዳእታ መዓልትታት።”

ወይ፡ “መታልሕ ሞኣብ።”

ወይ፡ “ምስ በዓል ጴዖር።”

ቃ.ቃ.፡ “ርእስታት።”

ቃ.ቃ.፡ “ኣብ ቅድሚ ጸሓይ።”

ወይ፡ “ምስ በዓል ጴዖር።”

ወይ፡ “ሕላስ።”

ቃ.ቃ.፡ “ኣፋ ኸፊታ።”

ወይ፡ “ብመጠን ቍጽሪ ዝርዝር ስማቶም።”

እዚ ንሞት ዜመልክት ብሂል እዩ።

ቃ.ቃ.፡ “መናፍስቲ ዅሉ ስጋ።”

ወይ፡ “ክብርኻ።”

ገንሸል ካብ ዕየት ዚዓቢ፡ ንእሽቶ ተባዕታይ በጊዕ እዩ።

ቃ.ቃ.፡ “ኣብ መንጎ ኽልተ ምሸት።”

ሓደ ሂን፡ 3.67 ሊ. እዩ። ኣብ መ.ጽ. ለ14 ርአ።

ዓስራይ ኣፍ ኤፋ፡ 2.2 ሊ. እዩ። ኣብ መ.ጽ. ለ14 ርአ።

ቃ.ቃ.፡ “ኣብ መንጎ ኽልተ ምሸት።”

ቃ.ቃ.፡ “ኣዋርሕኩም።”

ገንሸል ካብ ዕየት ዚዓቢ፡ ንእሽቶ ተባዕታይ በጊዕ እዩ።

ወይ፡ “ነፍሳትኩም ድማ ኣሕስሙ።” ብሓፈሻኡ፡ “ርእስኻ ምሕሳም” ንእተፈላለየ ዓይነት ርእሰ ምሕሳም፡ እንተላይ ንጾም ከም ዜመልክት ጌርካ እዩ ዚውሰድ።

ወይ፡ “ነፍሱ ብማሕላ እንተ ኣሲሩ።”

ወይ፡ “ነቲ ኽትሕረም ነፍሳ ዝኣሰረትሉ መብጽዓ።”

ወይ፡ “ነፍሲ።”

እዚ ንሞት ዜመልክት ብሂል እዩ።

ወይ፡ “ዚዋጋእ ሰራዊት።”

ወይ፡ “ሰራዊት ኰይኖም።”

ወይ፡ “እተዃነየ ሰፈራቶምን።”

ወይ፡ “ነፍሲ።”

ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።

ወይ፡ “ነፍሳት።”

ወይ፡ “ነፍሳት ሰብ።”

ወይ፡ “ነፍሳት።”

ወይ፡ “ነፍሳት ሰብ።”

ወይ፡ “ነፍሳትና።”

ሓደ ሲቃል፡ 11.4 ግ. እዩ። ኣብ መ.ጽ. ለ14 ርአ።

ወይ፡ “ርባ።”

ወይ፡ “ዳግም ሰርሑ።”

ትርጉሙ፡ “ዓድታት ድንኳናት ያኢር።”

ቃ.ቃ.፡ “ብልዕልቲ ኢድ።”

ማለት፡ “ምዉት ባሕሪ።”

ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።

ማለት፡ እቲ ዓብዪ ባሕሪ፡ ወይ ባሕሪ መዲተራነያን።

ማለት፡ ባሕሪ መዲተራነያን።

ወይ፡ “መእተዊ ሓማት።”

ማለት፡ ቀላይ ጌንሳሬጥ፡ ወይ ባሕሪ ገሊላ።

ሓደ እመት፡ 44.5 ሰ.ሜ. እዩ። ኣብ መ.ጽ. ለ14 ርአ።

ወይ፡ “ነፍሲ።”

ወይ፡ “ነፍሲ።”

ቃ.ቃ.፡ “ኣድብዩ።”

ቃ.ቃ.፡ “ከየድበየ።”

ወይ፡ “ነፍሲ።”

ቃ.ቃ.፡ “ብኣፍ።”

ወይ፡ “ነፍሲ።”

ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ